ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዕኡ ብዛዕባ ምስዓብ

ንዕኡ ብዛዕባ ምስዓብ

ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ

ንዕኡ ብዛዕባ ምስዓብ

የሱስ፡ ኣብኡ እምነት ንዘሕደረ ሰብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ “ስዐበኒ” ይብሎ ነበረ። (ማቴዎስ 9:9፣ 19:21) ሰዓቢ የሱስ ወይ ክርስትያን ምዃን እንታይ የጠቓልል፧ መልሲ እዘን ዚስዕባ ሰለስተ ቐንዲ ሕቶታት እስከ ንርአ።

ንኻልኦት ብኸመይ ክትሕዞም ኣሎካ፧

ሓደ ወደ መዝሙር የሱስ፡ ነቲ ንