ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማህደረ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ

  • ሂን።

    ስፍርን መስፈርን ፈሳሲ። ሓደ ሂን 3.67 ሊ. እዩ ነይሩ። (ዘጸ 29:40)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ሂጋዮን።

    ሙዚቃዊ መምርሒ እትህብ ተክኒካዊት ቃል። ኣብ መዝሙር 9:16 እትርከብ ኰይና፡ መዝሙር ሓንሳእ ተቛሪጹ ንዚስማዕ ረጒድ ዝቓናኡ ሙዚቃ መሰንቆ ወይ ንምስትንታን ንዚኸውን ስቕታ እተመልክት ክትከውን ትኽእል እያ።

  • ሃዋርያ።

    መሰረታዊ ትርጉም እታ ቓል፡ “እተላእከ” ዚብል እዩ፣ ንየሱስን ንኻልኦት ኬገልግሉ ንእተላእኩ ሰባትን እውን ተዓይዩላ ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ መጸውዒ እቶም የሱስ ባዕሉ ዝሓረዮም 12 እተሸሙ ወኪላቱ ዀይና ኣገልጊላ ኣላ።—ማር 3:14፣ ግብ 14:14

  • ሃዛብ።

    ኣብ ስርዓተ ምንጻህ ደም ወይ ማይ ንምንጻግ ዜገልግል ጽቡቕ ጨናፍርን ኣቝጽልትን ዘለዎ ተኽሊ። ማርጆራም (ኦሪጋኑም ማሩ፣ ኦሪጋኑም ሲርያኩም) ዚብሃል ተኽሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ዮሃንስ 19:29 ነቲ መጺጽ ወይኒ ዝመልአ ሰፍነግ ናብ ኣፍ የሱስ ንምቕራብ፡ ነቲ ማርጆራም ምስ ጨንፈር ወይ ምስ ቃንጫ መሸላ ኣተሓሒዞም ተጠቒሞም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ዘጸ 12:22፣ መዝ 51:7

  • ሃደስ።

    ምስታ “ሲኦል” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ማዕረ ዝዀነት ናይ ግሪኽኛ ቓል። “መቓብር” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ፣ ሓፈሻዊ መቓብር ምዃና ዚሕብር እግረ ጽሑፍ ተገይሩላ ኣሎ።—ኣብ “መቓብር” ርአ።

  • ሄርሜስ።

    ኣምላኽ ግሪኻውያን፡ ወዲ ድያ (ዘዩስ)። ልኡኽ ኣማልኽትን ኣምላኽ ክእለት ዘረባን ጌርካ ይርአ ብምንባሩ፡ ኣብ ልስጥራ ንጳውሎስ ብጌጋ ሄርሜስ ኢሎም ጸዊዖምዎ እዮም።—ግብ 14:12

  • ሄሮድሳውያን።

    ነቲ እንዳ ሄሮድስ ኣብ ትሕቲ ሮማውያን ኰይኖም ዝሓስብዎ ፖለቲካዊ ሸቶታት ዚድግፉ ጕጅለ ሃገራውያን እዮም ነይሮም። ገሊኦም ሰዱቃውያን ካብዞም ጕጅለ እዚኦም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሄሮድሳውያን ምስ ፈሪሳውያን ሓቢሮም ንየሱስ ተጻሪሮምዎ እዮም።—ማር 3:6

  • ሄሮድስ።

    ብሮሜ ተሸይሙ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ናይ ዝገዝአ ስርወ ንግስነት ስም እንዳ። ሄሮድስ እቲ ዓብዪ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዳግም ብምህናጹን ንየሱስ ኪቐትሎ ኢሉ ቘልዑ ብምውዳኡን እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። (ማቴ 2:16፣ ሉቃ 1:5) ድሕሪኡ፡ እቶም ደቂ ሄሮድስ እቲ ዓብዪ ዝዀኑ ሄሮድስ ኣርኬላዎስን ሄሮድስ ኣንቲጳስን፡ ኣብ ክፋላት ግዝኣት ኣቦኦም ተሸሙ። (ራእ 2:13) ኣንቲጳስ ብዓል ርባዕ ሽመት ነበረ፣ ብህዝቢ ድማ “ንጉስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ፣ ንሱ ኣብቲ ክርስቶስ ዜገልግለሉ ዝነበረ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን፡ ከምኡ ድማ ክሳዕ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 12 ተጠቒሱሉ ዝነበረ እዋን ይገዝእ ነበረ። (ማር 6:14-17፣ ሉቃ 3:1, 19, 20፣ 13:31, 32፣ 23:6-15፣ ግብ 4:27፣ 13:1) ድሕሪኡ፡ ሄሮድስ ኣግሪጳ ቐዳማይ፡ ወዲ ወዱ ንሄሮድስ እቲ ዓብዪ ንሓጺር ግዜ ድሕሪ ምግዛኡ ብመልኣኽ ተቐዝፈ። (ግብ 12:1-6, 18-23) ወዱ ዳግማይ ሄሮድስ ኣግሪጳ ኸኣ ነገሰ እሞ ኽሳዕ እቲ ኣይሁድ ካብ ሮሜ ዚዓልዉሉ ግዜ ገዝአ።—ግብ 23:35፣ 25:13, 22-27፣ 26:1, 2, 19-32

  • ሆሬብ፣ ከረን ሆሬብ።

    ኣብ ከባቢ ኸረን ሲና ዚርከብ ኣኽራን ዝበዝሖ ዞባ። ካልእ ስም ከረን ሆሬብ። (ዘጸ 3:1፣ ዘዳ 5:2)—ኣብ መ.ጽ. ለ3 ርአ።

  • ለበዳ።

    ለብዒ ኪኸውን ዚኽእልን ሞት ዜስዕብን ብቕልጡፍ ዚመሓላለፍ ሕማም። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ መለኮታዊ ፍርዲ ይተሓሕዝ እዩ።—ዘሁ 14:12፣ ህዝ 38:22, 23፣ ኣሞ 4:10

  • ለብጦን።

    ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እታ ኣይሁድ ዚጥቀሙላ ዝነኣሰት ሰልዲ ነሓሲ ወይ ብሮንዞ። (ማር 12:42፣ ሉቃ 21:2፣ እ.ጽ.)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ሊቀ መላእኽቲ።

    “ሓለቓ መላእኽቲ” ማለት እያ። እታ “ሊቀ” እትብል ቅድመ ጥብቆ፡ “ሓለቓ” ወይ “ኣውራ” ማለት እያ። እዚ ትርጉም እዝን “ሊቀ መላእኽቲ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጽል እትርከብ ምዃናን ተደማሚሩ፡ ሓደ ሊቀ መላእኽቲ ጥራይ ከም ዘሎ ይሕብር። መጽሓፍ ቅዱስ ስም እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ሚካኤል ከም ዝዀነ ይገልጽ።—ዳን 12:1፣ ይሁ 9፣ ራእ 12:7

  • ሊቀ ኻህናት።

    ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ እቲ ነቶም ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚውክሎምን ንኻልኦት ካህናት ዚቈጻጸሮምን ኣውራ ኻህን። (2ዜና 26:20፣ እዝ 7:5) ናብታ ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕደርን ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ መቕደስን እትርከብ ዝነበረት ቅድስተ ቕዱሳን ኪኣቱ ዚፍቀደሉ ንሱ ጥራይ እዩ ነይሩ። ብመዓልቲ ዕርቂ ጥራይ ከኣ እዩ ዚኣቱ ነይሩ። የሱስ ክርስቶስ እውን በታ “ሊቀ ኻህናት” እትብል ቃል ተጸዊዑ እዩ።—ዘሌ 16:2, 17፣ 21:10፣ ማቴ 26:3፣ እብ 4:14

  • ሊቃውንቲ ኻህናት።

    ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እተን “ሊቃውንቲ ኻህናት” ዚብላ ቓላት ነቶም ኣቐዲሞም ሊቀ ኻህናት ዝነበሩ እሞ ኻብ ስልጣኖም ዝወረዱ ኻህናትን ነቶም ርእስታት 24 ክፍልታት ካህናትን ዝዀኑ ኣውራታት ካህናት ዜመልክታ ኪዀና ኣለወን።—ማቴ 2:4፣ ማር 8:31

  • ሊባኖስ፡ ሰንሰለት ኣኽራን።

    ሓደ ኻብቲ ንኣኽራን ምድሪ ሊባኖስ ዜቕውም ክልተ ሰንሰለት ኣኽራን። እዚ ኽልተ ሰንሰለት ኣኽራን ሓደ ብምዕራብ ሓደ ብምብራቕ ኣሎ። ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ነዊሕን ፍርያምን ስንጭሮ ኣሎ። እቲ ብምዕራብ ዘሎ ሰንሰለት ኣኽራን ዳርጋ ብቐጥታ ኻብ ገምገም መዲተራነያን እዩ ዚትንስእ፣ ርእሲ እቲ ኣኽራን ድማ ካብ 1,800 ክሳብ 2,000 ሜ. ብራኸ ኣለዎ። ብግዜ ጥንቲ፡ ሊባኖስ ብግሩም ቄድሮስ እተሸፈነት እያ ነይራ፣ እዚ ኸኣ በተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ኣኽቢርካ ይርአ ነበረ። (ዘዳ 1:7፣ መዝ 29:6፣ 92:12)—ኣብ መ.ጽ. ለ7 ርአ።

  • ሌዊ፣ ሌዋዊ።

    ያእቆብ ካብ ልያ ዝወለዶ ሳልሳይ ወዲ፣ ድሕሪኡ ድማ ስም ነገድ። ሰለስተ ደቁ መስረትቲ ሰለስተ ቐንዲ ኽፍልታት ሌዋውያን ኰኑ። ሓድሓደ ግዜ፡ እታ “ሌዋውያን” እትብል ቃል ንብዘሎ እቲ ነገድ ተመልክት፣ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ነቶም ካብ ዓሌት ኣሮን ዝዀኑ ኻህናት ኣይተጠቓልሎምን እያ። ነገድ ሌዊ ኣብታ ምድሪ ተስፋ ርስቲ እትኸውን ናይ በይኖም ምድሪ ኣይተዋህበቶምን፣ ግናኸ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ንኻልኦት ነገዳት እተመደበ ምድሪ ዚርከባ 48 ከተማ ተዋሂበናኦም እየን።—ዘዳ 10:8፣ 1ዜና 6:1፣ እብ 7:11

  • ሌዋታን።

    መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ማይ ተተሓሒዙ ዚጥቀስ እንስሳ ብምዃኑ፡ ሓደ ዓይነት ማያዊ ፍጥረት ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ እዮብ 3:8ን 41:1ን፡ ንሓርገጽ ወይ ንኻልእ ገዚፍን ብርቱዕን ማያዊ ፍጥረት ዜመልክት ይመስል። ኣብ መዝሙር 104:26፡ ሓደ ዓይነት ዓሳ ኣንበሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ካልእ ቦታታት ብምሳልያዊ መገዲ ስለ እተዓይየሉ፡ ምስ ሓደ ዓይነት እንስሳ ኸተዛምዶ ኣይከኣልን እዩ።—መዝ 74:14፣ ኢሳ 27:1

  • ልቕሶ፣ ቍዝማ።

    ዓሚቝ ሓዘን ዚገልጽ ቃላት ወይ ሙዚቃ ዝሓዘ ድርሰት፣ ንኣብነት፡ ብሰንኪ ሞት ብጾቶም ወይ ሞት ዚፈትውዎ ሰብ እተሰምዖም ብርቱዕ ሓዘን ንምግላጽ ይጥቀሙሉ ነበሩ።—2ሳሙ 1:17፣ መዝ 7

  • ልብሲ ኣፍ ልቢ።

    ሊቀ ኻህናት እስራኤል ናብታ ቕድስቲ ኺኣቱ ኸሎ ኣብ ደረቱ ዚለብሶ ዝነበረ ብኽቡር ኣእማን እተሰላለመ ሕሽኩል ዚመስል ልብሲ። ነቲ ፍርዲ ኣምላኽ ንምግላጽ ዜገልግል ኡሪምን ቱሚምን ይሕዝ ብምንባሩ “ናይ ፍርዲ ልብሲ ኣፍ ልቢ” ተባሂሉ ኣሎ። (ዘጸ 28:15-30)—ኣብ መ.ጽ. ለ5 ርአ።

  • ልዕለ ጽሑፍ።

    ኣብ መጀመርታ መዝሙር ዚርከብ ነታ መዝሙር መን ከም ዝጸሓፋ ዚገልጽ፡ ድሕረ ባይታዊ ሓበሬታ ዚህብ፡ ሙዚቃዊ መምርሒ ዚህብ፡ ወይ ኣጠቓቕማን ዕላማን እታ መዝሙር ዚሕብር ኣርእስቲ።—ኣብ ልዕለ ጽሑፋት መዝሙር 3: 4: 5: 6: 7: 30: 38: 60: 92: 102 ርአ።

  • ሎግ።

    ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ እትርከብ ዝነኣሰት ስፍሪ ፈሳሲ። ኣብ ታልሙድ ኣይሁድ፡ ሓደ ሎግ፡ 1/12 ሂን ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ፣ ስለዚ፡ በዚ መሰረት እዚ፡ ሓደ ሎግ 0.31 ሊ. እዩ።—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ሓላዊ።

    (1) መብዛሕትኡ ግዜ ለይቲ ኻብ ጕድኣት ሰባት ወይ ንብረት ዚሕሉ እሞ ሓደጋ ኺመጽእ ከሎ መጠንቀቕታ ዜስምዕ ሰብ። ነቶም ናብ ከተማ ዚመጹ ገና ኣብ ማዕዶ ኸለዉ ኺርእዩ ተባሂሎም ኣብ መካበብያን ግምብታትን ከተማ ሓለውቲ ይቘሙ ነበሩ። ኣብ ሰራዊት እውን ሓለውቲ ይቘሙ ነበሩ። ነብያት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንህዝቢ እስራኤል ካብቲ ዚመጽእ ጥፍኣት ዜጠንቅቑ ሓለውቲ ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም። (2ነገ 9:20፣ ህዝ 3:17) (2) ኣብ ጉባኤ ቐንዲ ሓላፍነቱ ምሕላውን ምጕሳይን ዝዀነ ሰብ። እቲ ኣብታ ኢፒስኮፖስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ዚርከብ መሰረታዊ ሓሳብ፡ ንምዕቋብ ዚግበር ክትትል የጠቓልል። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ እታ “ሓላዊ” እትብል ቃልን እታ “ሽማግለ” (ፕረስቢተሮስ) እትብል ቃልን ንሕደ ቦታ ዜመልክታ እየን፣ እታ “ሽማግለ” እትብል ቃል ነቲ ብሱል ባህርያት እቲ እተሸመ ሰብ ከተመልክት ከላ፡ እታ “ሓላዊ” እትብል ቃል ድማ ነቲ ምስዚ ሽመት እዚ ዚመጽእ ዕዮታት ተጕልሕ።—ግብ 20:28፣ 1ጢሞ 3:2-7፣ 1ጴጥ 5:2

  • ሓርቢ ወይኒ።

    ብቘርበት እንስሳ፡ ማለት ብቘርበት ጤል ወይ በጊዕ ዚስራሕ ወይኒ ዚትሓዘሉ ኣቕሓ። ወይኒ ኺፈልሕ ከሎ፡ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ዚብሃል ጋዝ ስለ ዜውጽእ እሞ ነቲ ሓርቢ ስለ ዚነፍሖ፡ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ እዩ ዚዕረቕ። ሓድሽ ኣሕርብቲ ይሰፍሕ እዩ፣ ኣረጊት ግና ዘይሰፍሕ ብምዃኑ፡ ጸቕጢ በርቲዕዎ ይቕደድ።—እያ 9:4፣ ማቴ 9:17

  • ሓወልቲ።

    ኣብ “ዓንዲ” ርአ።

  • ሓወልቲ ኣምልኾ።

    ቀጥ ዝበለ ዓንዲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዓንዲ እምኒ፣ ምልክት መትሎ በዓል ወይ ካልኦት ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ።—ዘጸ 23:24

  • ሓዘን።

    ሞት ወይ ካልእ መዓት ዜስዕቦ ደጋዊ መገለጺ ጓሂ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንነዊሕ እዋን ምሕዛን ልሙድ ነበረ። ዚሓዝኑ ሰባት ዓው ኢሎም ይበኽዩ፡ ፍሉይ ክዳውንቲ ይኽደኑ፡ ሓምዅሽቲ ኣብ ርእሶም ይንስንሱ፡ ክዳውንቶም ይቐድዱ፡ ደረቶም እውን ይወቕዑ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ክኢላታት መልቀስቲ ናብ ቀብሪ ይጽውዑ ነበሩ።—ዘፍ 23:2፣ ኣስ 4:3፣ ራእ 21:4

  • ሕጊ።

    እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ንሕጊ ሙሴ ወይ ነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ቐዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ተመልክት። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ከኣ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ወይ ኣብ መሰረታዊ ሕጊ ዘሎ ዝርዝር ሕግታት ተመልክት።—ዘሁ 15:16፣ ዘዳ 4:8፣ ማቴ 7:12፣ ገላ 3:24

  • ሕጊ ሙሴ።

    የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ብ1513 ቅ.ክ. ኣብ በረኻ ሲና ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ። እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ሓሙሽተ ቐዳሞት መጻሕፍቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ “ሕጊ” ጥራይ ተባሂለን ይጽውዓ።—እያ 23:6፣ ሉቃ 24:44

  • ሖመር።

    ምስ ቆሮስ ማዕረ ዝዀነ መስፈር እኽሊ። ብመሰረት ግምት መስፈር ባት ኪቕመር ከሎ፡ 220 ሊ.። (ዘሌ 27:16)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • መለኸት።

    ብብረት ዚስራሕ ንምልክትን ንሙዚቃን ዜገልግል ናይ ትንፋስ መሳርሒ። ብመሰረት ዘሁልቍ 10:2፡ የሆዋ ንምጽዋዕ እቲ ኣኼባ፡ ንምንቃል እቲ ሰፈር፡ ወይ ንምእዋጅ ውግእ ምልክት ዚኸውን ክልተ መለኸት ብሩር ኪስራሕ መምርሒ ሂቡ ነይሩ። እዚኣተን ከኣ ከምቲ ኻብ ኣቕርንቲ እንስሳ ዚስርሓ እተጠውየ “መለኸት ቀርኒ” ዘይኰናስ፡ ቀጥ ዝበላ መለኸታት እየን ነይረን። ምስቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ናውቲ እውን ብኸመይ ከም እተሰርሐ ዘይተጠቕሰ ዓይነት መለኸት ተጠቒሱ ኣሎ። ብምሳልያዊ መገዲ ደሃይ መለኸት ንእወጃ ፍርዲ የሆዋ ወይ መለኮታዊ ምንጪ ንዘለዎ ኻልእ ኣገዳሲ ፍጻመታት የሰኒ እዩ።—2ዜና 29:26፣ እዝ 3:10፣ 1ቈረ 15:52፣ ራእ 8:7–11:15

  • መላእኽቲ።

    ማልኣኽ ካብ ዚብል ናይ እብራይስጢ ቓልን ኣጌሎስ ካብ ዚብል ናይ ግሪኽኛ ቓልን። ክልቲኡ እዚ ቓላት እዚ፡ “ልኡኽ” ዚብል ትርጉም እኳ እንተ ኣለዎ፡ ንመንፈሳዊ ፍጡር ዝዀነ ልኡኽ ኬመልክት ከሎ ግና “መልኣኽ” ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ። (ዘፍ 16:7፣ 32:3፣ ያእ 2:25፣ ራእ 22:8) መላእኽቲ ኻብቲ ሰባት እተፈጥሩሉ ነዊሕ ግዜ ኣቐዲሞም ብኣምላኽ እተፈጥሩ ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣእላፋት ቅዱሳት፡” “ደቂ ኣምላኽ፡” “ከዋኽብቲ ጽባሕ” ተባሂሎም እውን ተረቚሖም ኣለዉ። (ዘዳ 33:2፣ እዮ 1:6፣ 38:7) ነፍሲ ወከፎም በብውልቂ ደኣ እዮም ተፈጢሮም እምበር፡ ከም ዚወልዱ ጌርካ ኣይኰኑን ተፈጢሮም። ቍጽሮም ካብ ሚእቲ ሚልዮን ይበዝሕ። (ዳን 7:10) ብሕታዊ ስማትን ነናይ ውልቆም ባህርያትን ከም ዘለዎም፡ ኣምልኾ ኪቕበሉ ፍቓደኛታት ከም ዘይኰኑ፡ መብዛሕትኦም ከኣ ስማቶም እኳ ኺነግሩ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዘፍ 32:29፣ ሉቃ 1:26፣ ራእ 22:8, 9) እተፈላለየ ደረጃታት ዘለዎም ኪዀኑ ኸለዉ፡ በበይኑ ዕዮ ይምደበሎም እዩ፣ ገለ ኻብኡ፡ ኣብ ቅድሚ ዝፋን የሆዋ ምግልጋል፡ መልእኽትታቱ ምብጻሕ፡ ንምድራውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ምድጋፍ፡ ፍርድታት ኣምላኽ ምፍጻም፡ ዕዮ ስብከት ድማ ምፍጻም ኪጥቀስ ይከኣል። (2ነገ 19:35፣ መዝ 34:7፣ ሉቃ 1:30, 31፣ ራእ 5:11፣ 14:6) ኣብ መጻኢ፡ ንየሱስ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ኪድግፍዎ እዮም።—ራእ 19:14, 15

  • መሪር ተኽሊ።

    ኣዝዩ መሪር ጣዕሚ ዘለዎ ብርቱዕ ዝጨናኡ እተፈላለየ ብዙሕ ዝዕንጨይቱ ኣትክልቲ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መሪር ተኽሊ ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ ምንዝርናን ባርነትን ዓመጻን ክሕደትን ዜምጽኦ ምረት ንምግላጽ የገልግል። ኣብ ራእይ 8:11 “መሪር ተኽሊ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ኣብሲንት ተባሂሉ እውን ንዚፍለጥ መሪርን መርዛምን ነገር የመልክት።—ራእ 8:11፣ ዘዳ 29:18፣ ምሳ 5:4፣ ኤር 9:15፣ ኣሞ 5:7

  • መርጀን።

    ካብ ኣስከሬን ደቀቕቲ እንስሳታት ባሕሪ ዚስራሕ ከም እምኒ ዚመስል ተሪር ነገር። ኣብ ውቅያኖስ ዚርከብ ኰይኑ፡ ቀይሕን ጻዕዳን ጸሊምን ካልእ እተፈላለየ ሕብርታትን ኣለዎ። መርጀን ብፍላይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብብዝሒ ይርከብ ነበረ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቀይሕ መርጀን ኣዝዩ ኽቡር ነበረ፣ ብእኡ ድማ ኣዕናቝን ካልእ ስልማታትን ይስራሕ ነበረ።—ምሳ 8:11

  • መርገም።

    ንሓደ ሰብ ወይ ነገር ክፉእ ኪበጽሖ ዚውሳእ ቃል። መርገም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጻኢ ኽፉእ ኪበጽሖ ብወግዒ ዚግለጸሉ ቓል እዩ፣ ኣምላኽ ወይ ሓደ ስልጣን ዘለዎ ምስ ዚዛረቦ ኸኣ፡ ማዕረ ትንቢት ዚቝጸር ዋጋን ሓይልን ኣለዎ።—ዘፍ 12:3፣ ዘሁ 22:12፣ ገላ 3:10

  • መሮዳክ።

    ቀንዲ ኣምላኽ ከተማ ባቢሎን። ንጉስን ሓጋግ ሕግን ባቢሎን ዝነበረ ሓሙራቢ ንባቢሎን ርእሲ ኸተማ ባቢሎንያ ምስ ገበራ፡ መሮዳክ (ወይ ማርዱክ) ኣገዳስነቱ እናዓበየ ኸደ፣ ኣብ መወዳእታኡ ነቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ሓያሎ ኣማልኽቲ ተኪኡ ቐንዲ ኣምላኽ ባቢሎናውያን ኰነ። ጸኒሑ፡ መሮዳክ (ወይ ማርዱክ)፡ “ቤሉ” (“ወናኒ”) ብዚብል መዓርግ ተተክአ፣ መሮዳክ ድማ ቤል ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ።—ኤር 50:2

  • መሰውኢ።

    ካብ ሓመድ፡ ኣእማን፡ ሓደ ዓብዪ እምኒ፡ ወይ ብብረት እተለበጠ ዕንጨይቲ እተሰርሐ ንኣምልኾ ዚኸውን መስዋእቲ ዚስውኦ ወይ ዕጣን ዚዕጠነሉ ብርኽ ዝበለ ነገር። ኣብታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ እቲ ማሕደርን እታ ቤተ መቕደስን፡ ዕጣን ንምዕጣን ዚኸውን ንእሽቶ “መሰውኢ ወርቂ” ነበረ። ንሱ ኻብ ዕንጨይቲ ተሰሪሑ ብወርቂ እተለበጠ ነበረ። ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ዓብዪ “መሰውኢ ነሓሲ” ድማ ኣብ ወጻኢ ኣብቲ ኣጸድ ነበረ። (ዘጸ 27:1፣ 39:38, 39፣ ዘፍ 8:20፣ 1ነገ 6:20፣ 2ዜና 4:1፣ ሉቃ 1:11)—ኣብ መ.ጽ. ለ5ን ለ8ን ርአ።

  • መሲሕ።

    ካብታ “እተቐብአ” ወይ “ቅቡእ” ዝትርጉማ ናይ እብራይስጢ ቓል እተወስደት። ምስታ ኻብ ግሪኽኛ እተወስደት “ክርስቶስ” እትብል ቃል ሕደ እያ።—ዳን 9:25፣ ዮሃ 1:41

  • መሳፍንቲ።

    ቅድሚ ዘመን ሰብኣውያን ነገስታት እስራኤል ዝነበሩ የሆዋ ንህዝቡ ንምድሓን ዘተንሰኦም ሰባት።—መሳ 2:16

  • መስኪል።

    ኣብ ልዕለ ጽሑፍ 13 መዝሙራት እትርከብ ትርጉማ ብርግጽ ዘይፍለጥ ናይ እብራይስጢ ቓል። ምናልባት፡ “ንምስትንታን ዚኸውን ግጥሚ” ዚብል ትርጉም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ ‘ብምስትውዓል ምግልጋል’ ተባሂላ እተተርጐመት ሕደ መልክዕ ዘለዋ ቓል፡ ምስኣ ዚዛመድ ትርጉም ከም ዘለዋ ይኣምኑ።—2ዜና 30:22፣ መዝ 32:0

  • መስዋእቲ።

    ሰብ ንኣምላኽ ምስጋናኡ ንምግላጽን በደሉ ንምእማንን ምስኡ ናብ ዝነበሮ ጽቡቕ ርክብ ንምምላስን ዜቕርቦ ነገር። ሰባት ካብ ኣቤል ኣትሒዞም ክሳዕ እቲ ብኺዳን ሕጊ ሙሴ እተዋህበ ስርዓት፡ ብፍታዎም በብዓይነቱ መስዋእቲ፡ እንተላይ መስዋእቲ እንስሳታት ኣቕሪቦም እዮም። ክርስትያናት ንኣምላኽ መንፈሳዊ መስዋእትታት ዜቕርቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ የሱስ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ መስዋእቲ ገይሩ ድሕሪ ምሃቡ ግና፡ መስዋእቲ እንስሳታት ኣየድለየን።—ዘፍ 4:4፣ እብ 13:15, 16፣ 1ዮሃ 4:10

