ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ረድኤት ይካፈሉ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ረድኤት ይካፈሉ ድዮም፧

 እወ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕንወት ምስ ዜጋጥም ይሕግዙ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ገላትያ 6:10፡ “ኣጋጣሚ ኽሳዕ ዘሎና፡ ንዅሉ፡ ምናዳ ኸኣ ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ፡ ሰናይ ንግበር” ኢሉ ስለ ዚእዝዝ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝዀኑን ንዘይኰኑን ሰባት ግብራዊ ሓገዝ ንገብረሎም ኢና። ነቶም ግዳያት፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ ዜድልዮም ስምዒታውን መንፈሳውን ደገፍ ክንገብረሎም እውን ንጽዕር ኢና።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4

ውዳበ

 ዕንወት ምስ ኣጋጠመ፡ ሽማግለታት እተን ኣብቲ ዕንወት ዘጋጠመሉ ኸባቢ ዘለዋ ጉባኤታት ምስ ኣባላት እተን ጉባኤታት ብምርኻብ ደሓን ምህላዎምን እንታይ ሓገዝ ከም ዜድልዮምን ኪፈልጡ ይጽዕሩ እዮም። ሽዑ፡ ብዛዕባ እቲ ዅነታትን እንታይ ዓይነት ረድኤት ከም ዜድልን ዚገልጽ ጸብጻብ ኣብቲ ኸባቢ ናብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእኩ።

 እቲ ዚድለ ሓገዝ ካብ ዓቕሚ እተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ጉባኤታት ንላዕሊ እንተ ዀይኑ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜድሊ ዘበለ ሓገዝ ንምግባር መሰናድዎ ይገብር እዩ። እዚ ድማ፡ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ጥሜት ምስ ኰነ ንሓድሕዶም እተሓጋገዝሉ መገዲ ዚመሳሰል እዩ። (1 ቈረንቶስ 16:1-4) ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ድማ ነቲ ንምሕጋዝ ዚግበር ጻዕሪ ዚውድብን ዚመርሕን ኮሚተታት ረድኤት ሓደጋ ይሸይም እዩ። ኣብ ካልእ ከባቢ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ግዜኦምን ጥሪቶም ብምሃብ ኪሕግዙ ወለንተኛታት ይዀኑ እዮም።—ምሳሌ 17:17

ወፈያ

 ነቲ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚልኣኽ ወፈያታት፡ ንግዳያት ዕንወት ረድኤት ንምሃብ እውን ንጥቀመሉ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 11:27-30፣ 2 ቈረንቶስ 8:13-15) እቲ ዕዮ ደሞዝ ብዘይክፈሎም ወለንተኛታት ስለ ዚዕይየ፡ እቲ እተመደበ ገንዘብ ናብቶም ረድኤት ዜድልዮም ብቐጥታ ደኣ እዩ ዚኸይድ እምበር፡ ንመካየዲ ስራሕ ተባሂሉ ኣይጠፍእን እዩ። ነቲ እንረኽቦ ወፈያታት ብጥንቃቐ ኽንጥቀመሉ ንጽዕር ኢና።—2 ቈረንቶስ 8:20