ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃለ መጠይቕ | ማሲሞ ቲስታሪሊ

ሓደ ነዳፊ ሮቦት ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ሓደ ነዳፊ ሮቦት ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ፕሮፌሰር ማሲሞ ቲስታሪሊ ኣብቲ ኣብ ኢጣልያ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ሳሳሪ ዚሰርሕ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት እዩ። ሓጋዚ ኣሰናዳዊ ሰለስተ ኣህጉራዊ መጽሔታት ስነ ፍልጠት እዩ፣ ልዕሊ ሚእቲ ዚኸውን ስነ ፍልጠታዊ ጽሑፋት ኣብ ምጽሓፍ እውን ሓጊዙ እዩ። ደቂ ሰብ ንገጽ ብኸመይ ከም ዜለልዩን ነቲ ኸም ኵዕሶ ምቝላብ ዝኣመሰለ ቐሊል ነገራት ብኸመይ ከም ዚገብርዎን እዩ ዜጽንዕ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ዘለዎም ናይ ምርኣይ ክእለት ብምቕዳሕ ሮቦት ይነድፍ። መጽሔት ንቕሑ! ብዛዕባ እምነቱን ብዛዕባ እቲ ኸም ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ኰይኑ ዚዓይዮ ዕዮን ሓቲታቶ ኣላ።

ዝዓበኻሉ ሃይማኖት እንታይ እዩ ነይሩ፧

ወለደይ ካቶሊክ እኳ እንተ ነበሩ፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ግና ኣይከዱን እዮም ነይሮም። መንእሰይ ከለኹ፡ ኣብ ኢዝሄርነት እየ ዝኣምን ነይረ። ህይወት ብፍልቀት ከም ዝመጸ እየ ተማሂረ፣ ከም ሓቂ ገይረ ኸኣ እኣምነሉ ነበርኩ። ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኣይኣምንን እየ ነይረ፣ ካብ ደቂ ሰብ ልዕል ዝበለ ኣካል ዘሎ ዀይኑ ግና ይስምዓኒ ነበረ። ብዛዕባ እዚ ኽፈልጥ ስለ ዝደለኹ ድማ፡ ቡድህናን ሂንዱነትን ታኦነትን መርመርኩ፣ ነቲ ትምህርትታቶም ግና ዜዕግብ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን።

ኣብ ስነ ፍልጠት ከም እትግደስ ዝገበረካ እንታይ እዩ፧

ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ፡ ማሽናት እፈቱ ነበርኩ። ነቲ ብኤለክትሪክ ዚሰርሕ መጻወቲታተይ ፈናጢሐ እንደገና እገጣጥሞ ነበርኩ። ነቲ መሃንድስ ተለኮምዩኒኬሽን ዝነበረ ኣቦይ ድማ፡ ሬድዮታትን ተሌፎንን ብኸመይ ከም ዚዓዪ ብሕቶ ልቡ አጥፍኣሉ ነበርኩ።

እቲ ኸም ተመራማሪ ስነ ፍልጠት መጠን እትዓይዮ ዕዮ እንታይ የጠቓልል፧

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጀኖዋ፡ ምህንድስና ኤለክትሮኒክስ እየ ኣጽኒዐ፣ ድሕሪኡ፡ ናይ ዶክተርነት ዲግሪ ንምርካብ፡ ብዛዕባ ንድፊ ሮቦት ምርምር ገበርኩ። ብፍላይ ኣብቲ ደቂ ሰብ ዘለዎም ናይ ምርኣይ ክእለት ብምትኳር እየ ምርምር ዝገብር፣ ሽዑ ንዕኡ እናቐዳሕኩ፡ ሮቦት እነድፍ።

ናይ ምርኣይ ክእለትና ተገዳስነት ዘሕደረልካ ስለምንታይ እዩ፧

ናይ ምርኣይ ክእለትና፡ ካብ ዓይኒ ንላዕሊ ዜጠቓልል እተሓላለኸ ስርዓት ኰይኑ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ፣ ነቲ እንርእዮ ነገራት ናይ ምትርጓም ክእለት እውን ኣሎና። ንኣብነት፡ ኵዕሶ ኽትቈልብ ከለኻ ብዛዕባ ዜጋጥም ነገራት ሕሰብ። ነታ ዅዕሶ ንኽትቈልባ ኽትጐዪ ኸለኻ፡ ናይ ኣዒንትኻ ለንስ፡ ረቲናኻ ንስእሊ እታ ዅዕሶ ብንጹር ከም ዚርእያ ይገብር። ብመሰረት እቲ እታ ዅዕሶ እትንቀሳቐሰሉን ዓይንኻ ዚጥምተሉን ኣንፈት፡ እቲ ስእሊ ኣብ ረቲናኻ ይንቀሳቐስ። ከምዚ ኪኸውን ከሎ፡ ዓይንኻ ኣብታ ዅዕሶ እዩ ዜተኵር። ስለዚ፡ ዋላ እውን ከባቢ እታ ዅዕሶ እንተ ተንቀሳቐሰ፡ ስእሊ እታ ዅዕሶ ኣብ ረቲናኻ ተቐሪጹ እዩ ዚተርፍ።

ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ እቲ ናይ ምርኣይ ክእለትና፡ ንፍጥነትን ንኣንፈትን እታ ዅዕሶ ይግምግሞ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ዓይንኻ ንምንቅስቓስ እታ ዅዕሶን እቲ ኸባቢኣን ብምግማት፡ ኣብ ረቲና እዩ ዚጅምር። ሽዑ መትኒ ዓይንኻ ነቲ ብረቲናኻ እተፈጥረ ሓበሬታ ናብ ሓንጎልካ ይሰድዶ፣ ሓንጎልካ ኸኣ ነቲ ሓበሬታ ብዝያዳ ብምምርማር ነቲ ዅዕሶ ንኽትቈልባ ይእዝዘካ። እዚ ሕልኽልኽ ዝበለ መስርሕ እዚ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ።

ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

ብ1990 ኣብቲ ኣብ ዳብልን፡ ኣይርላንድ ዚርከብ ኮሌጅ ትሪኒቲ፡ ንእተወሰነ ኣዋርሕ ምርምር እገብር ነበርኩ። ምስ ባርባራ ሰበይተይ ናብ ዓድና ኽንምለስ ከለና፡ ብዛዕባ መጻኢ ደቅና ኽንሓስብ ጀመርና። ነታ ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረት ሓብተይ ክንበጽሓ እውን ወሰንና። ሓብተይ ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ላይፍ—ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክርኤሽን (ህይወት ብኸመይ እዩ መጺኡ፧ ብፍልቀትዶ ብፍጥረት፧) ዘርእስታ መጽሓፍ ሃበትኒ። እቲ ኣብታ መጽሓፍ ዚርከብ ብዚግባእ ምርምር እተገብረሉ ሓበሬታ ድማ ኣደነቐኒ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንፍልቀት ብዓይኒ ዕሙተይ ከም እተቐበልክዎ ተገንዘብኩ። ንኣብነት፡ ፍልቀት ብኣሰረ ህይወት እተደገፈ ኸም ዝዀነ ገይረ እየ ዝሓስብ ነይረ። ከምኡ ግና ኣይኰነን። ሽዑ ብዛዕባ ፍልቀት ብዝያዳ ብዝመርመርኩ መጠን፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ኣመንኩ።

ብዛዕባ እቲ ምስ ሮቦት ዚተሓሓዝ ስራሐይ ክሓስብ ጀመርኩ። መን ዝነደፎ ነገራት እየ ዝቐድሕ ነይረ፧

ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ሮቦት ዚተሓሓዝ ስራሐይ ክሓስብ ጀመርኩ። መን ዝነደፎ ነገራት እየ ዝቐድሕ ነይረ፧ ልክዕ ከምቲ ንሕና ዘሎና ዅዕሶ ናይ ምቝላብ ክእለት ዘለዎ ሮቦት ክነድፍ ኣይክእልን እየ። ንሮቦት፡ ኵዕሶ ኸም ዚቘልብ ጌርካ ፕሮግራም ክትገብሮ ይከኣል እዩ፣ ብጥንቃቐ ግና ክትቈጻጸሮ ኣሎካ። ኣብቲ ፕሮግራም ዘይተገብረሉ ዅነታት ከምኡ ኺገብር ኣይክእልን እዩ። እቲ ንኽንምሃር ዘሎና ኽእለት፡ ካብ ማሽናት ይበልጽ፣ ማሽናት ከኣ ሰራሒ ኣለዎ። እዚ ሓቂ እዝን ካልእን ተደማሚሩ፡ ነዳፊ ኸም ዘሎና ኣእመነኒ።

ስለምንታይ ኢኻ ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ፧

ሓደ ምኽንያት፡ ኣነን ባርባራን ነቲ ዕምቈት ዘለዎ ሜላ ኣጸናንዓኦም ስለ ዝፈተናዮ እዩ። ብፍላይ እቲ ኣብ ጽሑፋቶም ዚወጽእ ምርምር እተገብረሉ ሓበሬታ ኣዝዩ ኣደኒቑኒ እዩ። ከምዚ ኸማይ ዝኣመሰሉ ዝርዝር ነገራት ኬጽንዑ ዚደልዩ ሰባት፡ ዓሚቝ ምርምር ይስሕቦም እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዙሕ ትንቢታት ኣዝየ ኽግደስ ጀመርኩ። እቲ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣእመነኒ። ብ1992 ኣነን ባርባራን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ተጠመቕና።

ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ዝገበርካዮ መጽናዕቲ ንእምነትካ ኣዳኺምዋዶ፧

ንእምነተይ ብዝያዳ ኣደልዲልዋ እምበር። ንኣብነት፡ ብኸመይ ገጽ ከም እነለሊ ኽትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሕጻን ካብ ዚውለድ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ገጽ ኬለሊ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣነን ንስኻን ንሓደ እንፈልጦ ሰብ፡ ዋላ እውን ኣብ መንጎ ብዙሓት ሰባት ይኹን፡ ከነለልዮ ንኽእል ኢና። ገጹ ብምርኣይ፡ ከመይ ይስምዖ ኸም ዘሎ እውን ክንግምት ንኽእል ኢና። እዚ ዅሉ ነገራት፡ ብዙሕ ሓበሬታን ዜደንቕ ፍጥነትን ዘለዎ መስርሕ ምዃኑ ግና ምሉእ ብምሉእ ኣይንርድኦን ንኸውን።

እቲ ናይ ምርኣይ ክእለትና፡ የሆዋ ኣምላኽ ዝሃበና ኽቡር ውህበት ከም ዝዀነ ምሉእ ብምሉእ እየ ዝኣምን። እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ እውን ዜጠቓልል ውህበት፡ ንኸመስግኖን ብዛዕባኡ ንኻልኦት ንኽነግርን እዩ ዚድርኸኒ። የሆዋ ኣምላኽ ስለቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ነገራት ክብሪ ኺውሃቦ ኸም ዚግባእ እየ ዝኣምን።