ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፈትዮም ይመጹ—መክሲኮ

ፈትዮም ይመጹ—መክሲኮ

ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ኼስፍሑ፡ ቀሊል ናብራ ይነብሩ ምህላዎም ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ። (ማቴ. 6:22) እቶም መንእሰያት እንታይ ዓይነት ለውጥታት እዮም ዚገብሩ ዘለዉ፧ እንታይ ዕንቅፋታትከ እዩ ዜጋጥሞም፧ ነዚ ንምፍላጥ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መክሲኮ ዜገልግሉ ዘለዉ ክርስትያናት እስከ ንርአ።

‘ለውጢ ኽንገብር ነበረና’

ዳስቲንን ጄሰን

እቶም ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጹ ዳስቲንን ጄሰን፡ ኣብ ጥሪ 2007 እዮም ተመርዕዮም። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ብጋንጽላ እትንቀሳቐስ ጃልባ ኺዕድጉን ምሉእ ዓመት ኪቕመጡላን ብምኽኣሎም፡ ናይ ነዊሕ እዋን ሕልሞም ተጋህደ። እታ ጃልባኦም ኣብ ጥቓ ኣስቶሪያ፡ ኦሪገን፡ ሕ.መ.ኣ. እያ ነይራ፣ እዚ ቦታ እዚ ኸኣ፡ ካብ ፓሲፊክ ውቅያኖስ ብዙሕ ዘይርሕቕ ኰይኑ፡ ብጫካ ብእተሸፈነ ጎቦታትን ብበረድ ብእተሸፈነ ኣኽራንን እተኸብበ እዩ። ዳስቲን፡ “እቲ ቦታ ብዅሉ ሸነኹ ኣዝዩ ዚማርኽ እዩ ነይሩ” በለ። ዳስቲንን ሰበይቱን፡ ኣብ የሆዋ ብምውካል፡ ቀሊል ናብራ ዚነብሩ ዝነበሩ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም ነይሩ። ‘ኣብ 7.9 ሜተር ዝንውሓታ ጃልባ ንነብርን ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ንሰርሕን ብናይ ወጻኢ ቛንቋ ኣብ እትምራሕ ጉባኤ ንካፈልን ሓሓሊፍና ድማ ሓገዝቲ ፈለምቲ ንኸውንን ካብ ኰንና፡ ቀሊል ናብራ ንነብር ኣለና ማለት እዩ’ ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ገዛእ ርእሶም የዐሽዉ ኸም ዝነበሩ ተገንዘቡ። ዳስቲን፡ “ነታ ጉባኤ ኣብ ክንዲ እንድግፋ፡ መብዛሕትኡ እዋን ንግዜና፡ ንጃልባና ኣብ ምትዕርራይ ኢና እነጥፍኦ ኔርና። ንየሆዋ ብሓቂ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኽንህቦ እንተ ዄንና፡ ለውጢ ኽንገብር ከም ዘሎና ንፈልጥ ነበርና” በለ።

ጄሰ፡ “ቅድሚ ምምርዓውና፡ ኣብ መክሲኮ እየ ዝነብር ነይረ፣ ኣብ ሓንቲ ብእንግሊዝኛ እትምራሕ ጉባኤ ኸኣ እካፈል ነበርኩ። ኣብኡ ምግልጋል ኣዝየ ስለ ዝፈተኽዎ፡ ክምለስ ተሃንጥየ እየ ነይረ” በለት። ዳስቲንን ጄሰን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንምግልጋል ዘለዎም ባህጊ ንምሕያል፡ ኣብ እዋን ኣምልኾ ስድራ ቤት ብዛዕባ እቶም ናብቲ ንዓጺድ ዝጻዕደወ ሃገራት ዝገዓዙ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚገልጽ ታሪኽ ህይወት ኬንብቡ ጀመሩ። (ዮሃ. 4:35) ዳስቲን፡ “ንሕና እውን ከምኡ ዓይነት ሓጐስ ክንረክብ ደለና” በለ። ኣብ መክሲኮ ዚነብሩ ፈተውቶም፡ ሓገዝ ዜድልያ ሓዳስ ጕጅለ ኸም ዘላ ምስ ነገርዎም፡ ናብኡ ንኺግዕዙ ወሰኑ። ንስራሖም ኣቋረጽዎ፣ ነታ ጃልባኦም ሸይጦም ድማ ናብ መክሲኮ ገዓዙ።

