ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፈትዮም ይመጹ—ፊሊፒንስ

ፈትዮም ይመጹ—ፊሊፒንስ

ዓሰርተ ዓመት ይገብር፡ ግሬጎርዮን ማሪሉን ዝስሞም ኣብ 30ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ማኒላ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ እናሰርሑ፡ ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ነበሩ። ከምኡ ምግባር ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ፡ ዕዉታት እዮም ነይሮም። ጸኒሑ፡ ማሪሉ ኣብቲ እትሰርሓሉ ባንክ፡ ናይ ስራሕ ዕቤት ብምርካብ ኣካያዲት ስራሕ ኰነት። “እቲ ዝነበረና ጽቡቕ ስራሕ፡ ምሾት ዝመልኦ ናብራ ንኽንነብር ኣኽኢሉና እዩ” ድማ በለት። ገንዘባዊ ዓቕሞም ጽቡቕ እናዀነ ስለ ዝኸደ፡ ኣብቲ ኻብ ማኒላ ብሸነኽ ምብራቕ 19 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ዝበለጸ ቦታ፡ ነቲ ዅሉ ሳዕ ዚምነይዎ ዝነበሩ ቤት ኪሃንጹ ወሰኑ። ንቤቶም ምስ ዚሃንጸሎም ትካል፡ ውዕል ገበሩ፣ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት በብወርሑ ኪኸፍሉ ኸኣ ተሰማምዑ።

“ንየሆዋ ዝሰርቆ ዘለኹ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ”

ማሪሉ፡ “እቲ ሓድሽ ስራሐይ ብዙሕ ግዜን ጕልበትን ዚሓትት ስለ ዝነበረ፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ዝነበረኒ ሸውሃት እናጠፍአ ኸደ። ንየሆዋ ዝሰርቆ ዘለኹ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ነቲ ንኣገልግሎት የሆዋ ኪኸውን ኢለ ዝወፈኽዎ ግዜ ኽጥቀመሉ ኣይከኣልኩን” በለት። ግሬጎርዮን ማሪሉን በዚ ስለ ዝጐሃዩ፡ ሓደ መዓልቲ ብሓባር ኰይኖም፡ ህይወቶም ናበይ ገጻ ተምርሕ ከም ዘላ ተዘራረቡ። ግሬጎርዮ ኸምዚ በለ፦ “ለውጢ ኽንገብር እኳ እንተ ደለና፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ግና ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። ውሉዳት ካብ ዘይብልና፡ ንህይወትና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብኸመይ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመላ ኸም እንኽእል ተዘራረብና። መምርሒ ምእንቲ ኺህበና ድማ፡ ናብ የሆዋ ጸለና።”

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ግሬጎርዮን ማሪሉን፡ ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ኬድካ ብዛዕባ ምግልጋል ዚገልጽ መደረታት ሰምዑ። ግሬጎርዮ፡ “የሆዋ በቲ መደረታት ኣቢሉ ንጸሎትና ዚምልሶ ዘሎ ዀይኑ ተሰምዓና” በለ። ግሬጎርዮን ማሪሉን፡ ቅኑዕ ውሳነ ንምግባር ዜድልዮም ትብዓት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ዝያዳ እምነት ኪህቦም ንየሆዋ ለመንዎ። ሓደ ኻብቲ ዘጋጠሞም ዝዓበየ ዕንቅፋት፡ እቲ ዝጀመርዎ ፕሮጀክት ህንጸት ቤት እዩ ነይሩ። ድሮ ንሰለስተ ዓመት ዚኸውን ከፊሎም ነበሩ። እንታይ ደኣ እሞ ገበሩ፧ ማሪሉ፡ “ነቲ ውዕል እንተ ኣፍሪስናዮ፡ ነቲ ኽሳዕ ሽዑ ዝኸፈልናዮ ገንዘብ ኢና ኽንስእን፣ እዚ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዅነታት፡ ንፍቓድ የሆዋ ዲና ቐዳምነት ክንህብ ወይስ ንባህግታትና ዚብል ምርጫ እዩ ኣቕሪቡልና” በለት። ግሬጎርዮን ማሪሉን ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ‘ኽስራን’ ኣብ ኣእምሮኦም ሒዞም፡ ነቲ ፕሮጀክት ህንጸት ቤት ኣቋረጽዎ፣ ስራሖም ሓዲጎምን መብዛሕትኡ ንብረቶም ሸይጦምን ድማ፡ ናብታ ኻብ ማኒላ ብሸነኽ ደቡብ 480 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ደሴት ፓላዋን ገዓዙ።—ፊል. 3:8

