ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ንደቅኻ ምግሳጽ ይተርፍ ድዩ ዘሎ፧

ንደቅኻ ምግሳጽ ይተርፍ ድዩ ዘሎ፧

ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘሎ ናብራ ስድራ ቤት ብሃንደበት ተቐዪሩ እዩ። ቀደም፡ ወለዲ ንደቆም ዚእዝዙሉ፡ ውሉዳት ከኣ ንትእዛዝ ወለዶም ዚስዕቡሉ እዋን ነይሩ እዩ። ሕጂ ግና፡ ኣብ ገሊአን ስድራ ቤታት፡ ውሉዳት ኣዘዝቲ፡ ወለዲ ኸኣ ተኣዘዝቲ ይዀኑ ኣለዉ። ነዚ ዚስዕብ ኣብ ህሉው ኵነታት እተመስረተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

  • ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቈልዓ ምስ ኣዲኡ ኣብ ዕዳጋ ኸለዉ፡ ሓንቲ መጻወቲት ብምልዓል፡ ንኣዲኡ ኽትዕድገሉ ሓተታ። ኣዲኡ ግና ስለምንታይ ነታ መጻወቲት ከም ዘይትዕድገሉ ኸተረድኦ ፈተነት። “ዚኣኽለካ መጻወቲ ኣሎካ እንዶ፧” ድማ በለቶ። ከምኡ ኽትብሎ ኸም ዘይነበራ ግና ብዙሕ ከይጸንሐት ተገንዘበት። ከመይሲ፡ እቲ ቘልዓ፡ “ዋላ ነዚኣ እውን እደልያ እየ!” ኢሉ ምኒን ኪብል ጀመረ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ከምቲ ብዙሕ ሳዕ ዚገብሮ ምእንቲ ኸይቍጣዕ ስለ ዝፈርሀት፡ ነታ መጻወቲት ዓደገትሉ።

  • ሓንቲ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ፡ ኣቦኣ ምስ ካልእ ዓብዪ ሰብ እናተዛረበ ኸሎ ኣብ መንጎ ዀለፈቶ። “ሰልችዩኒ ኣሎ፣ ገዛ ክኸይድ እየ ዝደሊ” በለቶ። ኣቦኣ ንዘረባኡ ኣብ መንጎ ደው ብምባል፡ ናብ ጓሉ ድንን ኢሉ ብልስሉስ ቃና፡ “ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ተዓገስኒ መዓረይ፡ ሕራይዶ፧” በላ።

  • ሓደ ጄምስ ዝስሙ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ፡ ከም ኣመሉ “ንመምህርካ ጨዲርካላ” ተባሂሉ ጥርዓን ቀረበሉ። ኣቦ ጄምስ ብወዱ ዘይኰነስ፡ በታ መምህር ኣዝዩ ሓረቐ። ንጄምስ ወዱ ድማ፡ “እንታይ እያ ንዓኻ ጥራይ ክንድዚ እተሸግረካ። ጽናሕ ጥራይ፡ ንሓለፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ እንተ ዘይከሲሰያ ኣነ ኣይኰንኩን” በሎ።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነታት፡ ብሓቂ እተፈጸመ ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ብሓቂ ዜጋጥም ዘሎ ኣዝዩ ዝረሓቐ እውን ኣይኰነን። እቲ ኣብነታት፡ ኣብ ስድራ ቤታት ብዛዕባ ዜጋጥም ዘሎ ናይ ሓቂ ጸገማት ዚገልጽ እዩ፣ ከመይሲ፡ ወለዲ ነቲ ስነ ስርዓት ዚጐድሎ ጠባይ ደቆም ሸለል ይብልዎ፡ ደቆም ዝበልዎም ዘበለ ይገብሩ፡ ከምኡ እውን ንደቆም ካብቲ ብሰንኪ ሕማቕ ጠባዮም ዜጋጥሞም ሳዕቤናት ኪከላኸሉሎም ይጽዕሩ እዮም። ዘ ናርሲሲዝም ኢፒደሚክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ወለዲ፡ ስልጣኖም ንደቆም ኬረክብዎም ከለዉ ምርኣይ እናተለምደ ይኸይድ ኣሎ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ቈልዑ፡ ኣብ ቤት ዚእዝዝ መን ምዃኑ፡ ማለት ንሳቶም ዘይምዃኖም ይፈልጡ ነይሮም እዮም” በለት።