  • መስዋእቲ ሓጢኣት።

    ብሰንኪ ድኽመት እቲ ዘይፍጹም ስጋ ብዘይፍላጥ ንዚግበር ሓጢኣት ዚቐርብ መስዋእቲ። ከከም እቲ ኻብ ሓጢኣቱ ዚተዓረቕ ዘሎ ሰብ ዘለዎ ቦታን ዓቕምን፡ ካብ ብዕራይ ክሳዕ ርግቢ ዚበጽሕ ናይ እተፈላለየ እንስሳታት መስዋእቲ ይቐርብ ነይሩ።—ዘሌ 4:27, 29፣ እብ 10:8

  • መስዋእቲ ሕብረት።

    ምስ የሆዋ ሰላም ኪህልወካ ልማኖ ዚቐርበሉ መስዋእቲ። እቲ ኣምልኾ ዜቕርብ ሰብን ቤተ ሰቡን እቲ ዜገልግሎም ካህንን እቶም ኣብ ኣገልግሎት ዚርከቡ ኻህናትን ካብቲ መስዋእቲ ይካፈሉ ነበሩ። የሆዋ ኸኣ ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ ባህ ዜብል ዚሓርር ስብሒ ብምሽታት ካብኡ ይካፈል ነበረ። እቲ ንህይወት ዚውክል ደም እውን ንዕኡ ይውሃብ ነበረ። እቶም ካህናትን እቶም ኣምለኽትን ምስ የሆዋ ኣብ ሓደ መኣዲ ኸም እተቐመጡ ጌርካ ይርአ ነበረ፣ እዚ ድማ ንሰላማዊ ርክቦም ዜመልክት ነበረ።—ዘሌ 7:29, 32፣ ዘዳ 27:7

  • መስዋእቲ መስተ።

    ኣብ መሰውኢ ዚፈስስን ምስ መብዛሕትኡ ኻልእ መስዋእትታት ዚቐርብን መስዋእቲ ወይኒ። ጳውሎስ፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣብ ክንዲ ክርስትያን ብጾቱ ኺውፊ ፍቓደኛ ምዃኑ ንምግላጽ ብምሳልያዊ መገዲ ተጠቒሙሉ ኣሎ።—ዘሁ 15:5, 7፣ ፊል 2:17

  • መስዋእቲ መብጽዓ።

    ብመብጽዓ ዚስነ መስዋእቲ ፍታው።—ዘሌ 23:38፣ 1ሳሙ 1:21

  • መስዋእቲ ምስጋና።

    ስለቲ መሰናድዎታቱን ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕርን ንኣምላኽ ንምውዳስ ዚቐርብ መስዋእቲ ሕብረት። ስጋ እቲ መስዋእቲ ዚኸውን እንስሳ ምስ ዝበዅዐ እንጌራን ዘይበዅዐ ቕጫታትን ይብላዕ ነበረ። እቲ ስጋ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺብላዕ ነበሮ።—2ዜና 29:31

  • መስዋእቲ በደል።

    ስለ ብሕታዊ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ። ካብ ካልእ መስዋእቲ ሓጢኣት ቍሩብ ፍልይ ዜብሎ፡ እዚ መስዋእቲ በደል ነቲ ዚንሳሕ በዳሊ ብሰንኪ እቲ ሓጢኣት ዝሰኣኖ ገሊኡ መሰላት ኪዳን ንምምላስን ካብ መቕጻዕቲ ምሕረት ንምርካብን ተባሂሉ ይቐርብ ብምንባሩ እዩ።—ዘሌ 7:37፣ 19:22፣ ኢሳ 53:10

  • መስዋእቲ ውዝወዛ።

    እቲ ኻህን ኣእዳዉ ኣብ ትሕቲ ኣእዳው እቲ መስዋእቲ ዝሓዘ ኣምላኺ ገይሩ ዚውዝውዞ ዓይነት መስዋእቲ፣ ወይ ከኣ እቲ ኻህን ባዕሉ ነቲ መስዋእቲ ይውዝውዞ ነበረ። እዚ ተግባር እዚ፡ እቲ መስዋእቲ ንየሆዋ ኸም ዝቐረበ የመልክት።—ዘሌ 7:30

  • መቄዶንያ።

    ኣብ ትሕቲ እስክንድር እቲ ዓብዪ ተፈላጥነት ዝረኸበ፡ ሮማውያን ክሳዕ ዚወርርዎ ድማ ብርእሱ ዚመሓደር ዝነበረ ብሰሜን ግሪኽ ዚርከብ ዞባ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንፈለማ ግዜ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝኸደሉ እዋን መቄዶንያ ኣውራጃ ሮሜ ነበረት። ጳውሎስ ናብቲ ቦታ እቲ ሰለስተ ሳዕ ከይዱ እዩ። (ግብ 16:9)—ኣብ መ.ጽ. ለ13 ርአ።

  • መቐዛት መጥፍኢ።

    ኣብቲ ማሕደርን ኣብታ ቤተ መቕደስን ዜገልግል ዝነበረ ኻብ ወርቂ ወይ ነሓሲ እተሰርሐ ናውቲ። ፈትሊ መብራህቲ ንምቝራጽ ዜገልግል ከም መቐዛት ዝበለ ናውቲ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—2ነገ 25:14

  • መቓብር።

    (1) ኣብ ገሊኡ ቦታታት ንመቓብር ውልቀ ሰባት ተመልክት። (ዘፍ 47:30) (2) ኣብ ገሊኡ ቦታታት ነታ ብእብራይስጢ “ሲኦል” ወይ ነታ ብግሪኽኛ “ሃደስ” እትብል ቃል ተመልክት። ኣብዘን ቦታታት እዚአን፡ ኵሉ ንጥፈታትን ፍልጠትን ንዘይህልወሉ ምሳልያዊ ቦታ ወይ ኵነት ከም እተመልክት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። (መክ 9:10፣ ግብ 2:31) (3) ሬሳ ዚንበረሉ መቕበሪ ቦታ። እዛ ብግሪኽኛ ምነመዮን እትብል ቃል፡ ካብ “ምዝካር” እትብል ግሲ ዝመጸት ኰይና፡ እቲ ዝሞተ ሰብ ከም ዚዝከር ተመልክት።—ዮሃ 5:28, 29

  • መቕደስ።

    ብሓፈሻኡ ንኣምልኾ ተባሂሉ እተፈልየ ቦታ፡ ቅዱስ ቦታ። መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ነቲ ማሕደር ወይ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ የመልክት ነበረ። እዛ ቓል እዚኣ ነቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ማሕደር ኣምላኽ እውን ተመልክት።—ዘጸ 25:8, 9፣ 2ነገ 10:25፣ 1ዜና 28:10፣ ራእ 11:19

  • መብጽዓ።

    ሓደ ነገር ንምግባር፡ መስዋእቲ ወይ መባእ ንምሃብ፡ ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ንምእታው፡ ወይ ካብ ዘይተኸልከለ ነገር ንምሕራም ንኣምላኽ ዚእቶ ርዝነት ዘለዎ ቓል። መብጽዓ ማዕረ ማሕላ ይቝጸር ነበረ።—ዘሁ 6:2፣ መክ 5:4፣ ማቴ 5:33

  • መትሓዚታት ሓዊ።

    ኣብቲ ማሕደርን ኣብታ ቤተ መቕደስን ዕጣን ንምዕጣን፡ ካብ መሰውኢ ጓህሪ፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ወርቂ ድማ ዝነደደ ፈትሊ ቐንዴል ንምውጋድ ዜገልግል ዝነበረ ኻብ ወርቂ፡ ብሩር፡ ወይ ነሓሲ እተሰርሐ ኣቕሑ። ጽንሃህ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ነበረ።—ዘጸ 37:23፣ 2ዜና 26:19፣ እብ 9:4

  • መናፍስትነት።

    መናፍስቲ ምዉታት ድሕሪ ሞት ካብ ስጋ ተፈልዮም ይነብሩ፡ ምስ ህያዋን ከኣ ምናዳ ብሰብ (ብመንጎኛ) ገይሮም ይራኸቡ ዚብል እምነት። እታ “መናፍስታዊ ተግባር” ተባሂላ እትትርጐም ፋርማኪያ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ፡ “ምውሳድ ሓሽሽ (ዕጸ ፋርስ)” ማለት እያ። ጥንቲ ኣስማት ንምግባር ዜድልዮም ሓይሊ ኻብ ኣጋንንቲ ኺልምኑ ኸለዉ፡ ሓሽሽ ወይ ዕጸ ፋርስ ይወስዱ ብምንባሮም፡ እዛ ቓል እዚኣ ምስ መናፍስትነት ተተሓሒዛ ኣላ።—ገላ 5:20፣ ራእ 21:8

  • መንቀርቀራት መጥፍኢ።

    ኣብቲ ማሕደርን ኣብታ ቤተ መቕደስን ሓዊ መብራህትታት ንምጥፋእ ዜገልግል ዝነበረ ብወርቂ እተሰርሐ መንቀርቀር ዚመስል ንዋት።—ዘጸ 37:23

  • መንበር ፍርዲ።

    መብዛሕትኡ ግዜ ብመደያይቦ ዚድየብ በሪኽ መድረኽ ነበረ፣ ኣብኡ ዀይኖም ከኣ ሰበ ስልጣን ንህዝቢ የዘራርቡን ውሳነታቶም የፍልጡን ነበሩ። እቲ “መንበር ፍርዲ ኣምላኽ፡” “መንበር ፍርዲ ክርስቶስ” ዚብል መግለጺታት ነቲ የሆዋ ንሰባት ንምፍራድ ዝገበሮ መሰናድዎ የመልክት።—ሮሜ 14:10፣ 2ቈረ 5:10፣ ዮሃ 19:13

  • መንግስቲ ኣምላኽ።

    እዘን ቃላት እዚኣን ብቐዳምነት ነቲ በታ ብወዱ ክርስቶስ የሱስ እትመሓደር መንግስቲ ዚውከል ልዑላውነት ኣምላኽ የመልክታ።—ማቴ 12:28፣ ሉቃ 4:43፣ 1ቈረ 15:50

  • መንጎኛ።

    ኣብ መንጎ ኽልተ ወገን ኰይኑ ንምትዕራቖም ዜማልድ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ሙሴ መንጎኛ እቲ ኺዳን ሕጊ፡ የሱስ ከኣ መንጎኛ እቲ ሓድሽ ኪዳን ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።—ገላ 3:19፣ 1ጢሞ 2:5

  • መንፈስ።

    እታ ሩሕ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓልን እታ ፕኒውማ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓልን መብዛሕትኡ ግዜ “መንፈስ” ተባሂለን ዚትርጐማ እኳ እንተ ዀና፡ ብርክት ዝበለ ትርጉም ዝሓዛ እየን። ኵሉ እቲ ትርጉመን፡ ብሰብ ንዘይርአን ንጡፍ ንዝዀነ ሓይሊ መርትዖ ዚኸውን ነገርን ይሓቍፍ። እተን ናይ እብራይስጥን ናይ ግሪኽኛን ቃላት ነዚ ዚስዕብ የመልክታ፦ (1) ንንፋስ፡ (2) ኣብ ምድራዊ ፍጡራት ንዘሎ ንጡፍ ሓይሊ ህይወት፡ (3) ካብ ምሳልያዊ ልቢ ንዚወጽእ እሞ ነቲ ሰብ ሓደ ነገር ኪብልን ኪገብርን ዚድርኾ ሓይሊ፡ (4) ካብ ዘይርአ ምንጪ ንዚመጽእ ብድራኸ መንፈስ ዚዝረብ ዘረባ፡ (5) ንኣምላኽን ንመንፈሳውያን ፍጡራትን፡ (6) ንንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ወይ ንመንፈስ ቅዱስ።—ዘጸ 35:21፣ መዝ 104:29፣ ማቴ 12:43፣ ሉቃ 11:13

  • መንፈስ ቅዱስ።

    ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ኣብ ግብሪ ዜውዕሎ ዘይርአ ሓይሊ። ካብቲ ብዝለዓለ ደረጃ ንጹህን ጻድቕን ዝዀነ የሆዋ ስለ ዚመጽእ፡ ቅዱስ ዝዀነ ነገር ንምግባር እውን ስለ ዚጥቀመሉ፡ ቅዱስ እዩ።—ሉቃ 1:35፣ ግብ 1:8

  • መኼዳ፣ ዓውዲ።

    መኼዳ፡ እኽሊ ኻብ ቃንጫኡን ብርዑን ብቝቡቑን ዚፍለየሉ መስርሕ እዩ፣ እዚ መስርሕ እዚ ዚካየደሉ ቦታ ኸኣ ዓውዲ ይብሃል። እቲ እኽሊ ሒደት እንተ ዀይኑ ብበትሪ ይዝበጥ ነበር፣ እቲ እኽሊ ብዙሕ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ብእንስሳታት ብዚሰሓብ መኼዲ ዚኸውን ጸፊሕ ነገር ወይ መንኰርኰር ጌርካ ይኽየድ ነበረ። እቲ ናውቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ዓውዲ እተሰጥሐ እኽሊ ይኽየድ ነበረ። ዓውዲ ኺብሃል ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንንፋስ ኣብ እተቓልዐ በሪኽ ቦታ ዚዳሎ ጸፊሕ ክቢ ቦታ እዩ።—ዘሌ 26:5፣ ኢሳ 41:15፣ ማቴ 3:12

  • መኽደን መተዓረቒ።

    መኽደን እቲ ታቦት ኪዳን፣ ኣብኡ ድማ እቲ ሊቀ ኻህናት ብመዓልቲ ዕርቂ ኻብ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ይነጽግ ነበረ። እታ ናይ እብራይስጢ ቓል “ምኽዳን (ሓጢኣት)” ወይ እውን ምናልባት “ምድምሳስ (ሓጢኣት)” ካብ እትብል ሱር ግሲ ዝመጸት እያ። እቲ መኽደን መተዓረቒ ምሉእ ብምሉእ ብወርቂ እተሰርሐ እዩ ነይሩ፣ ክልተ ኪሩቤል ድማ ኣብ ክልቲኡ ጫፉ ተቐሚጦም ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ “እቲ መኽደኒ” ጥራይ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ዘጸ 25:17-22፣ 1ዜና 28:11፣ እብ 9:5)—ኣብ መ.ጽ. ለ5 ርአ።

  • መዓልቲ ምድላው።

    ኣይሁድ ዜድሊ ምድላዋት ይገብሩላ ንዝነበሩ ድሮ ሰንበት እተዋህበት ስም። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብታ ሎሚ ዓርቢ እትብሃል መዓልቲ ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ተብቅዕ፣ ሽዑ፡ ሰንበት ትጅምር። ኣይሁድ ካብ ምሸት ክሳዕ ምሸት እዮም መዓልቲ ዚቘጽሩ።—ማር 15:42፣ ሉቃ 23:54

  • መዓልቲ ዕርቂ።

    እታ ንእስራኤላውያን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዝነበረት ቅድስቲ መዓልቲ፣ ኣብ 10 ኤታኒም እትውዕል ኰይና፡ ዮም ኪፑር (ካብ እብራይስጢ ዮም ሃኪፑሪም፡ “መዓልቲ ምኽዳን”) ተባሂላ እውን ትጽዋዕ እያ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ጥራይ እዩ እቲ ሊቀ ኻህናት ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን እቲ ማሕደር ወይ እታ ቤተ መቕደስ ዚኣቱ ዝነበረ። ኣብኣ ኸኣ ደም መስዋእቲ ሓጢኣቱን ሓጢኣት ካልኦት ሌዋውያንን ሓጢኣት ህዝብን የቕርብ ነበረ። እታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ መዓልቲ ቕዱስ ኣኼባን ጾምን እያ ነይራ፣ ካብ ስሩዕ ዕዮ ዜዕርፉላ ሰንበት እውን እያ ነይራ።—ዘሌ 23:27, 28

  • መዓልቲ ፍርዲ።

    ጕጅለታት፡ ኣህዛብ፡ ወይ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ ዚዀኑላ ውስንቲ መዓልቲ ወይ እዋን። እቶም ሞት ዚግብኦም ዚጠፍኡላ ግዜ፡ ወይ ገሊኦም ድሒኖም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ዚረኽቡላ ግዜ ኽትከውን ትኽእል እያ። የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ብዛዕባ እታ ንህያዋን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምዉታት እውን እትምልከት ኣብ መጻኢ እትህሉ “መዓልቲ ፍርዲ” ምሂሮም እዮም።—ማቴ 12:36

  • መዓሙቝ።

    ኣብይሶስ ንዚብል ቃል ግሪኽኛ ዜመልክት ኰይኑ፡ “እምብዛ ዓሚቝ” ወይ “ዘይልካዕ፡ ደረት ኣልቦ” ዚብል ትርጉም ኣለዎ። ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ንቦታ ማእሰርቲ ወይ ንማእሰርቲ የመልክት። ንመቓብር ዚሓቍፍ እኳ እንተ ዀነ፡ ዝሰፍሐ ትርጉም ግና ኣለዎ።—ሉቃ 8:31፣ ሮሜ 10:7፣ ራእ 20:3

  • መዝሙር ምድያብ።

    ልዕለ ጽሑፍ መዝሙር 120-134። ብዛዕባ ትርጉም እዘን ቃላት እዚአን ብዙሕ ሓሳባት እኳ እንተሎ፡ እስራኤላውያን ኣምለኽቲ ነቲ ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት ኬብዕሉ ናብታ ኣብ ኣኽራን ይሁዳ እተደኰነት የሩሳሌም ‘ኪድይቡ’ ኸለዉ፡ ነዘን 15 መዝሙራት እዚአን ይዝምርወን ከም ዝነበሩ ብዙሓት ይኣምኑሉ እዮም።

  • መደምደምታ እቲ ስርዓት።

    ናብ መወዳእታ እቲ ብሰይጣን ዚዕብለል ስርዓት ወይ ኵነታት ዚመርሕ እዋን። ምስቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ማዕረ ማዕረ እዩ ዚኸይድ። መላእኽቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ኰይኖም፡ “ነቶም እኩያት ካብ መንጎ ጻድቃን ኪፈልይዎም፡” ድሕሪኡ ኼጥፍእዎም እዮም። (ማቴ 13:40-42, 49) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ “መደምደምታ” እቲ ኺፈልጡ ይደልዩ ነበሩ። (ማቴ 24:3) የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምምላሱ፡ ንሰዓብቱ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ምሳታቶም ከም ዚኸውን ቃል ኣተወሎም።—ማቴ 28:20

  • መገዲ።

    የሆዋ ዚቕበሎ ወይ ዘይቅበሎ ተግባራት ወይ ኣካይዳ ንምምልካት ቅዱሳት ጽሑፋት ብምሳልያዊ መገዲ ዚጥቀመላ ቓል። እቶም ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝዀኑ፡ ካብ “እታ መገዲ እቲኣ” ምዃኖም፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምእማን ወይ ኣብነቱ ኣብ ምስዓብ ዘተኰረ መገዲ ህይወት ከም ዚመርሑ ተገሊጹ ኣሎ።—ግብ 19:9

  • መጋረጃ።

    እቲ ኣብቲ ማሕደር ኰነ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ብጽቡቕ እተኣልመ ምስልታት ኪሩቤል እተጠልፈሉ ነታ ቕድስቲ ኻብታ ቕድስተ ቕዱሳን ዚፈሊ ዓለባ። (ዘጸ 26:31፣ 2ዜና 3:14፣ ማቴ 27:51፣ እብ 9:3)—ኣብ መ.ጽ. ለ5 ርአ።

  • መጕጠዪ።

    ሓረስቶት፡ እንስሳ ንምዅብካብ ዚጥቀሙሉ ኣብ ጫፉ በሊሕ ሓጺን ዘለዎ ነዊሕ በትሪ። መጕጠዪ ምስቲ ንሰማዒኡ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኼውዕል ዜለዓዕሎ ቓላት ጥበበኛ ተመሳሲሉ ኣሎ። ‘ንመጕጠዪ ምርጋሕ’ ዚብል ሓሳብ፡ ካብቲ ኸናብ ብዕራይ ነቲ ብመጕጠዪ ጌርካ ንምኽብካቡ ምስ ተፈተነ ኣብዩ እናተራግሐ ገዛእ ርእሱ ኺሃሲ ኸሎ ዜጋጥሞ ተግባር እተወስደ እዩ።—ግብ 26:14፣ መሳ 3:31

  • መጠምጠምያ።

    ኣብ ርእሲ ተጠምጢሙ ኸም ቆብዕ ኣብ ርእሲ ዚንበር ካብ ዓለባ እተገብረ ነገር። እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ቅድሚኡ ቐጸላ ወርቂ ብሰማያዊ ፍሕሶ እተኣስሮ መጠምጠምያ ቕጭን በፍታ ይገብር ነበረ። ንጉስ ኣብ ትሕቲ ዘውዱ መጠምጠምያ ይገብር ነበረ። እዮብ ንፍትሑ ምስ መጠምጠምያ ብምምስሳል ነዛ ቓል እዚኣ ብምሳልያዊ መገዲ ተጠቒሙላ ኣሎ።—ዘጸ 28:36, 37፣ እዮ 29:14፣ ህዝ 21:26

  • መጥሓን።

    ኣብ ልዕሊ ተመሳሳሊ እምኒ ዚንበር እኽሊ ናብ ሓርጭ ንምጥሓን ዜገልግል ከቢብ እምኒ። ኣብ ማእከል እቲ ታሕተዋይ እምኒ እተሰዅዐት ሽኻል ነቲ ላዕለዋይ መጥሓን ወይ መዲድ ከም መቐለስ ትዀኖ ነበረት። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ኣባይቲ ኣንስቲ ብኢደን ዚዝውራኦ መጥሓን ነይሩ እዩ። ዕለታዊ እንጌራ ስድራ ቤት ካብ ውጽኢት እቲ መጥሓን ዚርከብ ብምንባሩ፡ መጥሓን ወይ መዲድ ከም ትሕጃ ጌርካ ምውሳድ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኽልኩል ነበረ። ተመሳሳሊ ኣሰራርሓ ዘለዎ ዓብዪ መጥሓን ብእንስሳ ይዘውር ነበረ።—ዘዳ 24:6፣ ማር 9:42

  • መጽመቝ ወይኒ።

    መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ተፈጥሮኣዊ እምኒ ኖራ ተፋሒሩ ዚዳሎ ኽልተ ጐዳጕዲ (ጋብላታት) ኰይኑ፡ እቲ ዝበረኸ ምስቲ ኻልኣይ ብንእሽቶ መትረብ ይተሓሓዝ። ፍረ ወይኒ ኣብቲ ላዕለዋይ ጕድጓድ ኪሕምተል ከሎ፡ እቲ ጽማቑ ናብቲ ታሕተዋይ ጕድጓድ ይፈስስ። እታ መጽመቝ ወይኒ እትብል ስያመ ብምሳልያዊ መገዲ ንፍርዲ ኣምላኽ ተመልክት።—ኢሳ 5:2፣ ራእ 19:15

  • ሙት-ላቤን።

    ኣብ ልዕለ ጽሑፍ መዝሙር 9 እትርከብ ቃል። “ብዛዕባ ሞት ወዲ” ማለት ከም ዝዀነት እዩ ዚእመነላ። ስም ወይ መኽፈቲ ቓላት እቲ እዛ መዝሙር እዚኣ ኽትዝመር ከላ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ልሙድ ዜማ ምዃና ገሊኦም ሓሳብ ይህቡ እዮም።

  • ሚልኮም።

    ዓሞናውያን ዜምልኽዎ ኣምላኽ፣ ምናልባት ምስ ሞሌኽ ሕደ ኪኸውን ይኽእል። (1ነገ 11:5, 7) ሰሎሞን ኣብ ኣጋ መወዳእታ ንግስናኡ፡ ነዚ ናይ ሓሶት ኣምላኽ እዚ በረኽቲ ሃኒጹሉ እዩ።—ኣብ “ሞሌኽ” ርአ።

  • ሚክታም።

    ኣብ ልዕለ ጽሑፍ ሽዱሽተ መዝሙራት እትርከብ ናይ እብራይስጢ ቓል። (መዝ 1656–60) ምስታ “ምጽሓፍ” እትብል ቃል እትዛመድ ክትከውን እትኽእል እኳ እንተ ዀነት፡ ትርጉማ ብልክዕ ዘይትፍለጥ ተክኒካዊት ቃል እያ።

  • ማልካም።

    ምናልባት ምስ ሞሌኽ ሕደ ዝዀነ ቐንዲ ኣምላኽ ዓሞናውያን። (ጸፎ 1:5)—ኣብ “ሞሌኽ” ርአ።

  • ማሓላት።

    ኣብ ልዕለ ጽሑፍ መዝሙር 53ን 88ን እትርከብ ንሙዚቃ እትምልከት ክትከውን እትኽእል ቃል። ምስታ “ምድካም፣ ምሕማም” ዝትርጉማ ናይ እብራይስጢ ግሲ እትዛመድ ክትከውን ስለ እትኽእል፡ ንናይ ጓሂ ወይ ሓዘን ቃና ኽትእምት ትኽእል እያ፣ እዚ ድማ ምስ ትሕዝቶ እተን ክልተ መዝሙር ዚሰማማዕ እዩ።

  • ማሕላ።

    ሓደ ነገር ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዚዝረብ ቃል፡ ወይ ሓደ ሰብ ሓደ ነገር ከም ዚገብር ወይ ከም ዘይገብር ዚኣትዎ መብጽዓ። ብዙሕ ግዜ፡ ሰብ ካብኡ ንዚዓቢ፡ ብፍላይ ንኣምላኽ ዚኣትዎ መብጽዓ ተመልክት። የሆዋ ነቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን ብማሕላ ኣደልደሎ።—ዘፍ 14:22፣ እብ 6:16, 17

  • ማሕተም።

    መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ካይላ ወይ ስምዒ፡ ዋንነት፡ ሓቅነት፡ ወይ ስምምዕ ንምሕታም ዜገልግል ንዋት። ናይ ጥንቲ ማሕተማት ግልባጥ ፊደላት ወይ ስእልታት ዝሓዘ ዀይኑ ኻብ ተሪር ነገር (ካብ እምኒ፡ ስኒ ሓርማዝ፡ ወይ ዕንጨይቲ) ይስራሕ ነበረ። ማሕተም ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ እተሓትሞ ሓቅነቱ የረጋግጸሉ፡ ዋናኡ መን ምዃኑ ይሕብር፡ እቲ ነገር ሕቡእ ወይ ምስጢር ምዃኑ እውን የመልክት ነበረ።—ዘጸ 28:11፣ ነህ 9:38፣ ራእ 5:1፣ 9:4

  • ማሕደር።

    እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ኺግዕዝ ዚኽእል ድንኳን ኣምልኾ። ኣብ ውሽጡ ኸኣ እቲ የሆዋ ኣብኡ ኸም ዘሎ ዚውክል ታቦት ኪዳን የሆዋ ነበረ፣ ከም ቦታ መስዋእትን ኣምልኾን ኰይኑ ድማ የገልግል ነበረ። ሓድሓደ ግዜ እውን “ድንኳን ምርኻብ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። እተረብበ ኣልዋሕ ተገጣጢሙ ዘቘሞ ቤት ኰይኑ፡ ኪሩቤል ብእተጠልፎ በፍታ ይኽደን ነበረ። ኣብ ክልተ ኽፍልታት ከኣ ይኽፈል ነበረ፣ እታ ቐዳመይቲ፡ ቅድስቲ፡ እታ ኻልአይቲ ድማ ቅድስተ ቕዱሳን ይብሃላ ነበራ። (እያ 18:1፣ ዘጸ 25:9)—ኣብ መ.ጽ. ለ5 ርአ።

