ፊልጲ 4:1-23

  • ሓድነትን ታሕጓስን ግቡእ ሓሳባትን (1-9)

    • ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ (6, 7)

  • ንህያባት ሰብ ፊልጲ ዝነበሮ ሞሳ (10-20)

  • ናይ መወዳእታ ሰላምታ (21-23)

4  ስለዚ፡ ኣቱም ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፡ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን+ ዝዀንኩም ፍቑራት ኣሕዋተይ፡ በዚ ኸምዚ ብጐይታ ጽንዑ።+  ሓሳበን ብጐይታ ሓደ ኪኸውን፡ ንኤዎድያ እምሕጸና፡ ንስንጥኬ እውን እምሕጸና ኣለኹ።+  እወ፡ ንዓኻ ኣታ ናይ ሓቂ መዓይይተይ* እውን ክትድግፈን እልምነካ ኣለኹ፣ ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት+ እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምእንቲ እቲ ብስራት ኣብ ጐድነይ ዝጸዓራ* እየን።  ኵሉ ሳዕ ብጐይታ ተሓጐሱ። ደጊመ፡ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ።+  ልዙባት*+ ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ። ጐይታ ቐረባ እዩ።  ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡+ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣+  እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም+ ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን+ ንኣእምሮኹምን* ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።  ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ጽድቂ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ዚዝረበሉ ዘበለ፡ ሕያውነት* ዘበለ፡ ዚንኣድ ዘበለ ብቐጻሊ ሕሰቡ።*+  እቲ ኻባይ እተመሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ዝረኣኹምዎን፡ እዚ ግበርዎ እሞ፡+ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። 10  ሕጂ ኣብ መወዳእታ ኸም ብሓድሽ ትሓስቡለይ ብምህላውኩም፡ ብዙሕ እሕጐስ እየ።+ ብዛዕባይ ትሓስቡ እኳ እንተ ነበርኩም፡ ነዚ ኸተርእዩ ግና ኣጋጣሚ ኣይነበረኩምን። 11  ኣነስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ብዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል* ተማሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘለኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብል ዘለኹ።+ 12  ዋሕድን+ ብዝሕን እፈልጥ እየ። ኣብ ኵሉን ብዅሉ ዅነታትን ናይ ጽጋብን ጥሜትን፡ ናይ ርኽበትን ስእነትን ምስጢር እፈልጥ እየ። 13  በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።+ 14  መኻፍልቲ ጸበባይ ብምዃንኩም ግና፡ ጽቡቕ ኢኹም ጌርኩም። 15  ኣቱም ሰብ ፊልጲ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ ብስራት ድሕሪ ምፍላጥኩም፡ ኣነ ኻብ መቄዶንያ ምስ ነቐልኩ፡ ኣብ ምሃብን ምቕባልን፡ ብዘይካ ንስኻትኩም በይንኹም፡ ሓንቲ ጉባኤ እኳ ምሳይ ከም ዘይሓበረት ትፈልጡ ኢኹም፣+ 16  ምኽንያቱ፡ ኣብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን እውን፡ ሓደ ሳዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክልተ ሳዕ ዜድልየኒ ሰዲድኩምለይ ኢኹም። 17  ኣነስ እቲ ፍረ ብዝያዳ ምእንቲ ኺጽብጸበልኩም ደልየ እምበር፡ ውህበትኩም ደልየ ኣይኰንኩን። 18  ግናኸ፡ ዜድልየኒ ዘበለ ዅሉ ኣሎኒ፡ ምስ ትርፉ እውን ኣሎኒ። እቲ ዝለኣኽኩምለይ ምዑዝ ሽታ፡+ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ፡ ካብ ኤጳፍሮዲጦስ+ ብምቕባለይ፡ ዚጐድለኒ የብለይን። 19  ኣምላኸይ ከኣ ከም መጠን እቲ ኽቡር ሃብቱ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ ዜድልየኩም ዘበለ ዅሉ ኺምልኣልኩም እዩ።+ 20  ንኣምላኽናን ኣቦናን ድማ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 21  ንዅሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለዎም ቅዱሳት ሰላም በሉለይ። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት እውን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22  ኵሎም እቶም ቅዱሳት፡ ምናዳ ኸኣ እቶም ካብ ቤተ ሰብ ቄሳር ዘበሉ፡+ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 23  ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ናይ ሓቂ መጻምድተይ።”
ወይ፡ “ኣበርቲዐን እተቓለሳ።”
ወይ፡ “ሚዛናውያን።”
ወይ፡ “ንሓሳብኩምን።”
ወይ፡ “ውርዝና፣ ጽቡቕ ጠባይ።”
ወይ፡ “ኣስተንትኑ።”
ወይ፡ “ዕጉብ ምዃን።”