ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ እዩ፧

ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ እዩ፧

 ናይ ፐንስልቨንያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ (ዎች ታወር ባይብል ኤንድ ትራክት ሶሳይቲ ኦቭ ፐንስልቨንያ)፡ ብ1884 ኣብ ትሕቲ ሕጊ ግዝኣት ፐንስልቨንያ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝቘመ ንመኽሰብ ዘይዓዪ ማሕበር እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ንሕትመት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ዜጠቓልል ዓለምለኻዊ ዕዮኦም ንምድጋፍ ዚጥቀሙሉ ማሕበር ድማ እዩ።

 ብመሰረት ቅዋሙ፡ ዕላማ እዚ ማሕበር እዚ፡ “ሃይማኖታውን ትምህርታውን ግብረ ሰናያውን” ኰይኑ፡ ብፍላይ ድማ፡ “ወንጌል እታ ብክርስቶስ የሱስ እትምራሕ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ምምሃርን” እዩ። ሓደ ሰብ ኣባል እዚ ማሕበር እዚ ኪኸውን ዚኽእል፡ ዕድመ ምስ ቀረበሉ ጥራይ እዩ፣ ኣባልነቱ ኣብ መጠን እቲ ዚውፍዮ ገንዘብ ዚምርኰስ ኣይኰነን። ኣባላት እዚ ማሕበርን ዳይረክተራቱን ንኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይሕግዝዎ እዮም።

ምትሕብባር ሕጋውያን ትካላት

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጀካ ናይ ፐንስልቨንያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዚርከባ ብዓሰርተታት ዚቝጸራ ሕጋውያን ትካላት እውን ይጥቀሙ እዮም። ስም ገሊአን እዘን ትካላት፡ “ዎች ታወር” ዚብል፡ ወይ “ግምቢ ዘብዐኛ” ዚትርጐም ቃላት ዝሓዘ እዩ።

 እዘን እተፈላለያ ሕጋውያን ትካላት እዚአን፡ ካብ ዝምስረታ ኣትሒዘን ብዙሕ ነገራት ክንዓምም ኣኽኢለናና እየን። ንኣብነት፦

  •   ጽሕፈትን ሕትመትን። ኣስታት 220 ሚልዮን መጽሓፍ ቅዱስን 40 ቢልዮን ዚኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ሓቲምና ኢና። ጽሑፋትና ብልዕሊ 900 ቛንቋ ይርከብ እዩ። እቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና፡ ሰባት ምንም ከይከፈሉ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት ብልዕሊ 160 ቋንቋ ኼንብብዎን፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧” ንዝኣመሰለ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኺረኽቡሉን ይሕግዞም ኣሎ።

  •   ትምህርቲ። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ዚህብ እተፈላለየ ኣብያተ ትምህርቲ ኣሎና። ንኣብነት፡ ካብ 1943 ኣትሒዙ፡ 9,000 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ብናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ ዚውሃብ ጽዑቕ ስልጠና ተጠቒሞም እዮም፣ እዚ ስልጠና እዚ፡ ሚስዮናውያን ኰይኖም ኬገልግሉ ወይ ድማ ንዓለምለኻዊ ዕዮና ኼደልድሉን ኬሐይሉን ኣኽኢልዎም እዩ። ኣብ ሰሰሙን ከኣ ሚልዮናት ሰባት፡ እንተላይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ፡ ካብቲ ኣብ ኵለን ጉባኤታትና ዚግበር ኣኼባታት፡ ትምህርቲ ይቐስሙ እዮም። ምንባብን ምጽሓፍን እውን ንምህር ኢና፣ ንሰባት ምንባብን ምጽሓፍን እትምህር ብ120 ቋንቋ እተዳለወት መጽሓፍ እውን ኣዳሊና ኢና።

  •   ግብረ ሰናይ። ነቶም ግዳያት ሰብ ዘምጸኦ ሓደጋ ዀነ ባህርያዊ ዕንወት ዝዀኑ እውን ረድኤት ንህብ ኢና። ገለ ኻብዚ ሓደጋታት፡ እቲ ብ1994 ኣብ ሩዋንዳ ዘጋጠመ ጃምላዊ ቕትለትን እቲ ብ2010 ኣብ ሀይቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬትን ኪጥቀስ ይከኣል።

 በተን እንጥቀመለን ማሕበራትን ሕጋውያን ትካላትን ኣቢልና ብዙሕ ዓሚምና እኳ እንተ ኣለና፡ ዕዮና ግና ኣብ ዋላ ሓደ ኻብአን ዚምርኰስ ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ምምሃርን መዝነት ኪፍጽም ብሕታዊ ሓላፍነት ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ኣምላኽ ንዕዮና ይድግፎ ኸም ዘሎን ብቐጻሊ ኸም ዜዕብዮን ድማ ንኣምን ኢና።—1 ቈረንቶስ 3:6, 7