ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ ምድላው ካብ እተገብረሉ ጸሎት ዚርከብ ትምህርቲ

ጽቡቕ ምድላው ካብ እተገብረሉ ጸሎት ዚርከብ ትምህርቲ

“እቲ . . . ኽቡር ስምካ ይባረኽ።”—ነህ. 9:5

1. ነየናይ ህዝቢ ኣምላኽ ዝገበርዎ ኣኼባ ኢና ኽንምርምር፡ እዚኸ እንታይ ሕቶታት እዩ ዜበግስ፧

“ተንስኡ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ባርኹ።” ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ በዘን ቃላት እዚአን ተለዓዒሎም፡ ብሓድነት ንኺጽልዩ ተኣከቡ። እዚ ጸሎት እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ነዊሕ ጸሎታት እዩ። (ነህ. 9:4, 5) እቲ ኣኼባ ብ455 ቅ.ክ. ኣብታ ብኣቈጻጽራ ኣይሁድ ሻውዐይቲ ወርሒ ዝዀነት ወርሒ ቲሽሪ፡ ኣብ መበል 24 መዓልቲ እዩ ተገይሩ። ናብታ ፍልይቲ መዓልቲ እቲኣ ዝመርሐ ፍጻመታት እንታይ ምዃኑ ኽንምርምር ኢና፣ ንርእስኻ ድማ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘እቲ ኣጋጣሚ እቲ ዕዉት ንኪኸውን ኣበርክቶ ዝገበረ እንታይ ጽቡቕ ልማድ እዩ፧ ካብዚ ጽቡቕ ምድላው እተገብረሉ ጸሎት እንታይ ካልእ ትምህርቲ እየ ኽረክብ ዝኽእል፧’—መዝ. 141:2

ፍልይቲ ወርሒ

2. እስራኤላውያን ኣብቲ ደድሕሪ ህንጸት መካበብያ የሩሳሌም ዝገበርዎ ኣኼባ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዮም ገዲፎምልና፧

2 ኣይሁድ ንህንጸት መካበብያ የሩሳሌም፡ ካብቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣኼባ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሞም ፈጺሞምዎ ነበሩ። (ነህ. 6:15) ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ዕዮ እቲ ብ52 መዓልቲ እዮም ፈጺሞምዎ። ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ መንፈሳውነቶም ፍሉይ ኣቓልቦ ኺገብሩ ጀመሩ። ስለዚ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ሓዳስ ወርሒ ቲሽሪ፡ እዝራ ምስ ካልኦት ሌዋውያን ኰይኑ ሕጊ ኣምላኽ ዓው ኢሉ ኼንብበሎምን ኪገልጸሎምን ከሎ ንኺሰምዕዎ ኣብ ኣደባባይ ተኣከቡ። ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤታት፡ እንተላይ “ምስትውዓል ዘለዎም ኵላቶም፡” “ካብ ዚበርህ ጀሚሩ ኸኣ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ” ደው ኢሎም ይሰምዑ ነበሩ። እዝስ፡ ነቶም ሎሚ ኣብ ምሹእ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣኼባታት እንገብር ኣሕዋትን ኣሓትን ኣየ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ! ይኹን እምበር፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ሓድሓደ ግዜ ኣእምሮኻ ስለ ዚህውትት፡ ብዙሕ ኣገዳስነት ብዛዕባ ዘይብሉ ነገራት ክትሓስብ ትጅምር ዲኻ፧ ከምዚ ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ እቶም ጥንታውያን እስራኤላውያን ዝገደፍዎ ኣብነት እንደገና መርምሮ። ንሳቶም ጽን ኢሎም ኣብ ርእሲ ምስማዖም፡ ነቲ ዝሰምዕዎ ኣብ ልቦም ስለ ዘሕደርዎ፡ ብደረጃ ህዝቢ ሕግታት ኣምላኽ ብዘይምሕላዎም በኽዮም እዮም።—ነህ. 8:1-9

