ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሃይማኖቶም ጥራይ ናይ ሓቂ ኸም ዝዀነት ድዮም ዚኣምኑ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሃይማኖቶም ጥራይ ናይ ሓቂ ኸም ዝዀነት ድዮም ዚኣምኑ፧

ብዛዕባ ሃይማኖት ዚግደሱ ሰባት፡ ሃይማኖቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን የሱስን ቅቡል ምዃና ኺኣምኑ ግድን እዩ። እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ ሃይማኖት ኪሕዙ ኣይመድለዮምን።

የሱስ ክርስቶስ ነቲ፡ ‘ኵሉ ሃይማኖታትን መገድታትን ናብ ድሕነት እዩ ዚወስድ’ ዚብል ኣተሓሳስባ ኣይተቐበሎን። የግዳስ፡ “እታ ናብ ህይወት እትወስድ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳ እውን ቀጣን እያ፣ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም” እዩ ኢሉ። (ማቴዎስ 7:14) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ መገዲ እቲኣ ኸም ዝረኸብዋ እዮም ዚኣምኑ። እንተ ዘይከውን ነይሩ ግና፡ ካልእ ሃይማኖት መናደዩ ነይሮም።