  • ማቕ።

    እኽሊ ዚሕዝ ክሻ ወይ ከረጺት ንምስራሕ ዜገልግል ሓርፋፍ ክዳን። መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ጸጕሪ ጸላም ጤል ዚእለም ናይ ሓዘን ክዳን።—ዘፍ 37:34፣ ሉቃ 10:13

  • ማና።

    እስራኤላውያን ኣብ በረኻ 40 ዓመት ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን እተዋህቦም ቀንዲ ምግቢ። የሆዋ እዩ ዚህቦም ነይሩ። ብዘይካ ሰንበት፡ ንግሆ ንግሆ ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ ትሕቲ ኣውሊ ወዲቑ ይጸንሖም ነበረ። ፈለማ፡ እስራኤላውያን ምስ ረኣይዎ፡ “እንታይ እዩ፧” ወይ ብእብራይስጢ፡ “ማን ሁ፧” ተባሃሃሉ። (ዘጸ 16:13-15, 35) ኣብ ካልእ ቦታታት፡ “እኽሊ ሰማይ” (መዝ 78:24)፡ “እንጌራ ሰማይ” (መዝ 105:40)፡ “እንጌራ ሓያላት” (መዝ 78:25) ተባሂሉ ኣሎ። የሱስ እውን ንማና ብምሳልያዊ መገዲ ጠቒስዎ እዩ።—ዮሃ 6:49, 50

  • ማእለማ።

    ፈትሊ ናብ ዓለባ ንምእላም ዜገልግል መሳርሒ።—መሳ 16:14

  • ማይ ብሑቝ።

    መባዅዕቲ ኪኸውን ኣብ ብሑቝ ዚኣቱ ፈሳሲ፣ እዚ ኸኣ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ኻብ ዝበዅዐ ብሑቝ ተኣልዩ እተቐመጠ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ምሳሌ ሓጢኣትን ብልሽውናን ኰይኑ የገልግል፣ ሕቡእን ኣብ ኵሉ ዚዝርጋሕ ዕቤት እውን የመልክት።—ዘጸ 12:20፣ ማቴ 13:33፣ ገላ 5:9

  • ሜዶን፣ ሜዶናውያን።

    ሜዶናውያን፡ ማዳይ ካብ ዚብሃል ወዲ ያፌት ዝመጹ ህዝቢ እዮም፣ ንሳቶም ኣብታ ደሓር ሜዶን እተባህለት ሃገር ይነብሩ ነበሩ፣ እታ ሃገር እውን ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኸበሳታት ኢራን ትርከብ ነበረት። ምስ ባቢሎን ሓቢሮም ድማ ንኣሶር ሰዓርዋ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ፋርስ ኣብ ትሕቲ ሜዶን እትግዛእ ኣውራጃ ነበረት። ቂሮስ ግና ዓለወ፡ ሜዶን ከኣ ምስ ፋርስ ሓቢራ ሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ድሕሪ ምቛማ ብ539 ቅ.ክ. ንሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ሰዓረት። ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ሜዶናውያን ኣብ የሩሳሌም ነይሮም እዮም። (ዳን 5:28, 31፣ ግብ 2:9)—ኣብ መ.ጽ. ለ9 ርአ።

  • ምልክት፣ ትእምርቲ።

    ሕጂ ንዘሎ ወይ ኣብ መጻኢ ንዚኸውን ነገር ዜመልክት ነገር፡ ተግባር፡ ኵነት፡ ወይ ዘይተለምደ ተርእዮ።—ዘፍ 9:12, 13፣ 2ነገ 20:9፣ ማቴ 24:3፣ ራእ 1:1

  • ምርኮ።

    (1) ኣብ ብዙሕ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ህዝቢ ብትእዛዝ እቶም ሰዓርቲ ኻብ ምድሮም ወይ ዓዶም ናብ ካልእ ንዚስደድዎ ስደት ተመልክት። እታ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ምልቃቕ” ማለት እያ። እስራኤላውያን ክልተ ዓብዪ ምርኮ ኣጋጠሞም። ፈለማ፡ እቶም ህዝቢ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ ብኣሶራውያን ናብ ምርኮ ተወስዱ፣ ደሓር እቶም ህዝቢ እታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት ደቡባዊት መንግስቲ ብባቢሎናውያን ናብ ምርኮ ተወስዱ። ተረፍ እቶም ክልቲኦም ምሩኻት ኣብ ትሕቲ ቂሮስ ገዛኢ ፋርስ ናብ ምድሮም ተመልሱ። (2ነገ 17:6፣ 24:16፣ እዝ 6:21) (2) ካብ እተሳዕረ ጸላኢ ተዘሚቱ እተወስደ ንብረት፡ ማል፡ ወይ ካልእ ኣቕሓ።—እያ 7:21፣ 22:8፣ እብ 7:4

  • ምስለኔ።

    (1) ኣብ መንግስቲ ባቢሎን፡ ካብ ራእሲ ዝተሓተ ብዓል ስልጣን። እዞም ምስለኔታት እዚኦም ኣብ ልዕሊ ጥበበኛታት ባቢሎን ስልጣን ነበሮም። ብግዜ ዳርዮስ ንጉስ ሜዶን እውን ምስለኔታት ተጠቒሶም ይርከቡ። (ዳን 2:48፣ 6:7) (2) ብሰነት ሮማውያን ናይ ዚምሓደር ኣውራጃ ቐንዲ ኣመሓዳሪ። ንሱ ፍርዳውን ወተሃደራውን ስልጣን ነበሮ፣ ተግባራቱ በቲ ሰነት ኪምርመር ዚከኣል እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብታ ኣውራጃ ዝለዓለ ስልጣን ነበሮ።—ግብ 13:7፣ 18:12

  • ምስላ፣ ምሳሌ።

    ብኣዝዩ ሒደት ቃላት ትምህርቲ ወይ ዓሚቝ ሓቂ ዜመሓላልፍ ጥበባዊ ቓል ወይ ሓጺር ዛንታ። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምስላ፡ ዜገርም ብሂል ወይ ሕንቅሕንቅሊተይ ኰይኑ ኪቐርብ ይኽእል እዩ። ምስላ ብገላጺ ቓላት ገይሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብተምሳል ተጠቒሙ ንሓደ ሓቂ የጕልሕ ነበረ። ገሊኡ ብሂላት ንገሊኦም ሰባት ልሙድ ቃላት ላግጺ ወይ ንዕቀት ኰይንዎም እዩ።—መክ 12:9፣ 2ጴጥ 2:22

  • ምና።

    ኣብ ህዝቅኤል፡ ማነ እውን ተባሂሉ ኣሎ። ኣሃዱ ኽብደትን ገንዘብን እዩ። ብመሰረት እቲ ሓደ ምና 50 ሲቃል ምዃኑ፡ ሓደ ሲቃል ከኣ 11.4 ግ. ምዃኑ እተረኽበ ስነ ጥንታዊ መርትዖ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተጠቒሱ ዚርከብ ምና 570 ግ. እዩ። ከምቲ ኣብ እመት እውን ዝነበረ፡ ምና ንጉስ ዚብሃል እውን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ሓደ ምና 100 ድራክማ እዩ። ስለዚ፡ 340 ግ. እዩ። ሱሳ ምና ሓደ ታለንት እዩ። (እዝ 2:69፣ ሉቃ 19:13)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ምንባር ኣእዳው።

    ንሰብ ንፍሉይ ዕዮ ንምሻም፡ ንምብራኽ፡ ንምሕዋይ፡ ወይ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ንምሃብ ኣእዳው ይንበር ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ እንስሳታት ንመስዋእቲ ቕድሚ ምቕራቦም ኣእዳው ይንበረሎም ነበረ።—ዘጸ 29:15፣ ዘሁ 27:18፣ ግብ 19:6፣ 1ጢሞ 5:22

  • ምንዝርና።

    ፖርኒያ ኻብ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እተተርጐመት ኰይና፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኣምላኽ ንእተኸልከለ ገሊኡ ጾታዊ ንጥፈታት ተመልክት። ንዝሙትን ኣመንዝራ ንእትፍጽሞ ተግባርን ኣብ መንጎ ዘይተመርዓዉ ውልቀ ሰባት ንዚግበር ጾታዊ ርክብን ንግብረ ሶዶምን ምስ እንስሳ ንዚግበር ጾታዊ ርክብን ተጠቓልል። ኣብ መጽሓፍ ራእይ ከኣ “ዓባይ ባቢሎን” ስልጣንን ሃብትን ደልያ ምስ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ብምሕባራ፡ እዛ ቓል እዚኣ ምስዛ ሃይማኖታዊት ኣመንዝራ ተተሓሒዛ ተጠቒሳ ኣላ። (ራእ 14:8፣ 17:2፣ 18:3፣ ማቴ 5:32፣ ግብ 15:29፣ ገላ 5:19)—ኣብ “ኣመንዝራ” ርአ።

  • ምኵራብ።

    እታ ቓል “ኣኼባ” ማለት ክትከውን ከላ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ግና ኣይሁድ ንዚእከቡሉን ንዚጽልዩሉን ቅዱሳት ጽሑፋት ንዜንብቡሉን ህንጻ ወይ ቦታ ተመልክት። ብግዜ የሱስ፡ ኵለን እተን ንኣሽቱ ኸተማታት ሓሓንቲ ምኵራብ ነበረን፣ እተን ዓበይቲ ኸተማታት ከኣ ልዕሊ ሓደ ምኵራብ ነበረን።—ሉቃ 4:16፣ ግብ 13:14, 15

  • ምዕራፍ።

    ኣብ በዅሪ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣብ ማቴዎስ 5:41 ሓንሳእ ጥራይ ዚርከብ መለክዒ ርሕቀት፣ ነቲ ምዕራፍ (ማይል) ሮማውያን ዚብሃል 1,475.5 ሜ. እውን ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል።—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ምጽዋት።

    ንስኡን ንምርዳእ ዚውሃብ ህያብ። እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብቐጥታ ተጠቒሱ ኣይርከብን እዩ፣ ግናኸ፡ ኣብቲ ሕጊ፡ እስራኤላውያን ንድኻ ኺረድኡ ብንጹር መምርሒ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ።—ማቴ 6:2

  • ሞሌኽ።

    ኣምላኽ ዓሞናውያን፣ ምስ ማልካምን ሚልኮምን ሞሎኽን ሕደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስም ሓደ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ መዓርግ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ደቁ ንሞሌኽ ዚስውእ ኪቕተል ነበሮ።—ዘሌ 20:2፣ ኤር 32:35፣ ግብ 7:43

  • ሞሎኽ።

    ኣብ “ሞሌኽ” ርአ።

  • ረሃብ።

    ኣብ መጽሓፍ እዮብን መጽሓፍ መዝሙርን መጽሓፍ ኢሳይያስን ተጠቒሳ እትርከብ ብምሳልያዊ መገዲ እተዓይየላ ቓል። (ካብታ ኣብ መጽሓፍ እያሱ ተጠቒሳ ዘላ ረሃብ እተፈልየት እያ።) ኣብ መጽሓፍ እዮብ፡ እታ ረሃብ እትብል ቃል ንዓብዪ እንስሳ ባሕሪ ኸም እተመልክት ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሓሳባት ይሕብር፣ ኣብ ካልእ ቦታታት እዚ ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ እዚ ንግብጺ ኸም ዜመልክት ጌርካ ተዓይዩሉ ኣሎ።—እዮ 9:13፣ መዝ 87:4፣ ኢሳ 30:7፣ 51:9, 10

  • ረቢ (ረቡኒ)።

    መምህር። ቅድሚ ልደት የሱስ ከም መጸውዒ ወይ መዓርግ ኣኽብሮት ኰይና ተገልግል ነይራ፣ ትርጉማ ድማ “ዓብዪየይ፣ ብሉጸይ” ዚብል እዩ። ምሁራትን ጸሓፍትን መምህራን ሕግን በዚ ኺጽውዑ ይደልዩ ነይሮም።—ማቴ 23:6, 7

  • ረኣዪ።

    መለኮታዊ ፍቓድ ምእንቲ ኼስተውዕል፡ ወይ ንሰባት ብሓፈሻ ብግሁድ ዘይርድኦም ነገር ኪርኢ ኣምላኽ ኣዒንቱ ዝኸፈተሉ ሰብ። እታ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ምርኣይ ዚብል ትርጉም ካብ ዘለዋ ሱር ቃል ዝመጸት ኰይና፡ ቃል ብቓሉ ወይ ምሳልያዊ ትርጉም ዝሓዘት እያ። ሰባት ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ጥበባዊ ምኽሪ ደልዮም ንረኣዪ የማኽሩ ነበሩ።—1ሳሙ 9:9

  • ራእሲ።

    ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣታት ባቢሎንን ፋርስን ወኪል ንጉስ ወይ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ። ራእሲ ኸም ቀንዲ ገዛኢ ዀይኑ ብንጉስ ይሽየም ነበረ።—እዝ 8:36፣ ዳን 6:1

  • ርባ።

    ብዘይካ ኣብ ወቕቲ ዝናም፡ ኣብ ካልእ ግዜ ዚነጽፍ ስንጭሮ ወይ መገዲ ውሒዝ፣ እታ ቓል ነቲ ውሒዝ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ገሊኡ ወሓይዝ መጋቢ ዝዀኖ ዓይኒ ማያት ስለ ዝነበሮ፡ ምሉእ ዓመት ይውሕዝ ነበረ። እቲ ርባ ተባሂሉ ዘሎ፡ ኣብ ገሊኡ ቦታታት “ስንጭሮ” ተባሂሉ ኣሎ።—ዘፍ 26:19፣ ዘሁ 34:5፣ ዘዳ 8:7፣ 1ነገ 18:5፣ እዮ 6:15

  • ርእሲ ዓንዲ።

    ስልማት ዘለዎ ላዕለዋይ ክፋል ዓንዲ። ኣብ ርእሲ እቶም ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ቈይሞም ዝነበሩ ያኪንን ቦኣዝን ዚብሃሉ ማንታ ኣዕኑድ ዓበይቲ ኣራእስ ዓንዲ ነበሩ። (1ነገ 7:16)—ኣብ መ.ጽ. ለ8 ርአ።

  • ርኹስ።

    ብኣካላዊ መዳይ ረሳሕ ንዝዀነ ወይ ስነ ምግባራዊ ሕግታት ንዝጠሓሰ የመልክት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ እታ ቓል እቲኣ መብዛሕትኡ ግዜ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ቕቡል ወይ ንጹህ ንዘይኰነ ነገር ተመልክት። (ዘሌ 5:2፣ 13:45፣ ማቴ 10:1፣ ግብ 10:14፣ ኤፌ 5:5)—ኣብ “ንጹህ” ርአ።

  • ሮማን።

    ከም ቱፋሕ ዝቕርጹ ብሓደ ጫፉ ኽሳድ ወይ ኣኽሊል ዚመስል ነገር ዘለዎ ፍረ። ኣብ ውሽጢ እቲ ተሪር ቈርበቱ ፈሳሲ ዘለዎ ሊላ ወይ ቀይሕ ዝሕብሩ ደቀቕቲ ዘርኢ ተጨቓጪቑ ይርከብ። ኣብ ከፈፍ እቲ ሊቀ ኻህናት ዚኽደኖ ሰማያዊ ዝሕብሩ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ፡ ሮማን ዝቕርጹ ስልማት ነበረ፣ ኣብ ኣራእስ ዓንዲ እቲ ያኪንን ቦኣዝን ዝስማቱ ኣብ ቅድሚ እታ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ኣዕኑድ እውን ከምኡ ዚመስል ስልማት ነበረ።—ዘጸ 28:34፣ ዘሁ 13:23፣ 1ነገ 7:18

  • ሰማርያ።

    ንኣስታት 200 ዓመት፡ ርእሲ ኸተማ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል፣ ከምኡ ድማ ስም ብዘሎ እቲ ግዝኣታ። እታ ኸተማ ኣብቲ በቲ ስም እቲ ዚፍለጥ ከረን እያ ተሃኒጻ ነይራ። ብግዜ የሱስ፡ ሰማርያ ስም እታ ኣብ መንጎ እታ ብሰሜን እትርከብ ገሊላን ብደቡብ እትርከብ ይሁዳን ዝነበረት ወረዳ ነበረት። የሱስ ኣብ ጕዕዞታቱ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ዞባ እቲ ኣይሰብኽን ነበረ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና ብእኡ ኺሓልፍ ከሎ ንነበርቲ እቲ ዞባ ይዛረቦም ነበረ። ሳምራውያን መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ፡ ጴጥሮስ ነታ ኻልአይቲ ምሳልያዊት መፍትሕ መንግስቲ ኣምላኽ ተጠቒሙላ እዩ። (1ነገ 16:24፣ ዮሃ 4:7፣ ግብ 8:14)—ኣብ መ.ጽ. ለ10 ርአ።

  • ሰረገላ።

    ብቐዳምነት ንውግእ ዜገልግል ክልተ ዝመንኰራዅሩ ብፈረስ ዚስሓብ መጐዓዓዚ።—ዘጸ 14:23፣ መሳ 4:13፣ ግብ 8:28

  • ሰራሕ ካይላ።

    እተፈላለየ ስርሓት ካይላ ዚሰርሕ ሰብ። እታ ሰራሕ ካይላ ተባሂላ እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ቃል ብቓሉ፡ “ገባሪ” ማለት እያ። ሰራሕ ካይላ ኣብ ልዕሊ እቲ ጭቃ መሬት ዘለዎ ስልጣን፡ ነቲ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ኣህዛብን ዘለዎ ስልጣን ንምምልካት ተዓይዩሉ ኣሎ።—ኢሳ 64:8፣ ሮሜ 9:21

  • ሰርቂ ወርሒ።

    ብሓባር ዚእከቡላን ዚሕጐሱላን ፍሉይ መስዋእታት ዚስውኡላን ዕለት ኰይና እትብዓል ባሕቲ ወርሒ ዓውደ ኣዋርሕ ኣይሁድ። ደሓር ግና እታ ዕለት ኣገዳሲት ሃገራዊ በዓል ኰነት፣ ሰባት እውን በታ መዓልቲ እቲኣ ኣይዓይዩን ነበሩ።—ዘሁ 10:10፣ 2ዜና 8:13፣ ቈሎ 2:16

  • ሰበይቲ ወሰን።

    መብዛሕትኡ ግዜ ባርያ ዝዀነት ካልአይቲ ሰበይቲ።—ዘጸ 21:8፣ 2ሳሙ 5:13፣ 1ነገ 11:3

  • ሰንበት።

    “ምዕራፍ” ካብ ዚብል ትርጉም ዘለዋ ናይ እብራይስጢ ቓል እተወስደት። ሻውዐይቲ መዓልቲ እታ ናይ ኣይሁድ ሰሙን እያ (ካብ ዓርቢ ዕራርቦ ኽሳዕ ቀዳም ዕራርቦ)። ኣብ ዓዓመት ዚበዓላ ተወሰኽቲ መዓልትታትን ሻውዐይቲ ዓመትን መበል ሓምሳ ዓመትን እውን ሰናብቲ ተባሂለን ተጸዊዐን ኣለዋ። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ብዘይካ እቲ ኣብ መቕደስ ዝነበረ ዕዮ ኣገልግሎት፡ ካልእ ዕዮ ኣይዕየን ነበረ። ኣብ ዓመታት ሰንበት፡ እታ ምድሪ ቓድራ ትሕደግ ነበረት፣ እብራውያን እውን ዕዳ ኪኸፍሉ ኣይግደዱን ነበሩ። ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ እቲ ብዛዕባ ሰንበት ዝነበረ ቐይድታት ሚዛናዊ እዩ ነይሩ፣ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ግና በብቝሩብ ቀይድታት ስለ ዝወሰኹሉ፡ ብግዜ የሱስ ነቲ ህዝቢ ኸቢድዎ ነበረ።—ዘጸ 20:8፣ ዘሌ 25:4፣ ሉቃ 13:14-16፣ ቈሎ 2:16

  • ሰይጣን።

    “ተጻራሪ” ዝትርጉማ ናይ እብራይስጢ ቓል። ኣብቲ በዅሪ ቛንቋታት ምስ ውሱን ኣመልካቲ ኺዕየየላ ኸሎ፡ ነቲ ቐንዲ ተጻራሪ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ተመልክት።—እዮ 1:6፣ ማቴ 4:10፣ ራእ 12:9

  • ሰዱቃውያን።

    ኣብ ንጥፈታት እታ ቤተ መቕደስ ዓብዪ ስልጣን ብዝነበሮም ሃብታማት ከበርቴን ካህናትን ዝቘመ ውሩይ ጕጅለ ሃይማኖት ኣይሁድነት። ብፈሪሳውያንን ብኻልእ እምነታት ፈሪሳውያንን ብኣፍ ዚመሓላለፍ ዝነበረ ብዙሕ ስርዓታት ኣይቅበሉን ነበሩ። ትንሳኤ ዀነ መልኣኽ የልቦን ይብሉ ነበሩ። ንየሱስ ይጻረርዎ ነበሩ።—ማቴ 16:1፣ ግብ 23:8

  • ሱራፌል።

    ኣብ ሰማያት ኣብ ዙርያ ዝፋን የሆዋ ዚቘሙ መንፈሳውያን ፍጡራት። እታ ሰራፊም እትብል ናይ እብራይስጢ ስያመ፡ ቃል ብቓሉ፡ “ዚነድዱ” ማለት እያ።—ኢሳ 6:2, 6

  • ሲርጢስ።

    ኣብ ገምገም ሊብያ፡ ሰሜን ኣፍሪቃ ዘሎ ዕምቈት ዘይብሉ ኽልተ ዓብዪ ወሽመጥ፣ ጥንቲ ዝነበሩ ባሕረኛታት ብሰንኪ እቲ ኣብኡ በብግዜኡ ዚቀያየር ድበት ነቲ ቦታ ይፈርህዎ ነበሩ። (ግብ 27:17)—ኣብ መ.ጽ. ለ13 ርአ።

  • ሲቃል።

    መሰረታዊ ኣሃዱ ኽብደትን ገንዘብን እብራውያን። ክብደቱ 11.4 ግ. እዩ። “ሲቃል መቕደስ” ዚብል መግለጺ፡ እቲ ሚዛን ልክዕ ኪኸውን ከም ዘለዎ ወይ ምስቲ ኣብቲ ማሕደር ዘሎ መለክዒ ኽብደት ኪመጣጠን ከም ዘለዎ ዜጕልሕ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሲቃል ንጉስ ዚብሃል (ካብ ተራ ሲቃል እተፈልየ) መለክዒ ኽብደት ወይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዚቕመጥ ውሱን መለክዒ ኽብደት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዘጸ 30:13

  • ሲኦል።

    ምስታ “ሃደስ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ማዕረ ዝዀነት ናይ እብራይስጢ ቓል። “መቓብር” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ፣ ሓፈሻዊ መቓብር ምዃና ንምምልካት እግረ ጽሑፍ ተገይሩላ ኣሎ።—ዘፍ 37:35 እ.ጽ.፣ መዝ 16:10 እ.ጽ.፣ ግብ 2:31 እ.ጽ.።

  • ሲዋን።

    ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ ስም እታ ሳልሰይቲ ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕን ስም እታ ታሽዐይቲ ወርሒ እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕን ኣይሁድ። ካብ መፋርቕ ግንቦት ክሳዕ መፋርቕ ሰነ እያ። (ኣስ 8:9)—ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • ሳምራውያን።

    እዚ ስም እዚ ኣብ ፈለማ ነቶም ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን የመልክት ነበረ፣ ብ740 ቅ.ክ. ሰማርያ ብኣሶራውያን ምስ ተሳዕረት ግና፡ እቶም ኣሶራውያን ዘምጽእዎም ጓኖት እውን ብእኡ ኺጽውዑ ጀመሩ። ብግዜ የሱስ፡ እቲ ስም እቲ ዓሌታዊ ወይ ፖለቲካዊ ትርጉም ዝሓዘ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣብ ጥቓ ጥንታዊት ሴኬምን ሰማርያን ዝነበሩ ጕጅለ ሃይማኖት የመልክት ነበረ። ኣባላት እቲ ጕጅለ ሃይማኖት ካብ ኣይሁድነት ዚፈልዮም እምነታት ነበሮም።—ዮሃ 8:48

  • ሴላ።

    ኣብ መጽሓፍ መዝሙርን ኣንባቆምን እትርከብ ንሙዚቃ ወይ ንግጥሚ እትምልከት ተክኒካዊት ቃል። ብስቕታ ንምስትንታን ወይ ነቲ ስምዒት ኣጕሊሕካ ንምግላጽ ተባሂሉ፡ ኪዝመር ወይ ሙዚቃ ኺጽወት ከሎ፡ ወይ ድማ ኣብ ክልቲኡ ዕረፍቲ ኺግበር እተመልክት ክትከውን ትኽእል እያ። ናይ ግሪኽኛ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ነዛ ቓል እዚኣ ዲያፕሳልማ ኢሉ እዩ ዚትርጉማ፣ እዚኣ ኸኣ ኣብ መንጎ መዝሙር በይኑ ንዚጽወት ሙዚቃ ተመልክት።—መዝ 3:4፣ ኣን 3:3

  • ሴኣ።

    መስፈር እኽሊ። ብመሰረት እቲ ግምት መስፈር ፈሳሲ ዝዀነ ባት ኪቕመር ከሎ፡ 7.33 ሊ.። (2ነገ 7:1)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ስሉብ።

    ቃል ብቓሉ ብልዕቱ እተቘርጸ ወዲ ተባዕታይ። ብዙሕ ግዜ ስሉባት ኣብ ኣብያተ መንግስቲ ኣገልገልቲ ወይ ኣለይቲ ንግስትታትን ኣንስቲ ወሰንን ኰይኖም ይሽየሙ ነበሩ። እዛ ቓል እዚኣ ቓል ብቓሉ ንዘይተሰልበ፡ ግናኸ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣገልጋሊ ዀይኑ ንእተሸመ እውን ይዕየየላ ነበረ። ብምሳልያዊ መገዲ ድማ ‘ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ንእተሰልቡ ስሉባት፡’ ማለት ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብዝያዳ ርእሱ ንምውፋይ ኢሉ ርእሱ ንዚገትእ ሰብ ተዓይዩላ ኣሎ።—ማቴ 19:12፣ ኣስ 2:15፣ ግብ 8:27

  • ስርዓት።

    እዛ ትርጉም እታ ኤዮን እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ነቲ ንእተወሰነ እዋን፡ ዘመን፡ ወይ መዋእል ካብ ካልእ ዚፈልዮ ዅነታት ወይ መለለዪ ተመልክት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘እዚ ስርዓት እዚ’ ኢሉ ኺዛረብ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ብሓፈሻን ኣብ ዓለማዊ ኣነባብራን ዝሰፈነ ዅነታት እዩ ዜመልክት። (2ጢሞ 4:10) ኣምላኽ በቲ ኺዳን ሕጊ ኣቢሉ፡ ገሊኦም መዋእል እስራኤላውያን ወይ መዋእል ኣይሁድ ኢሎም ኪጽውዕዎ ዚኽእሉ ስርዓት ኣተኣታትዩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ተጠቒሙ፡ በቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ኣቢሉ ኻልእ ስርዓት ኣተኣታትዩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ብቐዳምነት ነታ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ዜጠቓልል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ኺዳን ሕጊ ጽላሎት ኰይንዎ ዝነበረ ናይ ሓቂ ዝዀነ ነገራት ዝመለለይኡ ሓድሽ መዋእል ጀመረ። እታ ስርዓት እትብል ቃል ብብዙሕ ክትከውን ከላ፡ ንዝነበረ ወይ ንዚህሉ እተፈላለየ ስርዓታት፡ ወይ ከኣ ንዝሰፈነ ወይ ንዚሰፍን ኵነታት ተመልክት።—ማቴ 24:3፣ ማር 4:19፣ ሮሜ 12:2፣ 1ቈረ 10:11