3. እስራኤላውያን እንታይ መምርሒ እዮም ተኣዚዞም፧

3 ዚግበረሉ እዋን ኣይኰነን ነይሩ። እታ መዓልቲ እቲኣ በዓል ስለ ዝነበረት፡ ኣብ ኣምልኾ የሆዋ መዓልቲ ሓጐስ እያ ነይራ። (ዘሁ. 29:1) ስለዚ፡ ነህምያ ነቶም ህዝቢ፡ “ኪዱ ዝሰብሔ ብልዑ፡ ዝጠዐመ ድማ ስተዩ፡ ነቶም ዜብሎም ከኣ ግዲኦም ስደዱሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና እተቐደሰት እያ እሞ፡ ሓጐስ እግዚኣብሄር ሓይልኹም እዩ እሞ፡ ኣይትጕሀዩ” በሎም። እቲ ዜሕጕስ ከኣ እቶም ህዝቢ ተኣዘዙ፡ እታ መዓልቲ ድማ መዓልቲ “ዓብዪ ሓጐስ” ኰነት።—ነህ. 8:10-12

4. እስራኤላውያን ርእስታት ስድራ ቤት እንታይ እዮም ገይሮም፧ ኣገዳሲ መዳይ እቲ ዘብዓልዎ በዓል ዳስከ እንታይ እዩ ነይሩ፧

4 ንጽብሒቱ ድማ፡ ርእስታት ስድራ ቤት፡ እቲ ህዝቢ ንሕጊ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ጠቢቑ ኺሕሉ ኸም ዚኽእል ንኼረጋግጹ ተኣከቡ። ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ኣጽንዑ፡ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ዝዀነት ወርሒ ቲሽሪ፡ ነቲ ኻብ መበል 15 ጀሚሩ ኽሳዕ መበል 22 መዓልቲ እታ ወርሒ እቲኣ ዚጸንሕ በዓል ዳስን ነቲ ቕዱስ ኣኼባን ከም እተጠቓልል ተረድኡ እሞ፡ ምድላዋት ኪገብሩ ጀመሩ። እዚ ኻብ ግዜ እያሱ ንነጀው ካብ እተገብረ በዓላት ዳስ፡ እቲ ዝያዳ ዕዉት በዓል ዳስ እዩ ነይሩ፡ “ኣዝዩ ዓብዪ ሓጐስ” እውን ኰነ። “ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ድማ መመዓልቲ” ሕጊ ኣምላኽ ነቲ ህዝቢ ተነብበ፣ እዚ ኣገዳሲ መዳይ እቲ በዓል እዩ ነይሩ።—ነህ. 8:13-18

መዓልቲ ኑዛዜ

5. ሌዋውያን ንህዝቢ ኣምላኽ ወኪሎም ጽቡቕ ምድላው እተገብረሉ ጸሎት ቀቅድሚ ምቕራቦም፡ እቶም ህዝቢ እንታይ እዮም ገይሮም፧

5 ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ድማ፡ እስራኤላውያን ሕጊ ኣምላኽ ብዘይምሕላዎም ንዝገበርዎ ሓጢኣት ህዝባዊ ኑዛዜ ገበሩ። እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ በዓል ኣይነበረትን። ስለዚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ጾሙ፡ ከሊ ድማ ተኸድኑ፣ እዚ ምልክት ሓዘን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ እውን፡ ንግሆ ንሰለስተ ሰዓት ዚኣክል ነቶም ህዝቢ ሕጊ ኣምላኽ ተነብበሎም። ድሕሪ ቐትሪ፡ “ተናዘዙ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከኣ ሰገዱሉ።” ድሕሪኡ፡ ሌዋውያን ነቲ ህዝቢ ወኪሎም፡ ጽቡቕ ምድላው እተገብረሉ ጸሎት ኣቕረቡ። —ነህ. 9:1-4