ሓቂ እዩ፡ ብዙሓት ወለዲ ንደቆም ግቡእ ስርዓታት ኪምህርዎም ይጽዕሩ እዮም፣ ነዚ ኸኣ፡ ጽቡቕ ኣብነት ብምዃን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ጽኑዕን ፍቕራውን መአረምታ ብምሃብ እውን እዮም ዚገብርዎ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት መጽሓፍ ዝገለጸቶ፡ ከምኡ ዚገብሩ ወለዲ፡ ኣንጻር እቲ ብዙሓት ሰባት ከም ቅቡል ገይሮም ዚርእይዎ ነገራት እዮም ዚገብሩ።

ይኹን እምበር፡ ከመይ ኢልና ኢና ኣብዚ በጺሕና፧ ንደቅኻ ምግሳጽ ይተርፍ ድዩ ዘሎ፧

ስልጣን ወለዲ ይዳኸም ኣሎ

ገሊኦም ሰባት፡ ስልጣን ወለዲ ኻብ 1960ታት ጀሚሩ ኺዳኸም ከም ዝጀመረ ይገልጹ፣ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ክኢላታት ዚብሃሉ ሰባት ንወለዲ፡ ምስ ደቆም ኣብ ዘለዎም ርክብ ብዝያዳ ልምሉማት ኪዀኑ የተባብዕዎም ነበሩ። እቶም ክኢላታት ንወለዲ፡ ‘ንደቅኹም ኣዕሩኽ ደኣ እምበር፡ ብዓል ስልጣን ክትኰኑሎም የብልኩምን፣’ ‘ካብ ተግሳጽ ምሃብ፡ ምንኣድ ይበልጽ፣’ ‘ኣብ ክንዲ ነቲ ሕማቕ ክትእርምዎ እትጽዕሩ፡ ደቅኹም ጽቡቕ ብምግባሮም እትንእዱሉ ኣጋጣሚታት ጥራይ ድለዩ’ ይብልዎም ነበሩ። እቶም ክኢላታት፡ ብዛዕባ ናእዳን መአረምታን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዚሰፍን ኣብ ክንዲ ዚገብሩ፡ ንቘልዑ ምግሳጽ፡ ነቲ ተነቃፊ ዝዀነ ስምዒቶም ኪጐድኦን ጸኒሖም ንወለዶም ከም ዚጸልእዎም ኪገብሮምን ከም ዚኽእል ኪገልጹ ጀመሩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቶም ክኢላታት፡ ርእሰ ምትእምማን ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ እውን ኬውዓውዑ ጀመሩ። ምስጢር ጽቡቕ ኣተዓባብያ ውሉዳት ብሃንደበት እተፈልጠ እዩ ዚመስል ነይሩ፣ እቲ ምስጢር ግና፡ “ደቅኻ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጽቡቕ ከም ዚስምዖም ግበር” ካብ ዚብል ሓሳብ ዚሓልፍ ኣይነበረን። ሓቂ እዩ፡ ደቅኻ ርእሰ ምትእምማን ከም ዚህልዎም ጌርካ ምዕባይ ኣገዳሲ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ምስ ርእሰ ምትእምማን ዚተሓሓዝ ኣተሓሳስባ፡ ሚዛኑ እናሰሓተ ኸደ። ከመይሲ፡ እቶም ክኢላታት ንወለዲ፡ ‘ከም “ኣይፋል” ወይ ከኣ “ሕማቕ” ዚብሉ ኣሉታዊ ቓላት ኣይትጠቐሙ’ ኺብልዎም ጀመሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ንደቅኹም ፍሉያት ምዃኖምን ዝደለይዎ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉን ወትሩ ንገርዎም’ ተባህሉ። በዚ ኸምዚ፡ ንፉዕ ካብ ምዃን ንላዕሊ፡ ንፉዕ ከም ዝዀንካ ዀይኑ ኺስምዓካ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዀነ።

