ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኵሉ ፍጥረት ቃል ብቓሉ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸም እተፈጥረ ድዮም ዚኣምኑ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኵሉ ፍጥረት ቃል ብቓሉ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸም እተፈጥረ ድዮም ዚኣምኑ፧

 ኣይፋልናን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኵሉ ነገራት ዝፈጠረ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ንኣምን ኢና። ምስቲ ዅሉ ፍጥረት ቃል ብቓሉ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸም እተፈጥረ ዚገልጽ ክልሰ ሓሳብ ግና ኣይንሰማማዕን ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ሓሳባት እዚ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ እዩ። ነዚ ዚስዕብ እስከ ኸም ኣብነት ርአ፦

  1.   ንውሓት እተን ሽዱሽተ መዓልትታት ፍጥረት። ገሊኦም፡ እተን ሽዱሽተ መዓልትታት ፍጥረት፡ ቃል ብቓሉ ነናይ 24 ሰዓት ንውሓት ዘለወን ሽዱሽተ መዓልትታት ከም ዝዀና እዮም ዚዛረቡ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ “መዓልቲ” እትብል ቃል ግና፡ ነዊሕ ግዜ ኸተመልክት ትኽእል እያ።—ዘፍጥረት 2:4፣ መዝሙር 90:4

  2.   ዕድመ ምድሪ። ገሊኦም፡ ምድሪ ኻብ እትፍጠር ሒደት ኣሽሓት ዓመታት ጥራይ ከም ዝገበረት እዮም ዚምህሩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ምድርን ዩኒቨርስን ቅድሚ እተን ሽዱሽተ መዓልትታት ፍጥረት ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:1) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ምድሪ ቢልዮናት ዓመታት ከም ዝገበረት ዚገልጽ ስነ ፍልጠታዊ መርትዖ ኣይቃወምዎን እዮም።

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍጥረት ንኣምን እኳ እንተ ዀንና፡ ንስነ ፍልጠት ግና ኣይንጻረሮን ኢና። ናይ ሓቂ ስነ ፍልጠትን መጽሓፍ ቅዱስን ከም ዚሰማምዑ ኢና እንኣምን።