6. ሌዋውያን ትርጕም ዘለዎ ጸሎት ንኬቕርቡ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ካብኡኸ እንታይ ንመሃር፧

6 ሌዋውያን ንሕጊ ኣምላኽ ደጋጊሞም ምንባቦም፡ ትርጕም ዘለዎ ጸሎት ንኬቕርቡ ኸም ዝሓገዞም ፍሉጥ እዩ። እተን ቀዳሞት ዓሰርተ ፍቕድታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ተግባራትን ባህርያትን የሆዋ እየን ዜተኵራ። ኣብቲ ዝተረፈ ኽፋል እቲ ጸሎት፡ “ብዝሒ ምሕረት” ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ጐሊሑ ኣሎ፣ ምስኡ እውን እስራኤላውያን ከምኡ ዓይነት ምሕረት ንኺግበረሎም ብቑዓት ከም ዘይነበሩ ብንጹር ተጠቒሱ ኣሎ። (ነህ. 9:19, 27, 28, 31) ንሕና እውን ነዊሕ ጸሎት ቅድሚ ምቕራብና፡ ከምቲ ሌዋውያን ዝገበርዎ ኣብ መመዓልቲ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ብምስትንታን የሆዋ ኺዛረበና ንፈቕደሉ እንተ ዄንና፡ እቲ እነቕርቦ ጸሎት ባህ ዜብልን ትርጕም ዘለዎን ኪኸውን እዩ።—መዝ. 1:1, 2

7. ሌዋውያን ንኣምላኽ እንታይ እዮም ለሚኖምዎ፧ ካብዚኸ እንታይ ንመሃር፧

7 ኣብቲ ጸሎት እቲ ሓደ ብትሕትና ዝቐረበ ልመና ጥራይ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ፍቕዲ 32 ድማ እዩ ዚርከብ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ሕጂ ድማ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፡ ዓብይን ብርቱዕን መፍርህን ኣምላኽ፡ እቲ ንኣና፡ ንነገስታትና፡ ንሓላቑናን ንኻህናትናን ንነብያትናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽቶ ዀይኑ ኣይረኤኻ።” ስለዚ፡ ኣብ ጸሎትና ብሕታዊ ልመና ቕድሚ ምቕራብና፡ መጀመርታ ንየሆዋ ኽንውድሶን ከነመስግኖን ከም ዚግባእ፡ ሌዋውያን ጽቡቕ ኣብነት እዮም ገዲፎምልና።

ነቲ ኽቡር ስም ኣምላኽ ምውዳስ

8, 9. (ሀ) ሌዋውያን ንጸሎቶም ብኸመይ ዝበለ ትሕትና ዚንጸባረቐሉ መገዲ እዮም ጀሚሮምዎ፧ (ለ) ሌዋውያን ነየኖት ክልተ ሰማያውያን ሰራዊት እዮም ዜመልክቱ ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

8 እቶም ሌዋውያን፡ ሽሕ እኳ ጸሎቶም ጽቡቕ ምድላው እተገብረሉ እንተ ነበረ፡ ትሑታት ስለ ዝነበሩ ንየሆዋ ኸምቲ ዚድለ ገይሮም ምሉእ ብምሉእ ንኺውድስዎ ዜኽእል ቃላት ከም ዘይብሎም ኰይኑ ተሰምዖም። ስለዚ፡ ንጸሎቶም፡ “እቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኸትን ምስጋናን ክብ ዝበለ ኽቡር ስምካ ይባረኽ” ብዚብል ትሕትና ዚንጸባረቐሉ ቓላት እዩ ዚጅምር።—ነህ. 9:5