‘ምስጢር ፈለጡ’

ግሬጎርዮን ማሪሉን ቅድሚ ምግዓዞም፡ ንገዛእ ርእሶም ቀሊል ናብራ ኼልምድዋ ፈቲኖም ነይሮም እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ዝሓሰብዎ ንታሕቲ ዓይነት ህይወት ከም ዚነብሩ፡ ኣብቲ እተመደቡሉ ቦታ ምስ በጽሑ እዮም ፈሊጦም። ማሪሉ፡ “ኣዚና ኢና ሰምቢድና። መብራህቲ የለ፡ ምሾት የለ። ነታ መስርሒት ሩዝ ወሊዕካ ምግቢ ምስራሕ የለን፣ ዕንጨይቲ ፈሊጽና፡ ሓዊ ኣናኺስና ኢና ምግቢ እንሰርሕ። ናብ ዓበይቲ ዕዳጋታት ምኻድን ኣብ ቤት ምግቢ ምብላዕን ካልእ ህይወት ከተማን ናፈቕክዎ” በለት። ኰይኑ ግና፡ ግሬጎርዮን ማሪሉን ንገዛእ ርእሶም፡ ስለምንታይ ከም ዝገዓዙ የዘኻኽርዋ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሕ ከይጸንሑ ምስ ኵነታቶም ተሰማሚዖም ኪነብሩ ጀመሩ። ማሪሉ ኸምዚ በለት፦ “ሕጂ ንጽባቐ ተፈጥሮ፡ እንተላይ ነቶም ምሸት ዚርኣዩ ደመቕቲ ኸዋኽብቲ ብምርኣይ እሕጐስ ኣለኹ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ እቲ ንሰባት ክንሰብከሎም ከለና ኣብ ገጾም ዚርአ ሓጐስ፡ ኣዝዩ እዩ ባህ ዜብለና። ኣብዚ ብምግልጋልና፡ ነቲ ብኸመይ ዕጉባት ክንከውን ከም ዘሎና ዚገልጽ ‘ምስጢር ፈሊጥናዮ’ ኢና።”—ፊል. 4:12

“መንፈሳዊ ዕቤት ብምርኣይ ንዚርከብ ሓጐስ ዚወዳደሮ የልቦን። ህይወትና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ትርጕም ዘለዋ ዀይኑ እዩ ዚስምዓና።”—ግሬጎርዮን ማሪሉን

ግሬጎርዮ፡ “ናብዚ ቦታ እዚ ኣብ ዝመጻእናሉ እዋን፡ ኣርባዕተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ነይሮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ህዝባዊ መደረ ከቕርብን ብጊታረይ ጌርና መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንዝምርን ምስ ጀመርና፡ ኣዝዮም ተሓጐሱ” በለ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ግሬጎርዮን ማሪሉን፡ እታ ንእሽቶ ጕጅለ ዓብያ፡ 24 ኣስፋሕቲ ዘለውዋ እናዓበየት እትኸይድ ጉባኤ ኽትከውን ከላ ብዓይኖም ርእዮም እዮም። ግሬጎርዮ፡ “እቶም ኣባላት ጉባኤና ፍቕሮም ኪገልጹልና ኸለዉ፡ ውሽጥና ኣዝዩ ይትንከፍ እዩ” በለ። ግሬጎርዮን ማሪሉን ኣብቲ ግሉል ቦታ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ድሕሪ ምግልጋሎም፡ “መንፈሳዊ ዕቤት ብምርኣይ ንዚርከብ ሓጐስ ዚወዳደሮ የልቦን። ህይወትና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ትርጕም ዘለዋ ዀይኑ እዩ ዚስምዓና” በሉ።

“‘የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ጥዒመን ርእየን’ እየ”

ኣብ ፊሊፒንስ፡ ኣስታት 3,000 ዚዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ናብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ግዒዞም እዮም። ካብዚኣቶም እተን 500 ንጽል ኣሓት እየን። ንካረን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ።

