ዘሌዋውያን 20:1-27

  • ኣምልኾ ሞሌኽ፣ ጥንቈላ (1-6)

  • ቅዱሳት ኩኑ፡ ወለድኹም ኣኽብሩ (7-9)

  • ብጾታ ንዚዕምጹ ሞት ይፍረዶም (10-21)

  • ኣብታ ምድሪ ንምንባር ቅዱሳት ኩኑ (22-26)

  • ጠንቈልቲ ይቀተሉ (27)

20  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ካብ እስራኤላውያን ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዚቕመጡ ጓኖት፡ ዘርኡ ንሞሌኽ ዚህብ ዘበለ፡ ብርግጽ ይቀተል።+ ህዝቢ እታ ምድሪ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ።  ካብ ዘርኡ ንሞሌኽ ብምሃብ ንመቕደሰይ ኣርኪሱን+ ንቕዱስ ስመይ ኣሕሲሩን እዩ እሞ፡ ኣነ ገጸይ ናብኡ ገይረ ኽጻረሮ፡ ካብ ህዝቡ ድማ ክምንቍሶ እየ።  እቲ ሰብኣይ ዘርኡ ንሞሌኽ ኪህብ ከሎ፡ ህዝቢ እታ ምድሪ ዀነ ኢሎም ኣዒንቶም እንተ ዓሚቶምን እንተ ዘይቀቲሎምዎን፡+  ሽዑ ኣነ ነቲ ሰብኣይን ንቤተ ሰቡን ብርግጽ ገጸይ ናባታቶም ገይረ ኽጻረሮም እየ።+ ነቲ ሰብኣይ ምስ ኵሎም እቶም ምስኡ ሓቢሮም ምስ ሞሌኽ ዝመንዘሩ ኻብ ህዝቡ ኽምንቍሶ እየ።  “‘ምሳታቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ኪምንዝር ኢሉ ናብ ጠየቕቲ መናፍስትን+ ናብ ጠንቈልትን+ ንዚምለስ ሰብ፡* ነቲ ሰብ* እቲ ብርግጽ ገጸይ ናብኡ ገይረ ኽጻረሮ፡ ካብ ህዝቡ ኸኣ ክምንቍሶ እየ።+  “‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱን ቅዱሳት ኩኑን።+  ሕግታተይ ሓልዉ፡ ግበርዎ እውን።+ ዝቕድሰኩም ኣነ የሆዋ እየ።+  “‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዚረግም ዘበለ ሰብ ብርግጽ ይቀተል።+ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ረጊሙ እዩ እሞ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ። 10  “‘ምስ ሰበይቲ ኻልእ ብዛዕባ ዝዘመወ ሰብኣይ ድማ፡ እቲ ምስ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወ፡ እቲ ዘማውን እታ ዘማዊትን ብርግጽ ይቀተሉ።+ 11  ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ ሰብኣይ፡ ንኣቦኡ ንሕፍረት ኣቃሊዕዎ* እዩ እሞ፡+ ክልቲኦም ብርግጽ ይቀተሉ። ደሞም ኣብ ርእሶም እዩ። 12  ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ወዱ እንተ ደቂሱ፡ ክልቲኦም ብርግጽ ይቀተሉ። እዚ ዘይባህርያዊ እዩ። ደሞም ከኣ ኣብ ርእሶም እዩ።+ 13  “‘ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ገይሩ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቂሱ፡ ክልቲኦም ፍንፉን ነገር ገይሮም እዮም እሞ፡+ ብርግጽ ይቀተሉ። ደሞም ኣብ ርእሶም እዩ። 14  “‘ሰብኣይ ንሰበይቲ ምስ ኣዲኣ እንተ ኣእትዩ፡ እዚ ጽያፍ* እዩ።+ እዚ ጽያፍ እዚ ኣብ መንጎኹም ምእንቲ ኸይቅጽል፡ ንዕኡን ንዓታተንን ብሓዊ የንድድዎም።+ 15  “‘ሰብኣይ ምስ እንስሳ ብስጋ እንተ ተራኺቡ፡ ብርግጽ ይቀተል፣ ነታ እንስሳ እውን ቅተልዋ።