9 እቲ ጸሎት ቀጺሉ፡ “ንስኻ፡ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቱን፡ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ፈጠርካዮ፡ ነዚ ዅሉ ብህይወት እተንብሮ ኸኣ ንስኻ ኢኻ። ሰራዊት ሰማይ ድማ ይሰግዱልካ” ይብል። (ነህ. 9:6) እወ፡ ንዅሉ እቲ በቶም ማእለያ ዘይብሎም፡ ነፍሲ ወከፎም ድማ ቍጽሪ ዘይብሎም ከዋኽብቲ ዝሓቘፉ ጋላክስታት ዝቘመ ዩኒቨርስ ዝፈጠሮ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ካልእ ዜገርም ከኣ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ኣብዛ ውቅብቲ ምድርና ዘሎ ነገራት እውን ፈጢሩ እዩ። እዛ ምድሪ እዚኣ፡ ነቲ እናተፋረየ ዚነብር ኣዝዩ ዜገርም ዝዀነ እተፈላለየ ዓይነት ህይወት ኬዐንግል ዚኽእል ዜደንቕ ዓቕሚ ኣለዋ። እዚ ዅሉ ኺፍጠር ከሎ ዚርእዩ ዝነበሩ፡ “ሰራዊት ሰማይ” ተባሂሎም ኪጽውዑ ዚኽእሉ ቕዱሳት መላእኽቲ ኣምላኽ እውን ነይሮም እዮም። (1 ነገ. 22:19፣ እዮ. 38:4, 7) ብዘይካዚ፡ መላእኽቲ “ነቶም ድሕነት ዚወርሱ” ሓጥኣን ደቂ ሰብ ብምግልጋል፡ ብትሕትና ፍቓድ ኣምላኽ ይገብሩ እዮም። (እብ. 1:14) እዞም መላእኽቲ እዚኦም፡ ንየሆዋ ኸም ሓደ ጽቡቕ ስልጠና ዝረኸበ ሰራዊት ኴንና ብሓድነት ከነገልግሎ ኸለና ኺጠቕመና ዚኽእል ኣየ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዮም ገዲፎምልና!—1 ቈረ. 14:33, 40

10. ካብቲ ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ዝገበሮ ርክብ እንታይ ንመሃር፧

10 እቶም ሌዋውያን ቀጺሎም፡ ኣብቲ የሆዋ ምስ ኣብራም ዝገበሮ ርክብ እዮም ኣተኲሮም። ኣብራም ወዲ 99 ዓመት እኳ እንተ ነበረ፡ ካብታ መኻን ዝነበረት ሰበይቱ ሳራይ ሓደ ቘልዓ እውን ይኹን ኣይወለደን ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ የሆዋ ንኣብራም ስሙ ናብ ኣብርሃም ዝቐየረሉ። ትርጕሙ ድማ፡ “ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት” ማለት እዩ። (ዘፍ. 17:1-6, 15, 16) ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘርኡ ንምድሪ ኸነኣን ከም ዚወርሱ እውን ተመባጺዑሉ ነይሩ እዩ። ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ እተመባጽዕዎ ይርስዑ እዮም፣ የሆዋ ግና ኣይርስዕን እዩ። እቶም ሌዋውያን ኣብ ጸሎቶም ከምዚ ብምባል ጠቐሱ፦ “ኣታ ንኣብራም ዝሐሬኻ፡ ኻብ ኡር ሃገር ከለዳውያን ኣውጺእካ፡ ስሙ ድማ ኣብርሃም ዝሰሜኻዮ፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢኻ። ልቡውን ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኰይኑ ረኸብካዮ፡ ድማ ምድሪ ከነኣናውያን፡ . . . ንዘርኡ ኽትህቦ፡ ምስኡ ኺዳን አቶኻ። ንስኻ ጻድቕ ስለ ዝዀንካ ኸኣ፡ እቲ ቓልካ ኣቘምካዮ።” (ነህ. 9:7, 8) ንሕና እውን ወትሩ ቓልና ንኽንሕሉ ብምጽዓር ነቲ ጻድቕ ኣምላኽ ንምሰሎ።—ማቴ. 5:37

ዜደንቕ ተግባራት የሆዋ

11, 12. ስም የሆዋ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎን ኣብቲ ኣምላኽ ምስ ዘርኢ ኣብርሃም ዝገበሮ ርክብ ብኸመይ ከም እተገልጸን ኣብርህ።