እቲ ምስ ርእሰ ምትእምማን ዚተሓሓዝ ኣተሓሳስባ፡ ንቘልዑ ርእሶም ሰማይ ከም ዚሰቕልዋ ኻብ ምግባር ሓሊፉ ብዙሕ ፋይዳ የብሉን

ከምቲ ገሊኦም ሰባት ዝገለጽዎ፡ ኣብ መወዳእታኡ፡ እቲ ምስ ርእሰ ምትእምማን ዚተሓሓዝ ኣተሓሳስባ፡ ንቘልዑ ርእሶም ሰማይ ከም ዚሰቕልዋ፡ እዛ ዓለም ድማ ንዓታቶም ናይ ምግልጋል ግዴታ ኸም ዘለዋ ገይሮም ከም ዚኣምኑ ኻብ ምግባር ሓሊፉ ብዙሕ ፋይዳ ኣይነበሮን። ብዘይካዚ፡ ከምቲ እታ ጀነሬሽን ሚ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝሓበረቶ፡ እቲ ኣተሓሳስባ ንመንእሰያት፡ “ነቲ ዘይተርፍ ነቐፌታን ነቲ ሓድሓደ ሳዕ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ዜጋጥም ፍሽለትን ብግቡእ ኣየዳለዎምን።” ኣብታ መጽሓፍ እተጠቕሰ ሓደ ኣቦ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ኺገብሩ ኣይጽዕሩን እዮም። . . . ኣብቲ እትሰርሓሉ ቤት ጽሕፈት፡ ሕማቕ ጸብጻብ እንተ ኣቕሪብካ፡ ሓላፊኻ፡ ‘ነዚ ዝመረጽካዮ ሕብሪ ወረቐት ፈትየዮ ኣለኹ!’ ኣይብለካን እዩ። ንደቅኻ ጽቡቕ ከም ዚስምዖም እናገበርካ ጥራይ ምዕባይ፡ ኣመና ኺጐድኦም ይኽእል እዩ።”

ዚለዋወጥ ኣረኣእያታት

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ንኣተዓባብያ ውሉዳት ዚምልከት ጕዳይ፡ ኣረኣእያ ደቂ ሰብ በብእዋኑ ዚለዋወጥ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ሮናልድ ሞሪሽ ዝስሙ መምህር፡ “ተግሳጽ በብእዋኑ እዩ ዚቀያየር ዘሎ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ማሕበረ ሰብና ዘሎ ለውጢ ዜርኢ እዩ” በለ። * ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ ወለዲ ብቐሊሉ ‘ብዅሉ ንፋስ ትምህርቲ ኸም ብማዕበል ኪድፍኡን ንየው ነጀው ኪኽብከቡን’ ይኽእሉ እዮም።—ኤፌሶን 4:14

ብንጹር እምበኣር፡ እዚ ሕጂ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ንደቅኻ ብግቡእ ናይ ዘይምግሳጽ ኣተሓሳስባ፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ንስልጣን ወለዲ ኣዳኺምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ውሉዳት ጽቡቕ ምርጫ ንኺገብሩን ኣብ ህይወቶም ናይ ሓቂ ርእሰ ምትእምማን ንኼጥርዩን ዚሕግዞም ስልጠና ኸም ዘይረኽቡ እውን ገይሩ እዩ።

እሞኸ ኻብዚ ዚሓይሽ መገዲ ይህሉዶ ይኸውን፧

^ ሕ.ጽ. 15 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ሰክረትስ ኦቭ ዲስፕሊን፦ 12 ኪስ ፎር ረይዚንግ ሪስፖንሲብል ችልድረን ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።