ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብፍቕሪ ዝሓበሩ—ኣብ ፍራንክፈርት፡ ጀርመን እተኻየደ ዓብዪ ኣኼባ

ብፍቕሪ ዝሓበሩ—ኣብ ፍራንክፈርት፡ ጀርመን እተኻየደ ዓብዪ ኣኼባ

“ዳርጋ ናይ ስድራ ቤት ጽምብል እዩ ዚመስል ነይሩ።” እዚ፡ ፍራንክፈርተር ሩንድሻው ኣብ እትብሃል ጋዜጣ ዝወጸ ኣርእስተ ዜና እዩ ነይሩ። ኵሎም ተኣከብቲ እውን ነዚ ተሰማሚዖምሉ እዮም።

ካብ ፖርቶ ሪኮ ዝመጸት ካርላ፡ “ኣብ ቤተይ ዘለኹ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ እዮም ገይሮም!” በለት።

ካብ ኣውስትራልያ ዝመጸት ሳራ፡ “ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ንእትርከብ ስድራ ቤተይ ዝበጽሕ ዝነበርኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” በለት።

ከምዚ ዝኣመሰለ ምውቕ ስምዒቶም ኪገልጹ ዝደረኾም እንታይ እዩ ነይሩ፧ እቲ ኻብ 18 ኽሳዕ 20 ሓምለ 2014 ኣብ ኮመርስባንክ ኣሬና፡ ፍራንክፈርት እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ። ኣስታት 37,000 ተኣከብቲ ድማ እዮም ነይሮም።

እቶም ተኣከብቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃሩ እዮም ብሓባር ተኣኪቦም። እቲ መደብ ትምህርቲ፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን መዝሙራትን ጸሎትን ክልተ ድራማን ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርእሰ ነገር እተመስረተ ባህ ዜብል መደረታትን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከምኡ ድማ ካብ ሊባኖስን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ሰርብያን ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ደቡብ ኣፍሪቃን ግሪኽን ዝመጹ ልዕሊ 3,000 ተወከልትን እዮም ተኣኪቦም ነይሮም። ኣብ ከም ዕዮ ሚስዮናውነት ዝኣመሰለ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዚርከቡ ኻብ 70 ሃገራት ዝመጹ 234 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ተኣኪቦም ነይሮም እዮም።

ገሊኡ ኽፋል እቲ መደብ ኣብ ጀርመን ናብ ዚርከብ 19 ቦታታት ከምኡ ድማ ኣብ ኦስትርያን ስዊዘርላንድን ናብ ዚርከብ መአከቢ ቦታታት ብቐጥታ ብኢንተርነት ተመሓላሊፉ እዩ። ኣብ ኵሉ እዚ ቦታታት ናይ እተኣከቡ ጠቕላላ ድምር ከኣ 204,046 እዩ ነይሩ።

ዕንቅፋታት ምስጋር

ኣብ ፍራንክፈርት፡ እቲ መደብ ብቛንቋ እንግሊዝኛን ጀርመንኛን ግሪኽኛን እዩ ቐሪቡ። ኣብ ካልእ መአከቢ ቦታታት፡ መደረታት ብቐጥታ ናብ 17 ቛንቋ ተተርጒሙ እዩ፣ ገለ ኻብዚ ዓረብኛን ቻይንኛን ታሚልኛን ቱርክኛን ክልተ ቛንቋ ምልክትን ይርከቦ።

እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እተፈላለየ ቛንቋታት ዚዛረቡ፡ ካብ እተፈላለየ ሃገራትን ባህልታትን ድማ ዝመጹ እኳ እንተ ነበሩ ኣይተኸፋፈሉን፣ ብፍቕሪ ዝሓበሩ እዮም ነይሮም። (ዮሃንስ 13:34, 35) ንሓድሕዶም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም ዚረኣኣዩ ነይሮም።

ካብ ብሪጣንያ ዝመጸ ቶቢያስ፡ “ዓለምለኻዊ ሕውነትና ብዶባት ከም ዘይሕጸር ተመኲርናዮ ኢና” በለ።

ካብ ፖርቶ ሪኮ ዝመጸት ዳቭያና፡ “ካብ ልዕሊ 20 ሃገራት ምስ ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺበ እየ። ንኣምላኽን ንሓድሕድናን ብዘሎና ፍቕሪ ዝሓበርና ኢና ኔርና” በለት።

ካብ ኣውስትራልያ ዝመጸ ማልኮም ድማ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ እየ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ። ብዛዕባ እቲ ፍሉይ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ኣንቢበን ቪድዮታት ርእየን እየ። ባዕለይ ምስ ተመከርክዎ ግና ናይ ሓቂ ትርጉሙ ኽርዳእ ክኢለ እየ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ምእካብ ብሓቂ እምነት ዜደልድል እዩ።”

ዘይርሳዕ እንግዶት

ኣባላት እተን ኣብ ፍራንክፈርትን ኣብ ከባቢኣን ዚርከባ 58 ጉባኤታት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንተወከልቲ ዚኸውን ህያባትን ናይ ምዝንጋዕ መደባትን ኣዳልዮም እዮም።

ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጸት ሲንትያ፡ “ዜደንቕ እንግዶት እዩ ተገይሩልና። ነቲ ኣሕዋት ዘርኣዩና ፍቕርን ሕያውነትን ልግስን ፈጺመ ኣይኪርስዖን እየ” በለት።

ኣብ ጀርመን ዚነብር ሳይመን፡ “ዜደንቕ ሕውነታዊ ፍቕርን ልባዊ ሰሓቕን ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ካብ ሓድሕድና ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና” ብምባል ርእይቶኡ ገሊጹ።

ካብ ኣውስትራልያ ዝመጸት ኤሚ፡ “እቲ ናይ ምዝንጋዕ መደብ፡ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ጥሩፍነትን ነፍስኻ ምሕሳምን ዜተባብዕ ዓይነት ህይወት ከም ዘይንነብር ኣረጋጊጹለይ እዩ። ንጹህ ብዝዀነ መገዲ ብኸመይ ባህ ዜብል እዋን ከም እነሕልፍ ንፈልጥ ኢና” ብምባል ትዕዝብታ ገሊጻ።

ባህ ዜብል ተዘክሮታት

እዚ ኣብ ፍራንክፈርት እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከባ ትሽዓተ ሃገራት እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባታት እዩ።

ሓደ ኻብቶም ተወከልቲ፡ ኣብ ፍራንክፈርት እተኻየደ ዓብዪ ኣኼባ ኸመይ ይመስል ከም ዝነበረ ኺገልጽ ምስ ተሓትተ፡ ከምዚ ብምባል እዩ መሊሱ፦ “ምስ ሓደ ቕድሚ ሕጂ ዘይትፈልጦ ዝነበርካ ናይ ቀረባ ዘመድ፡ ንኣብነት ምስ ሓውኻ ኸም እተራኸብካ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ምስ ረኸብካዮ ብኡብኡ ናብ ቤቱ ይቕበለካን ልቡ ይኸፍተልካን፣ ብቓላት ክትገልጾ ዘይትኽእል ሓጐስ ድማ ይስምዓካ። ሕጂ ነዚ ሓጐስ እዚ፡ ብ37,000 ኣርብሓዮ። ኣብቲ ኣኼባ ምክፋል ከምዚ እዩ ዚመስል ነይሩ።”