11 እቲ የሆዋ ዚብል ስም፡ “ዚኸውን” ማለት ኪኸውን ከሎ፡ ኣምላኽ፡ በቲ ቐጻሊ ተግባራቱ ኣቢሉ መብጽዓታቱ ኸም ዚፍጸም ወይ ከምቲ ዝደለዮ ኸም ዚኸውን ኪገብር ከም ዚኽእል የመልክት። እዚ ኸኣ ኣብቲ ዘርኢ ኣብርሃም ባሮት ግብጻውያን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣምላኽ ምሳታቶም ዝገበሮ ርክብ ተገሊጹ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ህዝቢ ብምሉኡ ኻብ ባርነት ናጻ ወጺኡ፡ ኣብ ምድሪ ተስፋ ኺነብር ዘይከኣል እዩ ዚመስል ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ እተፈላለየ ቐጻሊ ስጕምትታት ብምውሳድ፡ መብጽዓታቱ ኸም ዚፍጸም ገይሩ እዩ፣ በዚ ድማ በቲ የሆዋ ዚብል ፍሉይን ክቡርን ስም ኪጽዋዕ ዚበቅዕ ኣምላኽ ምዃኑ ኣርኣየ።

12 እቲ ነህምያ ዝመዝገቦ ጸሎት ብዛዕባ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ግብጺ ድማ ጸበባ ኣቦታትና ርኤኻ፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ኸኣ ኣውያቶም ሰማዕካ። ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵሎም ገላዉኡን ኣብ ኵሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ተኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከኣ ዝገፍዕዎምሲ ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻ ስም ኣስሜኻ። ነቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ቅድሚኦም መቐልካዮ፡ ብማእከል ባሕሪ ኸኣ ብንቑጽ ሐለፉ። ነቶም ዚስዕብዎም ግና ከም እምኒ ኣብ ብዙሕ ማይ ኣብቲ መዓሙቝ ደርቤኻዮም።” እቲ ጸሎት ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝገበረሎም ነገራት ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ከነኣናውያን ኣብ ቅድሚኦም አጥቃዕካዮም። . . . እተዐርዳ ኸተማታትን ረጒድ ምድርን ከኣ ሐዙ። ኵሉ ጽቡቕ ነገር ዝመልኣ ኣባይትን እተዃዕተ ሓጽብታትን ወይንታትን ኣዋልዕን ብዙሕ ፈራዪ ኣእዋምን ድማ ወረሱ እሞ በቲ ዓብዪ ለውሃትካ በልዑን ጸገቡን ሰብሑን ተሐጐሱን።”—ነህ. 9:9-11, 24, 25

13. የሆዋ ንእስራኤላውያን ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ነገራት ዝሃቦም ብኸመይ እዩ፧ እቶም ህዝቢ ግና ነዚ ብኸመይ ተቐበልዎ፧

13 ኣምላኽ ዕላማኡ ንኺፍጽም ኢሉ ቐጻሊ ዝዀነ ሓያሎ ኻልእ ስጕምትታት እውን ወሲዱ እዩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሆዋ ንመንፈሳውነቶም ዜድልዮም ነገራት ሂብዎም እዩ። እቶም ሌዋውያን ኣብቲ ናብ ኣምላኽ ዘቕረብዎ ጸሎት፡ “ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና ኸኣ ወረድካ፡ ካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮም። ቅኑዕ ፍርድታትን ሓቀኛ ሕጋጋትን ጽቡቕ ሕጋጋትን ትእዛዛትን ከኣ ሀብካዮም” በሉ። (ነህ. 9:13) የሆዋ ንህዝቡ፡ ከም ወረስቲ ምድሪ ተስፋ መጠን ብቑዓት ጸወርቲ እቲ ቕዱስ ስሙ ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ ኺምህሮም ጽዒሩ እዩ። ንሳቶም ግና ነቲ እተመሃርዎ ጽቡቕ ነገራት ረስዕዎ።—ነህምያ 9:16-18 ኣንብብ።