“ጠቒሙና እዩ”

ዳስቲንን ጄሰን ኣብታ ኣብ ጥቓ ፓሲፊክ ውቅያኖስ እትርከብ ከተማ ተኮማን ኪነብሩ ጀመሩ፣ እዚ ቦታ እዚ ግና፡ ካብ ኣስቶርያ ብሸነኽ ደቡብ ኣስታት 4,345 ኪሎ ሜተር ርሒቑ እዩ ዚርከብ። ዳስቲን ብዛዕባ ተኮማን ኪገልጽ ከሎ፡ “ዝሑል ኣየር እትረኽበሉን ኣኽራን እትርእየሉን ቦታ ዘይኰነስ፡ ብሓያል ሃሩር እትጥጠቐሉን ተኽሊ ለሚን ጥራይ እትርእየሉን ቦታ እዩ” በለ። ኣብ ፈለማ፡ ዳስቲንን ሰበይቱን ስራሕ ኪረኽቡ ኣይከኣሉን። ገንዘብ ስለ ዝወሓዶም ድማ፡ ንሰሙናት ዚኸውን ኣብ መዓልቲ ኽልተ ሳዕ ሩዝን ባልደንጓን ይበልዑ ነበሩ። ጄሰ፡ “እቲ እንበልዖ ዝነበርና ነገራት ምስ ተመነወና፡ እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ዝነበርና ሰባት፡ ማንጉስን ባናናን ፓፓዮን፡ ዘንቢል ምሉእ ለሚንን ኪህቡና ጀመሩ” በለት። ድሕሪ ግዜ፡ ዳስቲንን ሰበይቱን ኣብ ሓደ ብኢንተርነት ኣቢሉ ቛንቋ ዚምህር ኣብ ታይዋን ዚርከብ ትካል ስራሕ ረኸቡ። ደሞዞም ከኣ ነቲ መዓልታዊ ዜድልዮም ነገራት ይሽፍነሎም እዩ።

እሞኸ ዳስቲንን ጄሰን ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ናብራኦም እንታይ ተሰምዖም፧ ከምዚ በሉ፦ “ናብዚ ቦታ እዚ ምግዓዝና ጠቒሙና እዩ። ምስ የሆዋን ኣብ ንሓድሕድናን ዘሎና ርክብ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ደልዲሉ እዩ። በብመዓልቱ ብሓባር ኴንና ብዙሕ ነገራት ኢና እንገብር፣ ናብ ኣገልግሎት ንኸይድ፡ ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ብኸመይ ከም እንሕግዞም ንመያየጥ፡ ንጉባኤ ድማ ንዳሎ። ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበረና ጸቕጢ ኸኣ ናጻ ኢና።” ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፡ “ሕጂ ንሓቅነት እቲ ኣብ መዝሙር 34:8 ዚርከብ፡ ‘እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን’ ዚብል መብጽዓ ምሉእ ብምሉእ ተረዲእናዮ ኢና” በሉ።

ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ወለንተኛታት ዓየይቲ ዘለዓዓሎም እንታይ እዩ፧

ኣብ 20ታትን 30ታትን ዕድሚኦም ዚርከቡ ልዕሊ 2,900 ዝዀኑ እተመርዓዉን ዘይተመርዓዉን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብቲ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ንምግልጋል ግዒዞም እዮም። እዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚኦም፡ ነቲ በዳሂ ዕዮ ንኺዓይዩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ እዚ ሕቶ እዚ ምስ ቀረበሎም፡ ሰለስተ ቐንዲ ምኽንያት ጠቐሱ። እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

