ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምሃሩ ዚሕግዝ ዓለምለኻዊ ዕዮ ሕትመት

ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምሃሩ ዚሕግዝ ዓለምለኻዊ ዕዮ ሕትመት

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰባት፡ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር የንብቡ እዮም። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነዚ ጽሑፋት እዚ ብኸምዚ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ፡ ማለት ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ እዮም ዜንብብዎ። ብዛዕባ ስፍሓት ዕዮ ሕትመትና ምስ እትፈልጥ ግና ትግረም ትኸውን። ክሳዕ 2013፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብልዕሊ 700 ቛንቋ ሓቲምና፡ ናብ 239 ሃገራት ድማ ዘርጊሕና ኢና።

ቅድሚ 1920፡ ኵሉ ጽሑፋትና ኣብ ትካላት ንግዲ እዩ ዚሕተም ነይሩ። ብ1920 ግና ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ንእሽቶ ፋብሪካ ተኻሪና እተወሰነ መጽሔታትን ንኣሽቱ መጻሕፍትን ክንሓትም ጀሚርና። በዚ ንእሽቶ መሳለጥያ ጀሚርና፡ ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃን ኣውስትራልያን ኤውሮጳን እስያን ሰሜን ኣመሪካን ደቡብ ኣመሪካን ብዚርከባ 15 ናይ ሕትመት መሳለጥያታትና ንዓዪ ኣሎና።

ልዕሊ ዅሉ ዜገድሰና መጽሓፍ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብቲ እንሓትሞ ጽሑፋት እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ መጽሓፍ እዩ። ብ1942፡ ቀዳማይ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቤት ማሕተምና ተሓቲሙ፣ እዚ ድማ እቲ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን እዩ ነይሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 1961 ኣትሒዝና፡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ተርጒምናን ኣብ ሓደ ጥራዝ ኣሕቲምናን ኢና። ክሳዕ 2013፡ ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብ121 ቋንቋ ኣዳሊና፡ ልዕሊ 184 ሚልዮን ቅዳሕ ድማ ኣሕቲምና ኢና።

ኣሃዛት ሕትመት ንበይኑ ብዛዕባ እቲ ዕዮ ምሉእ ሓበሬታ ኺህበካ ኣይክእልን እዩ። እነዳልዎ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንነዊሕ ግዜ ኼገልግል ዜኽእሎ ድልዳለ ኣለዎ። ሕብሪ ገጻቱ ናብ ብጫ ዚቕይር ኣሲድ ኣብ ዘይብሉ ወረቓቕቲ እዩ ተሓቲሙ፣ እቲ ወረቓቕቲ ድማ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ተጠሪዙ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ መዓልታዊ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ድልዱል መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ እዩ ተረኺቡ።

ካልእ ጽሑፋት

ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ዚሕግዝ ካልእ ጽሑፋት እውን ንሓትም ኢና። ንገለ ኻብቲ ኣብ 2013 እተወስደ ኣሃዛት እስከ ርአ፦

  • ግምቢ ዘብዐኛ፦ ቀንዲ መጽሔትና ዀይና ብልዕሊ 210 ቋንቋ ተተርጒማ እትሕተምን ኣብ ዓለም ብብዝሒ ዝርጋሐኣ ቐዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላን መጽሔት እያ። ነፍሲ ወከፍ ሕታም እዛ 16 ገጽ ዘለዋ መጽሔት፡ ብኣስታት 45,000,000 ቅዳሕ እያ እትሕተም።

  • ንቕሑ!፦ ብጸይቲ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ዀይና ብብዝሒ ዝርጋሐኣ ኻልኣይ ደረጃ ዝሓዘትን ብ99 ቋንቋ እትትርጐምን መጽሔት እያ። ነፍሲ ወከፍ ሕታም ብኣስታት 44,000,000 ቅዳሕ እያ እትሕተም።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧፦ እዛ ልስሉስ ገበር ዘለዋ 224 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ፡ ኣንበብታ ንመሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድእዎ ኽትሕግዞም እያ ተዳልያ። ካብ 2005 ኣትሒዙ፡ ብልዕሊ 240 ቋንቋ፡ ልዕሊ 214 ሚልዮን ቅዳሕ ተሓቲሙ እዩ።

