ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

1 | ጸሎት—“ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ”

1 | ጸሎት—“ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ”

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ [ናብ ኣምላኽ] ደርብይዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:7

እንታይ ማለት እዩ፧

የሆዋ ኣምላኽ ንልብናን ንኣእምሮናን ዝኸበዶ ጾር ክንነግሮ ይዕድመና እዩ። (መዝሙር 55:22) ብዛዕባ ዓብዪ ዀነ ንእሽቶ ጸገም ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ንዓና ዜገድሰና እንተ ዀይኑ ንየሆዋ እውን የገድሶ እዩ። ናይ ኣእምሮ ሰላም ንምርካብ ናብኡ ምጽላይ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ።—ፊልጲ 4:6, 7

ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ምስ ኣእምሮኣዊ ጸገም ኣብ እንቃለሰሉ እዋን በይንና ዝዀንና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ካልኦት ሰባት እንታይ ኵነታት ነሕልፍ ከም ዘለና ዚርዱኡልና ዅሉ ግዜ ኣይኰነን። (ምሳሌ 14:10) እንታይ ከም ዚስምዓናን ናይ ልብናን ብጸሎት ንኣምላኽ እንተ ነጊርናዮ፡ ንሱ ይድንግጸልናን ይርድኣልናን እዩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ይርእየና፡ ስቓይናን ቃልስናን ይፈልጥ፡ ዜጨንቐና ዘበለ ዝዀነ ይኹን ነገር ንዕኡ ኽንነግሮ ድማ ይደልየና እዩ።—2 ዜና መዋእል 6:29, 30

ናብ የሆዋ ምጽላይ ንሱ ኸም ዚሓልየልና ንዘሎና እምነት የደልድሎ እዩ። ከምቲ እቲ ዘማሪ፡ “ጸበባይ ርኢኻ፡ ብርቱዕ ጭንቀይ ትፈልጥ ኢኻ” ብምባል ዝጸለዮ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። (መዝሙር 31:7) የሆዋ ንእነሕልፎ ጸበባ ኸም ዜስተብህለሉ ምፍላጥና ጥራይ ንዜጋጥመና ጸገማት ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ንጭንቀትና የስተብህለሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ማንም ንላዕሊ ነቲ እነሕልፎ ነገር ይርድኣልናን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መጸናንዕን መተባብዕን ክንረክብ ይሕግዘናን እዩ።