ለቲስያን ኢርሚሎን

ንየሆዋን ንብጻዮምን ዘላቶም ፍቕሪ። ለቲስያ ጓል 18 ዓመት ከላ እያ ተጠሚቓ። ከምዚ በለት፦ “ርእሰይ ንየሆዋ ኽውፊ ኸለኹ፡ ንዕኡ ብምሉእ ልበይን ብምሉእ ነፍሰይን ከገልግሎ ኸም ዘሎኒ ይርድኣኒ ነበረ። ስለዚ፡ ነታ ንየሆዋ ዘላትኒ ኻብ ልቢ ዝመንጨወት ፍቕሪ ምእንቲ ኸርኢ፡ ንግዜይን ንጕልበተይን ኣብ ኣገልግሎቱ ኸውዕሎ ደለኹ።” (ማር. 12:30) እቲ ሰብኣይ ለቲስያ ዝዀነ ኢርሚሎ፡ ናብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኺግዕዝ ከሎ፡ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ እዩ ነይሩ። “ንሰባት ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት ንኼማልኡ ምሕጋዝ፡ ንብጻየይ ዘላትኒ ፍቕሪ ኸርእየሉ ዝኽእል ዝበለጸ መገዲ ምዃኑ ተገንዘብኩ” ድማ በለ። (ማር. 12:31) ስለዚ፡ ነቲ ኣብታ ብልጽግቲ ኸተማ ዝዀነት ሞንተሬይ ዝሰርሖ ዝነበረ ናይ ባንክ ስራሕን ነቲ ምሹእ መነባብሮኡን ሓዲጉ፡ ናብ ንእሽቶ ኸተማ ገዓዘ።

ኢስሊ

ናይ ሓቅን ነባርን ሓጐስ ንምርካብ ዘለዎም ድሌት። ለቲስያ ኻብ እትጥመቕ ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ንሓንቲ ምክርቲ ፈላሚት ሓብቲ ኣሰንያታ ናብ ሓንቲ ግልልቲ ኸተማ ከደት፣ ኣብኡ ኸኣ ንሓደ ወርሒ ኣገልገላ። ለቲስያ ብዛዕባኡ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ ከምዚ በለት፦ “ኣዝየ እየ ተገሪመ። እቶም ህዝቢ ነቲ እነካፍሎም ዝነበርና መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚህብዎ ዝነበሩ ጽቡቕ ምላሽ ኣዝዩ ኣሐጒሱኒ እዩ። ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ፡ ‘ኣብ ህይወተይ ነዚ ዕዮ እዚ እየ ኽዓዪ ዝደሊ’ ኢለ ሓሰብኩ።” እታ ኣብ 20ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኢስሊ እውን፡ ኣብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ንኸተገልግል ዝደረኻ፡ እቲ ዝረኣየቶ ሓጐስ እዩ ነይሩ። ገና ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸላ፡ ኣብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ምስ ዘገልገሉ ሓያሎ ቐናኣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት። “ነቲ ኣብ ገጽ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ዚንበብ ዝነበረ ሓጐስ ምስ ረኣኽዎ፡ ኣነ እውን ከምቲ ናታቶም ዓይነት ህይወት ክህልወኒ ደለኹ” በለት። ብዙሓት ኣሓት፡ ምስ ናይ ኢስሊ ዚመሳሰል ምላሽ እየን ሂበን። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ መክሲኮ ልዕሊ 680 ዝዀና ንጽል ኣሓት ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት የገልግላ ኣለዋ። እዘን ኣሓት እዚአን፡ ንዓበይትን ንንኣሽቱን ከመይ ዝኣመሰለ ሰናይ ኣብነት ኰን እየን ዚዀናኦም!

ዕላማ ዘለዎን ዜዕግብን ህይወት ንምንባር ዘለዎም ባህጊ። ኢስሊ ኻልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምስ ወድአት፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ብናጻ ንኽትምሃር ዜኽእላ ኣጋጣሚ ረኸበት። መሳቱኣ ነቲ ኣጋጣሚ ኽትጥቀመሉን “ንቡር ህይወት” ክትነብርን፡ ማለት ዲግሪ ኽትሕዝን ስራሕ ክትሰርሕን ማኪና ኽትዕድግን ናብ እተፈላለየ ቦታታት ክትዛወርን ኣተባብዕዋ። ንሳ ግና ነቲ ምኽሮም ኣይተቐበለቶን። ከምዚ በለት፦ “ሓያሎ ኻብቶም ክርስትያናት ፈተውተይ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ነገራት ይስዕብዎ ነይሮም እዮም፣ ንመንፈሳዊ ሸቶታት ከኣ ቀዳምነት ኣይህብዎን እዮም ነይሮም። ብሰንኪ እዚ፡ ኣብ ጕዳያት እዛ ዓለም እዚኣ እናጠሓሉ ስለ ዝኸዱ፡ ብብዙሕ ጸገማት ኪበሳጨዉ ኸለዉ ርእየዮም እየ። ኣነ ግና ንንእስነተይ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምግልጋል ከውዕሎ እየ ዝደሊ።”

