ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህውከት ዝመልኣ ዓለም

3 | ርክብካ ሓሉ

3 | ርክብካ ሓሉ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብሰንኪ ኣብ ዓለም ዘሎ ህውከት፡ ጭንቀት ይውስኽ እዩ ዘሎ። በዚ ኸምዚ፡ ብዙሓት ሰባት ምስ ካልኦት ዘለዎም ርክብ ምዕቃብ ይኸብዶም እዩ።

  • ሰባት ካብ ፈተውቶም ርእሶም የግልሉ።

  • ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ምቅዳዉ ይኸብዶም።

  • ወለዲ ንጭንቀት ደቆም ዕሽሽ ይብልዎ፡ ወይ ፈጺሞም ኣየቕልብሉን።

ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ዕርክነት ንኣካላውን ንስምዒታውን ጥዕናኻ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣጸጋሚ ግዝያት።

  • ኣብዛ ዓለም ዘሎ ህውከት ዜስዕቦ ጭንቀት፡ ኣብ ናብራ ስድራ ቤትካ ዘይተጸበኻዮ ፈተና ኼምጽኣልካ ይኽእል እዩ።

  • ዚርብሽ ዜናታት ንደቅኻ ኻብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ኺጸልዎም ይኽእል እዩ።

ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17

ብዛዕባ ኺሕግዘካን ግብራዊ ሓሳባት ኪህበካን ዚኽእል ሰብ ሕሰብ። መዓልታዊ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ዚሓልየልካ ሰብ ከም ዘሎ ምፍላጥካ ነቲ ጸገም ክትጻወሮ ኼሐይለካ ይኽእል እዩ።