መዝሙር 19:1-14

  • ፍጥረትን ሕግን ኣምላኽ ይምስክር

    • “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ይነግር” (1)

    • ፍጹም ሕጊ ኣምላኽ፡ ሓይሊ የሐድስ (7)

    • “ዘይፈልጦ ሓጢኣት” (12)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር። 19  ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ይነግር፣+ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ ይእውጅ።+   መዓልቲ መዓልቲ ዘረባኦም ይወጽእ፣ለይቲ ለይቲ ድማ ፍልጠት ይገልጹ።   ዘረባ የልቦን፡ ቃላት ከኣ የልቦን፣ድምጾም እውን ኣይስማዕን።   ደሃዮም* ግና ናብ ኵላ ምድሪ፡መልእኽቶም ድማ ክሳብ ወሰናት ዓለም* ወጺኡ።+ ንሱ ንጸሓይ ኣብ ሰማያት ድንኳን ተኺሉላ፣   ንሳ ኸምቲ ኻብ ቤት ሕጽኖት ዚወጽእ መርዓዊ እያ፣መገዱ ኸም ዚጐዪ ጅግና ኸኣ ትሕጐስ።   ካብ ሓደ ወሰን ሰማያት ትወጽእ፡ናብቲ ኻልእ ወሰን ድማ ትዘውር፣+ካብ ዋዒኣ ዚኽወል ከኣ የልቦን።   ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ፡+ ሓይሊ የሐድስ።*+ መዘኻኸሪታት የሆዋ እሙን እዩ፡+ ንዘይለበመ የጥብቦ።+   ስርዓታት የሆዋ ጻድቕ እዩ፡ ንልቢ የሐጕሶ።+ ትእዛዝ የሆዋ ጽሩይ እዩ፡ ንኣዒንቲ የብርሀን።+   ፍርሃት የሆዋ+ ንጹህ እዩ፡ ንዘለኣለም ይነብር። ፍርድታት የሆዋ ሓቂ እዩ፡ ብምሉኡ ጻድቕ እዩ።+ 10  ካብ ወርቂ፡ካብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ይብሃግ፣+ካብ መዓር፡ ካብቲ ኻብ ጎጎኡ ዜንጠብጥብ መዓር እኳ ይጥዕም።+ 11  ጊልያኻ ብእኡ መጠንቀቕታ ይውሃቦ፣+ንዕኡ ምሕላው ከኣ ዓብዪ ዓስቢ ኣለዎ።+ 12  ንጌጋታት መን ኬስተውዕሎ ይኽእል፧+ ካብቲ ዘይፈልጦ ሓጢኣት ኣንጽሃኒ። 13  ንጊልያኻ ድማ ካብ ድፍረት ሓልዎ፣+እዚ ኺመልከኒ እውን ኣይትሕደግ።+ ሽዑ፡ ምሉእ ክኸውን፡+ካብ ዕሉል ሓጢኣት* ከኣ ክነጽህ እየ። 14  ኦ የሆዋ፡ ከውሐይን+ ተበጃውየይን፡+ቃላት ኣፈይን ምስትንታን ልበይን ባህ ዜብለካ ይኹን።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ገመድ መለክዒኦም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ፍርያም ምድሪ።”
ወይ፡ “ንነፍሲ ይመልሳ።”
ወይ፡ “ብዙሕ ጥሕሰት።”