ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ሕንዚዝ ዒባ ኣንፈቱ ዚፈልጠሉ ኽእለት

ሕንዚዝ ዒባ ኣንፈቱ ዚፈልጠሉ ኽእለት

እቲ ሕንዚዝ ዒባ ዚእክቦ ቐልቀል፡ ኣብ ብዙሕ መዓላ እዩ ዜውዕሎ። ይበልዖን እንቋቝሖኡ የውድቐሉን እዩ። ብዘይካዚ፡ ተባዕታይ ሕንዚዝ ዒባ ነታ ኣንስተይቲ ንኺማርኻ ኢሉ፡ ዓብዪ ኽፋል እቲ ዒባ ይህባ እዩ። ሕንዚዝ ዒባ ሓድሽ ቀልቀል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ብዙሕ እዮም ዚጽዕሩ። ሓደ እዋን፡ ኣስታት 16,000 ዚዀኑ ሕንዚዝ ዒባ ናብ እተዀመረ ዒባ ሓርማዝ ኪውሕዙ ኸለዉን ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰዓት ከም ዘይነበረ ኺገብርዎ ኸለዉን፡ ተመራመርቲ ርእዮም እዮም።

ገሊኦም ዓይነት ሕንዚዝ ዒባ፡ ነቲ ቐልቀል ከም ኵዕሶ ብምኽባብ፡ እናደፍኡ ይወስድዎ፣ ኣብ ልስሉስ መሬት ድማ ይቐብርዎ። ሕንዚዝ ዒባ ነቲ ቐልቀል እናደፍአ ኺወስዶ ኸሎ፡ ትኽ ኢሉ እዩ ዚኸይድ፣ እዚ ድማ፡ ቀልጢፉ ንኺጓዓዝን ካልኦት ሕንዚዝ ነቲ ቐልቀል ንኸይሰርቅዎን ይሕግዞ።

ይኹን እምበር፡ ሕንዚዝ ዒባ ብፍላይ ብምሸት ኪጓዓዝ ከሎ፡ ሸዀርተት ንኸይብል ዚሕግዞ እንታይ እዩ፧

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣቐዲሙ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ሕንዚዝ ዒባ ብብርሃን ጸሓይ ወይ ወርሒ እናተሓገዘ ኺጓዓዝ ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ወርሒ ኣብ ዘይትረኣየሉ ለይቲ እውን እንተ ዀነ፡ ትኽ ኢሉ ኺጓዓዝ ይኽእል እዩ። ተመራመርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኸም ዝገለጽዎ፡ ሕንዚዝ ዒባ ትኽ ኢሉ ኺጓዓዝ ዚኽእል፡ ንነፍሲ ወከፍ ኰዀብ ብምርኣይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ጸባዊ መገዲ ወይ ሊሐ ዚብሃል ጋላክሲ ንዚርአ እኩብ ብርሃን ብምርኣይ እዩ። ከረንት ባዮሎጂ (እዋናዊ ስነ ህይወት) ዘርእስታ መጽሔት ብዛዕባ እቲ ሕንዚዝ ዒባ ኣንፈቱ ዚፈልጠሉ ኽእለት ክትገልጽ ከላ፡ “እንስሳታት ኣንፈቶም ንምፍላጥ ንጋላክሲ ሊሐ ኸም ዚጥቀሙ ዚሕብር ናይ መጀመርታ እተሰነደ መርትዖ እዩ” በለት።

ማርከስ ባርን ዝስሙ ተመራማሪ፡ ሕንዚዝ ዒባ “ኣብቲ ኻብ ከዋኽብቲ ዚመጽእ ብርሃን ኣዝዩ ጽልግልግ ዚብለሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ብዝተሓተ ዓቕሚ ተጠቒሙ፡ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኣንፈቱ ኺፈልጥ ይኽእል እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ ‘በዚ ምኽንያት እዚ፡ [ክእለት ሕንዚዝ ዒባ]፡ ነቲ ሮቦት ወይ ካሜራ ኣብ ትሑት ብርሃን ንነገራት ንኼለልዩ ዘለዎም ጸገም ኣብ ምፍታሕ ዚግበር ጻዕሪ ኺሕግዝ ይኽእል እዩ’ በለ። ንኣብነት፡ ነቲ ሕንዚዝ ዒባ ኣንፈቱ ዚፈልጠሉ ኽእለት ተጠቒምካ፡ ኣብ ዝፈራረሰ ህንጻ ኺኣቱን ንሰባት ኣናድዩ ኼድሕንን ዚኽእል ሮቦት ኪስራሕ ይከኣል እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ ሕንዚዝ ዒባ ኣንፈቱ ዚፈልጠሉ ኽእለት፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

ትፈልጥዶ፧ ሕንዚዝ ዒባ ንሓመድ የለስልሶን የስብሖን እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ዘርኢ ኣትክልቲ ኸም ዚባዛሕ ይገብርን ሃመማ ኻብ መጠን ንላዕሊ ንኸይባዝሑ ይቈጻጸርን እዩ።