  • ስድሪ።

    ኢድ ምስ ተዘርግሐ ኻብ ጫፍ ዓባይቶ ኽሳብ ጫፍ ሕንጥሊቶ ዘሎ ገምጋም ንውሓት። ብመሰረት እቲ 44.5 ሰ.ሜ. ዝዀነ እመት ጌርካ ኺልካዕ ከሎ፡ ሓደ ስድሪ 22.2 ሰ.ሜ. ይኸውን። (ዘጸ 28:16፣ 1ሳሙ 17:4)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ሶርያ፣ ሶርያውያን።

    ኣብ “ኣራም፣ ኣራማውያን” ርአ።

  • ሸሚኒት።

    ቃል ብቓሉ “ሻምነይቲ” ዚትርጉሙ ንርጕድ ዝበለ ደሃይ እተመልክት ናይ ሙዚቃ ቓል። ንናውቲ ሙዚቃ ኸተመልክት ከላ፡ ርጕድ ዝበለ ቓና ንዜውጽእ ዓይነት ናውቲ ተመልክት ክትከውን ኣለዋ። ንመዝሙር ከተመልክት ከላ ኸኣ፡ ነቲ ብርጕድ ዝበለ ሙዚቃ ዚስነ እሞ በቲ ኣገባብ እቲ ዚዝመር መዝሙራት እተመልክት ክትከውን ኣለዋ።—1ዜና 15:21፣ መዝ 6:0፣ 12:0

  • ሸባጥ።

    ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ ስም እታ መበል 11 ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕን ስም እታ 5ይቲ ወርሒ እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕን ኣይሁድ። ካብ መፋርቕ ጥሪ ኽሳዕ መፋርቕ ለካቲት እያ። (ዘካ 1:7)—ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • ሻምብቆ።

    ማይ ኣብ ዝበዝሖ ቦታታት ንዚበቍል እተፈላለየ ዓይነት ኣትክልቲ እተመልክት ቃል። ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ነቲ ኣሩንዶ ዶናክስ ዝዘርኡ ሻምብቆ ዚብሃል ተኽሊ ተመልክት። (እዮ 8:11፣ ኢሳ 42:3፣ ማቴ 27:29፣ ራእ 11:1)—ኣብ “ሻምብቆ መለክዒ” ርአ።

  • ሻምብቆ መለክዒ።

    ሓደ ሻምብቆ መለክዒ ሽዱሽተ እመት ዝንውሓቱ እዩ ነይሩ። ብመሰረት ተራ እመት፡ 2.67 ሜ. ይኸውን ነበረ፣ ብመሰረት እቲ ነዊሕ እመት ከኣ፡ 3.11 ሜ. ይኸውን ነበረ።—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ሽማግለ፣ ዓበይቲ።

    ብዕድመ ዝበሰለ ሰብ፣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግና ብቐዳምነት ኣብ ማሕበረሰብ ወይ ኣብ ህዝቢ ስልጣንን ሓላፍነትን ንዝሓዘ ሰብ ተመልክት። እታ ቓል ኣብ መጽሓፍ ራእይ ንሰማያውያን ፍጡራት እውን ተዓይዩላ ኣሎ። እታ ፕረስቢተሮስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ነቶም ኣብ ጉባኤ መሪሕ ግደ ዘለዎም ከተመልክት ከላ፡ “ሽማግለ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ።—ዘጸ 4:29፣ ምሳ 31:23፣ 1ጢሞ 5:17፣ ራእ 4:4

  • ቀለቤት ማሕተም።

    ኣብ ኣጻብዕ ዚኣቱ ወይ ኣብ ድሪ ኣትዩ ምናልባት ኣብ ክሳድ ዚእሰር ዓይነት ማሕተም። ምልክት ስልጣን ገዛኢ ወይ ብዓል ስልጣን እዩ ነይሩ። (ዘፍ 41:42)—ኣብ “ማሕተም” ርአ።

  • ቀላይ ሓዊ።

    “ብሓውን ዲንን ዚነድድ” ምሳልያዊ ቦታ ዀይኑ፡ “ካልኣይ ሞት” ተባሂሉ እውን ኣሎ። ዘይንስሑ ሓጥኣንን ድያብሎስን ሞትን መቓብርን (ወይ ሃደስን) ናብኡ ይድርበዩ። ሓዊ ምንም ኪገብሮም ዘይክእል መንፈሳውያን ፍጡራትን ሞትን ሃደስን ናብኡ ዚድርበዩ ምዃኖም፡ እዚ ቐላይ እዚ ምሳልያዊ ኸም ዝዀነን ንናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ከም ዜመልክትን እምበር፡ ንናይ ዘለኣለም ስቓይ ከም ዘየመልክት ይሕብር።—ራእ 19:20፣ 20:14, 15፣ 21:8

  • ቀረመ።

    ምቕራም ኪብሃል ከሎ፡ ዓጻዶ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ዝሓደግዎ እኽሊ ምእካብ ማለት እዩ። ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ ደረት ግራት ምሉእ ብምሉእ ከይዕጸድ፡ ምህርቲ ኣውልዕን ኣታኽልቲ ወይንን ከኣ ብምሉኡ ኸይእረ ተኸልኪሉ ነበረ። ኣምላኽ ንድኻታትን ንውጹዓትን ንጓኖትን ንዘኽታማትን ንመበለታትን፡ ነቲ ዝተረፈ ምህርቲ ኪቕርሙ መሰል ሂብዎም ነበረ።—ሩት 2:7

  • ቀርኒ።

    ንቐርኒ እንስሳታት ዜመልክት ኰይኑ፡ ከም ኣቕሑ መስተ፡ ኣቕሑ ዘይቲ፡ መትሓዚ ቐለምን ኵሕለ ምሕልን፡ ንሙዚቃን ንምልክትን ዚኸውን ናውቲ ዀይኑ የገልግል ነበረ። (1ሳሙ 16:1, 13፣ 1ነገ 1:39፣ ህዝ 9:2) “ቀርኒ” ብምሳልያዊ መገዲ ንብርታዐን ንወራርን ንዓወትን የመልክት ነበረ።—ዘዳ 33:17፣ ሚክ 4:13፣ ዘካ 1:19

  • ቀብአ።

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ብመሰረቱ፡ “ብፈሳሲ ምልካይ” ማለት እያ። ሓደ ሰብ ወይ ነገር ንፍሉይ ኣገልግሎት ከም እተወፈየ ንምሕባር ብዘይቲ ይቕባእ ነበረ። ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ንሰማያዊ ተስፋ እተሓርዩ ኸም ዝፈሰሰ ንምምልካት እውን ተዓይዩላ ኣሎ።—ዘጸ 28:41፣ 1ሳሙ 16:13፣ 2ቈረ 1:21

  • ቀንዲ ወኪል።

    እታ ናይ ግሪኽኛ ስያመ ብመሰረቱ “ቐንዲ መራሒ” ማለት እያ። ነቲ የሱስ ክርስቶስ ንእሙናት ሰባት ካብቲ ሞት ዜስዕብ ጽልዋ ሓጢኣት ሓራ ገይሩ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምምራሕ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ተመልክት።—ግብ 3:15፣ 5:31፣ እብ 2:10፣ 12:2

  • ቃስያ።

    ምስ ኦም ቃርፋ ሕደ ዝጃንዳኡ ኻብ ቅላጥ ኦም ቃስያ (ሲናሞሙም ካሲያ) ዚርከብ ምህርቲ። ቃስያ ኸም ጨና የገልግል፡ መቐመም ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት እውን ይኸውን ነበረ።—ዘጸ 30:24፣ መዝ 45:8፣ ህዝ 27:19

  • ቃብ።

    ብመሰረት ግምት መስፈር ባት ኪቕመር ከሎ፡ 1.22 ሊ. ዚኸውን መስፈር እኽሊ። (2ነገ 6:25)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ቄሳር።

    ደሓር መዓርግ ሃጸያት ሮሜ ዝዀነ ስም ሓደ እንዳ ሮማውያን። ኣውጉስጦስን ጢቤርዮስን ቅላውዴዎስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሞም ተጠቒሶም ዚርከቡ ሃጸያት እዮም፣ ኔሮ ኸኣ ብስሙ እኳ እንተ ዘይተጠቕሰ፡ እዛ መዓርግ ንዕኡ እውን ይዕየየላ እዩ። “ቄሳር” እትብል ቃል ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ንሲቪላዊ ስልጣን ወይ ንመንግስቲ ንምምልካት ተዓይዩላ ኣሎ።—ማር 12:17፣ ግብ 25:12

  • ቅዱስ፣ ቅድስና።

    እታ ቕዱስ እትብል ቃል፡ ከም ሓደ ባህርይ የሆዋ ተጠቒሳ ኣላ፣ ቅድስና ኺብሃል ከሎ፡ ንፍጹም ስነ ምግባራዊ ንጽህና የመልክት። (ዘጸ 28:36፣ 1ሳሙ 2:2፣ ምሳ 9:10፣ ኢሳ 6:3) እታ ቕዱስ እትብል በዅሪ ናይ እብራይስጢ ቓል ንሰባት (ዘጸ 19:6፣ 2ነገ 4:9)፡ ንእንስሳታት (ዘሁ 18:17)፡ ንነገራት (ዘጸ 28:38፣ 30:25፣ ዘሌ 27:14)፡ ንቦታታት (ዘጸ 3:5፣ ኢሳ 27:13)፡ ንግዜ (ዘጸ 16:23፣ ዘሌ 25:12) ንንጥፈታት (ዘጸ 36:4) ከተመልክት ከላ፡ ነቲ ቕዱስ ኣምላኽ ወይ ንኣገልግሎቱ ጥራይ እተፈልየ ምዃን ተመልክት። ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እተን “ቅዱስ”ን “ቅድስና”ን ዚብላ ቓላት፡ ንኣምላኽ እተፈልየ ምዃን የመልክታ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ኣካይዳኡ ንጹህ ምዃኑ የመልክታ።—ማር 6:20፣ 2ቈረ 7:1፣ 1ጴጥ 1:15, 16

  • ቅዱስ ምስጢር።

    ካብ ኣምላኽ ዚምንጭው፡ ክሳዕ ግዜኡ ኸይተገልጸ ዚጸንሕ፡ ነቶም ኪገልጸሎም ዝሓረዮም ጥራይ ዚገልጾ ኽፋል ዕላማ ኣምላኽ።—ማር 4:11፣ ቈሎ 1:26

  • ቅዱስ ኣገልግሎት።

    ሰብ ንኣምላኽ ምስ ዜቕርቦ ኣምልኾ ብቐጥታ ዚተሓሕዝ ብምዃኑ ቕዱስ ዝዀነ ኣገልግሎት ወይ ዕዮ።—ሮሜ 12:1፣ ራእ 7:15

  • ቅዱስ ጽሑፍ።

    ካብ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ ቕዱስ ጽሑፍ። እዛ መግለጺ እዚኣ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ጥራይ ትርከብ።—ሉቃ 24:27፣ 2ጢሞ 3:16

  • ቅድስተ ቕዱሳን።

    ታቦት ኪዳን ዚቕመጠላ ውሽጣዊት ክፍሊ እቲ ማሕደር ወይ እታ ቤተ መቕደስ። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ጥራይ እዩ ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን ኪኣቱ ዚፍቀደሉ ዝነበረ፣ ንሱ እውን ኣብታ ኣብ ዓመት ሓንሳእ እትብዓል መዓልቲ ዕርቂ እዩ ዚኣቱ ነይሩ።—ዘጸ 26:33፣ ዘሌ 16:2, 17፣ 1ነገ 6:16፣ እብ 9:3

  • ቅድስቲ።

    እታ ኻብታ ቕድስተ ቕዱሳን እትብሃል ውሽጣዊት ክፍሊ እተፈልየት ቀዳመይትን ዝዓበየትን ክፍሊ እቲ ማሕደር ወይ እታ ቤተ መቕደስ። ኣብታ ኣብ ማሕደር ዝነበረት ቅድስቲ፡ ወርቃዊ ቐዋሚ ቐንዴልን ወርቃዊ መሰውኢ ዕጣንን ሰደቓ እንጌራ ምርኣይን ኣቕሑ ወርቅን ነበረ፣ ኣብታ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረት ቅድስቲ ኸኣ፡ ወርቃዊ መሰውእን ዓሰርተ ወርቃዊ ቐዋሚ ቐንዴልን ዓሰርተ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይን ነበረ። (ዘጸ 26:33፣ እብ 9:2)—ኣብ መ.ጽ. ለ5ን ለ8ን ርአ።

  • ቅጥኒ።

    ኣብ ማእለማ፡ እቲ ናብ ንውሓት እቲ ዓለባ ዚዝርጋሕ ኣፋትል። እቲ ኣብቲ ቕጥኒ ንጋድም ዚእለም ኣፋትል ከኣ ፋእሚ ይብሃል።—መሳ 16:13

  • ቅጫ።

    መባዅዕቲ ወይ ማይ ብሑቝ ከይኣተዎ ዚስንከት እንጌራ።—ዘዳ 16:3፣ ማር 14:12፣ 1ቈረ 5:8

  • ቆሮስ።

    መስፈር እኽልን ፈሳስን። ብመሰረት ግምት መስፈር ባት ኪቕመር ከሎ፡ 220 ሊ.። (1ነገ 5:11)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ቈጻሪ ኸዋኽብቲ።

    መጻኢ ፍጻመታት ኪፈልጥ ኢሉ ምንቅስቓሳት ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ዜጽንዕ ሰብ።—ዳን 2:27፣ ማቴ 2:1

  • ቍመት ሰብ።

    ዕምቈት ማይ ዚእቈረሉ ወይ ዚልክዓሉ 1.8 ሜ. ዚኣክል መዐቀኒ ንውሓት። (ግብ 27:28)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ቍዝማ።

    ኣብ “ልቕሶ” ርአ።

  • በለስ።

    ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኦም በለስ ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ እሾዅ ዘለዎ ምስ ቈልቋል ዚዛመድ ዓይነት ተኽሊ ዘይኰነስ፡ ነቲ ፍሪኡ ንሳግላ ዚመስል ንእስ ዝበለ ኦም እዩ ዜመልክት።

  • በሪኽ፣ በረኽቲ።

    መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ርእሲ ዅርባ፡ ከረን፡ ወይ ሰብ ዝሰርሖ መድረኽ ዚርከብ ቦታ ኣምልኾ። በረኽቲ ሓድሓደ ግዜ ንኣምልኾ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዜገልግል እኳ እንተ ነበረ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ምስ ኣረማዊ ኣምልኾ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እዩ ተኣሳሲሩ ዚርከብ።—ዘሁ 33:52፣ 1ነገ 3:2፣ ኤር 19:5

  • በዅሪ።

    (1) ብቐዳምነት፡ ነቲ ኻብ ኣደ ዚውለድ ዝዓበየ ወዲ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንኣቦ ዚውለደሉ ዝዓበየ ወዲ ተመልክት። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ በዅሪ ኣብታ ስድራ ቤት ክቡር ቦታ ነበሮ፣ ኣቦ ምስ ሞተ ኸኣ ርእስነት ይውሃቦ ነበረ። ብዘይካዚ፡ እታ ቓል ነቲ ቐዳማይ እተወልደ ተባዕታይ እንስሳ ተመልክት። (ዘጸ 11:5፣ 13:12፣ ዘፍ 25:33፣ ቈሎ 1:15) (2) ቀዳማይ ፍረ ቐውዒ፣ ቀዳማይ ፍረ ዝዀነ ይኹን ነገር። የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል በዅሪ ሰብ ኰነ፡ በዅሪ እንስሳ ዀነ፡ በዅሪ ፍረ ምድሮም ኪህብዎ ኣዚዝዎም ነበረ። እስራኤላውያን ብደረጃ ህዝቢ ኣብ በዓል ቅጫን ኣብ ጰንጠቈስጠን በዅራት ይህብዎ ነበሩ። እታ “በዅሪ” እትብል ቃል፡ ብምሳልያዊ መገዲ ንክርስቶስን ንቕቡኣት ሰዓብቱን እውን ተመልክት እያ።—1ቈረ 15:23፣ ዘሁ 15:21፣ ምሳ 3:9፣ ራእ 14:4

  • በዓል።

    ወናን ሰማይን ወሃብ ዝናምን ፍርያምነትን ጌርካ ዚእመነሉ ዝነበረ ኣምላኽ ከነኣናውያን። “በዓል” እትብል ቃል ነቶም ዝተሓቱ ኣማልኽቲ ንምጽዋዕ እውን ተገልግል ነበረት። እታ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ወናኒ፣ ጐይታ” ማለት እያ።—1ነገ 18:21፣ ሮሜ 11:4

  • በዓል ቅጫ።

    ካብቲ ዓመት ዓመት ዚብዓል ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት እስራኤላውያን እቲ ቐዳማይ እዩ። ብ15 ኒሳን ጽባሕ መዓልቲ ፋስጋ ጀሚሩ ንሸውዓተ መዓልቲ ይቕጽል ነበረ። ነቲ ኻብ ግብጺ ዝወጹሉ እዋን ንምዝካር፡ ቅጫ ጥራይ ይብላዕ ነበረ።—ዘጸ 23:15፣ ማር 14:1

  • በዓል ወፈያ።

    ኣንቲቆስ ኢጲፋነስ ነታ ቤተ መቕደስ ድሕሪ ምርካሱ፡ ካብቲ ርኽሰታ ዝነጽሃትሉ መዓልቲ ዚዝከረሉ ዓመታዊ በዓል። እቲ በዓል ብ25 ከስለው ጀሚሩ ንሸሞንተ መዓልቲ ይቕጽል ነበረ።—ዮሃ 10:22

  • በዓል ዓጺድ፣ በዓል ሰሙናት።

    ኣብ “ጰንጠቈስጠ” ርአ።

  • በዓል ዳስ።

    በዓል ምእካብ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ። ካብ 15-21 ኤታኒም ይብዓል ነበረ። ኣብ እስራኤል ምህርቶም ኣእትዮም ምስ ወድኡ ዜብዕልዎ ዝነበሩ በዓል እዩ፣ እቲ ቕነ ድማ የሆዋ ንእኽሎም ስለ ዝባረኸሎም፡ ግዜ ታሕጓስን ግዜ ምስጋናን እዩ ነይሩ። ብቕነ እቲ በዓል፡ ነቲ ኻብ ግብጺ ዝወጹሉ እዋን ምእንቲ ኼዘኻኽሮም፡ ኣብ ዳስ ይቕንዩ ነበሩ። ሓደ ኻብቲ ደቂ ተባዕትዮ ነቲ በዓል ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ኪኸዱሉ ግዴታ ዝነበሮም ሰለስተ በዓላት እዩ ነይሩ።—ዘሌ 23:34፣ እዝ 3:4

  • በጃ።

    ካብ ምርኮ፡ መቕጻዕቲ፡ ሓጢኣት፡ ወይ ግዴታ ሓራ ንምዃን ዚኽፈል ዋጋ። እቲ ዋጋ ወትሩ ኣይኰነን ብገንዘብ ዚኽፈል ዝነበረ። (ኢሳ 43:3) ኣብ እተፈላለየ ዅነታት በጃ ኪኽፈል የድሊ ነበረ። ንኣብነት፡ ኵሎም በዅሪ እስራኤላውያን ኰኑ በዅሪ ተባዕትዮ እንስሳታቶም ናይ የሆዋ እዮም ነይሮም፣ ንየሆዋ ጥራይ ካብ ምግልጋል ሓራ ምእንቲ ኪዀኑ ኸኣ በጃ ኪኽፈለሎም ነበሮ። (ዘሁ 3:45, 46፣ 18:15, 16) ሓደ ብዘይ ሓላዊ እተሓድገ ሓደገኛ ብዕራይ ንሰብ እንተ ቐቲሉ፡ ካብቲ ዚውሰነሉ ብይን ሞት ሓራ ንምዃን ጋር ወይ በጃ ኪኸፍል ነበሮ። (ዘጸ 21:29, 30) ደይ መደይ ኢሉ ዝቐተለ ቐታል ነፍሲ ዜቕርቦ ጋር ወይ በጃ ግና ተቐባልነት ኣይነበሮን። (ዘሁ 35:31) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ክርስቶስ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ንምውጻእ መስዋእታዊ ሞት ብሙማት ዝኸፈሎ በጃ የጕልሖ እዩ።—መዝ 49:7, 8፣ ማቴ 20:28፣ ኤፌ 1:7

  • ቡል።

    ስም እታ ሻምነይቲ ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕን ካልአይቲ ወርሒ እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕን ኣይሁድ። “እቶት፣ ምህርቲ” ዚብል ትርጉም ካብ ዘለዋ ሱር ቃል ዝመጸት ኰይና፡ ካብ መፋርቕ ጥቅምቲ ኽሳዕ መፋርቕ ሕዳር እያ። (1ነገ 6:38)—ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • ባት።

    ብመሰረት እቲ እዚ ስም እዚ ሒዙ እተረኽበ ኣጋልዕ፡ ኣስታት 22 ሊ. ዚግመት መስፈር ፈሳሲ። መብዛሕትኡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ካልእ መስፈር እኽልን መስፈር ፈሳስን ምስ ባት ብዘለዎ ዝምድና ተቐሚሩ እዩ ዚግመት። (1ነገ 7:38፣ ህዝ 45:14)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ቤተ መቕደስ።

    እታ ነቲ ተንቀሳቓሲ ማሕደር ተኪኣ ማእከል ኣምልኾ እስራኤላውያን ዝዀነት ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቀዋሚት ህንጻ። ነታ ቐዳመይቲ ቤተ መቕደስ፡ ሰሎሞን እዩ ሃኒጽዋ፡ ባቢሎናውያን ከኣ ኣጥፊኦምዋ። ነታ ኻልአይቲ ድማ ዘሩባቤል ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሰ እዩ ሃኒጽዋ፣ ደሓር እውን ሄሮድስ እቲ ዓብዪ ዳግም ሃኒጽዋ እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እታ ቤተ መቕደስ መብዛሕትኡ ግዜ ‘ቤት የሆዋ’ ጥራይ ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ። (እዝ 1:3፣ 6:14, 15፣ 1ዜና 29:1፣ 2ዜና 2:4፣ ማቴ 24:1)—ኣብ መ.ጽ. ለ8ን ለ11ን ርአ።

  • ብራና።

    ንዋት ጽሕፈት ኪኸውን እተዳለወ ቘርበት በጊዕ፡ ጤል፡ ወይ ምራኽ። ካብ ጳጲሮስ ዝደልደለ እዩ ነይሩ፣ ንጥቕላላት መጽሓፍ ቅዱስ እውን እዩ ዜገልግል ነይሩ። እቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኪማልኣሉ ዝሓተቶ ብራናታት፡ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ኻብቲ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ኣብ ብራና እዩ ተጻሒፉ።—2ጢሞ 4:13

  • ብርቱዕ ጸበባ።

    እታ “ጸበባ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ብጸቕጢ ዅነታት ንዚፍጠር ጭንቂ ወይ መከራ ተመልክት። የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ቅድሚኡ ዀይኑ ዘይፈልጥ “ብርቱዕ ጸበባ፡” ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ድሒሩ ኣብ ደቂ ሰብ ምስቲ ኣብ መጻኢ ንሱ ‘ብኽብሪ ዚመጸሉ’ እዋን ተተሓሒዙ ዚኸውን ጸበባ ተዛሪቡ ነይሩ። (ማቴ 24:21, 29-31) ጳውሎስ፡ እዚ ጸበባ እዚ ኣብቶም “ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንብስራት ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን” ካብ ኣምላኽ ዚወርድ ቅኑዕ ተግባር ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ራእይ ምዕራፍ 19፡ የሱስ ነቲ ሰማያዊ ሰራዊት መሪሑ ‘ምስቲ ኣራዊትን ምስቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን’ ከም ዚዋጋእ ተገሊጹ ኣሎ። (2ተሰ 1:6-8፣ ራእ 19:11-21) ካብቲ ጸበባ እቲ “ብዙሓት ህዝቢ” ኸም ዚድሕኑ ተሓቢሩ ኣሎ። (ራእ 7:9, 14)—ኣብ “ኣርማጌዶን” ርአ።

  • ብስራት፡ ምብሳር።

    ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽን ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዚርከብ ድሕነትን ዜበስር ብስራትን ተመልክት።—ሉቃ 4:18, 43፣ ግብ 5:42፣ ራእ 14:6

  • ብቝቡቝ።

    እኽሊ ኪኽየድን ኪዝሮን ከሎ ኻብኡ ተፈልዩ ዚወጽእ ድኹም ሓሰር ወይ በለላ። ብቝቡቝ ኣብ ስእላዊ ዘረባ ንዘይረብሕ ወይ ንዘይድለ ነገር ንምምልካት ኣገልጊሉ እዩ።—መዝ 1:4፣ ማቴ 3:12

  • ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ።

    መብዛሕትኡ ግዜ ኻብታ ኸሰድ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል እተተርጐመት ኰይና፡ ነታ ብቓልን ብንጽህናን ብተኣማንነትን ተደሪኽካ እትርአ ፍቕሪ ተመልክት። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣምላኽ ንሰባት ምስ ዜርእዮም ፍቕሪ ተተሓሒዙ ተዓይዩላ እኳ እንተሎ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ንዘሎ ፍቕሪ እውን ተመልክት እያ።—ዘጸ 34:6፣ ሩት 3:10

  • ብኤል-ዜቡል።

    ነቲ መስፍን ወይ ሓለቓ ኣጋንንቲ ዝዀነ ሰይጣን እተዋህበ መጸውዒ። ኣብ ስም እቲ ኣብ ዔቅሮን ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ዜምልኽዎ ዝነበሩ በዓል-ዜቡብ ዚብሃል በዓል እተገብረ ቝሩብ ለውጢ ኪኸውን ይኽእል።—2ነገ 1:3፣ ማቴ 12:24

  • ተሙዝ።

    (1) ከሓድቲ ኣንስቲ እብራውያን ኣብ የሩሳሌም ዝበኸያሉ ስም ሓደ ኣምላኽ። ተሙዝ ድሕሪ ሙማቱ ኸም ኣምላኽ ጌርካ ኺርአ ዝጀመረ ንጉስ ከም ዝዀነ እዩ ሓሳብ ዚውሃብ። ተሙዝ ኣብ ጽሑፍ ሱመራውያን ዱሙዚ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ፣ ሰብኣይ ወይ ኣፍቃሪ እታ ኢናና (ብባቢሎናውያን ኢሽታር) እትብሃል ኣምላኽ ፍርያምነት ከም ዝዀነ እውን ተገሊጹ ኣሎ። (ህዝ 8:14) (2) ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ ስም እታ ራብዐይቲ ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕን ዓስረይቲ ወርሒ እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕን ኣይሁድ። ካብ መፋርቕ ሰነ ኽሳዕ መፋርቕ ሓምለ እያ።—ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • ተራፊም።