ራኬልን ፊሊፕን

ኢስሊ ፈላሚት ኰይና እናኣገልገለት ገዛእ ርእሳ ብገንዘብ ክትድግፍ ዜኽእላ ስራሕ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ተወሳኺ ስልጠናታት ወሰደት፣ ድሕሪኡ ናብቲ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብህጹጽ ዜድልዩሉ ቦታ ገዓዘት። ነቲ በቶም ደቀባት ዚዝረብ ኦቶሚትላፓኒኮን ዚብሃል ቋንቋታት እውን ተማህረቶ። ሕጂ ነቲ ኣብቲ ግሉል ቦታታት ንሰለስተ ዓመት ዘሕለፈቶ እዋን ምልስ ኢላ ኽትርእዮ ኸላ፡ “ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ምግልጋል፡ ዕግበት ኣምጺኡለይን ንህይወተይ ናይ ሓቂ ትርጕም ከም ዚህልዋ ገይሩን እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ኣዕሚቝዎ እዩ” በለት። ኣብ መጀመርታ 30ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ኻብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጹ ፊሊፕን ራኬልን፡ ምስቲ ኢስሊ ዝበለቶ ይሰማምዑ እዮም። ከምዚ በሉ፦ “ዓለምና ብቕልጡፍ ትቕየር ስለ ዘላ፡ ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ዘይተረጋግአ ዀይኑ ይስምዖም። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰምዑሉ ቦታታት ምግልጋልና፡ ህይወትና ትርጕም ከም ዚህልዋ ገይሩ እዩ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዜዕግብ እዩ።”

ንጸገማት ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ቨሮኒካ

ኣብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ምግልጋል፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸገማት ከም ዘለዎ ዚከሓድ ኣይኰነን። ሓደ ኻብኡ፡ ንገዛእ ርእስኻ ብገንዘብ እትድግፈሉ መገዲ እዩ። ከምኡ ንምግባር፡ ከም ህዝብኻ ንምዃን ፍቓደኛ ኽትከውን ኣሎካ። ሓንቲ ቨሮኒካ ዝስማ ምክርቲ ፈላሚት፡ “ኣብቲ ሓደ ኻብቲ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ ቦታ፡ ትሑት ዝዋጋኡ ምግቢ ኣዳልየ እሸይጥ ነበርኩ። ኣብ ካልእ ቦታ ኸኣ፡ ክዳውንቲ እሸይጥን ጸጕሪ እቕምቅምን ነበርኩ። ሕጂ ኸኣ ገዛ ኣብ ምጽራይ እሰርሕ ከምኡውን ንሓደስቲ ወለዲ ብኸመይ ምስ ደቆም ከም ዚዘራረቡ እምህሮም ኣለኹ” በለት።

ኣብ ግሉል ቦታ ምስ ዚነብሩ ደቀባት ክትነብር ከለኻ፡ ነቲ ኻብ ናትካ እተፈልየ ባህሎምን ልምድታቶምን ምልማድ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ፊሊፕን ራኬልን ኣብቲ ቛንቋ ናዋትል ዚዝረበሉ ኽሊ ኼገልግሉ ኸለዉ፡ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎም። ፊሊፕ፡ “እቲ ባህላዊ ፍልልይ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ ነይሩ” በለ። እሞኸ ኣረኣእያኦም ንኼተዓራርዩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ፊሊፕ፡ “ኣብቲ ህዝቢ ናዋትል ዘለዎም ኣወንታዊ ጐድኒ፡ ማለት ኣብቲ ኣብ መንጎ ስድራ ቤቶም ዚርአ ቕርርብ፡ ኣብቲ ንሓድሕዶም ኣብ ዘለዎም ርክብ ዜርእይዎ ቕንዕና፡ ከምኡውን ኣብ ልግስናኦም ከነተኵር ጀመርና” በለ። ራኬል እውን ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ናብራናን ኣብ ጐድኒ እቶም ደቀባት ዝዀኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምግልጋልናን ብዙሕ ምሂሩና እዩ” በለት።

