ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ሜላ ኣተዓላልባ ንህቢ

ሜላ ኣተዓላልባ ንህቢ

ንህቢ ኣብ ሓደ ነገር ዳርጋ ብዝዀነ ይኹን ኵርናዕ ብዘይ ገለ ጸገም ኪዓልብ ይኽእል እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ኸምዚ ዚገብር፧

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሓደ ንህቢ ብዘይ ገለ ጸገም ምእንቲ ኺዓልብ፡ ቀቅድሚ ምዕላቡ ንፍጥነቱ ዳርጋ ናብ ዜሮ ኺንኪ የድልዮ። ከምኡ ዚገብረሉ ሓደ ርትዓዊ መገዲ፡ ንፍጥነቱን ንዚዓልበሉ ርሕቀትን ብምዕቃን እዩ፣ በዚ መሰረት እዚ ኸኣ መጠን ፍጥነቱ ይንኪ። ይኹን እምበር፡ እዚ ሜላ እዚ ንመብዛሕትኦም ሓሸራታት ከቢድ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ኣዒንቶም ንሓድሕዱ ኣዝዩ እተቐራረበን ናብ ሓደ ኣንፈት ጥራይ ዜተኵርን ብምዃኑ፡ ርሕቀት ብቐጥታ ኺዕቅኑ ኣይክእሉን እዮም።

ሰባት ንኽልቲኡ ኣዒንቶም ተጠቒሞም ርሕቀት ኪግምግሙ ይኽእሉ እዮም፣ ንህቢ ዚርእዩሉ መገዲ ግና ካብዚ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ናብ ሓደ ነገር እናቐረቡ ብዝኸዱ መጠን፡ ግዝፊ እቲ ነገር እናወሰኸ ዚኸይድ ኰይኑ እዩ ዚርኣዮም። ናብቲ ነገር ዝያዳ ብዝቐረቡ መጠን፡ ግዝፉ ብዝቐልጠፈ ይውስኽ። ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያ እተገብረ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ንህቢ ናብቲ ዚዓልበሉ ነገር ብዝቐረበ መጠን፡ ግዝፊ እቲ ዚዓልበሉ ነገር ከም ዘይተቐየረ ዀይኑ ምእንቲ ኺርኣዮ ፍጥነቱ እናነከየ እዩ ዚኸይድ። ኣብ መዕለቢኡ ኺበጽሕ ከሎ ኸኣ ፍጥነቱ ዳርጋ ናብ ዜሮ ይቕንስ እሞ ብዘይ ገለ ጸገም ኪዓልብ ይኽእል።

ፕሮሲዲንግስ ኦቭ ዘ ናሽናል ኣካደሚ ኦቭ ሳይንስስ ዘርእስታ ጋዜጣ፡ “እዚ ቐሊልን ሕልኽላኽ ዘይብሉን ሜላ ኣተዓላልባ፡ . . . ዚነፍሩ ሮቦት ዚምርሑሉ ስርዓት ንምትእትታዉ ኣጋጣሚ ኸፊቱ ገይሩ እዩ” ዚብል ጸብጻብ ኣቕሪባ እያ።

እንታይ ይመስለካ፧ ሜላ ኣተዓላልባ ንህቢ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