    ናይ ቤተ ሰብ ኣማልኽቲ ወይ ጣኦታት ኰይኖም፡ ሓድሓደ ግዜ ፋል ንምፍላጥ ንዓታቶም ይሓትትዎም ነበሩ። (ህዝ 21:21) ገሊኦም ብግዝፎምን ብቕርጾምን ማዕረ ሰብ ኪዀኑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ንኣሽቱ እዮም ነይሮም። (ዘፍ 31:34፣ 1ሳሙ 19:13, 16) ኣብ መሶጶታምያ እተረኽበ ስነ ጥንታዊ ርኽበት ከም ዚሕብሮ፡ ምስልታት ተራፊም ምውናን፡ ውርሲ ቤተ ሰብ ንምውራስ የኽእል ነይሩ። (ራሄል ተራፊም ኣቦኣ ዝወሰደትሉ ምኽንያት በዚ ኪኸውን ይኽእል።) ኣብ እስራኤል፡ ብዘመን መሳፍንትን ነገስታትን ተራፊም ይጥቀሙ እኳ እንተ ነበሩ፡ እዚ ኣረኣእያ እዚ ግና ኣይነበረን፣ እቲ እሙን ዝነበረ ንጉስ ዮስያስ እውን ንተራፊም ምስ ካልኦት ነገራት ኣጥፊእዎም እዩ።—መሳ 17:5፣ 2ነገ 23:24፣ ሆሴ 3:4

  • ተርሲስ፡ መራኽብ።

    ኣብ መጀመርታ ናብታ ናይ ጥንቲ ተርሲስ (ዘመናዊት ስጳኛ) ዚኸዳ መራኽብ እተዋህበ ስያመ። እቲ ስያመ እቲ ጸኒሑ ነተን ነዊሕ ጕዕዞ ዚኸዳ ዓበይቲ መራኽብ ኪውዕል ዝጀመረ ይመስል። ሰሎሞንን ዮሳፋጥን ንንግዲ ዚዀና ኸምዚአን ዝኣመሰላ መራኽብ ተጠቒሞም እዮም።—1ነገ 9:26፣ 10:22፣ 22:48

  • ተኣምራት፣ ግብርታት ሓይሊ።

    ካብቲ ብሰባት ዚፍለጥ ኵሉ ሓይልታት ንላዕሊ ዝዀነ ልዕለ ባህርያዊ ኣካል ከም ዝገበሮ ዚእመነሉ ተግባር ወይ ፍጻመ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትእምርቲ” እትብል ቃል ተመሳሳሊ ትርጉም ኣለዋ።—ዘጸ 4:21፣ ግብ 4:22፣ እብ 2:4

  • ተወፋይነት፡ ቅዱስ ምልክት።

    ብእብራይስጢ፡ “ቅድስና ናይ የሆዋ” ዚብል ቃላት እተጻሕፎ ዜንጸባርቕ ቀጸላ ጽሩይ ወርቂ። ብሸነኽ ቅድሚት እቲ መጠምጠምያ ሊቀ ኻህናት ይንበር ነበረ። (ዘጸ 39:30)—ኣብ መ.ጽ. ለ5 ርአ።

  • ተወፋይነት፡ ንኣምላኽ።

    ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎ ልዑላውነት እሙን ኴንካ ዚውሃብ ኣኽብሮትን ኣምልኾን ኣገልግሎትን የመልክት።—1ጢሞ 4:8፣ 2ጢሞ 3:12

  • ቲሽሪ።

    ኣብ “ኤታኒም”ን ኣብ መ.ጽ. ለ15ን ርአ።

  • ታለንት።

    እቲ ዝዓበየ ኣሃዱ ኽብደትን ገንዘብን እብራውያን። ክብደቱ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ታለንት ግሪኻውያን ግና 20.4 ኪ.ግ. ብምንባሩ፡ ካብ ናይ እብራውያን ዝነኣሰ እዩ ነይሩ። (1ዜና 22:14፣ ማቴ 18:24)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ታቦት ኪዳን።

    ብዕንጨይቲ ሰራው ተሰሪሑ ብወርቂ እተለበጠ ሳጹን፣ እዚ ድማ ፈለማ ኣብ ቅድስተ ቕዱሳን እቲ ማሕደር፡ ደሓር ከኣ ኣብ ቅድስተ ቕዱሳን እታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ነበረ። ንሓድሕዶም ፊት ንፊት ኰይኖም እተቐመጡ ኽልተ ኪሩቤል ዘለውዎ ኻብ ወርቂ እተገብረ መኽደኒ ነበሮ። ኣብ ውሽጡ፡ እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዛ ኽልተ ጽላት ነበራ። (ዘዳ 31:26፣ 1ነገ 6:19፣ እብ 9:4)—ኣብ መ.ጽ. ለ5ን ለ8ን ርአ።

  • ትሕጃ።

    ተለቃሒ ንኣለቃሒኡ ኣብ መጻኢ ልቓሑ ኸም ዚኸፍሎ ውሕስነት ምእንቲ ኪኸውን ዚህቦ ንብረት። ድኻታት ወይ ረዳኢ ኣልቦ ኣባላት ምእንቲ ኸይጕድኡ፡ ሕጊ ሙሴ ንትሕጃ ዚምልከት ሕግታት ነበሮ።—ዘጸ 22:26፣ ህዝ 18:7

  • ትንሳኤ።

    ካብ ሞት ምትንሳእ። እታ ኣናስታሲስ እትብል ናይ ግርኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ፡ “ምትንሳእ” ማለት እያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ የሆዋ ኣምላኽ ንየሱስ ዘተንሰኦ ትንሳኤ ሓዊስካ ትሽዓተ ትንሳኤ ተጠቒሱ ኣሎ። ኤልያስን ኤልሳእን የሱስን ጴጥሮስን ጳውሎስን ሰብ ካብ ሞት ከም ዘተንስኡ ተገሊጹ እኳ እንተሎ፡ እዚ ተኣምራት እዚ ብርግጽ ብሓይሊ ኣምላኽ እዩ ተገይሩ። እቲ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን” ዚኸውን ምድራዊ ትንሳኤ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። (ግብ 24:15) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዝቐደመ” ወይ “ቀዳማይ” ትንሳኤ ኢሉ ዝጸውዖ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት የሱስ ዚትንስኡሉ ሰማያዊ ትንሳኤ እውን ይጠቅስ እዩ።—ፊል 3:11፣ ራእ 20:5, 6፣ ዮሃ 5:28, 29፣ 11:25

  • ትንቢት።

    ብድራኸ መንፈስ እተመሓላለፈ መልእኽቲ፣ እዚ ድማ ራእይ ወይ እተኣወጀ ቓል ኪኸውን ይኽእል። ትንቢት ብድራኸ መንፈስ ዚመሓላለፍ ስነ ምግባራዊ ትምህርቲ፡ ትእዛዝ ወይ ፍርዲ ኣምላኽ፡ ወይ እውን ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን እተዘርበ ቓል ኪኸውን ይኽእል።—ህዝ 37:9, 10፣ ዳን 9:24፣ ማቴ 13:14፣ 2ጴጥ 1:20, 21

  • ትእምርቲ።

    ኣብ “ምልክት” ርአ።

  • ነሒሎት።

    ኣብ ልዕለ ጽሑፍ መዝሙር 5 እትርከብ ትርጉማ ብርግጽ ዘይፍለጥ ቃል። ገሊኦም ምስታ ሓሊል (ሻምብቆ) ምስ እትብል እትዛመድ ሱር ናይ እብራይስጢ ቓል ብምምስሳል፡ ብትንፋስ ንእትሰርሕ መሳርያ ሙዚቃ ኸም እተመልክት ይኣምኑ። ይኹን እምበር፡ ንዜማ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ።

  • ነብዪ።

    መለኮታዊ ዕላማታት ዜፍልጥ ሰብ። ነብያት ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን ብምግላጽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ትምህርትታትን ትእዛዛትን ፍርድታትን የሆዋ ዜፍልጡ ኣፈኛታት ኣምላኽ እውን እዮም ነይሮም።—ኣሞ 3:7፣ 2ጴጥ 1:21

  • ነቲኒም።

    እስራኤላውያን ዘይኰኑ ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ። እታ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “እተዋህቡ” ማለት እያ፣ ንኣገልግሎት ቤተ መቕደስ ከም እተዋህቡ ድማ ትእምት። መብዛሕትኦም ነቲኒም ካብቶም እያሱ “ነቲ ኣኼባን ንመሰውኢ የሆዋን . . . ኣረይቲ ዕንጨይትን ወረድቲ ማይን” ዝገበሮም ዘርኢ ጊብዖናውያን እዮም ነይሮም።—እያ 9:23, 27፣ 1ዜና 9:2፣ እዝ 8:17

  • ነፊሊም።

    ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ደቂ እቶም ስጋ ዝለበሱ መላእኽትን ኣዋልድ ሰብን ዝዀኑ ዓመጽቲ ደቓሉ።—ዘፍ 6:4

  • ነፍሲ።

    ነታ ብእብራይስጢ ነፈሽ እትብል ቃልን ነታ ብግሪኽኛ ፕሲኺ እትብል ቃልን ብልምዲ ትርጉም እትዀነን ቃል። እዘን ቃላት እዚአን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ውዒለን ከም ዘለዋ ምስ እንምርምር፡ ብመሰረቱ (1) ንሰባት፡ (2) ንእንስሳታት፡ ወይ (3) ሰብ ወይ እንስሳ ንዘለዎ ህይወት ከም ዜመልክታ ንጹር እዩ። (ዘፍ 1:20 እ.ጽ፣ 2:7 እ.ጽ.፣ ዘሁ 31:28 እ.ጽ.፣ 1ጴጥ 3:20 እ.ጽ.) እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ከምቲ ብዙሓት ሃይማኖታት ዚጥቀማሉ ዘይኰነትስ፡ ምስ ምድራውያን ፍጥረታት ብእተተሓሓዘ ንውድዓውን ንዚጭበጥን ንዚርአን ንመዋትን ነገር ከም እተመልክት እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ነፈሽፕሲኺን ዚብላ ቓላት ይሕብራ እየን። ኣብዚ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ እዘን በዅሪ ቓላት እዚአን መብዛሕትኡ ግዜ ኸከም እቲ እተሰዅዓሉ ኸባቢ፡ “ህይወት፡” “ፍጡር፡” “ሰብ፡” “ኵለንትና፡” ወይ ብተውላጠ ስም (ንኣብነት፡ ኣብ ክንዲ “ነፍሰይ፡” “ኣነ”) ተባሂለን ተተጒመን ኣለዋ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ ኣብ እግረ ጽሑፍ እዘን ቃላት እዚአን፡ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ከም ኣማራጺ ትርጉም ኰይና ኣትያ ኣላ። እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ኣብ ቀንዲ ጽሑፍ ኰነ ኣብ እግረ ጽሑፍ ኪዕየየላ ኸሎ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መግለጺ ዘለዎ ትርጉም እዩ ዘለዋ። ብምሉእ ነፍስኻ ብዛዕባ ዚግበር ነገር ከተመልክት ከላ፡ ብዅለንትናኻ፡ ብምሉእ ልብኻ፡ ወይ ብምሉእ ህይወትካ ምግባሩ ተመልክት። (ዘዳ 6:5፣ ማቴ 22:37) ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ እዘን በዅሪ ቓላት እዚአን ንትምኒት ወይ ንሸውሃት ሓደ ህያው ፍጡር ኬመልክታ ይኽእላ እየን። ንምዉት ሰብ ወይ ንሬሳ እውን የመልክታ እየን።—ዘሁ 6:6፣ ምሳ 23:2፣ ኢሳ 56:11፣ ሃጌ 2:13

  • ኑፋቐ፣ ወገን።

    ንሓደ ትምህርቲ ወይ መራሒ ዚስዕቡ ናይ ርእሶም እምነት ዘለዎም ጕጅለ። ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ዚብሃሉ ኽልተ ጕጅለ ኣይሁድነት ከም ሓደ ወገን ጌርካ ተጸዊዖም ኣለዉ። ክርስትያናት ዘይኰኑ ኸኣ ንክርስትና ኻብ ኣይሁድነት ተፈልዩ ዝወጸ ገይሮም ስለ ዝረኣይዎ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ “ኑፋቐ” ወይ “ኑፋቐ ናዝሬታውያን” ኢሎም ጸውዕዎ። ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ድማ ኑፋቐ ተላዒሉ ነበረ፣ ኣብ መጽሓፍ ራእይ “ኑፋቐ ኒቆላዎስ” ተጠቒሱ ይርከብ።—ግብ 5:17፣ 15:5፣ 24:5፣ 28:22፣ ራእ 2:6፣ 2ጴጥ 2:1

  • ኒሳን።

    ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ ሓድሽ ስም እታ ኣቢብ እትብሃል ቀዳመይቲ ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕን ሻውዐይቲ ወርሒ እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕን ኣይሁድ። ካብ መፋርቕ መጋቢት ክሳዕ መፋርቕ ሚያዝያ እያ። (ነህ 2:1)—ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • ናርዶስ።

    ካብ ተኽሊ ናርዶስ (ናርዶስታኪስ ጃታማንሲ) ዚርከብ ብሩህ ቀይሕ ዝሕብሩ ኽቡር ምዑዝ ቅብኢ። ክቡር ብምንባሩ፡ ምስ ካልእ ዝሓሰረ ዘይቲ ይሕወስ ነበረ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣምሲልካ ይስራሕ ነበረ። ማርቆስን ዮሃንስን፡ እቲ የሱስ እተለኽዮ ቕብኢ፡ “ጽሩይ ናርዶስ” ምዃኑ ምጥቃሶም ከነስተብህለሉ ይግባእ።—ማር 14:3፣ ዮሃ 12:3

  • ናዝራዊ።

    “እተፈልየ፡” “እተወፈየ” ኻብ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል እተወስደት። ናዝራውያን ኣብ ክልተ ይኽፈሉ። ንሳቶም ከኣ እቶም ብፍቓዶም ናዝራውያን ዝዀኑን እቶም ናዝራውያን ኪዀኑ ብኣምላኽ እተሸሙን እዮም። ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ንእተወሰነ እዋን ንየሆዋ ናዝራዊ ኪኸውን ፍሉይ መብጽዓ ኺመባጻዕ ይኽእል ነይሩ እዩ። እቶም ብፍቓዶም ናዝራውያን ዚዀኑ፡ ካብ ሰለስተ ነገራት ይኽልከሉ ነበሩ፦ ኣልኮላዊ መስተን ፍርያት ፍረ ወይንን ኪሰትዩ ወይ ኪብልዑ ኣይነበሮምን፣ ጸጕሮም ኪቘርጹ ኣይነበሮምን፣ ሬሳ ኺትንክዩ ኣይነበሮምን። እቶም ናዝራውያን ኪዀኑ ብኣምላኽ ዚሽየሙ፡ ምሉእ ህይወቶም ናዝራውያን ኰይኖም ይነብሩ ነበሩ፣ ካብ ምንታይ ኪኽልከሉ ኸም ዘለዎም ድማ፡ የሆዋ ዝርዝር መምርሒ ይህቦም ነበረ።—ዘሁ 6:2-7፣ መሳ 13:5

  • ናዝሬታዊ።

    የሱስ ካብ ከተማ ናዝሬት ምዃኑ ንምሕባር እተዋህበቶ መጸውዒት። ምስታ ኣብ ኢሳይያስ 11:1 እትርከብ “ብቋል” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ። ደሓር፡ ሰዓብቲ የሱስ እውን በዛ ቓል እዚኣ ተጸዊዖም እዮም።—ማቴ 2:23፣ ግብ 24:5

  • ናይ ሓቂ ኣምላኽ።

    ነቲ ናይ እብራይስጢ ውሱን ኣመልካቲ ምስ “ኣምላኽ” እትብል ቃል ዜጠቓልል ትርጉም። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ እዚ ብእብራይስጢ ዚርከብ ውሱን ኣመልካቲ፡ የሆዋ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብምዃኑ ኻብ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እተፈልየ ምዃኑ እዩ ዚሕብር። እዚ “ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ዚብል ኣተራጕማ ነቲ ናይ እብራይስጢ ቓላት ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም ብምሉኡ የመሓላልፎ።—ዘፍ 5:22, 24፣ 46:3፣ ዘዳ 4:39

  • ንስሓ።

    ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ሰብ ዝገበሮ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ እተመልክት ኰይና፡ ምስኡ ሓቢሩ እውን ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ህይወት፡ ነቲ ግጉይ ተግባራቱ፡ ወይ ነቲ ኸይገበሮ ዝተረፈ ተግባር ካብ ልቢ ኸም እተጣዕሰሉ ተመልክት። ናይ ሓቂ ንስሓ ፍረ ተፍሪ፡ ማለት እቲ ሰብ መገዱ ይቕይር።—ማቴ 3:8፣ ግብ 3:19፣ 2ጴጥ 3:9

  • ንውርምና።

    ኣሰልጌያ ኻብ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እተተርጐመት ኰይና፡ ንሕግታት ኣምላኽ ኣመና ንዚጥሕስ ናይ ሕንኪ ኣልቦነት ወይ ድፍረት እተሓወሶ ናይ ንዕቀት ኣረኣእያ፡ ከምኡ እውን ንስልጣንን ሕግታትን መለክዒታትን ናይ ዘይምኽባር ወይ ሕሉፍ ሓሊፍካ ናይ ምንዓቕ መንፈስ ንዚንጸባረቐሉ ተግባራት ተመልክት። ንቕልል ዝበለ ሕማቕ ተግባራት እተመልክት ኣይኰነትን።—ገላ 5:19፣ 2ጴጥ 2:7

  • ንግስቲ ሰማይ።

    ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ኸሓድቲ እስራኤላውያን ናይ ዜምልኽዋ ኣምላኽ መዓርግ። ገሊኦም ሰባት ነታ ኢሽታር (ኣስታርተ) እትብሃል ኣምላኽ ባቢሎናውያን ከም እተመልክት ይኣምኑ። ኣቐዲሞም ሱመራውያን ዜምልኽዋ ምስኣ እትመሳሰል ኣምላኽ፡ ኢናና ማለት “ንግስቲ ሰማይ” ትብሃል ነበረት። ምስ ሰማያት ተተሓሒዛ እትጥቀስ ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ኣምላኽ ፍርያምነት ጌርካ እውን ትርአ ነበረት። ኣስታርተ እውን ኣብ ጽሑፍ ግብጻውያን “እመቤት ሰማይ” ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ።—ኤር 44:19

  • ንጹህ።

    እዛ ቓል እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣካላዊ ንጽህና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብስነ ምግባራዊ ወይ ብመንፈሳዊ መገዲ ኻብ ዜርክስ፡ ዚብክል፡ ወይ ዜበላሹ ነገር ሓራ ዝዀነ፡ ኣበር ዘይብሉ፡ ወይ ርስሓት ዘይብሉ ነገር የመልክት። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ እታ ቓል እቲኣ ስርዓት ምንጻህ ስዒቦም ንዚፍጽምዎ ተግባር ተመልክት።—ዘሌ 10:10፣ መዝ 51:7፣ ማቴ 8:2፣ 1ቈረ 6:11

  • ኡሪምን ቱሚምን።

    ሃገራዊ ኣገዳስነት ንዘለዎ ሕቶታት ካብ የሆዋ ምላሽ ምስ ዚድለ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ንምውሳን ዜኽእል ምስ ዕጫ ተመሳሳሊ ዝዀነ ነገር። እቲ ሊቀ ኻህናት ናብቲ ማሕደር ኪኣቱ ኸሎ፡ እቲ ኡሪምን ቱሚምን ኣብ ልብሲ ኣፍ ልቡ እዩ ዚንበር ነይሩ። ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ድሕሪ ምጥፋኦም፡ ኣገልግሎት ኡሪምን ቱሚምን ዘብቅዐ እዩ ዚመስል።—ዘጸ 28:30፣ ነህ 7:65

  • ኢሊሪኮን።

    ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ግሪኽ እትርከብ ኣውራጃ ሮሜ። ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ኽሳብ ኢሊሪኮን ተጓዒዙ እዩ፣ ኣብኣ እንተ ሰቢኹ ወይ እቲ ስብከቱ ኽሳብ ኣብኣ ጥራይ እንተ ነይሩ ግና ብንጹር ኣይተገልጸን። (ሮሜ 15:19)—ኣብ መ.ጽ. ለ13 ርአ።

  • ኢትዮጵያ።

    ደቡብ ግብጺ ዝነበረት ናይ ጥንቲ ሃገር። ንደቡባዊ ጫፍ ዘመናዊት ግብጽን ንዘመናዊት ሱዳንን ዘጠቓለለት እያ ነይራ። እታ ቓል ሓድሓደ ግዜ ነታ “ኩሽ” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ተኪኣ ትኣቱ እያ።—ኣስ 1:1

  • ኣላዪ።

    እታ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር እትርከብ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ንሓደ መዝሙራት ዜዳሉ፡ ኪዝመር ከሎ ዚኣሊ፡ ንዘመርቲ ሌዋውያን ዜለማምድን ዜሰልጥንን፡ ወግዓዊ ምርኢታት እውን ዚመርሕ ሰብ እተመልክት ትመስል። ካልእ ትርጉማት ነዛ ቓል እዚኣ፡ “ሊቀ መዘምራን፡” “ቀንዲ ሙዚቀኛ፡” ወይ “ኣላዪ ሙዚቃ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።—መዝ 4:0፣ 5:0

  • ኣልባስጥሮስ።

    ቀደም፡ ኣብ ጥቓ ኣላባስጥሮን፡ ግብጺ ኻብ ዚርከብ እምኒ ዚስራሕ ዝነበረ ንእሽቶ ብልቃጥ ጨና። እቲ ብልቃጥ ከኣ ጸቢብ ዝኽሳዱ ዀይኑ፡ እቲ ኽቡር ዝዋጋኡ ጨና ምእንቲ ኸይልሕዅ ይዕሸግ ነበረ። እቲ እምኒ ንባዕሉ እውን በቲ ስም እቲ እዩ ዚጽዋዕ።—ማር 14:3

  • ኣልፋን ኦሜጋን።

    ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ፊደላት ግሪኽኛ፣ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ሰለስተ ሳዕ ከም መዓርግ ኣምላኽ ኰይነን ኣገልጊለን ኣለዋ። ኣብኡ ሒዘናኦ ዘለዋ ትርጉም ምስቲ “ቀዳማይን ዳሕራይን፡” “መጀመርታን መወዳእታን” ዚብል ቃላት ሕደ እዩ።—ራእ 1:8፣ 21:6፣ 22:13

  • ኣመንዝራ።

    ካብ መርዓ ወጻኢ፡ ብፍላይ ምእንቲ ገንዘብ ኢሉ ጾታዊ ርክብ ዚገብር ሰብ። (እታ “ኣመንዝራ” ተባሂላ እተተርጐመት ፖርነ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ምሻጥ” ካብ ዚብል ሱር ቃል ዝመጸት እያ።) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተባዕትዮ ኣመናዝር ተጠቒሶም ዚርከቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቂ ኣንስትዮ ተመልክት። ምንዝርና ኣብ ሕጊ ሙሴ ኽልኩል ነበረ፣ ዓስቢ ኣመንዝራ ኸኣ ከም መባእ ጌርካ ናብ መቕደስ የሆዋ ኣይኣቱን ነበረ፣ ብኣንጻሩ ግና፡ ኣረማውያን ከም ምንጪ እቶት ገይሮም ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ይጥቀሙ ነበሩ። (ዘዳ 23:17, 18፣ 1ነገ 14:24) መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ቓል እዚኣ፡ ንኣምላኽ ኢና እነምልኽ እናበሉ ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ንዚሳተፉ ሰባት፡ ኣህዛብ፡ ወይ ውድባት ንምግላጽ እውን ብምሳልያዊ መገዲ ይጥቀመላ እዩ። ንኣብነት፡ እታ ኣብ መጽሓፍ ራእይ “ዓባይ ባቢሎን” ተባሂላ ዘላ፡ ስልጣንን ሃብትን ደልያ ምስ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ብምሕባራ ኣመንዝራ ተባሂላ ኣላ።—ራእ 17:1-5፣ 18:3፣ 1ዜና 5:25

  • ኣሜን።

    “ይኹን፡” “እማን፡” ወይ “ብርግጽ።” እታ ቓል፡ “እሙን” ካብ ዝትርጉሙ ኣማን ዚብል ናይ እብራይስጢ ሱር ቃል ዝመጸት እያ። ሰባት ንማሕላ፡ ንጸሎት፡ ወይ ንዘረባ ምስ ዚሰማምዑሉ፡ “ኣሜን” ይብሉ ነበሩ። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ራእይ፡ ከም መዓርግ የሱስ ኰይና ተጠቒሳ ኣላ።—ዘዳ 27:26፣ 1ዜና 16:36፣ ራእ 3:14

  • ኣራማይስጢ።

    ምስ እብራይስጢ ብቐረባ ዚዛመድ፡ ሕደ ፊደላት እውን ዚጥቀም ሴማዊ ቛንቋ። ኣብ ፈለማ፡ ብኣራማውያን ይዝረብ ነበረ፣ ጸኒሑ ግና፡ ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣታት ኣሶርን ባቢሎንን፡ ኣህጉራዊ ቛንቋ ንግድን መረዳድእን ኰይኑ ነበረ። ወግዓዊ ምምሕዳራዊ ቛንቋ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ እውን ኰይኑ ነበረ። (እዝ 4:7) ገለ ኽፋል መጻሕፍቲ እዝራን ኤርምያስን ዳንኤልን ብኣራማይስጢ እዩ ተጻሒፉ።—እዝ 4:8–6:18፣ 7:12-26፣ ኤር 10:11፣ ዳን 2:4ለ–7:28

  • ኣራም፣ ኣራማውያን።

    ደቂ እቲ ኣራም ዚብሃል ወዲ ሴም። ንሳቶም ካብ ኣኽራን ሊባኖስ ክሳብ መሶጶታምያ፡ ካብቲ ብሰሜን ዚርከብ ኣኽራን ቶረስ ክሳብ እቲ ብደቡብ ደማስቆን ክንዮኡን ይነብሩ ነበሩ። እዚ ቦታ እዚ፡ ብእብራይስጢ ኣራም ይብሃል ነበረ። ደሓር ከኣ ሶርያ ተባህለ፣ ነበርቱ ድማ ሶርያውያን ተባህሉ።—ዘፍ 25:20፣ ዘዳ 26:5፣ ሆሴ 12:12

  • ኣርማጌዶን።

    ሃር መጊዶን ካብ ዚብል ናይ እብራይስጢ ቓል እተወስደት ኰይና፡ “ከረን መጊዶ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። እታ ቓል ምስ “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” እተተሓሓዘት ኰይና፡ ኣብኣ ምስ የሆዋ ንምውጋእ “ነገስታት ብዘላ ዓለም” ይእከቡ። (ራእ 16:14, 16፣ 19:11-21)—ኣብ “ብርቱዕ ጸበባ” ርአ።

  • ኣርዑት።

    ኣብ መንኵብ ሰብ ዚጽወር ብኽልቲኡ ጫፉ ሰኽሚ ዚንጥልጠሎ ንዋት፣ ወይ ከኣ ኪሓርሱ ወይ ዓረብያ ኺስሕቡ ኸለዉ ኣብ ክሳውዲ ኽልተ ዚቝረኑ እንስሳታት (መብዛሕትኡ ግዜ ኣብዑር) ዚንበር ካብ ዕንጨይቲ እተገብረ ንዋት። ባሮት ከቢድ ጾር ንምስካም መብዛሕትኡ ግዜ ኣርዑት ይጥቀሙ ብምንባሮም፡ ኣርዑት ብምሳልያዊ መገዲ ንባርነትን ንመግዛእትን ንጭቈናን ንመከራን ከም ዜመልክት ኰይኑ ተዓይዩሉ ኣሎ። ንኣርዑት ምርሓቑ ወይ ምስባሩ ኸኣ፡ ካብ ባርነት፡ ካብ ጭቈና፡ ወይ ካብ ምዝመዛ ሓራ ምግባር የመልክት።—ዘሌ 26:13፣ ማቴ 11:29, 30