ኣድላይነት ተግሳጽ

14, 15. (ሀ) የሆዋ ነቶም ሓጥኣን ህዝቡ ብምሕረቱ ተደሪኹ ዚሓልየሎም ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ ኣምላኽ ምስቶም ሕሩያት ህዝቡ ዝገበሮ ርክብ እንታይ ንመሃር፧

14 እቲ ሌዋውያን ዘቕረብዎ ጸሎት ንኽልተ ዓይነት ፍሉይ ሓጢኣት እስራኤላውያን ይጠቅስ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ከረን ሲና ሕጊ ኣምላኽ ኪሕልዉ ድሕሪ ምስምማዖም ነዊሕ ከይጸንሑ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት እዩ። በዚ ሓጢኣት እዚ፡ ኪሞቱ እዩ ዚግብኦም ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብቲ ጸሎት፡ “ንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ ኣብ በረኻ ኣይሐደግካዮምን፡ . . . ገለ ኸየጕደልካ፡ ኣርብዓ ዓመት መገብካዮም። ክዳውንቶምውን ኣይአረገን፡ ኣእጋሮም ድማ ኣይሐበጠን” ብዚብል ተወዲሱ ኣሎ። (ነህ. 9:19, 21) ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ብተኣማንነት ንኸነገልግሎ ዜድልየና ዘበለ ነገራት ይህበና እዩ። ስለዚ፡ ከምቶም ብዘይምእዛዞምን እምነት ብምጕዳሎምን ኣብ በረኻ ዝሞቱ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ እስራኤላውያን ኣይንኹን። እኳ ደኣ፡ እዚ ነገራት እዚ፡ “ንዓና እቲ መወዳእታ ስርዓት ዓለም ንዘርከበና እውን ንመጠንቀቕታ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ።”—1 ቈረ. 10:1-11

15 እቲ ዜሕዝን ድማ፡ እስራኤላውያን ምድሪ ተስፋ ምስ ወረሱ እውን ነቲ ርኽሰትን ቅትለትን ዚንጸባረቐሉ ኣምልኾ ኸነኣናውያን ተቐበልዎ። ስለዚ የሆዋ እቶም ሕሩያት ህዝቡ በቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝብታት ንኺጭቈኑ ፈቐደ። ኪንስሑ ኸለዉ ኸኣ ብምሕረቱ ተደሪኹ ይቕረ ይብለሎምን ካብ ጸላእቶም የናግፎምን ነበረ። እዚ “ብዙሕ ሳዕ” እዩ ተፈጺሙ። (ነህምያ 9:26-28, 31 ኣንብብ።) ሌዋውያን ከምዚ ብምባል ተናዘዙ፦ “ብዙሕ ዓመታት ድማ ተዐገስካዮም፡ ነብያትካ ጌርካ ኸኣ ብመንፈስካ መዐድካዮም፡ ኣእዛኖም ግና ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ህዝብታት ሃገራት ኣሕሊፍካ ሀብካዮም።”—ነህ. 9:30

16, 17. (ሀ) እቲ እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ምስ ተመልሱ ዝነበሮም ኵነታት፡ ካብቲ ኣቦታቶም መጀመርታ ምድሪ ተስፋ ኺወርሱ ኸለዉ ዝነበረ ዅነታት ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እስራኤልውያን እንታይ እዮም ተናዚዞም፧ እንታይ ንኺገብሩኸ እዮም ተመባጺዖም፧