ካረን

ኣብ መፋርቕ 20ታት ዕድሚኣ እትርከብ ካረን፡ ኣብ ባጋው፡ ካጋያን እያ ዓብያ። ገና ጐርዞ ኸላ፡ ኣገልግሎታ ብዛዕባ ምስፋሕ ትሓስብ ነበረት። “እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓጺር ከም ዝዀነን ኵሎም ዓይነት ሰባት ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ኸም ዘለዎምን ስለ ዝፈልጥ፡ ኣብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይደ ኸገልግል እደሊ ነበርኩ” በለት። ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤታ፡ ንኽትሰብኽ ኢላ ናብ ግሉል ቦታ ኻብ ምግዓዝ፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ኽትመሃር እኳ እንተ ኣተባብዕዋ፡ ንሳ ግና መምርሒ ምእንቲ ኺህባ ናብ የሆዋ ጸለየት። ምስቶም ኣብ ግሉል ቦታታት ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ተዘራረበት። ጓል 18 ዓመት ምስ ኰነት፡ ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ኣስታት 64 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ናብ ዚርከብ ግሉል ቦታ ገዓዘት።

እታ ካረን ክትድግፋ ዝኸደት ንእሽቶ ጉባኤ፡ ኣብቲ ኣብ ገምገም ፓሲፊክ ዚርከብ ኣኽራን ዚበዝሖ ቦታ እያ እትሰብኽ። ካረን ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ካብ ባጋው ናብታ ሓዳስ ጉባኤይ ንምብጻሕ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ብእግርና ተጓዓዝና፣ ዓቐብን ቍልቍለትን ሓሊፍናን ንልዕሊ 30 ሳዕ ሩባታት ተሳጊርናን ኢና ኣብኡ በጺሕና” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ናብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮም ገሊኦም ሰባት ንምብጻሕ፡ ንሽዱሽተ ሰዓት ብእግረይ እኸይድ፣ ኣብኡ ሓዲረ ድማ፡ ንጽብሒቱ ንሽዱሽተ ሰዓት ተጓዒዘ ናብ ቤተይ እምለስ” በለት። እሞኸ ጻማ ጻዕራ ረኺባዶ፧ ካረን ፍሽኽ ኢላ፡ “ሓድሓደ ግዜ እግረይ የቐንዝወኒ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ 18 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እየ ዝመርሕ። ‘የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ጥዒመን ርእየን’ እየ” በለት።—መዝ. 34:8

“ኣብ የሆዋ ኽውከል ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ”

ሱኪ

ነታ ኣብ መጀመርታ 40ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሱኪ ዝስማ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ንጽል ሓብቲ፡ ናብ ፊሊፒንስ ንኽትግዕዝ ዝደረኻ እንታይ እዩ፧ ብ2011 ኣብቲ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ቃለ መጠይቕ እተገብሩሉ ኣኼባ ወረዳ ተኣኪባ ነበረት። እቶም ሰብ ሓዳር፡ ነቲ ኣብ መክሲኮ ዚግበር ዕዮ ስብከት ንምሕጋዝ፡ ብኸመይ ንብረቶም ሸይጦም ናብኡ ኸም ዝገዓዙ ገሊጾም ነበሩ። ሱኪ፡ “እቲ ቓለ መጠይቕ፡ ቅድሚኡ ሓሲበሉ ብዛዕባ ዘይፈልጥ ሸቶታት ከም ዝሓስብ ገበረኒ” በለት። እዛ ህንዳዊት ዝዀነት ሓብቲ፡ ነቶም ኣብ ፊሊፒንስ ዚርከቡ ቛንቋ ፑንጃቢ ዚዛረቡ ሰባት ንምስባኽ ብዙሕ ሓገዝ ከም ዜድሊ ምስ ፈለጠት፡ ናብ ፊሊፒንስ ከይዳ ኽትሕግዝ ወሰነት። ኰይኑ ግና፡ ዕንቅፋታት ኣጋጢምዋዶ፧

