ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስም የሆዋ ዜኽብር ምርኢት መጽሓፍ ቅዱስ

ስም የሆዋ ዜኽብር ምርኢት መጽሓፍ ቅዱስ

ብ2013 ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈትና ምርኢት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚኽፈት ኣትሒዙ፡ ብዙሓት ሰባት ሳሕቲ ጥራይ ዚርከብ ጠቓሚ መጽሓፍ ቅዱሳት ብብዝሒ ኺውፍዩ ጸኒሖም እዮም። ካብቲ እተኣከበ መጽሓፍ ቅዱሳት፡ ኮምፕሉተንስያን ፖሊግሎት (ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ ቛንቋ)፡ ቀዳማይ ሕታማት መጽሓፍ ቅዱስ ኪንግ ጀምስን ብኢራስመስ እተዳለወ “ሓድሽ ኪዳን” ግሪኽኛን ይርከቦ።