  • ኣርዮስፋጎስ።

    ኣብ ኣቴና፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣክሮጶሊስ ዚርከብ በሪኽ ኵርባ። እቲ ኣብኡ ዚእከብ ዝነበረ ባይቶ (መጋባእያ) እውን ብእኡ ይጽዋዕ ነበረ። ፈላስፋታት እስጦይኮስን ኤጲቁሬዎስን ንጳውሎስ፡ ብዛዕባ እምነቱ ኺገልጸሎም ኢሎም ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሲዶምዎ ነበሩ።—ግብ 17:19

  • ኣሰልጌያ።

    ኣብ “ንውርምና” ርአ።

  • ኣስማት።

    ካብ እኩያት መናፍስቲ ምዃኑ ዚፍለጥ ሓይሊ ናይ ምጥቃም ተግባር።—2ዜና 33:6

  • ኣሽቶረት።

    ከነኣናውያን ዜምልኽዋ ዝነበሩ ሰበይቲ በዓል ከም ዝዀነት ዚእመነላ ዝነበረ ኣምላኽ ውግእን ፍርያምነትን።—1ሳሙ 7:3

  • ኣቕርንቲ መሰውኢ።

    ካብ ኣርባዕቲኡ ዅርናዕ ገሊኡ መሰውኢታት ተወጥዊጡ ዚወጽእ ቀርኒ መሰል ነገር። (ዘሌ 8:15፣ 1ነገ 2:28)—ኣብ መ.ጽ. መ.ጽ. ለ5ን ለ8ን ርአ።

  • ኣበሳ።

    ሕጊ ናይ ምጥሓስ ተግባር። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስታ “ሓጢኣት” እትብል ቃል ተመሳሳሊት እያ።—መዝ 51:3፣ ሮሜ 5:14

  • ኣቢብ።

    ናይ መጀመርታ ስም እታ ቐዳመይቲ ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕን ሻውዐይቲ ወርሒ እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕን ኣይሁድ። ትርጉማ፡ “ሰዊት” ዚብል ኪኸውን ከሎ፡ ካብ መፋርቕ መጋቢት ክሳዕ መፋርቕ ሚያዝያ እያ። ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ምስ ተመልሱ፡ ኒሳን ተባሂላ ተጸዊዓ እያ። (ዘዳ 16:1)—ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • ኣብ።

    ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ ስም እታ 5ይቲ ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕን ስም እታ መበል 11 ወርሒ እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕን ኣይሁድ። ካብ መፋርቕ ሓምለ ኽሳዕ መፋርቕ ነሓሰ እያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብስም ኣይተጠቕሰትን፣ “ሓምሸይቲ ወርሒ” ተባሂላ ጥራይ እያ ተጠቒሳ ዘላ። (ዘሁ 33:38፣ እዝ 7:9)—ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • ኣብዚ ምህላው።

    ኣብ ገሊኡ ኽፋል ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እዘን ቃላት እዚአን ነቲ የሱስ ክርስቶስ ብዘይርአ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ ብንጉሳዊ ስልጣኑ ኣብዚ ዚህልወሉ ግዜ የመልክታ። ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን፡ መጺኡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ዚኸደሉ እዋን ዘይኰነስ፡ ንንውሕ ዝበለ እዋን ዚሽፍን እዩ።—ማቴ 24:3

  • ኣንበጣ።

    ብዕስለ ዚጕዓዙ እተፈላለዩ ዓይነት ጐደበ። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ንጹሃት ጌርካ ይርኣዩ ብምንባሮም ንምግቢ ይዀኑ ነበሩ። ኣብ መገዶም ዝጸንሖም ኵሉ ዚውድኡ ኸቢድ ጕድኣት ከኣ ዜውርዱ ዕስለታት ኣንበጣ፡ ከም መዓት ይርኣዩ ነበሩ።—ዘጸ 10:14፣ ማቴ 3:4

  • ኣካይያ።

    ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ቈረንቶስ ዝርእሰ ኸተማኣ ኣብ ደቡባዊ ግሪኽ እትርከብ ኣውራጃ ሮሜ። ኣካይያ ንብዘሎ ጰሎጶነስን ንማእከላይ ክፋል ቀንዲ መሬት ግሪኽን ትሓቍፍ። (ግብ 18:12)—ኣብ መ.ጽ. ለ13 ርአ።

  • ኣኼባ።

    መደብ ገይሮም እተኣከቡ ጕጅለ ሰባት። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ እዛ ቓል እዚኣ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት ወይ ዓብዪ ሃገራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ፍጻመታት ዚገብርዎ ኣኼባታት ተመልክት።—ዘዳ 16:8፣ 1ነገ 8:5

  • ኣይሁዳዊ፣ ኣይሁድ።

    ድሕሪ ውድቀት እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል፡ ካብ ነገድ ይሁዳ ንእተወልደ ሰብ እተመልክት። (2ነገ 16:6) ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ ካብ እተፈላለዩ ነገዳት ናብ እስራኤል ንእተመልሱ እስራኤላውያን ከተመልክት ጀሚራ። (እዝ 4:12) ደሓር፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ንእስራኤላውያን ካብ ኣህዛብ ንምፍላይ ኪዕየየላ ጀሚሩ። (ኣስ 3:6) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ዘርኢ መን ምዃንካ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ኼነጽር ከሎ እውን፡ ነዛ ቓል እዚኣ ብምሳልያዊ መገዲ ተጠቒሙላ እዩ።—ሮሜ 2:28, 29፣ ገላ 3:28

  • ኣዳር።

    ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ ስም እታ መበል 12 ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕን ስም እታ 6ይቲ ወርሒ እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕን ኣይሁድ። ካብ መፋርቕ ለካቲት ክሳዕ መፋርቕ መጋቢት እያ። (ኣስ 3:7)—ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • ኣገልጋሊ ጉባኤ።

    ነታ መብዛሕትኡ ግዜ “ኣገልጋሊ” ተባሂላ እትትርጐም ዲያኮኖስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እተዋህበ ትርጉም። “ኣገልጋሊ ጉባኤ” ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ጉባኤ ንኣካል ሽማግለታት ሓጋዚ ዀይኑ ዜገልግል ሰብ የመልክት። ነዚ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት እዚ ንምብቃዕ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መለክዒታት ኬማልእ ኣለዎ።—1ጢሞ 3:8-10, 12

  • ኣጋንንቲ።

    ልዕለ ሰብኣዊ ሓይልታት ዘለዎም ዘይረኣዩ እኩያት መንፈሳውያን ፍጡራት። ኣብ ዘፍጥረት 6:2፡ “ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡” ኣብ ይሁዳ 6 ኸኣ፡ “መላእኽቲ” ተባሂሎም ተጸዊዖም ስለ ዘለዉ፡ እኩያት ኰይኖም ኣይተፈጥሩን። የግዳስ፡ ብዘመን ኖህ ንየሆዋ ብዘይምእዛዞምን ዓልዮም ምስ ሰይጣን ብምሕባሮምን ባዕሎም ጸላእቲ ኣምላኽ ዝዀኑ እዮም።—ዘዳ 32:17፣ ሉቃ 8:30፣ ግብ 16:16፣ ያእ 2:19

  • ኣጸድ።

    ነቲ ማሕደር ዚኸብቦ ዝነበረ ቐጽሪ ዘለዎ ቓልዕ ቦታ፣ ደሓር ከኣ ንህንጻ እታ ቤተ መቕደስ ዚኸብባ ዝነበረ ብመንደቕ እተኸብበ ቓልዕ ቦታ። እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ ኣጸድ እቲ ማሕደርን ኣብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ እታ ቤተ መቕደስን ነበረ። (ኣብ መ.ጽ. ለ5ለ8ለ11 ርአ።) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣባይትን ኣብያተ መንግስትን እውን ኣጸድ ከም ዘለዎ ተጠቒሱ ኣሎ።—ዘጸ 8:13፣ 27:9፣ 1ነገ 7:12፣ ኣስ 4:11፣ ማቴ 26:3

  • ኣጽዋር።

    ከም እኒ ቝራዕ ርእስን ድርዕን ዕጣቕን መከላኸሊ በራቒቶን ዋልታን ዝኣመሰለ ወተሃደራት ዚለብስዎ መከላኸልን ከም እኒ ሰይፊ ዝኣመሰለ ንምጥቃዕ ዚኸውን መሳርያን።—1ሳሙ 31:9፣ ኤፌ 6:13-17

  • ኤሉል።

    ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ ስም እታ 6ይቲ ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕን ስም እታ መበል 12 ወርሒ እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕን ኣይሁድ። ካብ መፋርቕ ነሓሰ ኽሳዕ መፋርቕ መስከረም እያ። (ነህ 6:15)—ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • ኤታኒም።

    ስም እታ ሻውዐይቲ ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕን ስም እታ ቐዳመይቲ ወርሒ እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕን ኣይሁድ። ካብ መፋርቕ መስከረም ክሳዕ መፋርቕ ጥቅምቲ እያ። ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ምስ ተመልሱ፡ ቲሽሪ ተባሂላ ተጸዊዓ። (1ነገ 8:2)—ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • ኤዶም።

    ንኤሳው ወዲ ይስሃቅ እተዋህቦ ኻልእ ስም። ደቂ ኤሳው (ኤዶም) ኣብ ከባቢ እቲ ሰዒር ዚብሃል ኣብ መንጎ ምዉት ባሕርን ወሽመጥ ዓቃባን ዚርከብ ኣኽራን ዝበዝሖ ዞባ ይነብሩ ነበሩ። እቲ ዞባ ኸኣ ኤዶም ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ።—ኣብ መ.ጽ. ለ3ን ለ4ን ርአ።

  • ኤጲቁሬዎስ፡ ፈላስፋታት።

    ሰዓብቲ እቲ ኤጲቁሬዎስ (341-270 ቅ.ክ.) ዚብሃል ፈላስፋ። ባህታ ውልቀ ሰብ ቀንዲ ሸቶ ህይወት እዩ ኣብ ዚብል ሓሳብ ዘተኰረ ፍልስፍና ነበሮም።—ግብ 17:18

  • ኤፋ።

    ስፍርን መስፈርን እኽሊ። ምስቲ መስፈር ፈሳሲ ዝዀነ ባት ማዕረ ስለ ዝነበረ፡ ስፍሩ 22 ሊ. እዩ ነይሩ። (ዘጸ 16:36፣ ህዝ 45:10)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ኤፍራጥስ።

    ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እስያ ዚርከብ፡ ሓደ ኻብቲ ኽልተ ቐንዲ ኣፍላግ መሶጶታምያ ዝዀነ ዝነውሐን ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎን ፈለግ። ኣብ ዘፍጥረት 2:14፡ ሓደ ኻብቲ ኣርባዕተ ኣፍላግ ኤደን ኰይኑ ተጠቒሱ ኣሎ። ብዙሕ ግዜ ኸኣ “ፈለግ” ጥራይ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ዘፍ 31:21) ሰሜናዊ ዶብ እቲ ንእስራኤል እተመደበ ሃገር እውን ነበረ። (ዘፍ 15:18፣ ራእ 16:12)—ኣብ መ.ጽ. ለ2 ርአ።

  • ኤፍሬም።

    ስም እቲ ኻልኣይ ወዲ ዮሴፍ፣ እዚ ስም እዚ ጸኒሑ መጸውዒ ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኰነ። እስራኤል ምስ ተመቕለ፡ ኤፍሬም ኣዝዩ ምርኡይ ነገድ ብምንባሩ፡ ንዅላ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ይውክል ነበረ።—ዘፍ 41:52፣ ኤር 7:15

  • ኤፎድ።

    ካህናት ዚኽደንዎ ኸም በጃ ኽዳን ዝኣመሰለ ልብሲ። ሊቀ ኻህናት ፍሉይ ኤፎድ ይኽደን እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ኤፎድ 12 ኽቡራት ኣእማን ዘለዎ ልብሲ ኣፍ ልቢ ይገብር ነበረ። (ዘጸ 28:4, 6)—ኣብ መ.ጽ. ለ5 ርአ።

  • እመት።

    ካብ ኵርናዕ ኢድ ክሳብ ጫፍ ማእከለይቲ ኣጻብዕ ዚበጽሕ መዐቀኒ ንውሓት። እስራኤላውያን መብዛሕትኡ ግዜ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ እመት 44.5 ሰ.ሜ. ዝንውሓቱ እዩ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ሓደ ስፍሓት ኢድ ዚውሰኾ ኣስታት 51.8 ሰ.ሜ. ዝንውሓቱ ነዊሕ እመት እውን ነይርዎም እዩ። (ዘፍ 6:15፣ ሉቃ 12:25)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • እምኒ መኣዝን።

    ክልተ መንደቕ ኣብ ዚራኸበሉ ዅርናዕ ወይ መኣዝን ህንጻ ዚግበር ንኽልቲኡ ንምልጋብ ኣገዳሲ ዝዀነ እምኒ። እቲ ኣውራ እምኒ መኣዝን፡ እምኒ መኣዝን መሰረት እዩ ነይሩ። ንህዝባዊ ህንጻታትን ንመካበብያ ኸተማን ከኣ ኣዝዩ ድልዱል እምኒ ይሕረ ነበረ። እዛ ስያመ እዚኣ ብምሳልያዊ መገዲ ንመሰረት ምድሪ ኸም እተመልክት ጌርካ ተዓይዩላ ኣሎ፣ የሱስ እውን “እምኒ መኣዝን መሰረት” እታ ምስ መንፈሳዊ ቤት እትመሳሰል ክርስትያናዊት ጉባኤ ተባሂሉ ኣሎ።—ኤፌ 2:20፣ እዮ 38:6

  • እስራኤል።

    ኣምላኽ ንያእቆብ ዝሃቦ ስም። ንዅሎም ዘርኡ ብሓፈሻ የመልክት ነበረ። ዘርኢ እቶም 12 ደቂ ያእቆብ ብዙሕ ግዜ ደቂ እስራኤል፡ ቤት እስራኤል፡ ሰብ እስራኤል፡ ወይ እስራኤላውያን ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። እስራኤል ዚብል ስም ነታ ኻብታ ደቡባዊት መንግስቲ እተፈልየት በቶም ዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ እውን የመልክት እዩ፣ ደሓር ከኣ፡ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ብዚብል መጸውዒ፡ ንቕቡኣት ክርስትያን የመልክት እዩ።—ገላ 6:16፣ ዘፍ 32:28፣ 2ሳሙ 7:23፣ ሮሜ 9:6

  • እስያ።

    ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ስም እቲ ሎሚ ዘሎ ምዕራባዊ ኽፍሊ ቱርኪን ከም ሳሞስን ጳጥሞስን ዝበላ ኣብ ገማግም ዚርከባ ደሴታትን ዝሓቍፍ ዝነበረት ኣውራጃ ሮሜ። ርእሰ ኸተማኣ ኤፌሶን እያ ነይራ። (ግብ 20:16፣ ራእ 1:4)—ኣብ መ.ጽ. ለ13 ርአ።

  • እስጦይኮስ፡ ፈላስፋታት።

    ምስ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባን ተፈጥሮን ተሰማሚዕካ ብምንባር ጥራይ ሓጐስ ከም ዚርከብ ዚኣምኑ ጕጅለ ፈላስፋታት ግሪኽ። እቶም ፈላስፋታት ብግምቶም እቲ ብሓቂ ጥበበኛ ሰብ፡ ስቓይ ኰነ ባህታ ኣይስምዖን ይብሉ ነበሩ።—ግብ 17:18

  • እብራዊ።

    ኣብ ፈለማ ንኣብራም (ንኣብርሃም) ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ንምፍላይ እተዓይየላ መጸውዒት። ድሕሪኡ፡ ነቶም ብወዲ ወዱ ያእቆብ ኣቢሎም ዝመጹ ዘርኢ ኣብርሃም ንምምልካት ተዓይዩላ ኣሎ።—ዘፍ 14:13፣ ዘጸ 5:3

  • እብራይስጢ።

    ቋንቋ እብራውያን። ብግዜ የሱስ፡ ቋንቋ እብራይስጢ ንሓያሎ ቓላት ኣራማይስጢ የጠቓልል ነይሩ፣ ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱን እተዛረብዎ ቛንቋ ድማ እዚ ቛንቋ እዚ እዩ ነይሩ።—ግብ 26:14

  • እቶን።

    መምከኺ ሓመድ ብረት ወይ ብረት፣ መብሰሊ ኣቕሑ መሬት ወይ ካይላታት። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶን ብሕጡብ ወይ ብእምኒ ይስራሕ ነበረ። ኖራ ንምንዳድ እውን የገልግል ነበረ።—ዘፍ 15:17፣ ዳን 3:17፣ ራእ 9:2

  • እንጌራ ምርኣይ።

    ኣብ ቅድስቲ ኽፍሊ እቲ ማሕደር ወይ እታ ቤተ መቐደስ ኣብ ዚርከብ ሰደቓ፡ ኣብ ክልተ ጕጅለ በብሽዱሽተ እተደራረበ 12 እንጌራ። “እተደራረበ እንጌራ”ን “እንጌራ መባእ”ን ተባሂሉ እውን ተጸዊዑ ኣሎ። ኣብ ሰሰንበት፡ እዚ ንኣምላኽ ዚቐርብ እንጌራ ብሓድሽ እንጌራ ይትካእ ነበረ። ነቲ ኻብኡ እተላዕለ እንጌራ ኸኣ፡ ከም ንቡር፡ ካህናት ጥራይ እዮም ዚበልዕዎ ነይሮም። (2ዜና 2:4፣ ማቴ 12:4፣ ዘጸ 25:30፣ ዘሌ 24:5-9፣ እብ 9:2)—ኣብ መ.ጽ. ለ5 ርአ።

  • እኩይ።

    “እቲ እኩይ” ዚብል መጸውዒ፡ ነቲ ንኣምላኽን ንስርዓታት ጽድቁን ዚጻረር ሰይጣን ድያብሎስ የመልክት።—ማቴ 6:13፣ 1ዮሃ 5:19

  • ኦመር።

    2.2 ሊ. ዚኸውን መስፈር እኽሊ ወይ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ። (ዘጸ 16:16, 18)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ኦም ህይወት።

    ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረት ኦም። ኣብ ፍሪኣ ህይወት ኬውህብ ዚኽእል ነገር ከም ዝነበራ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሕብርን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቶም ኣምላኽ ካብ ፍሪኣ ኺበልዑ ዚፈቕደሎም ሰባት፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ውሕስነት ኣምላኽ ከም ዘለዎም እተመልክት ነበረት።—ዘፍ 2:9፣ 3:22

  • ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን።

    ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረት፡ ኣምላኽ ነቲ ንደቅ ሰብ ብዛዕባ “ጽቡቕን ክፉእን” መለክዒ ኺሰርዓሎም ዘለዎ መሰል ተምሳል እትኸውን ኦም።—ዘፍ 2:9, 17

  • ኦኒክስ።

    ኣዝዩ ኽቡር ዘይኰነ ተሪር እምኒ ወይ እተጠምረ ዓይነት ከልቄዶን። ኦኒክስ ጻዕዳ ምስ ጸሊም፡ ቡናዊ፡ ቀይሕ፡ ሓምዅሽታይ፡ ወይ ሓምላይ ዚዛንቕ ቀጸላታት ዘለዎ እዩ። ኣብቲ ፍሉይ ኣልባሳት እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ይርከብ ነበረ።—ዘጸ 28:9, 12፣ 1ዜና 29:2፣ እዮ 28:16

  • ከለዳ፣ ከለዳውያን።

    ኣብ ፈለማ፡ ናይ ኣፍላግ ጢግሪስን ኤፍራጥስን ደልታ ዝሓዘ ምድርን ህዝብን፣ ደሓር ግና ንዅላ ባቢሎንያን ንህዝባን የመልክት ነበረ። እታ “ከለዳውያን” እትብል ቃል ነቶም ስነ ፍልጠትን ታሪኽን ቋንቋታትን ስነ ኰዀብን ዘጽንዑ፡ ስሒርን ቈጸራ ኸዋኽብትን ድማ ዚገብሩ ምሁራት ሰባት እውን ተመልክት ነበረት።—እዝ 5:12፣ ዳን 4:7፣ ግብ 7:4

  • ከሞሽ።

    ቀንዲ ኣምላኽ ሞኣባውያን።—1ነገ 11:33

  • ከርበ።

    ካብ በብዓይነቱ ኣሻዅ ቈጥቋጣት ወይ ንኣሽቱ ኣእዋም ዘርኢ ኮሚፎራ ዚርከብ ምዑዝ ዕንዲዳ። ከርበ ሓደ ኻብቲ ንምስራሕ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ዜድሊ ነገራት ነበረ። ንኽዳውንቲ ወይ ንዓራውቲ ጥዑም ሽታ ንምሃብ የገልግል ነይሩ፣ ምስ ዘይቲ ተሓዊሱ እውን ንምድራዝን ንምቕባእን ሰብነት የገልግል ነበረ። ሬሳታት ንቐብሪ ንምድላው እውን የገልግል ነበረ።—ዘጸ 30:23፣ ምሳ 7:17፣ ዮሃ 19:39

  • ከስለው።

    ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ፡ ስም እታ ታሽዐይቲ ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕን ስም እታ ሳልሰይቲ ወርሒ እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕን ኣይሁድ። ካብ መፋርቕ ሕዳር ክሳዕ መፋርቕ ታሕሳስ እያ። (ነህ 1:1፣ ዘካ 7:1)—ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • ከተማታት ዕቝባ።

    ከይፈለጠ ሰብ ዝቐተለ ኻብ ፈዳይ ደም ዚዕቈበለን ከተማታት ሌዋውያን። ኣብ ምድሪ ተስፋ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሆዋ ዀይኖም ሙሴን እያሱን ዝመደብወን ሽዱሽተ ኸተማ ዕቝባ ነበራ። ሓደ ሃዲሙ ዝኸደ ሰብ ናብ ከተማ ዕቝባ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዀይኑ ንሽማግለታት እታ ኸተማ ጕዳዩ ይገልጽ እሞ፡ ንሳቶም ይቕበልዎ ነበሩ። ኰነ ኢሎም ሰብ ዝቐተሉ ቐተልቲ ነፍሲ በዚ መሰናድዎ እዚ ምእንቲ ኸይብለጹ፡ እቲ ዕቝባ ዚሓትት ሰብ ንጽህናኡ ንምርግጋጽ ኣብታ እቲ ቕትለት እተፈጸመላ ኸተማ ቈይሙ ኺምርመር ነበሮ። ንጹህ ምዃኑ እንተ ተረጋጊጹ፡ ናብታ ኸተማ ዕቝባ ተመሊሱ ምሉእ ዕድሚኡ ወይ ክሳዕ ሞት ሊቀ ኻህናት ኣብ ውሽጢ ዶባታ ይቕመጥ ነበረ።—ዘሁ 35:6, 11-15, 22-29፣ እያ 20:2-8

  • ከተማ ዳዊት።

    ዳዊት ንኸተማ ይቡስ ምስ ሓዛን ቤተ መንግስቱ ምስ ሃነጸላን እተዋህባ ስም። ጽዮን እውን ተባሂላ ትጽዋዕ እያ። ደቡባዊ ምብራቕ ክፋልን ጥንታዊት ክፋልን የሩሳሌም እያ።—2ሳሙ 5:7፣ 1ዜና 11:4, 5

  • ከነኣን።

    ወዲ ወዱ ንኖህ፡ ራብዓይ ወዲ ካም። እቶም ካብ ከነኣን እተወልዱ 11 ነገዳት ነታ ኣብ ምብራቕ መዲተራነያን ኣብ መንጎ ግብጽን ሶርያን እትርከብ ምድሪ ይነብሩላ ነበሩ። እታ ምድሪ እቲኣ ኸኣ፡ “ምድሪ ከነኣን” ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት። (ዘሌ 18:3፣ ዘፍ 9:18፣ ግብ 13:19)—ኣብ መ.ጽ. ለ4 ርአ።

  • ኪሩቤል።

    ፍሉይ ሓላፍነት ዘለዎም ልዑል ዝመዓርጎም መላእኽቲ። ካብ ሱራፌል እተፈልዩ እዮም።—ዘፍ 3:24፣ ዘጸ 25:20፣ ኢሳ 37:16፣ እብ 9:5

  • ኪዳን።

    ሓደ ነገር ንምግባር ወይ ንዘይምግባር ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰባትን ወይ ኣብ መንጎ ኽልተ ወገን ሰባት ዚእቶ ስምምዕ ወይ ውዕል። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ወገን ጥራይ ነቲ ውዕል ይፍጽሞ ነበረ (በይናዊ ኺዳን፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ተስፋ ኺብሃል ይከኣል)። ኣብ ካልእ ግዜያት፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ውዕል ኪፍጽምዎ ኣለዎም (ክልተኣዊ ኺዳን)። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ርእሲ እቲ ኣምላኽ ምስ ሰባት ዝኣተዎ ኺዳን፡ ኣብ መንጎ ሰባት፡ ነገዳት፡ ኣህዛብ፡ ወይ ጕጅለታት እተገብረ ኺዳን እውን ይጠቅስ። ገለ ኻብቲ ዓብዪ ጽልዋ ዘሕደረ ኺዳናት፡ እቲ ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም፡ ምስ ዳዊት፡ ምስ ህዝቢ እስራኤል (ኪዳን ሕጊ)፡ ምስ ናይ ኣምላኽ እስራኤል (ሓድሽ ኪዳን) እተኣትወ ኺዳናት ኪጥቀስ ይከኣል።—ዘፍ 9:11፣ 15:18፣ 21:27፣ ዘጸ 24:7፣ 2ዜና 21:7

  • ካህን።

    ንኣምላኽ ብወግዒ ወኪሉ ነቶም ዜገልግሎም ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽን ሕግታቱን ዚምህር ሰብ። ብዘይካዚ፡ ካህናት ንሰባት ወኪሎም መስዋእቲ ንምቕራብን ምእንታኦም ንምልማንን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቐርቡ ነበሩ። ሕጊ ሙሴ ቕድሚ ምቛሙ፡ ርእሲ ስድራ ቤት ከም ካህን ኰይኑ ንስድራ ቤቱ የገልግል ነበረ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ዓሌት እቲ ኻብ ነገድ ሌዊ ዝዀነ ኣሮን ካህናት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። እቶም ዝተረፉ ደቂ ተባዕትዮ ሌዋውያን ከኣ ሓገዝቶም ነበሩ። ሓድሽ ኪዳን ኪቐውም ከሎ፡ እቶም መንፈሳውያን እስራኤላውያን ብኻህናት ዝቘሙ ህዝቢ ዀይኖም እዮም፣ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ሊቀ ኻህናት እዩ።—ዘጸ 28:41፣ እብ 9:24፣ ራእ 5:10

