ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህውከት ዝመልኣ ዓለም

1 | ጥዕናኻ ሓሉ

1 | ጥዕናኻ ሓሉ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ከቢድ ጸገማት ወይ ሓደጋታት፡ ኣብ ጥዕና ሰባት ብቐጥታ ዀነ ብተዘዋዋሪ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ።

  • መከራ ንሰባት የጨንቖም፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጭንቀት ድማ ንሕማም ኬቓልዖም ይኽእል እዩ።

  • ቅልውላው፡ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኽንክንን ሕክምናን ከይትረክብ ይገብር እዩ።

  • ሓደጋታት ንቝጠባ ስለ ዚጸሉ፡ ሰባት ንምግብን ንሕክምናን ምኽፋል የጸግሞም እዩ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ከቢድ ሕማምን ጭንቀትን ንናይ ምምዝዛን ክእለትካ ስለ ዚጸልዎ፡ ንጥዕናኻ ዕሽሽ ከም እትብሎ ኺገብረካ ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንሕማምካ ኼጋድዶ ይኽእል እዩ።

  • ንሕማምካ እንተ ዘይተሓኪምካዮ፡ ኪገድድን ንህይወትካ ዜስግእን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  • ጽቡቕ ጥዕና እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ እዋን ህውከት፡ ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

  • ቍጠባዊ ዅነታትካ ብዘየገድስ፡ ጥዕናኻ ኽትሕሉ ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት

ጥበበኛ ሰብ፡ ሓደጋ ኼምጽእ ዚኽእል ነገራት እንተ ርእዩ፡ ንምውጋዱ ስጕምቲ ይወስድ። እዚ ንጥዕና እውን ይምልከት እዩ። ጽሬት ምዝውታር፡ ሕማም ከተርሕቕ ወይ ክትንኪ የኽእል እዩ። ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኸላኺልካ ጥዕና።

“ጽሬትናን ጽሬት ከባቢናን ብምሕላው፡ ንሕክምናን ንመድሃኒትን እነውጽኦ ንንኪ ኢና።”—ኣንድርያስ። *

^ ኣብዛ መጽሔት ዘሎ ገሊኡ ስማት ተቐይሩ እዩ።