ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ እምነቶም ኬሰማምዕዎ ኢሎም ቀይሮምዎ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ እምነቶም ኬሰማምዕዎ ኢሎም ቀይሮምዎ ድዮም፧

 ኣይቀየርናዮን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ እምነታትና ምሉእ ብምሉእ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይሰማማዕ ምስ ፈለጥና፡ ንእምነታትና ቐይርናዮ ኢና።

 ብ1950 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ክንሓትም ቅድሚ ምጅማርና፡ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲምና ንመጽሓፍ ቅዱስ መርሚርናዮ ኢና። ንእምነታትና ኸኣ በቲ ሽዑ ኽንረኽቦ እንኽእል ዝነበርና ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ኢና መስሪትናዮ። ንሒደት ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እምነታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መርምሮ እሞ፡ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ባዕልኻ ወስን።

  1.   እንታይ ንኣምን፧ ኣምላኽ ስላሴ ኣይኰነን። ናይ ሓምለ 1882 ሕታም ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ኢላ ነይራ፦ “ብየሆዋን ብየሱስን ብመንፈስ ቅዱስን ንኣምን እኳ እንተ ዀንና፡ እዚኣቶም ሰለስተ ኣምላኽ ኣብ ሓደ ኣካል ወይ ድማ ሓደ ኣምላኽ ኣብ ሰለስተ ኣካል ከም ዝዀኑ ዚገልጽ ትምህርቲ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስለ ዘይኰነ፡ ምሉእ ብምሉእ ከም እንነጽጎ ኣንበብትና ይፈልጡ እዮም።”

      መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ።” (ዘዳግም 6:4ዘ ሆሊ ባይብል፡ ባይ ሮበርት ያንግ) “ንኣናስ ኵሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና፡ ኵሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ አሎና።” (1 ቈረንቶስ 8:6ትርጉም 1956) የሱስ ባዕሉ እውን፡ “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 14:28ትርጉም 1956።

  2.   እንታይ ንኣምን፧ ኣብ ገሃነም እሳት ንዘለኣለም ምስቓይ ዚብሃል የልቦን። ካብ ሮሜ 6:23፡ ሕታም ኪንግ ጄምስ ቨርሽን እተወስደ፡ “ዓስቢ ሓጢኣት፡ ሞት እዩ” ዚብል ኣርእስቲ ሒዛ ዝወጸት ናይ ሰነ 1882 ሕታም ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ኢላ ነይራ፦ “እዚ ሓሳባት እዝስ ክሳዕ ክንደይ ንጹርን ቀሊልን ኰን እዩ! ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ከም ዚቕበልዎ ዚዛረቡ ሓያሎ ሰባት፡ ነዚ ሓሳባት እዚ ብድርቅና ዚጻረርዎ ምዃኖምን መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓስቢ ሓጢኣት ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም ምስቓይ ከም ዝዀነ እዩ ዚምህር ኢሎም ዚኣምኑ ምዃኖምን ብሓቂ ዜደንጹ እዩ።”

      መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።” (ህዝቅኤል 18:4, 20ትርጉም 1956) ናይ መወዳእታ መቕጻዕቲ እቶም ንኣምላኽ ዚጻረርዎ ሰባት፡ ንዘለኣለም ምስቓይ ዘይኰነስ፡ “ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት” እዩ።—2 ተሰሎንቄ 1:9ትርጉም 1956።

  3.   እንታይ ንኣምን፧ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ዘላ ነገር ዘይኰነትስ፡ ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ። ናይ ታሕሳስ 1881 ሕታም ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ “ምቛም እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ንዅለን ኣብ ምድሪ ዘለዋ መንግስትታት ምጥፋእ የጠቓልል” ኢላ ነይራ።

      መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፡ ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፡ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”—ዳንኤል 2:44ትርጉም 1956።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንእምነታቶም ንምድጋፍ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ድዮም ዚምርኰሱ፧

 ኣይፋልን፣ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣብ ዕዮ ስብከትና እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ንጥቀም ኢና። ከም ክፍሊ እቲ ብናጻ እንገብሮ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅዳሕ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብዘይ ክፍሊት ንህብ እኳ እንተ ዀንና፡ ነቶም ካልእ ትርጉማት ኪጥቀሙ ዚደልዩ እውን ተሓጒስና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሓሎም ኢና።