16 እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ምስ ተመልሱ እውን እንተ ዀነ፡ እንደገና ብዘይተኣዛዝነት ኪመላለሱ ጀመሩ። እዚኸ እንታይ ኣስዓበሎም፧ እቶም ሌዋውያን ኣብቲ ዘቕረብዎ ጸሎቶም ቀጺሎም፡ “እንሆ፡ ሎሚ ንሕና ባሮት ኢና፡ ኣብታ ፍሬኣን በረኸታን ኪበልዑ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ፡ እንሆ፡ ንሕና ኣብኣ ባሮት ኴንና አሎና። እቶታ ድማ ነቶም ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝሸምካዮም ነገስታት ተብዝሓሎም አላ እሞ፡ . . . ንሕና ኸኣ ኣብ ዓብዪ ጸበባ ኢና ዘሎና” በሉ።—ነህ. 9:36, 37

17 እቶም ሌዋውያን ኣምላኽ ነቲ ጸበባ ብምፍቃዱ ዘይፍትሓዊ ኸም ዝነበረ ድዮም ዚገልጹ ነይሮም፧ ኣይፋሎምን። ከመይሲ፡ “ንስኻስ በቲ ኣባና ዝመጸ ዅሉ ጻድቕ ኢኻ፡ ንሕና በደልና እምበር፡ ንስኻስ በቲ ዝገበርካዮ እሙን ኢኻ” ብምባል ተናዚዞም እዮም። (ነህ. 9:33) ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ብዘይስስዐ ዝቐረበ ጸሎት፡ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ንምሕላው እተገብረ ልባዊ መብጽዓ እቲ ህዝቢ ተደምደመ። (ነህምያ 9:38 ኣንብብ፣ 10:29) መብጽዓኦም ከኣ ኣብ ጽሑፍ ኣስፈርዎ፡ 84 መራሕቲ ኣይሁድ ድማ ማሕተም ኣንበሩሉ።—ነህ. 10:1-27

18, 19. (ሀ) ካብ ጥፍኣት ድሒንና ናብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ምእንቲ ኽንኣቱ እንታይ ክንገብር የድልየና፧ (ለ) ብዛዕባ እንታይ ካብ ምጽላይ ኢና ድሕር ክንብል ዘይብልና፧ ስለምንታይከ፧

18 ካብ ጥፍኣት ድሒንና ናብታ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ምእንቲ ኽንኣቱ፡ ተግሳጽ የሆዋ ኽንቅበል የድልየና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣቦኡ ዘይግስጾኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧” በለ። (እብ. 12:7) መምርሒ ኣምላኽ ከም እንቕበል እነርእየሉ መገዲ፡ ብተኣማንነት ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብምጽናዕን ብመንፈሱ ንኽንኵላዕ ፍቓደኛታት ብምዃንን እዩ። ከቢድ ሓጢኣት ምስ እንፍጽም ከኣ፡ ብሓቂ እንተ ተነሲሕናን ብትሕትና ተግሳጽ እንተ ተቐቢልናን የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብለልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

19 ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ የሆዋ ኻብቲ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኼድሕኖም ከሎ ዝገበሮ ንላዕሊ ዜደንቕ ነገራት ኪገብር እዩ። ሽዑ፡ ኵሎም ህዝብታት፡ የሆዋ ኣዝዩ ልዑል ኣምላኽ ምዃኑ ኺፈልጡ እዮም። (ህዝ. 38:23) ከምቲ እቶም ጥንታውያን ህዝቡ ምድሪ ተስፋ ዝወረሱ፡ ኵሎም እቶም ከም እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ዀይኖም ዚጸንዑ ክርስትያናት እውን ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚወርሱ እተረጋገጸ እዩ። (2 ጴጥ. 3:13) ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዜደንቕ ተስፋ እዚ እናተጸበና፡ እቲ ኽቡር ስም ኣምላኽ ኪቕደስ ካብ ምጽላይ ድሕር ኣይንበል። ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ከኣ ካልእ ጸሎት ክንምርምር ኢና። ሕጅን ንዘለኣለምን በረኸት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብ ድማ ምስቲ ጸሎት እቲ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ከም ዚግባእ ክንመያየጥ ኢና።