+ 16  ሰበይቲ ምስኡ ብስጋ ኽትራኸብ ኢላ ናብ እንስሳ እንተ ቐሪባ፡+ ነታ ሰበይትን ነቲ እንስሳን ቅተሎም፣ ብርግጽ ይቀተሉ። ደሞም ኣብ ርእሶም እዩ። 17  “‘ሰብኣይ ምስ ሓብቱ፡ ማለት ምስ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ ጾታዊ ርክብ እንተ ገይሩ፡ ዕርቃና ኸኣ እንተ ርእዩ፡ ንሳ እውን ዕርቃኑ እንተ ርእያ፡ እዚ ነውሪ እዩ።+ ካብ ቅድሚ ኣዒንቲ ደቂ ህዝቦም ይመንቈሱ። ንሓብቱ ንሕፍረት ኣቃሊዕዋ* እዩ እሞ፡ ብስሕተቱ ተሓታቲ ይኹን። 18  “‘ሰብኣይ ብጻግኒኣ ምስ ዘላ ሰበይቲ ደቂሱ ጾታዊ ርክብ እንተ ገይሩ፡ ንሱን ንሳን ምፍሳስ ደማ ቐሊዖም እዮም እሞ፡+ ክልቲኦም ካብ መንጎ ህዝቦም ይመንቈሱ። 19  “‘ንቐረባ ዘመድካ ንሕፍረት ምቅላዕ እዩ እሞ፡ ምስ ሓትኖኻ ወይ ምስ ኣሞኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ እዚኣቶም ብስሕተቶም ተሓተትቲ ይኹኑ። 20  ምስ ሰበይቲ ሓው ኣቦኡ ዚድቅስ ሰብኣይ ንሓው ኣቦኡ ንሕፍረት ኣቃሊዕዎ* እዩ።+ እዚኣቶም ብሓጢኣቶም ተሓተትቲ ይኹኑ። ሓድጊ ዘይብሎም ይሙቱ። 21  ሰብኣይ ሰበይቲ ሓው እንተ ኣእትዩ፡ እዚ ፍንፉን እዩ።+ ንሓዉ ንሕፍረት ኣቃሊዕዎ* እዩ እሞ፡ ሓድጊ ዘይብሎም ይኹኑ። 22  “‘እታ ኽትቅመጡላ ኢለ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ምእንቲ ኸይትተፍኣኩም፡+ ኵሉ ሕግታተይን ፍርድታተይን ሓልዉ፡+ ግበርዎ እውን።+ 23  ብሕግታት እቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጕጎም ኣህዛብ ኣይትመላለሱ፣+ ከመይሲ፡ እዚ ዅሉ ገይሮም እዮም፡ ኣነ እውን እፍንፍኖም እየ።+ 24  ስለዚ፡ “ምድሮም ክትርስተዩ፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸኣ ርስትኹም ገይረ ኽህበኩም እየ።+ ኣነ ኻብ ኣህዛብ ዝፈለኹኹም የሆዋ ኣምላኽኩም እየ” በልኩኹም።+ 25  ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን እንስሳ፡ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዑፍ ፍለዩ።+ በቲ ኸም ርኹስ ክትርእይዎ ኢለ ዝፈለኹልኩም እንስሳ ወይ ዑፍ ወይ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ርእስኹም* ኣይተፈንፍኑ።+ 26  ኣነ የሆዋ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑለይ።+ ናተይ ክትኰኑ ድማ ካብ ህዝብታት እፈልየኩም ኣለኹ።+ 27  “‘ጠያቒ መናፍስቲ ወይ ጠንቋሊ* ዝዀነ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ብርግጽ ይቀተል።+ እቲ ህዝቢ ብዳርባ እምኒ ይቕተሎም። ደሞም ኣብ ርእሶም እዩ።’”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ኣቦኡ ቐሊዑ።”
ወይ፡ “ዜሕፍር ተግባር፣ ብዕልግና።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ሓብቱ ቐሊዑ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ሓው ኣቦኡ ቐሊዑ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ሓዉ ቐሊዑ።”
ወይ፡ “ነፍሳትኩም።”
ወይ፡ “መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎ።”