ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ንዚዓይዩ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ዚኸውን ሓገዝ

ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ንዚዓይዩ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ዚኸውን ሓገዝ

 ብሪን ኣብ ኖርዝ ካሮላይና ሕ.መ.ኣ እዩ ዚነብር፣ ኣባል ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ዀይኑ ድማ ይዓዪ እዩ። እዚ ኮሚተ እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝዀኑ ተሓከምቲ፡ ዜድልዮም ድጋፍ ንምሃብ ምስ ሆስፒታላት ብቐረባ ዚዓዪ እዩ።

 ሓያሎ ሆስፒታላት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ሕሙማት ኪብጽሑ ኣይፈቕዳን እየን ነይረን። ብሪን ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዚርከብ ሆስፒታል ንዝደቀሱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ተሓከምቲ፡ ብኸመይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ንምፍላጥ፡ ንተሓከምቲ ምስቶም ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ዚህቡ ሰባት ናብ ዜራኽብ ሓላፊ ደወለ።

 ምስ ሓጋዚ እቲ ሓላፊ ኸኣ ተዛራረበ። ብምኽንያት ኮቪድ-19፡ ሕሙማት ብኣካል ኪብጽሑ ስለ ዘይክእሉ፡ ብሪን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝዀኑ ተሓከምቲ ምእንቲ ኼዘራርቦም፡ ስልኪ ቝጽሩ ኪውሃቦም ዚከኣል እንተ ዀይኑ ነቲ ሓጋዚ ሓተቶ። ከም ዚከኣል ከኣ ተነግሮ።

 ብሪን ብዛዕባ ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል እውን ሓሰበ። ንሓጋዚ እቲ ሓላፊ ኸኣ ንዕዮ እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ከም ዜማስወሉን ንዅሎም ሰናይ ጥዕና ኸም ዚምነየሎምን ነገሮ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚነብሩ ሰባት ብፍላይ ድማ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል፡ ብሰንኪ እዚ ለበዳ እዚ፡ ከቢድ ጸቕጢ የጋጥሞም ከም ዘሎ ዚገልጽ ሓሳብ ከም ዘንበበ ነገሮ።

 እቲ ሓጋዚ ምስ ሓሳቡ ብምስምማዕ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19፡ ኣብ ሆስፒታል ዘሎ ዅነታት ኣዝዩ ጸቕጢ ዝመልኦ ምዃኑ ነገሮ።

 ሽዑ ብሪን፡ “ሰባት ንጸቕጢ ኺዋጽኡሉ ዚሕግዝ ሓበሬታ፡ ኣብ ወብሳይትና ኣሎ። ናብ jw.org ኣቲኻ ‘ድለ’ ኣብ ዚብል፡ ‘ጸቕጢ’ ኢልካ እንተ ጽሒፍካ፡ ንመሳርሕትኻ ዚኸውን ዜተባብዕ ዓንቀጻት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ” በሎ።

 ገና እናተዛረቡ ኸለዉ ድማ እቲ ሓጋዚ ናብቲ ወብሳይት ኣትዩ፡ “ጸቕጢ” ኢሉ ምስ ደለየ፡ ነቲ ዝወጸ ዓንቀጻት ረኣዮ። ድሕሪኡ፡ “ዜገርም እዩ! ነቲ ሓላፊ ኼርእዮ እየ። እዚ ንመሳርሕተይን ንኻልኦትን ዚጠቅም እዩ። እተወሰነ ቅዳሓት ሓቲመ፡ ክዕድሎም እየ” በለ።

 ድሕሪ እተወሰነ ሰሙናት፡ ብሪን ናብቲ ሓላፊ ደዊሉ ኣዘራረቦ። ንሱ ድማ ናብቲ ወብሳይት ኣትዮም፡ ብዛዕባ ጸቕጥን ምስኡ ዚተሓሓዝ ነገራትን ዚገልጽ ዓንቀጻት ከም ዝሓተሙ እሞ ነዚ ኣብቲ ሆስፒታል ንዚሰርሑ ኣለይቲ ሕሙማትን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ከም ዝዓደልዎ ሓበሮ።

 ብዘይካዚ፡ እቲ ሓላፊ ስለቲ ዕዮናን ስለቲ ብጽቡቕ እተዳለወ ጽሑፋትናን ኣመስጊኑ፡ እቲ ጽሑፋት ብዙሕ ከም ዝሓገዞም ገለጸ።