ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጉስ ስድራ ቤት ኪህልወኒ ይሕግዘኒ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጉስ ስድራ ቤት ኪህልወኒ ይሕግዘኒ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እወ። ገለ ኻብቲ ንሚልዮናት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ስድራ ቤቶም ሓጐስ ኺረኽቡ ዝሓገዘ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ እንሆ፦

  1.   ንመርዓኻ ሕጋዊ ግበሮ። ጽኑዕ ዝዀነ ቓል ኪዳን ዘለዎ ሕጋዊ መርዓ፡ ንሕጉስ ስድራ ቤት መሰረት እዩ።—ማቴዎስ 19:4-6

  2.   ፍቕርን ኣኽብሮትን ኣርኢ። እዚ ድማ ንመጻምድትኻ ኸምቲ ንዓኻ ኺገብሩልካ እትደልዮ ምግባር የጠቓልል።—ማቴዎስ 7:12፣ ኤፌሶን 5:25, 33

  3.   ተሪር ቃላት ኣይትጠቐም። ዋላ እኳ መጻምድትኻ ጐዳኢ ዘረባ እንተ ተዛረበ ወይ ጐዳኢ ተግባር እንተ ገበረ፡ ጥዑም ቃላት ተዛረብ። (ኤፌሶን 4:31, 32) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሳሌ 15:1፡ “ልኡም ምላሽ፡ ነድሪ የህድእ፣ ተሪር ቃል ግና፡ ቍጥዓ የለዓዕል” ይብል።

  4.   ንሓድሕድኩም እሙናት ኩኑ። ፍቕራውን ጾታውን ቈላሕታኻ ንመጻምድትኻ ጥራይ ገበሮ። (ማቴዎስ 5:28) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ ዓራት መውስቦ ኸኣ ዘይረኸሰ ይኹን” ይብል።—እብራውያን 13:4

  5.   ንውሉዳትካ ብፍቕሪ ኣሰልጥኖም። እምብዛ ልምሉም ወይ ተሪር ኣይትኹን።—ምሳሌ 29:15፣ ቈሎሴ 3:21