ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ! ቍ. 1 2017 | ሕዱር ጭንቀት መንእሰያት—ስለምንታይ፧ እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ፡ ብዝሒ እቶም ጭንቀት ዜሕድሩ ዘለዉ መንእሰያት ኣመና ይውስኽ ኣሎ።

ብዛዕባ እዚ ጸገም እዚ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

እዛ ሕታም “ንቕሑ!” እዚኣ ነቶም ብጭንቀት ዚሳቐዩ መንእሰያት ሓሳባት ትህብ፡ ንወለዶም ድማ ከመይ ገይሮም ንደቆም ኬጸናንዑን ኪድግፉን ከም ዚኽእሉ ትሕግዞም።

 

ገበር

ሕዱር ጭንቀት መንእሰያት—ስለምንታይ፧ እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ምልክታቱን ጠንቅታቱን እንታይ እዩ፧ ወለድን ካልኦትን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ፍሽኽታ—ጽቡቕ ህያብ

ፈታዊ ዀነ ዘይትፈልጦ ሰብ ብሓቂ ፍሽኽ ምስ ዚብለካ፡ እቲ ፍሽኽታ ናባኻ ይመሓላለፍ እዩ፣ ጽቡቕ ስምዒት እውን ይፈጥረልካ እዩ።

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ምንጻል ጥንሲ

ኣብ ዓዓመት ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዚቝጸር ጥንሲ ይንጸል እዩ። ምንጻል ጥርሲ ብሕታዊ ምርጫ ድዩ ወይስ ስነ ምግባራዊ ሕቶ፧

“ከምዚኣ ዝበለት ፍቕሪ ብምርኣይና ልብና ተተንክዩ”

ቀዳም 25 ሚያዝያ 2015፡ 7.8 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንሃገረ ነፓል ኣናዊጽዋ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ መለለዪት ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትና ዝዀነት ፍቕሪ ብግብሪ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

ንስድራ ቤት

ከመይ ጌርካ ሞሳኻ ኸም እትገልጽ

ሰብኣይን ሰበይትን ንጽቡቕ ባህርያት ሓድሕዶም ዜስተብህሉሉን ዚንኣኣዱን እንተ ዀይኖም፡ ርክቦም ይመሓየሽ እዩ። እሞኸ ኣመስጋኒ ንምዃን እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ተነዲፉ ድዩ፧

ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ መከላኸሊ ሙቐት

እዚ ፍሉይ ጻጸ እዚ፡ ሓደ ኻብቶም በቲ ንሙቐት ዘለዎም ተጻዋርነት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዚስርዑ እንስሳታት እዩ። ብርቱዕ ሙቐት ኪጻወር ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ረድኤት ይካፈሉ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝዀኑን ንዘይኰኑን ሰባት ብኸመይ ግብራዊ ሓገዝ ከም እንገብረሎም ተምሃር።