ሱኪ ኸምዚ በለት፦ “ነየናይ ንብረት ሸይጠ ነየናይ ከም ዝሓድጎ ምውሳን፡ ካብቲ ዝሓሰብክዎ ንላዕሊ ኸበደኒ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ን13 ዓመት ኣብ ናተይ ኣፓርታማ ብምሾት እነብር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ምስ ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ዘይምሹእ ኵነታት ክነብር ጀመርኩ። እዚ ኸቢድ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ዚጽበየኒ ዝነበረ ቐሊል ናብራ ግና ጽቡቕ ገይሩ ኣዳልዩኒ እዩ።” ናብ ፊሊፒንስ ድሕሪ ምግዓዛ እንታይ ብድሆታት ኣጋጢምዋ፧ “ሓሸራታት ኣመና የፍርሁኒ ነበሩ፣ ናፍቖት ከኣ ከቢዱኒ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ፡ ኣብ የሆዋ ኽውከል ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ” በለት። እሞኸ በቲ ዝገበረቶ ጻዕሪ ተኻሒሳዶ፧ ሱኪ ፍሽኽ ኢላ፡ “የሆዋ፡ ‘በረኸት ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፡ በዚ ተዐዘቡኒ’ ኢሉና እዩ። ሓደ ብዓል ቤት፡ ‘መዓስ ኢኺ እትምለሲ፧ ብዙሕ ሕቶታት ኣሎኒ’ ኺብለኒ ኸሎ፡ ሽዑ እየ ንሓቅነት እተን ቃላት ዝርድአን። ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዚጠምዩ ሰባት ክሕግዞም ምኽኣለይ፡ ሓጐስን ዕግበትን እዩ ዜምጽኣለይ” በለት። (ሚል. 3:10) ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ኣብ ፈለማ ኸቢዱኒ ዝነበረ፡ ንኽግዕዝ ምውሳን እዩ ነይሩ። ምስ ገዓዝኩ ግና፡ የሆዋ ንዅሉ ነገራት ባዕሉ ወድኦ፣ እዚ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ” በለት።

‘ንፍርሀይ ኣሰነፍክዎ’

ኣብ መወዳእታ 30ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ሲሜ ዚብሃል ምርዑው ሓው፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ስለ ዝረኸበ፡ ካብ ፊሊፒንስ ናብኡ ኸደ። ኣብኡ ኸሎ ድማ፡ ካብ ሓደ ሓላው ወረዳን ካብ መደረ ሓደ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካልን ብዝረኸቦ ምትብባዕ፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወቱ ቐዳማይ ቦታ ኺህቦ ተደረኸ። “ንስራሐይ ምሕዳግ ዚብልዎ ሓሳብ ግና ኣመና ኣፍርሃኒ” በለ። ይኹን እምበር፡ ስራሑ ሓዲጉ ናብ ፊሊፒንስ ተመልሰ። ሎሚ ሲሜን ሂዲ ሰበይቱን፡ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ፊሊፒንስ እትርከብ፡ ዳቮ ደል ሱር እትብሃል ሰፊሕ ክሊ ዘለዋን ነዚ ኽሊ እዚ ዚሽፍኑ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩላን ከተማ የገልግሉ ኣለዉ። ሲሜ ኸምዚ በለ፦ “ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ነቲ ስራሐይ ከይስእን ዝነበረኒ ፍርሂ ኸሰንፎን ንየሆዋ ቐዳምነት ክህቦን ብምኽኣለይ፡ ሕጉስ እየ። ኣብ ህይወት፡ እቲ ንየሆዋ ዝበለጸ ብምሃብ ዚርከብ ዕግበት መወዳድርቲ የብሉን።”

ሲሜን ሂዲን

“ዓሚቝ ዕግበት እዩ ኣምጺኡልና”

ኣብ መጀመርታ 30ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ራሚሎን ጁልየትን ዝስሞም ፈለምቲ ሰብ ሓዳር፡ እታ ኻብ ቤቶም 30 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ጉባኤ፡ ሓገዝ ከም ዜድልያ ምስ ፈለጡ፡ ብፍታው ገዛእ ርእሶም ኣቕረቡ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፡ ዝናም ይዝነም ወይ ጸሓይ ትምረር ብዘየገድስ፡ ኣብ ኣኼባታት ንምእካብን ኣብ ዕዮ ስብከት ንምክፋልን ብዙሕ ሳዕ ይጓዓዙ እዮም። ኣብ ሓባጥ ጐባጥ መገድን ብገመድ ኣብ እተወጠረ ድልድልን ምጕዓዝ በዳሂ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ብምኽኣሎም ግና ሕጉሳት እዮም። ራሚሎ፡ “ኣነን ሰበይተይን 11 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዉና። ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ምግልጋል መስዋእቲ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ዓሚቝ ዕግበት እዩ ኣምጺኡልና” በለ።—1 ቈረ. 15:58

ጁልየትን ራሚሎን

ኣብ ዓድኻ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ብኸመይ ከተገልግል ከም እትኽእል ብዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ንሓላው ወረዳኻ ኣዘራርቦ፣ ወይ ከኣ ነታ ኣብ ናይ ነሓሰ 2011 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸት፡ “‘ናብ መቄዶንያ ኽትሓልፍ’ ትኽእልዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።