  • ክሕደት።

    እዛ ብግሪኽኛ ኣፖስታሲያ እትብል ቃል፡ ቃል ብቓሉ “ርሒቕካ ምቛም” ካብ ዝትርጉማ ግሲ ዝመጸት እያ። እታ ብስም ዝቘመት ቃል፡ “ክድዓት፡ ጥንጣነ፡ ወይ ዕልወት” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ “ክሕደት” ብቐዳምነት ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስ ምኽዳዕ ተተሓሒዙ ተዓይዩላ ኣሎ።—ምሳ 11:9፣ ግብ 21:21፣ 2ተሰ 2:3

  • ክርስትያን።

    ንሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ብኣምላኽ እተዋህቦም ስም።—ግብ 11:26፣ 26:28

  • ክርስቶስ።

    ካብታ ክሪስቶስ እትብል ቃል ግሪኽኛ እተወስደ፡ ምስቲ “መሲሕ” ወይ “ቅቡእ” ተባሂሉ እተተርጐመ ናይ እብራይስጢ ቓል ማዕረ ዝዀነ መዓርግ የሱስ።—ማቴ 1:16፣ ዮሃ 1:41

  • ኰዀብ ጽባሕ።

    ጸሓይ ቅድሚ ምብራቓ ብምብራቓዊ ደረት ትርኢት ዚርአ ናይ መወዳእታ ኰዀብ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ሓድሽ መዓልቲ ኸም ዝወግሐ ይሕብር።—ራእ 22:16፣ 2ጴጥ 1:19

  • ኵምራ።

    ብእብራይስጢ፡ “ሚሎ፡” ካብቲ “ምላእ” ዝትርጉሙ ሱር ቃል። ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ዕርዲ ኸተማ ኢሉ ይትርጕማ። ኣብ ከተማ ዳዊት ዝነበረ ቦታ ወይ እተሃንጸ ነገር ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እንታይነቱ ግና ብልክዕ ኣይፍለጥን እዩ።—2ሳሙ 5:9፣ 1ነገ 11:27

  • ወንጭፍ።

    ካብ ጅማት፡ ሰቲ፡ ወይ ጸጕሪ ብእተሰርሐ ገመድ ወይ ብምራን ዚዳሎ። እታ ዓውዲ ወንጭፍ እትብሃል ኣብ ማእከል ዘላ ስፍሕ ዝበለት ክፋል እታ ወንጭፍ፡ ነቲ እምኒ ትሕዝ ነበረት። እቲ ወንጭፍ ብሓደ ጫፉ ምስ ኢድ ወይ ጉምቦ ኢድ ይእሰር ነበረ፣ እቲ ሓደ ጫፉ ኸኣ ብኢድ ተታሒዙ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ እምኒ ኺውንጨፍ ከሎ ይፍኖ ነበረ። ናይ ጥንቲ ኣህዛብ፡ ኣብ ሰራዊቶም ወንጨፍቲ የሰልፉ ነበሩ።—መሳ 20:16፣ 1ሳሙ 17:50

  • ወዲ ሰብ።

    ኣብ ወንጌላት ኣስታት 80 ሳዕ ዚርከብ መግለጺ። እዚ መግለጺ እዚ ንየሱስ ክርስቶስ ዜመልክት ኪኸውን ከሎ፡ ብስጋ ኣብ እተወልደሉ እዋን ሰብ ከም ዝዀነን ስጋ ዝለበሰ መንፈሳዊ ፍጡር ከም ዘይነበረን ዜነጽር እዩ። እዚ መግለጺ እዚ፡ የሱስ ነቲ ኣብ ዳንኤል 7:13, 14 ዚርከብ ትንቢት ከም ዚፍጽሞ እውን ይሕብር እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ እዚ መግለጺ እዚ ንህዝቅኤልን ንዳንኤልን ብዚምልከት ተዓይዩሉ ኣሎ፣ ኣብኡ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ እዞም መወትቲ ኣፈኛታትን ምንጪ እቲ መልእኽቲ ዝዀነ ኣምላኽን ዘሎ ፍልልይ ዜጕልሕ ነበረ።—ህዝ 3:17፣ ዳን 8:17፣ ማቴ 19:28፣ 20:28

  • ወዲ ዳዊት።

    የሱስ ወራሲ እቲ ኻብ መስመር ወለዶ ዳዊት ብዚመጽእ ሰብ ዚፍጸም ኪዳን መንግስቲ ምዃኑ ንምጕላሕ እተጸውዓሉ መጸውዒ።—ማቴ 12:23፣ 21:9

  • ወገን።

    ኣብ “ኑፋቐ” ርአ።

  • ዋርሳ።

    ሰብኣይ ነቲ ውሉድ ከይሓደገ ዝሞተ ሓዉ ስሙ ዜጽንሕ ዘርኢ ምእንቲ ኬቝመሉ ኢሉ ንሰበይቲ ሓዉ ዚምርዓወሉ ደሓር ኣብ ሕጊ ሙሴ እተኣታተወ ባህሊ።—ዘፍ 38:8፣ ዘዳ 25:5

  • ዋዕላ።

    ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ። ብግዜ የሱስ፡ 71 ኣባላት ዝነበርዎ ዀይኑ፡ ንሊቀ ኻህናትን ኣቐዲሞም ሊቀ ኻህናት ንዝነበሩን ንኣባላት ቤተ ሰብ ሊቀ ኻህናትን ንዓበይትን ንርእስታት ነገድን ዓሌትን ንጸሓፍትን የጠቓልል ነበረ።—ማር 15:1፣ ግብ 5:34፣ 23:1, 6

  • ዋግ።

    ብዕሲ ዚኽሰት በብዓይነቱ ሕማም ኣትክልቲ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ዕሲ፡ እቲ ንጕንዲ ዜጸልም (ፑቺንያ ግራሚኒስ) ዚብሃል ኪኸውን ከም ዚኽእል ይእመነሉ እዩ።—1ነገ 8:37

  • ዓለሞት።

    “ኣዋልድ” ዝትርጉሙ ናይ ሙዚቃ ቓል ኰይኑ፡ ነቲ ሶፕራኖ ዚብሃል ቀጢን ደሃይ ኣዋልድ ዚእምት ኪኸውን ይኽእል። እቲ ሙዚቃ ወይ መሰነይታ ብቐጢን ደሃይ ኪስራሕ ከም ዘለዎ ንምሕባር ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።—1ዜና 15:20፣ መዝ 46:0

  • ዓለስ።

    እኽሉ ኻብቲ ብቝቡቑ ብቐሊሉ ዘይፍለ ዝተሓተ ደረጃ ዘለዎ ዓይነት ስርናይ (ትሪቲኩም ስፐልታ)።—ዘጸ 9:32

  • ዓመት እልልታ።

    ካብታ እስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ዝኣተዉላ ዓመት፡ ኣብ ሓሓምሳ ዓመት እትህሉ ዓመት። ኣብ ዓመት እልልታ፡ እታ ምድሪ ቓድራ ትሕደግ ነበረት፣ እብራውያን ባሮት እውን ሓራ ይወጹ ነበሩ። ተሸይጡ ዝነበረ ርስቲ ይምለስ ነበረ። ዓመት እልልታ ብኻልእ ኣበሃህላ ነታ ሃገር ናብቲ ኣምላኽ ፈለማ ኬቝማ ኸሎ ዝነበረትሉ ዅነታት እትመልሳ ዓመት በዓልን ዓመት ሓርነትን እያ ነይራ።—ዘሌ 25:10

  • ዓበይቲ።

    ኣብ “ሽማግለ” ርአ።

  • ዓንዲ፣ ሓወልቲ።

    መዋቕራት ዚስከም ቀጥ ዝበለ ነገር። ገሊኡ ኣዕኑድ ንታሪኻዊ ተግባራት ወይ ፍጻመታት ንምዝካር የገልግል ነበረ፣ እዚ ድማ ሓወልቲ ይብሃል። ኣብተን ሰሎሞን ዝሃነጸን ቤተ መቕደስን ቤተ መንግስትን ኣዕኑድ ነበረ። ኣረማውያን ንናይ ሓሶት ኣምልኾኦም ኪጥቀሙሉ ኢሎም ሓወልቲ ኣምልኾ የቝሙ ነበሩ፣ እስራኤላውያን ከኣ ሓድሓደ ግዜ ነዚ ልማዶም ይቐድሕዎ ነበሩ። (መሳ 16:29፣ 1ነገ 7:21፣ 14:23)—ኣብ “ርእሲ ዓንዲ” ርአ።

  • ዓንዲ ኣምልኾ።

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል (ኣሸራህ)፡ (1) ነታ ኣሸራ እትብሃል ኣምላኽ ፍርያምነት ከነኣን ዜመልክት ዓንዲ ኣምልኾ፡ ወይ (2) ንምስሊ እታ ኣሸራ እትብሃል ኣምላኽ ተመልክት። እቲ ኣዕኑድ ትኽ ኢሉ ዝቘመ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ እንተ ወሓደ ድማ ብኸፊል ብዕንጨይቲ ይግበር ነበረ። ዘይተጸርበ ኣዕኑድ ወይ ኣእዋም እውን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዘዳ 16:21፣ መሳ 6:26፣ 1ነገ 15:13

  • ዓውዲ።

    ኣብ “መኼዳ” ርአ።

  • ዓዛዜል።

    “ዚጠፍእ ጤል” ዚብል ትርጉም ኪህልዎ ዚኽእል ናይ እብራይስጢ ስም። ብመዓልቲ ዕርቂ፡ እቲ ንዓዛዜል እተመደበ ወጠጦ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓጢኣት ህዝቢ ጾይሩ ናብ በረኻ ይስደድ ነበረ።—ዘሌ 16:8, 10

  • ዕርቂ።

    ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ እቲ ሓሳብ ምስቲ ሰባት ንኣምላኽ ኪቐርብዎን ኬምልኽዎን ምእንቲ ኪኽእሉ ዜቕርብዎ መስዋእቲ እዩ ዚተሓሓዝ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ብፍላይ ኣብታ ኣብ ዓመት ሓንሳእ እትህሉ መዓልቲ ዕርቂ፡ ንሓጢኣት ውልቀ ሰባትን ንሓጢኣት ብዘሎ እቲ ህዝብን ምስ ኣምላኽ ንምትዕራቕ መስዋእትታት ይቐርብ ነበረ። እቲ መስዋእትታት እቲ ናብቲ ሓጢኣት ደቂ ሰብ ሓንሳእ ንሓዋሩ ምሉእ ብምሉእ ዘተዓረቐ፡ ንሰባት ከኣ ምስ የሆዋ ኺዕረቑ ኣጋጣሚ ዝኸፈተ የሱስ ዘቕረቦ መስዋእቲ ዚሕብር ነበረ።—ዘሌ 5:10፣ 23:28፣ ቈሎ 1:20፣ እብ 9:12

  • ዕሽር።

    ብፍላይ ንሃይማኖታዊ ዕላማ ኸም ግብሪ ዚውሃብ ወይ ዚኽፈል ዕስሪት ወይ 10 ሚእታዊት። (ሚል 3:10፣ ዘዳ 26:12፣ ማቴ 23:23) ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ዕሽር ፍርያት እታ ምድርን ዕሽር ወሰኽ እተን ከብትን መጓሰን ኣብ ዓዓመት ንሌዋውያን ንምድጋፍ ይውሃብ ነበረ። ሌዋውያን ከኣ ካብቲ ዕሽርሲ ዕሽር ኣውጺኦም ንኽህነት ኣሮን ንምድጋፍ ይህቡ ነበሩ። ካልእ ተወሳኺ ዕሽር እውን ነይሩ እዩ። ክርስትያናት ዕሽር ኪኸፍሉ ኣየድልዮምን እዩ።

  • ዕጣን።

    ምዑዝ ጨና ዚህብ ቀስ ኢሉ ዚተክኽ ውሁድ ምዑዝ ዕንዲዳን በለሳንን። ኣብቲ ማሕደርን ኣብታ ቤተ መቕደስን ዜገልግል ዝነበረ ኻብ ኣርባዕተ ነገራት ዚዳሎ ፍሉይ ዕጣን ነበረ። ንግሆን ምሸትን ከኣ ኣብታ ቕድስቲ ኣብ ዚርከብ መሰውኢ ዕጣን ይዕጠን ነበረ፣ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ቕድስተ ቕዱሳን ይዕጠን ነበረ። ምሳሌ እቲ ብእሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚቐርብ ቅቡል ጸሎት እውን ነበረ። ክርስትያናት ዕጣን ኪዓጥኑ ኣየድልዮምን እዩ።—ዘጸ 30:34, 35፣ ዘሌ 16:13፣ ራእ 5:8

  • ዕጫ።

    ውሳነ ንምግባር ዜገልግል ጸጸራት ወይ ቍራጻት ዕንጨይቲ ወይ ኣእማን። እዚ ኣብ ሓደ ኽዳን ወይ ኣቕሕ ጌርካ ይንዝነዝ ነበረ። እታ ኻብኡ ወጺኣ ዝወደቐት ወይ ዝወጸት ከኣ ትሕረ ነበረት። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ጸሊኻ እዩ ዚግበር ነይሩ። እታ “ዕጫ” እትብል ቃል፡ ቃል ብቓሉን ብምሳልያዊ መገድን ኪዕየየላ ኸሎ፡ “ግደ” ወይ “ብጽሒት” ዚብል ትርጉም ነበራ።—እያ 14:2፣ መዝ 16:5፣ ምሳ 16:33፣ ማቴ 27:35

  • ዘብዐኛታት ሃጸይ።

    ንሃጸይ ሮሜ ኺሕልውዎ ዝቘሙ ሮማውያን ወተሃደራት። እቶም ዘብዐኛታት ንሃጸይ ኣብ ምድጋፉ ወይ ኣብ ምግልባጡ ሓያል ፖለቲካዊ መሳርሒ ይዀኑ ነበሩ።—ፊል 1:13

  • ዘንጊ።

    ገዛኢ ኸም ምልክት ንጉሳዊ ስልጣኑ ዚሕዞ በትሪ።—ዘፍ 49:10፣ እብ 1:8

  • ዘዩስ።

    ኣብ “ድያ” ርአ።

  • ዚሓርር መስዋእቲ።

    ብምሉኡ ንኣምላኽ ኪኸውን ኣብ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ እንስሳ፣ ካብቲ እንስሳ (ብዕራይ፡ ድዑል፡ ድቤላ፡ ባሬቶ፡ ወይ ጫቚት ርግቢ) ነቶም ኣምለኽቲ ዚተርፍ ኣይነበረን።—ዘጸ 29:18፣ ዘሌ 6:9

  • ዚው።

    ናይ ፈለማ ስም እታ ኻልአይቲ ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕን ሻምነይቲ ወርሒ እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕን ኣይሁድ። ካብ መፋርቕ ሚያዝያ ኽሳዕ መፋርቕ ግንቦት እያ። ኣብ ታልሙድ ኣይሁድን ኣብ ካልእ ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን እተጻሕፈ ጽሑፋትን ዒያር ተባሂላ ኣላ። (1ነገ 6:37)—ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • ዝሙት።

    ምርዑው ሰብኣይ ወይ ምርዕውቲ ሰበይቲ ኻብ ሓዳሮም ወጻኢ ብፍቓዶም ዚገብርዎ ጾታዊ ርክብ።—ዘጸ 20:14፣ ማቴ 5:27፣ 19:9

  • የሆዋ።

    እተን ቴትራግራማተን (እተን ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ዚጽሓፈለን ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ) ዚትርጐመለን ናይ ትግርኛ ቓል፣ ኣብዚ ትርጉም እዚ ልዕሊ 7,000 ሳዕ ይርከብ።—ኣብ መ.ጽ. ሀ4ን ሀ5ን ርአ።

  • የዱቱን።

    ኣብ ልዕለ ጽሑፍ መዝሙር 39ን 62ን 77ን እትርከብ ትርጉማ ብርግጽ ዘይፍለጥ ቃል። እቲ ልዕለ ጽሑፍ ነተን መዝሙራት ብኸመይ ከም ዚዝመራ ዚሕብር መምርሒ ይመስል፣ ምናልባት እውን ንቕዲ ወይ ንንዋት ሙዚቃ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል። የዱቱን ዝስሙ ሌዋዊ ሙዚቀኛ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ እዚ ቕዲ ወይ ንዋት ሙዚቃ ምስ ናቱ ወይ ምስ ናይ ደቁ እተተሓሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  • ያእቆብ።

    ወዲ ይስሃቅን ርብቃን። ኣምላኽ ጸኒሑ እስራኤል ዚብል ስም ሃቦ፣ ኣቦ ህዝቢ እስራኤል (እስራኤላውያን፡ ደሓር ኣይሁድ እውን ዚብሃሉ) ኰነ። ኣቦ 12 ኣወዳት ከኣ ነበረ፣ ንሳቶም ምስ ዘርኦም ድማ ነቶም 12 ነገዳት እስራኤል ኣቘሙ። እታ ያእቆብ እትብል ስም ንህዝቢ እስራኤል ከም መጸውዒ ዀይና እውን ተገልግል ነበረት።—ዘፍ 32:28፣ ማቴ 22:32

  • ይሁዳ።

    ያእቆብ ካብ ልያ ዝወለዶ ራብዓይ ወዲ። ያእቆብ ኣብ ኣጋ ሞቱ ኣብ እተነበዮ ትንቢት፡ ካብ መስመር ወለዶ ይሁዳ ዓብዪን ነባርን ገዛኢ ኸም ዚመጽእ ተነብዩ ነይሩ። የሱስ ሰብ ኰይኑ ኺመጽእ ከሎ፡ ካብ መስመር ወለዶ ይሁዳ እዩ ተወሊዱ። ይሁዳ ዚብል ስም ንነገድ፡ ጸኒሑ ኸኣ ንመንግስቲ የመልክት ነይሩ። እታ ደቡባዊት መንግስቲ ይሁዳ፡ በቶም እስራኤላውያን ዝዀኑ ነገድ ይሁዳን ነገድ ብንያምን፡ ምሳታቶም ድማ ካህናትን ሌዋውያንን ሓቚፋ እያ ቘይማ። ይሁዳ ነቲ ንየሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ዜጠቓልል ደቡባዊ ኽፋል እታ ሃገር ሒዙ ነይሩ።—ዘፍ 29:35፣ 49:10፣ 1ነገ 4:20፣ እብ 7:14

  • ደቂ ኣሮን።

    ዘርኢ እቲ ወዲ ወዱ ንሌዊ ዝዀነ ኣሮን፣ ንሱ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ናይ መጀመርታ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ተሓርዩ እዩ። ደቂ ኣሮን ኣብቲ ማሕደርን ኣብታ ቤተ መቕደስን ካህናት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ።—1ዜና 23:28

  • ደካጶሊስ።

    ኣብ ፈለማ ብዓሰርተ ኸተማ (ካብ ናይ ግሪኽኛ ዴካ፡ ትርጉሙ “ዓሰርተ፡” ፖሊስ፡ “ከተማ”) ዝቘመ ጕጅለ ኸተማታት ግሪኽ። ስም እቲ ብምብራቕ ባሕሪ ገሊላን ፈለግ ዮርዳኖስን ዚርከብ መብዛሕትአን ካብተን ከተማታት ዚርከባሉ ዝነበራ ዞባ እውን እዩ ነይሩ። ንሳተን ማእከላት ባህልን ንግድን ግሪኽ እየን ነይረን። የሱስ በዚ ዞባ እዚ ሓሊፉ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሓንቲ ኻብተን ከተማታት እቲአን ከም ዝበጽሐን ዚሕብር ጸብጻብ ግና የልቦን። (ማቴ 4:25፣ ማር 5:20)—ኣብ መ.ጽ. ሀ7ን ለ10ን ርአ።

  • ደዌ፣ ድዉይ።

    ከቢድ ሕማም ቈርበት። ደዌ ንሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኽዳውንትን ንኣባይትን እውን ይጸሉ ብምንባሩ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ሎሚ በዚ ስም እዚ ዚፍለጥ ሕማም ጥራይ ኣይኰነን ዜመልክት። ብደዌ እተጠቕዐ ሰብ ድዉይ ይብሃል።—ዘሌ 14:54, 55፣ ሉቃ 5:12

  • ዲናር።

    3.85 ግ. ዚምዘን ብሓደ ሸነኹ ምስሊ ቄሳር ዘለዎ ሰልዲ ብሩር ሮሜ። ሓደ ሸቃሊ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ዚረኽቦ ዓስቢ ውዕለቱ እዩ ነይሩ፣ ሮማውያን ካብ ኣይሁድ ዚእክብዎ ዝነበሩ ግብሪ እውን በዚ ገንዘብ እዚ እዩ ዚኽፈል ነይሩ። (ማቴ 22:17፣ ሉቃ 20:24)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ዳሕሮት መዓልትታት።

    እዘን ቃላት እዚአን ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሓደ ታሪኻዊ ፍጻመ ኣብ መወዳእታኡ ዚበጽሓሉ እዋን ንምምልካት ተዓይዩለን ኣሎ። (ህዝ 38:16፣ ዳን 10:14፣ ግብ 2:17) ከከም ባህርይ እቲ ትንቢት፡ እተን ዳሕሮት መዓልትታት ሒደት ወይ ብዙሕ ዓመታት ዚሽፍን እዋን ኪዀና ይኽእላ እየን። ልዕሊ ዅሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ቃላት እዚአን፡ ብዛዕባ እተን የሱስ ኣብቲ ብዘይርአ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ዘለዋ “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ስርዓት እዚ ንምምልካት ተጠቒሙለን ኣሎ።—2ጢሞ 3:1፣ ያእ 5:3፣ 2ጴጥ 3:3

  • ዳሪክ።

    8.4 ግ. ዚምዘን ሰልዲ ወርቂ ፋርስ። (1ዜና 29:7)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ዳጎን።

    ኣምላኽ ፍልስጥኤማውያን። እታ ቓል ካበይ ከም ዝመጸት ብርግጽ እኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ ገሊኦም ምሁራት ምስታ ዳግ (ዓሳ) እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል የዛምድዋ እዮም።—መሳ 16:23፣ 1ሳሙ 5:4

  • ድራር ጐይታ።

    ከም ተምሳል ስጋን ደምን ክርስቶስ ኰይኑ ዜገልግል ቅጫን ወይንን ዘለዎ ድራር፣ ዝኽሪ ሞት የሱስ። እዚ በዓል እዚ፡ ክርስትያናት ኪዝክርዎ ዘለዎም በዓል ስለ ዝዀነ፡ “በዓል ዝኽሪ” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ።—1ቈረ 11:20, 23-26

  • ድራክማ።

    ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እዛ ቓል እዚኣ 3.4 ግ. ንዚምዘን ሰልዲ ብሩር ግሪኽ ተመልክት። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ብዘመን ፋርሳውያን ዝነበረ ምስ ዳሪክ ማዕረ ዚምዘን ድራክማ ወርቂ ተጠቒሱ ኣሎ። (ነህ 7:70፣ ማቴ 17:24)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ድንኳን ምርኻብ።

    ንድንኳን ሙሴን ነቲ ፈለማ ኣብ በረኻ እተተኽለ ቕዱስ ማሕደርን ዜመልክት መጸውዒ።—ዘጸ 33:7፣ 39:32

  • ድያ።

    ካብቶም ግሪኻውያን ዜምልኽዎም ዝነበሩ ብዙሓት ኣማልኽቲ እቲ ዝለዓለ ኣምላኽ። ኣብ ልስጥራ፡ ንበርናባስ ብጌጋ ድያ (ዘዩስ) ኢሎምዎ ነበሩ። ኣብ ጥቓ ልስጥራ እተረኽበ ጥንታዊ ጽሑፋት፡ “ካህናት ድያ፡” “ድያ ኣምላኽ ጸሓይ” ይብል። እታ ጳውሎስ ካብ ደሴት ማልታ እተጓዕዘላ መርከብ “ደቂ ድያ” ዚብል ኣርማ ነበራ፣ እቶም ደቂ ድያ ተባሂሎም ዘለዉ ድማ እቶም ማናቱ ኣሕዋት ዝዀኑ ካስቶርን ፖሉክስን እዮም።—ግብ 14:12፣ 28:11

  • ድያብሎስ።

    ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚርከብ “ሓማዪ” ወይ “መካፍኢ” ዝትርጉሙ ገላጺ ስም ሰይጣን። ሰይጣን ንየሆዋን ነቲ ጽቡቕ ቓሉን ነቲ ቕዱስ ስሙን ዚሓምዮን ብሓሶት ዚኸስሶን ኣውራን ቀንድን ሓማዪ ብምዃኑ ድያብሎስ ዚብል ስም ተዋሂብዎ ኣሎ።—ማቴ 4:1፣ ዮሃ 8:44፣ ራእ 12:9

  • ገሃነም።

    ነቲ ብደቡብን ብደቡባዊ ምዕራብን ጥንታዊት የሩሳሌም ዚርከብ ስንጭሮ ሂኖም እተዋህቦ ናይ ግሪኽኛ ስም። (ኤር 7:31) ሬሳታት ከም ዚድርበዩሉ ብትንቢት ተዘሪቡሉ ነበረ። (ኤር 7:32፣ 19:6) እንስሳታት ወይ ሰባት ብህይወቶም ከለዉ ናብቲ ገሃነም ተደርብዮም ከም እተቓጸሉ ወይ ከም እተሳቐዩ ዚገልጽ ዋላ ሓደ መርትዖ የልቦን። ስለዚ፡ እቲ ቦታ እቲ ነቲ ነፍሳት ሰባት ቃል ብቓሉ ኣብ ሓዊ ንዘለኣለም ዚሳቐያሉ ብዓይኒ ዘይርአ ቦታ ኼመልክት ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ንገሃነም፡ ነቲ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዜመልክት ዘለኣለማዊ መቕጻዕቲ ወይ “ካልኣይ ሞት” ንምምልካት እዮም ተጠቒሞምሉ።—ራእ 20:14፣ ማቴ 5:22፣ 10:28

  • ገበላ ሰሎሞን።

    ብግዜ የሱስ ኣብ ዝነበረት ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ምብራቕ እቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ፡ ካብ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ዝተረፈ ተባሂሉ ዚእመነሉ፡ ብላዕሉ ጽላል ዘለዎ መገዲ። ኣብኡ ኸኣ የሱስ ‘ብኽረምቲ’ ኸይዱ እዩ፣ ቀዳሞት ክርስትያናት እውን ኣብኡ ንኣምልኾ ተኣኪቦም እዮም። (ዮሃ 10:22, 23፣ ግብ 5:12)—ኣብ መ.ጽ. ለ11 ርአ።

  • ገነት።

    ጽቡቕ መናፈሻ ወይ መናፈሻ ዚመስል ስፍራ ኣታኽልቲ። እታ ኸምዚ ዝኣመሰለት ናይ መጀመርታ ቦታ፡ የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዘዳለዋ ኤደን እያ ነይራ። የሱስ ንሓደ ኻብቶም ኣብ ጥቓኡ እተሰቕሉ ገበነኛታት ኪዛረቦ ኸሎ፡ ኣብ መጻኢ ገነት ከም እትህሉ ሓቢሩ እዩ። ኣብ 2 ቈረንቶስ 12:4፡ እታ ቓል እቲኣ ንናይ መጻኢ ገነት እተመልክት ክትከውን ኣለዋ፣ ኣብ ራእይ 2:7 ኸኣ ንሰማያዊ ገነት እያ እተመልክት።—መሃ 4:13፣ ሉቃ 23:43

  • ጉባኤ።

    ንሓደ ዕላማ ወይ ንጥፈት እተኣከቡ ጕጅለ ሰባት። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ብሓፈሻኡ ንህዝቢ እስራኤል ተመልክት። ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ከከባቢኡ ንዚርከባ ክርስትያናውያን ጉባኤታት በብንጽል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ብሓፈሻ ተመልክት።—1ነገ 8:22፣ ግብ 9:31፣ ሮሜ 16:5