  • ንኣምላኽ ስምዓዮ፦ እዛ 32 ገጽ ዘለዋ ብሮሹር፡ ጽቡቕ ገይሮም ኬንብቡ ንዘይክእሉ ሰባት ንምሕጋዝ እተዳለወት እያ። ንቐሊል ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብውቁብ ስእልታትን ብሓጺር ሓሳባትን እያ እትገልጾ። ብልዕሊ 400 ቛንቋ ድማ ልዕሊ 42 ሚልዮን ቅዳሕ ተሓቲሙ ኣሎ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዘይካ እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘለዎም ሕቶታት መልሲ ኺረኽቡሉ፡ ኣብ ህይወቶም ንዜጋጥሞም ጸገማት ኪዋጽኡሉ፡ ከምኡ ድማ ሓጐስ ዘለዋ ስድራ ቤት ኪመርሑ ዚሕግዞም እተፈላለየ መጻሕፍትን ብሮሹራትን ትራክትታትን ይሓትሙ እዮም። ኣብያተ ሕትመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብ2012 ልዕሊ 1.3 ቢልዮን መጽሔታትን 80 ሚልዮን መጻሕፍትን መጽሓፍ ቅዱሳትን ሓቲመን እየን።

ኣብያተ ሕትመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብ2012 ልዕሊ 1.3 ቢልዮን መጽሔታትን 80 ሚልዮን መጻሕፍትን መጽሓፍ ቅዱሳትን ሓቲመን እየን

እቶም ኣብ ኣብያተ ሕትመትና ምብጻሕ ዚገብሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ነዚ ጽሑፋት እዚ ኣብ ምሕታም ዚዓይዩ ህርኩታት ሰባት ይድነቑ እዮም። ኵሎም እዞም ሰብኡትን ኣንስትን፡ ግዜኦምን ጕልበቶምን ወፍዮም እዮም። መብዛሕትኦም ከኣ ናብቲ “ቤት ኣምላኽ” ዝትርጉሙ ቤት-ኤል ኪመጹ ኸለዉ፡ ኣብ ዕዮ ሕትመት ተመክሮ ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብኡ ዚረኽብዎ ስልጠናን እቲ ንስልጠና ዜተባብዕ ናይ ስራሕ ሃዋህውን ጽቡቕ ውጽኢት እዩ ዜምጽእ። ንኣብነት፡ ነናይ 16 ገጽ ዘለዎ 200,000 መጽሔታት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሰዓት ዚሓትማ ብልዑል ፍጥነት ዚዓይያ ሓተምቲ ዚቈጻጸሩ ኣብ 20ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ መንእሰያት ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ነዚ ዚኸውን ገንዘብ ካበይ እዩ ዚመጽእ፧

ዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ብፍታው ዚግበር ወፈያታት እዩ ዚምወል። እታ ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ እትብሃል ዝነበረት ሕጂ ድማ ግምቢ ዘብዐኛ እትብሃል ዘላ መጽሔት፡ ኣብ ናይ ነሓሰ 1879 ሕታማ፡ “‘ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ’ ናይ የሆዋ ደገፍ ኣለዋ ኢልና ኢና እንኣምን፣ እቲ ጕዳይ ከምኡ ኽሳዕ ዝዀነ ኸኣ፡ ናይ ሰብ ረድኤት ኣይትልምንን ወይ እውን ኣይትሓትትን እያ” ኢላ ነበረት። ሕጂ እውን እንተዀነ ኸምኡ እዩ ዚስምዓና።

ኣብዚ ዕዮ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ግዜን ገንዘብን ጕልበትን እንውፊ ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ፡ ንሓደ ኻብቲ ብሚልዮናት ዚቝጸር ኣብ ኣብያተ ሕትመትና እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱሳት ወይ መጻሕፍቲ እተንብብ ኩን፡ ወይ እውን ነዚ ጽሑፋት እዚ ኣብ ኢንተርነት እተንብቦ ኹን ብዘየገድስ፡ ንኣምላኽ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኺሕግዘካ ተስፋ ንገብር ኢና።