ዮሃንስ 17:1-26

  • የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ዝጸለዮ ናይ መወዳእታ ጸሎት (1-26)

    • ንኣምላኽ ምፍላጥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ (3)

    • ክርስትያናት ካብ ዓለም ኣይኰኑን (14-16)

    • “ቃልካ ሓቂ እዩ” (17)

    • “ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ” (26)

17  የሱስ እዚ ተዛሪቡ፡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ ኸምዚ በለ፦ “ኣቦ፡ እታ ሰዓት ኣኺላ እያ። ወድኻ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ፣+  ከምቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ* ስልጣን ዝሃብካዮ እውን፡+ ንዅሎም እቶም ዝሃብካዮ+ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ።+  በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን+ ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡*+ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።+  ኣነ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡+ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ ኣለኹ።+  ኣቦ፡ ሕጂ ኸምቲ ዓለም ከይኰነት ምሳኻ ኸለኹ ዝነበረኒ ኽብሪ፡ ምሳኻ ጌርካ ኣኽብረኒ።+  “ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ኣግሂደሎም* ኣለኹ።+ ናትካ እዮም ነይሮም፡ ንዓይ ከኣ ሂብካኒ፡ ቃልካ እውን ሓልዮም* እዮም።  ኵሉ እቲ ዝሃብካኒ፡ ካባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈሊጦም እዮም፣  ከመይሲ፡ እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሂበዮም እየ፡+ ንሳቶም እውን ተቐቢሎምዎ እዮም፣ ኣነ ወኪልካ ዀይነ ኸም ዝመጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈሊጦም እዮም፣+ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ እውን ኣሚኖም እዮም።+  ኣነ ምእንታኦም እልምን እየ፣ ንሳቶም ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። 10  ኵሉ እቲ ናተይ ከኣ፡ ናትካ እዩ፣ እቲ ናትካ ድማ፡ ናተይ እዩ፣+ ኣነ እውን ኣብ መንጎኦም ከቢረ እየ። 11  “ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፣ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፣+ ኣነ እውን ናባኻ እመጽእ ኣለኹ። ቅዱስ ኣቦ፡ ከምቲ ንሕና ሓደ ዝዀንና፡* ንሳቶም እውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡*+ ስለቲ ዝሃብካኒ ስምካ ሓልዎም።+ 12  ኣነ ምሳታቶም ከለኹ፡ ስለቲ ዝሃብካኒ ስምካ እሕልዎም ነይረ፣+ ስለ ዘዕቈብክዎም ከኣ፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም፡+ ብዘይካ እቲ ወዲ ጥፍኣት፡+ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይጠፍአን።+ 13  ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ ኣለኹ፣ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ እዚ ኣብ ዓለም እብል ኣለኹ።+ 14  ቃልካ ሂበዮም ኣለኹ፣ ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ዓለም ስለ ዘይኰኑ፡ ዓለም ጸሊኣቶም እያ።+ 15  “ካብቲ እኩይ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ።+ 16  ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡+ ንሳቶም እውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።+ 17  በቲ ሓቂ ቐድሶም፣*+ ቃልካ ሓቂ እዩ።+ 18  ከምቲ ንዓይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፡ ኣነ እውን ናብ ዓለም ልኢኸዮም እየ።+ 19  ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱስ፡ ኣነ ምእንታኦም ርእሰይ እቕድስ ኣለኹ። 20  “ምእንቲ እቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ እውን እምበር፡ ምእንቲ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ፣ 21  እዚ ኸኣ ከምቲ ንስኻ፡ ኦ ኣቦ፡ ምሳይ ሓድነት ዘሎካ፡ ኣነ እውን ምሳኻ ሓድነት ዘሎኒ፡+ ንሳቶም እውን ምሳና ሓድነት ኪህልዎም እሞ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ እዩ፣+ በዚ ኸምዚ፡ ዓለም፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ትኣምን። 22  ከምቲ ንሕና ሓደ ዝዀንና ኸኣ፡ ንሳቶም እውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሂበዮም ኣለኹ።+ 23  ፍጹም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ* እሞ፡ ዓለም ከምቲ ንዓይ ዘፍቀርካኒ፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካንን ከም ዘፍቀርካዮምን ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ኣነ ምሳታቶም ሓድነት ኣሎኒ፡ ንስኻ እውን ምሳይ ሓድነት ኣሎካ። 24  ኣቦ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ንስኻ ዝሃብካኒ እውን ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡+ ኣብቲ ዘለኽዎ ምሳይ ኪዀኑ እደሊ ኣለኹ።+ 25  ጻድቕ ኣቦ፡ ዓለም ኣይፈለጠትካን፣+ ኣነ ግና እፈልጠካ እየ፣+ እዚኣቶም እውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ። 26  እታ ንዓይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትህሉን ኣነ ምሳታቶም ሓድነት ምእንቲ ኺህልወንን፡+ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፡ ከፍልጦም እውን እየ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሰብ።”
እታ ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ቀጻሊ ተግባር ተመልክት።
ወይ፡ “ኣፍሊጠዮም።”
ወይ፡ “ተኣዚዞም።”
ወይ፡ “ሓድነት ምእንቲ ኺህልዎም።”
ወይ፡ “ሓድነት ዘሎና።”
ወይ፡ “ፍለዮም።”
ወይ፡ “ምሉእ ሓድነት ምእንቲ ኺህልዎም።”