2 ቈረንቶስ 4:1-18

  • ብርሃን እቲ ብስራት (1-6)

    • ኣእምሮ ዘይኣመንቲ ዓወረ (4)

  • ኣብ ኣቕሓ መሬት ዘሎ መዝገብ (7-18)

4  ስለዚ፡ በቲ እተገብረልና ምሕረት ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኻብ ረኸብና፡ ኣይንሕለልን ኢና።  እኳ ደኣስ፡ ነታ ሓቂ እናኣግሃድና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕልና ዅሉ ሰብ ብዚማርኽ መገዲ ርእስና ነርኢ ኣለና እምበር፡ ብጕርሒ ኸይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽ እውን ከይበከልና፡+ ነቲ ዜሕፍር ሕቡእ ነገር ነጺግና ኢና።+  እቲ እነበስሮ ብስራት እተጋረደ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተጋረደ፣  ንዓታቶም እውን፡ ብርሃን እቲ ኽቡር ብስራት ክርስቶስ፡ ንሱ ድማ ምስሊ ኣምላኽ፡+ ምእንቲ ኸየብርሃሎም፡+ ኣምላኽ እዚ ስርዓት* እዚ+ ንኣእምሮ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዕዊርዎ ኣሎ።+  ከመይሲ፡ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ምእንቲ የሱስ ባሮትኩም ከም ዝዀንና እምበር፡ ብዛዕባ ርእስና ኣይኰንናን እንሰብኽ ዘለና።  እቲ፡ “ካብ ጸልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለስ ኣምላኽ እዩ፣+ ንብርሃን እቲ ኽቡር ፍልጠት ኣምላኽ ድማ ብገጽ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብሪህዎ ኣሎ።+  ግናኸ፡ እቲ ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡+ እዚ መዝገብ እዚ+ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣሎና።+  ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ምንቅስቓስ ክሳዕ እንስእን ኣይጸበናን፣ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ መዋጽኦ ዘይብልና ኣይኰንናን፣*+  ንስጐጕ፡ ግናኸ እተራሕራሕና ኣይኰንናን፣+ ተወቒዕና ንወድቕ፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።+ 10  ህይወት የሱስ ኣብ ሰብነትና ምእንቲ ኽትግሃድ፡ ኵሉ ሳዕ ከምቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ ናብ ሞት ዜብጽሕ መከራ ኣብ ሰብነትና ንጸውር ኣለና።+ 11  ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘለና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዅሉ ሳዕ ምስ ሞት ገጽ ንገጽ ንጋጠም ኣለና።+ 12  ስለዚ፡ ሞት ኣባና ይዓዪ ኣሎ፣ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዓዪ ኣላ። 13  ከምቲ፡ “ኣሚነ፣ ስለዚ፡ ተዛሪበ” ዚብል እተጻሕፈ+ ዓይነት መንፈስ እምነት ስለ ዘሎና፡ ንሕና እውን ንኣምን፡ ስለዚ ኸኣ ንዛረብ ኢና፣ 14  ከምኡ እንገብር ድማ፡ እቲ ንየሱስ ዘተንስኦ፡ ንዓና እውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ፡ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቕርበና ስለ እንፈልጥ ኢና።+ 15  ብዙሓት ተወሰኽቲ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ብምቕራቦም ብዝሒ እቲ ጸጋ ብዝያዳ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኵሉ እዚ ምእንታኹም እዩ።+ 16  ስለዚ፡ ኣይንሕለልን ኢና፣ ግናኸ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እኳ እንተ ማህመነ፡ እቲ ናይ ውሽጢ ሰብና መዓልቲ መዓልቲ ይሕደስ ኣሎ። 17  ከመይሲ፡ ጸበባና* ቐልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስን እኳ እንተ ዀነ፡ እናዓበየ* ዚኸይድ ናይ ዘለኣለም ክብሪ የምጽኣልና እዩ።+ 18  እቲ ዚርአ ንግዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርአ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዚርአ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዘይርአ ኢና እንጥምት።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ወይ፡ “ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ፈተናና።”
ቃ.ቃ.፡ “እናረዘነ።”