  • ጊልዓድ።

    ብቐዳምነት፡ ብምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ዚርከብ ካብ ስንጭሮ ያቦቅ ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ዚዝርጋሕ ፍርያም ቦታ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዚርከብ ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ዚነብሩሉ ብምሉኡ ምድሪ እስራኤላውያን የመልክት ነበረ። (ዘሁ 32:1፣ እያ 12:2፣ 2ነገ 10:33)—ኣብ መ.ጽ. ለ4 ርአ።

  • ጊቲት።

    ካብታ ጋት እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ዝመጸት እኳ እትመስል እንተ ዀነት፡ ትርጉማ ብልክዕ ዘይትፍለጥ ናይ ሙዚቃ ቓል እያ። ጋት ንመጽመቝ ወይኒ ስለ ዜመልክት፡ ወይኒ ኺስራሕ ከሎ ምስ ዚዝየም ዜማ እተተሓሓዘት ከም ዝዀነት ዚኣምኑ ኣለዉ።—መዝ 81:0

  • ጋር።

    ኣብ “በጃ” ርአ።

  • ጌራ።

    0.57 ግ. ዝኽብደቱ ኣሃዱ ሚዛን። ሓደ ጌራ 1/20 ሲቃል እዩ። (ዘሌ 27:25)—ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • ግሪኻዊ።

    ግሪኽ ዝዓዱ፡ ወይ ዓሌቱ ኻብ ግሪኽ ዝዀነ ሰብ። ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እዛ ቓል እዚኣ ኣይሁድ ንዘይኰኑ ወይ ብቛንቋን ባህልን ግሪኽ ንእተጸልዉ ሰባት ስለ እተመልክት፡ ዝሰፍሐ ትርጉም እውን ኣለዋ።—ዮኤ 3:6፣ ዮሃ 12:20

  • ግሪኽኛ።

    ብህዝቢ ግሪኽ ዚዝረብ ቋንቋ።

  • ግብሪ።

    ሰላም ንምርካብ ወይ ዕቝባ ንምርካብ ተባሂሉ መንግስቲ ወይ ገዛኢ ኸም ምልክት ተገዛእነት ንኻልእ ዚኸፍሎ ነገር። (2ነገ 3:4፣ 18:14-16፣ 2ዜና 17:11) ውልቀ ሰባት ንዚኸፍልዎ ግብሪ ወይ ቀረጽ እውን ተመልክት።—ነህ 5:4፣ ሮሜ 13:7

  • ግዝረት።

    ዕልቦ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ምኽንሻብ። ኣብርሃምን ዘርኡን ነዚ ብግዲ ኺፍጽሙ ነበሮም፣ ክርስትያናት ግና ኪግዘሩ ግዴታ የብሎምን። ግዝረት ብምሳልያዊ መገዲ እውን ኣብ እተፈላለየ ሓሳባት ኣትዩ ይርከብ።—ዘፍ 17:10፣ 1ቈረ 7:19፣ ፊል 3:3

  • ጕንዲ።

    (1) ግዳይ ዝዀነ ሰብ ዚስቀለሉ ቐጥ ዝበለ ዓንዲ። ኣብ ገሊኡ ንሰብ ንምቕታል፡ ኣብ ገሊኡ ኸኣ ንኻልኦት መለበሚ ምእንቲ ኪኸውን ወይ ኣብ ህዝቢ ምእንቲ ኺዋረድ ተባሂሉ ሬሳ ንምስቃል፡ ኣብ ገሊኡ እውን ንዅሉ እዚ እተጠቕሰ ዕላማታት የገልግል ነበረ። እቶም ኣብ ውግእ ብጭካነኦም ዚፍለጡ ዝነበሩ ኣሶራውያን፡ ንምሩኻቶም ኣብ በሊሕ ዝጫፉ ጕንዲ ይሰቕልዎም ነበሩ፣ እቲ ብልሒ ኸኣ ብኸብዶም ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ኣፍ ልቦም ይጅቀት ነበረ። ብመሰረት ሕጊ ኣይሁድ ግና፡ እቶም ንኣምላኽ ብምጽራፍ ወይ ብኣምልኾ ጣኦት ከቢድ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት፡ ብዳርባ እምኒ ወይ ብኻልእ መገዲ ፈለማ ይቕተሉ እሞ፡ ድሕሪኡ ሬሳኦም ንኻልኦት መለበሚ ኪኸውን ኣብ ጕንዲ ወይ ኣብ ኦም ይስቀል ነበረ። (ዘዳ 21:22, 23፣ 2ሳሙ 21:6, 9) ሓድሓደ ግዜ፡ ሮማውያን ነቲ ግዳይ ኣብ ጕንዲ ይኣስርዎ ነበሩ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ድማ ብስቓይን ብጽምእን ብጥሜትን ብጸሓይን ክሳዕ ዚመውት እተወሰነ መዓልትታት ይጸንሕ ነበረ። ኣብ ካልእ ግዜያት ከኣ፡ ንኣእዳውን ንኣእጋርን እቲ ግዳይ ምስቲ ጕንዲ ይሽንክርዎ ነበሩ፣ ንየሱስ እውን ከምኡ እዮም ገይሮምዎ። (ሉቃ 24:20፣ ዮሃ 19:14-16፣ 20:25፣ ግብ 2:23, 36) (ኣብ “ጕንዲ ስቅያት” ርአ።) (2) ንመቕጻዕቲ ተባሂሉ ሰብ ዚእሰረሉ ነገር። ኣብ ገሊኡ ጕንዲ፡ ኣእጋር ጥራይ እዩ ዚቕርቀር ነይሩ፣ ገሊኡ ጕንዲ ግና፡ ንኣእጋርን ንኣእዳውን ንኽሳድን ብምቕርቃር ንምሉእ ሰብነት ዜጨንቕ እዩ ነይሩ።—ኤር 20:2፣ ግብ 16:24

  • ጕንዲ ስቅያት።

    ነታ ቐጥ ንዝበለ ጕንዲ ወይ ዓንዲ እተመልክት ብግሪኽኛ ስታውሮስ እትብል ቃል እተዋህባ ትርጉም፣ የሱስ ኣብ ከምኡ ዝበለ ጕንዲ እዩ ተሰቒሉ። እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል ንኸምቲ ኣረማውያን ቅድሚ ክርስቶስ ንብዙሕ ዘመናት ምልክት ሃይማኖቶም ገይሮም እተጠቕሙሉ ዝኣመሰለ እተመሳቐለ መስቀል ከም እተመልክት ዚሕብር ዋላ ሓደ መርትዖ የልቦን። እታ ስታውሮስ እትብል ቃል ነቲ ንሰዓብቲ የሱስ ዜጓንፎም ስቓይን መከራን ውርደትን ንምምልካት እውን ስለ ዘገልገለት፡ “ጕንዲ ስቅያት” ዚብል ኣተራጕማ ንምሉእ ሓሳብ እታ በዅሪ ቓል የመሓላልፍ እዩ። (ማቴ 16:24፣ እብ 12:2)—ኣብ “ጕንዲ (1)” ርአ።

  • ጠንቋሊ።

    ብዛዕባ ናይ መጻኢ ፍጻመታት ንምንጋር ክእለት ኣሎኒ ዚብል ሰብ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ብመናፍስቲ ዚጥንቍሉን ቈጸርቲ ኸዋኽብትን ካልኦትን ከምኡ ኸም ዚገብሩ ተዘርዚሮም ኣለዉ።—ዘሌ 19:31፣ ዘዳ 18:11፣ ግብ 16:16

  • ጠያቒ መናፍስቲ።

    ምስ ምዉታት እዛረብ እየ ዚብል ሰብ።—ዘሌ 20:27፣ ዘዳ 18:10-12፣ 2ነገ 21:6

  • ጣኦት፣ ኣምልኾ ጣኦት።

    ጣኦት ኪብሃል ከሎ፡ ሰባት ዜምልኽዎ ምስሊ ናይ ሓደ ብሓቂ ዘሎ ወይ ብሓሳብ እተፈጥረ ነገር እዩ። ኣምልኾ ጣኦት ኪብሃል ከሎ፡ ንጣኦት ዚውሃብ ኣኽብሮት፡ ፍቕሪ፡ ወይ ኣምልኾ እዩ።—መዝ 115:4፣ ግብ 17:16፣ 1ቈረ 10:14

  • ጤቤት።

    ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ ስም እታ ዓስረይቲ ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕን ራብዐይቲ ወርሒ እቲ ዓለማዊ ዓውደ ኣዋርሕን ኣይሁድ። ካብ መፋርቕ ታሕሳስ ክሳዕ መፋርቕ ጥሪ እያ። መብዛሕትኡ ግዜ “ዓስረይቲ ወርሒ” ጥራይ ተባሂላ ኣላ። (ኣስ 2:16)—ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • ጥምቀት፣ ምጥማቕ።

    እታ ግሲ፡ ኣብ ማይ “ምጥሓል” ወይ ምጥላቕ ማለት እያ። የሱስ ንሰዓብቱ ኺጥመቑ ኣዚዝዎም እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ጥምቀት ዮሃንስን ብዛዕባ ጥምቀት መንፈስ ቅዱስን ብዛዕባ ጥምቀት ሓውን ብዛዕባ ኻልእ ዓይነት ጥምቀትን ይገልጽ እዩ።—ማቴ 3:11, 16፣ 28:19፣ ዮሃ 3:23፣ 1ጴጥ 3:21

  • ጥቕልልቲ መጽሓፍ።

    ብሓደ ሸነኹ እተጻሕፎ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዕንጨይቲ ዚጥቕለል ነዊሕ ብራና ወይ ጳጲሮስ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ጥቕላላት መጻሕፍቲ ልሙድ ብምንባሩ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ከምኡ ዝበለ መጻሕፍቲ እዩ ዚጽሓፍን ዚቕዳሕን ነይሩ።—ኤር 36:4, 18, 23፣ ሉቃ 4:17-20፣ 2ጢሞ 4:13

  • ጦርጦስ።

    ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እቶም ብዘመን ኖህ ዘይእዙዛት ዝዀኑ መላእኽቲ እተደርበዩሉ ኸም ቤት ማእሰርቲ ዝበለ ውርደት። ኣብ 2 ጴጥሮስ 2:4ታርታሮኦ (“ናብ ጦርጦስ ምድርባይ”) እትብል ግሲ ምህላዋ፡ እቶም “ዝሓጥኡ መላእኽቲ” ናብቲ ኣብ ኣረማዊ ጽውጽዋያት ዚንገረሉ ጦርጦስ (ማለት፡ ንንኡሳን ኣማልኽቲ ዚኸውን ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ቤት ማእሰርትን ቦታ ጸልማትን) ከም እተደርበዩ ኣየመልክትን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ካብቲ ዝነበሮም ሰማያዊ ቦታን ፍሉይ መሰልን ከም ዘዋረዶም፡ ምስቲ ብሩህ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ዚተሓሓዝ ከኣ ከም ዓሚቝ ጸልማት ናብ ዝበለ ዅነት ኣሕሊፉ ኸም ዝሃቦም የመልክት። መወዳእታኦም እውን ጸልማት እዩ፣ ከመይሲ፡ ምስቲ ገዛኢኦም ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ከም ዚጽበዮም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሓቢሩ ኣሎ። ስለዚ፡ ጦርጦስ ነቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ንዚወርዶም ዝኸፍአ ውርደት የመልክት። ምስቲ ኣብ ራእይ 20:1-3 ተጠቒሱ ዘሎ “መዓሙቝ” ሕደ ኣይኰነን።

  • ጭዋ፣ ውጹእ ሓራ።

    ብግዜ ግዝኣት ሮሜ፡ እቲ “ጭዋ” ዚብሃል፡ ምሉእ መሰላት ዜግነት ሒዙ ሓራ ዀይኑ እተወልደ ሰብ እዩ ነይሩ። “ውጹእ ሓራ” ኸኣ ጸኒሑ ኻብ ባርነት ሓራ ዝዀነ ሰብ እዩ ነይሩ። ሓደ ሰብ ብወግዓዊ መገዲ ኻብ ባርነት ሓራ ምስ ዚኸውን፡ ሮማዊ ዜግነት ይረክብ ነበረ፣ ግናኸ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ኪሕዝ ኣይክእልን ነበረ። ብዘይወግዓዊ መገዲ ኻብ ባርነት ሓራ ዝወጸ ሰብ ግና፡ ምሉእ ሲቪላዊ መሰላት ኣይነበሮን።—1ቈረ 7:22

  • ጰንጠቈስጠ።

    ካብቲ ዅሎም ደቂ ተባዕትዮ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ከይዶም ኬብዕልዎ ትጽቢት ዚግበረሎም ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት እቲ ኻልኣይ። ጰንጠቈስጠ፡ “መበል ሓምሳ (መዓልቲ)” ማለት እያ። እዛ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እትርከብ ቃል፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ በዓል ዓጺድ ወይ በዓል ሰሙናት ተባሂሉ ዘሎ ተመልክት። እቲ በዓል፡ ካብ 16 ኒሳን ኣብ መበል 50 መዓልቲ ይብዓል ነበረ።—ዘጸ 23:16፣ 34:22፣ ግብ 2:1

  • ጱሪም።

    ኣብ መበል 14ን 15ን ኣዳር ዚብዓል ዝነበረ ዓመታዊ በዓል። ነቲ ኣይሁድ ካብቲ ብግዜ ንግስቲ ኣስቴር ዘጓነፎም ጥፍኣት ዝደሓኑሉ ኣጋጣሚ ዚዝክር በዓል እዩ። እታ ኻብ እብራይስጢ ዘይኰነት ጱሪም እትብል ቃል “ዕጫታት” ማለት እያ። እቲ በዓል እቲ፡ በዓል ጱሪም፡ ወይ በዓል ዕጫታት እተባህለሉ ምኽንያት ድማ፡ ሃማን ነቲ ኣይሁድ ዚጸንቱሉ ውዲት ኪኣልም ከሎ ጱር (ዕጫ) ስለ ዘውደቐ እዩ።—ኣስ 3:7፣ 9:26

  • ጳጲሮስ።

    ከም ሳጹንን መሰከም ኣቕሑን ጃልባን ዝኣመሰለ ኣቕሑ ንምስራሕ ዜገልግል ሻምብቆ ዚመስል ኣብ ማያት ዚበቍል ተኽሊ። ምስ ወረቐት ዚመሳሰል ናውቲ ጽሕፈት ንምስራሕ የገልግል ብምንባሩ፡ ብእኡ ብዙሕ ጥቕላላት መጻሕፍቲ ተሰሪሑ እዩ።—2ጢሞ 4:13

  • ጵሮሴሊት።

    እምነቱ ዝቐየረ ሰብ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እዛ ቓል እዚኣ ነቲ እምነቱ ናብ ኣይሁድነት ዝቐየረ ሰብ ተመልክት፣ እዚ ማለት ድማ ወዲ ተባዕታይ እንተ ዀይኑ፡ ኪግዘር ነበሮ።—ማቴ 23:15፣ ግብ 13:43

  • ጸሓፊ።

    ቀዳሒ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ። የሱስ ናብ ምድሪ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ እታ “ጸሓፍቲ” እትብል ቃል፡ ነቶም ፈላጣት ሕጊ ዝነበሩ ጕጅለ ተመልክት ነበረት። ንሳቶም ንየሱስ ተጻረርዎ።—እዝ 7:6፣ ማር 12:38, 39፣ 14:1

  • ጸረ ክርስቶስ።

    እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል ክልተ ትርጉም ዝሓቘፈት እያ። በቲ ሓደ መዳይ፡ ጸረ ክርስቶስ ወይ ኣንጻር ክርስቶስ ዚብል ትርጉም ኣለዋ። በቲ ኻልእ መዳይ ከኣ፡ ንናይ ሓሶት ክርስቶስ፡ ማለት ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኰይኑ ንዚመጽእ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ብሓሶት ወኪላት ክርስቶስ ኢና ዚብሉ ወይ መሲሕ ኢና ዚብሉ ወይ ንክርስቶስን ንደቀ መዛሙርቱን ዚጻረሩ ዅሎም ሰባትን ውድባትን ጕጅለታትን፡ ኣጽራረ ክርስቶስ ኪብሃሉ ይከኣሉ እዮም።—1ዮሃ 2:22

  • ጸደቐ።

    እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ቃል፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ክሲ ናጻ ወይ ንጹህ ምግባር፡ ከም ገበን ኣልቦ ጌርካ ምሓዝ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ካብ ሓጢኣት ሓራ ምግባር ወይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ጌርካ ምእዋጅን ምሓዝን ተመልክት። እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጸዲቖም ተባሂሎም ዘለዉ፡ ብርእሶም ዘይኰነስ፡ ብየሆዋ ኣምላኽ እዮም ጸዲቖም።

  • ጸጋ።

    ባህ ዜብልን ማራኽን ዚብል መሰረታዊ ሓሳብ ካብ ዘለዋ ናይ ግሪኽኛ ቓል እተተርጐመት። እዛ ቓል እዚኣ መብዛሕትኡ ግዜ ብለውሃት ንዚውሃብ ውህበት ወይ ነቲ ውህበት ዚውሃበሉ ለውሃት ተመልክት እያ። እታ ቓል ምስ ጸጋ ኣምላኽ ክትተሓሓዝ ከላ፡ ኣምላኽ ውሬታ ኪኽፈሎ ትጽቢት ከይገበረ ብናጻ ንዚህበና ውህበት ትገልጽ። ስለዚ፡ መግለጺ እቲ ኣምላኽ ንሰባት ብልግሲ ዚህቦም ውህበትን ብብዝሒ ዜርእዮም ፍቕርን ለውሃትን እያ። እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ሞገስ” “ልግሲ” ተባሂላ እውን ተተርጒማ ኣላ። እቲ ተቐባሊ ሳላ ዋጋ ጻዕሩ ኸም እተዋህቦ ወይ ዚግብኦ ዀይኑ ኸም እተዋህቦ ዘይኰነስ፡ እቲ ወሃቢ ብልግሱ ተደሪኹ ኸም ዚህብ እያ እተጕልሕ።—2ቈረ 6:1፣ ኤፌ 1:7

  • ጻዕዳ ዕጣን።

    ካብ ጕንዲ እቶም ዘርኢ ቦስወልያ ዝዀኑ ኣእዋምን ቈጥቈጣትን ነዚዑ ዚነቅጽ ዕንዲዳ። ኣብ ሓዊ ምስ ኣተወ፡ ጥዑም ጨና ይህብ። ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ማሕደርን ኣብታ ቤተ መቕደስን ኣብ መዓላ ዚውዕል ዝነበረ ቕዱስ ዕጣን ንምድላው ዜገልግል ዝነበረ ነገራት እዩ። ምስ መስዋእቲ እኽሊ ይቐርብ ነበረ፣ ኣብታ ቕድስቲ እውን ኣብ ለልዕሊ እቲ መስርዕ እንጌራ ምርኣይ ይንበር ነበረ።—ዘጸ 30:34-36፣ ዘሌ 2:1፣ 24:7፣ ማቴ 2:11

  • ጽንሃህ።

    ኣብ “መትሓዚታት ሓዊ” ርአ።

  • ጽዮን፣ ከረን ጽዮን።

    ስም እታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኵርባ የሩሳሌም እትርከብ ዕርዲ ዝዀነት ከተማ ይቡሳውያን። ዳዊት ምስ ሓዛ፡ ቤተ መንግስቱ ኣብኣ ሃነጸ፣ “ከተማ ዳዊት” ተባሂላ እውን ተጸውዐት። (2ሳሙ 5:7, 9) ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ጽዮን ምስ ኣደየቦ፡ ከረን ጽዮን ንየሆዋ እተቐደሰ ኸረን ኰነ። ደሓር እታ ጽዮን እትብል ቃል ነቲ ኣብ ከረን ሞርያ ዚርከብ ከባቢ እታ ቤተ መቕደስ እተመልክት ኰነት፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ንብዘላ ኸተማ የሩሳሌም ተመልክት ነበረት። ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብምሳልያዊ መገዲ ይዕየየላ እዩ።—መዝ 2:6፣ 1ጴጥ 2:6፣ ራእ 14:1

  • ጽድቂ።

    ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ቅኑዕን ጌጋን ኢሉ ዘቘሞ መለክዒ ተለኪዑ ቕኑዕ ንዝዀነ ነገር ተመልክት።—ዘፍ 15:6፣ ዘዳ 6:25፣ ምሳ 11:4፣ ጸፎ 2:3፣ ማቴ 6:33

  • ጾም።

    ንእተወሰነ እዋን ኵሉ ዓይነት ምግቢ ዘይምብላዕ። እስራኤላውያን ብመዓልቲ ዕርቅን ብግዜ ጭንቅን መለኮታዊ መምርሒ ኺደልዩ ኸለዉን ይጾሙ ነበሩ። ኣይሁድ ነቲ ኣብ ታሪኾም ዘጋጠሞም ሕማቕ እዋን ንምዝካር ኣርባዕተ ዓመታዊ ጾም ኣቚሞም ነበሩ። ጾም ንክርስትያናት ግዴታ ኣይኰነን።—እዝ 8:21፣ ኢሳ 58:6፣ ሉቃ 18:12

  • ፈሪሳውያን።

    ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ኣባላት ውሩይ ጕጅለ ሃይማኖት ኣይሁድነት። ካብ ዘርኢ ኻህናት እኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ነቲ ሕጊ ብደቂቕ ይሕልውዎ ነበሩ፣ ብኣፍ ንዚመሓላለፍ ስርዓታቶም እውን ምስቲ ሕጊ ብማዕረ ሰሪዖምዎ ነበሩ። (ማቴ 23:23) ንዝዀነ ይኹን ጽልዋ ባህሊ ግሪኽ ይጻረሩ ነበሩ፣ ምሁራት እቲ ሕግን እቲ ስርዓታትን ብምንባሮም ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዓብዪ ስልጣን ነበሮም። (ማቴ 23:2-6) ገሊኦም ኣባላት እቲ ዋዕላ ኣይሁድ ነበሩ። ንየሱስ ብዛዕባ ምሕላው ሰንበትን ብዛዕባ ስርዓታቶምን ምስ ሓጥኣንን ኣከብቲ ቐረጽን ብዛዕባ ዘለዎ ርክብን ብዚምልከት ብዙሕ ሳዕ ይጻረርዎ ነበሩ። ገሊኣቶም ክርስትያናት ኰይኖም እዮም፣ ሓደ ኻባታቶም ድማ ሳውል ብዓል ጠርሴስ እዩ።—ማቴ 9:11፣ 12:14፣ ማር 7:5፣ ሉቃ 6:2፣ ግብ 26:5

  • ፈርኦን።

    መዓርግ ነገስታት ግብጺ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሺሻቅ፡ ሶእ፡ ቲርሃቃ፡ ኔኮ፡ ሆፍራ ዚብሃሉ ሓሙሽተ ፈርኦናት ብስሞም ተረቚሖም ኣለዉ፣ እቶም ምስ ኣብርሃምን ሙሴን ዮሴፍን ብዙሕ ሳዕ ተጠቒሶም ዚርከቡ ዀኑ ኻልኦት ፈርኦናት ግና ብስሞም ኣይተረቝሑን።—ዘጸ 15:4፣ ሮሜ 9:17

  • ፊም።

    ፍልስጥኤማውያን ንምትባዕ እተፈላለየ ናውቲ ዜኽፍልዎ ዝነበሩ ዋጋን ኣሃዱ ኽብደትን። ኣብ እስራኤል ብስነ ጥንታዊ ፍሕረት እተረኽበ እምኒ ሚዛን፡ ናይ እብራይስጢ ተደመጽቲ ፊደላት እታ “ፊም” እትብል ቃል ተረኺብዎ እዩ፣ ገምጋም ክብደት እቲ ኣእማን 7.8 ግ. እዩ፣ እዚ ማለት ዳርጋ ኽልተ ሲሶ ሲቃል እዩ።—1ሳሙ 13:20, 21

  • ፋርስ፣ ፋርሳውያን።

    ምስ ሜዶንን ሜዶናውያንን ብሓንሳእ ዚጥቀሱ፡ ምሳታቶም እውን ዚዛመዱ ሃገርን ህዝብን። ፋርሳውያን ኣብ መጀመርታ ታሪኾም ደቡባዊ ምዕራብ ክፍሊ ኸበሳታት ኢራን ጥራይ ሒዞም ነበሩ። ኣብ ትሕቲ ቂሮስ እቲ ዓብዪ (ብመሰረት ገሊኦም ጥንታውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ካብ ፋርሳዊ ኣቦን ሜዶናዊት ኣደን እተወልደ እዩ)፡ እታ መንግስቲ ናይ ሜዶንን ፋርስን ኰይና እኳ እንተ ቐጸለት፡ ፋርሳውያን ንሜዶናውያን ዓብለልዎም። ብ539 ቅ.ክ. ቂሮስ ንሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ስዒሩ፡ ኣብ ምርኮ ንዝነበሩ ኣይሁድ ናብ ዓዶም ኪምለሱ ፈቐደሎም። ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ካብቲ ብምብራቕ ዘሎ ፈለግ ኢንዱስ ክሳብ እቲ ብምዕራብ ዘሎ ባሕሪ ኤጀያ ይዝርጋሕ ነበረ። ኣይሁድ ክሳዕ እቲ ብ331 ቅ.ክ. እስክንድር እቲ ዓብዪ ንፋርሳውያን ዝሰዓረሉ ግዜ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ፋርስ ነበሩ። ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ኣብቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ራእይ ኣቐዲምካ ተራእዩ ነበረ፣ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጽሓፍ እዝራን መጽሓፍ ነህምያን መጽሓፍ ኣስቴርን እውን ተጠቒሱ ይርከብ። (እዝ 1:1፣ ዳን 5:28፣ 8:20)—ኣብ መ.ጽ. ለ9 ርአ።

  • ፋስጋ።

    እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምውጻኦም ዚዝከረሉ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣቢብ (ደሓር ኒሳን እተባህለት) ዚብዓል ዓመታዊ በዓል። ገንሸል (ወይ ጤል) ሓሪዶምን ጠቢሶምን ምስ መሪር ሓምልን ቅጫን እናበልዑ የብዕልዎ ነበሩ።—ዘጸ 12:27፣ ዮሃ 6:4፣ 1ቈረ 5:7

  • ፋእሚ።

    ኣብ ማእለማ፡ እቲ ናብ ግፍሒ እቲ ዓለባ ዚዝርጋሕ ኣፋትል። እዚ ኸኣ ኣብ ቅጥኒ፡ ማለት ኣብቲ ንንውሓት እቲ ዓለባ እተዘርግሐ ኣፋትል ንጋድም ይእለም።—ዘሌ 13:59

  • ፍልስጥኤም፣ ፍልስጥኤማውያን።

    ፍልስጥኤም ተባሂላ እትጽዋዕ ኣብ ደቡባዊ ገምገም እስራኤል እትርከብ ምድሪ። እቶም ካብ ቅሬጥስ ተሰዲዶም ኣብኡ ዝሰፈሩ ህዝቢ፡ ፍልስጥኤማውያን ይብሃሉ ነበሩ። ዳዊት ይገዝኦም እኳ እንተ ነበረ፡ ወትሩ ብርእሶም ዝመሓደሩ ጸላእቲ እስራኤላውያን ኰይኖም ይነብሩ ነበሩ። (ዘጸ 13:17፣ 1ሳሙ 17:4፣ ኣሞ 9:7)—ኣብ መ.ጽ. ለ4 ርአ።