ንገዛእ ርእስኻ እተዳልወሉ መገዲ

ኣብቲ ሓገዝ ዜድልየሉ ግሉል ቦታታት ከተገልግል እንተ ደሊኻ፡ ሕጂ ንገዛእ ርእስኻ ንምድላው እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ዘገልገሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝገለጽዎ፡ ቅድሚ ምግዓዝካ፡ ቀሊል ናብራ እትነብርን በቲ ዘሎካ እትዓግብን ክትከውን ኣሎካ። (ፊል. 4:11, 12) ካልእከ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ለቲስያ፡ “ኣብ ሓደ ቦታ ንነዊሕ እዋን ከም ዝጸንሕ ዚገብረኒ ዓይነት ስራሕ ኣይመርጽን እየ። ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋንን ናብ ዝደለኽዎ ቦታን ክግዕዝ እየ ዝደሊ” በለት። ኢርሚሎ፡ “ምግቢ ምኽሻንን ክዳውንቲ ምሕጻብን ምስትራርን ተማሂረ እየ” በለ። ቨሮኒካ እውን፡ “ምስ ወለደይን ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብ ገዛ ኽነብር ከለኹ፡ ገዛ ኣብ ምጽርራይ እሕግዝ ነበርኩ፣ ትሑት ዝዋጋኡ ግናኸ ጥዑይ ምግቢ ምኽሻን ድማ ተማሂረ እየ። ብኸመይ ከም ዝቝጥብ እውን ተማሂረ እየ” በለት።

ኣሚልያን ሊቫይን

እቶም ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጹን ካብ ዝምርዓዉ ሸሞንተ ዓመት ዝገበሩን ሊቫይን ኣሚልያን፡ ብዛዕባ ዜድልየካ ነገራት ፈሊኻ ምጽላይ፡ ኣብ መክሲኮ ንኼገልግሉ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ተመክሮኦም ኣዘንትዮም ነበሩ። ሊቫይ፡ “ንሓደ ዓመት ኣብ ወጻኢ ሃገር ንምግልጋል ክንደይ ዚኸውን ገንዘብ ከም ዜድልየና መዲብና ነበርና፣ ሽዑ፡ ነተን ገንዘብ እቲአን ምእንቲ ኺህበና፡ ናብ የሆዋ ጸሊና” በለ። ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ፡ ሊቫይን ኣሚልያን ክንድቲ ኣብ ጸሎቶም ዝጠቐስዎ መጠን ገንዘብ ኬዋህልሉ ኸኣሉ፣ ከይተደናጐዩ ድማ ገዓዙ። ሊቫይ፡ “የሆዋ ነቲ ፈሊና ዘቕረብናዮ ጸሎት ካብ ሰምዖ፡ ንሕና ድማ ግደና ኽንገብር ነበረና” በለ። ኣሚልያ እውን ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ሓደ ዓመት ጥራይ እንገብር እዩ መሲሉና ነይሩ፡ ሕጂ ግና ሸውዓተ ዓመት ጌርና ኣለና፣ ካብዚ ቦታ እዚ ኽንከይድ ድማ ኣይንደልን ኢና። ኣብዚ ቦታ እዚ ንነብር ሳላ ዘለና፡ ንሓገዝ የሆዋ ኽንምከሮ ኽኢልና ኢና። በብመዓልቱ ሕያውነት የሆዋ ንርኢ ኢና” በለት።

ኣዳምን ጀኒፈርን

ነቶም ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጹን ኣብቲ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ እንግሊዝኛ ዚዝረበሉ ኽሊ ዜገልግሉን ኣዳምን ጀኒፈርን፡ ጸሎት ኣዝዩ ሓጊዝዎም እዩ። ከምዚ ዚብል ምኽሪ ሃቡ፦ “ፍጹም ኵነታት ኬጋጥመካ ኽትጽበ የብልካን። ብዛዕባ እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኸተገልግል ዘሎካ ባህጊ ብትግሃት ጸሊ፣ ድሕሪኡ፡ ምስ ጸሎትካ ዚሰማማዕ ስጕምቲ ውሰድ። ንናብራኻ ቐሊል ግበሮ፣ ኣብቲ ኸተገልግለሉ እትደሊ ሃገር ናብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጽሓፍ፣ ድሕሪኡ፡ ወጻኢታትካ ጸብጺብካ ናብቲ ቦታ ግዓዝ።” * ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ዜሐጕስን ብመንፈስ ዝበልጸገን ህይወት ኪህልወካ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 21 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ናይ ነሓሰ 2011 ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸት፡ “‘ናብ መቄዶንያ ኽትሓልፍ’ ትኽእልዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።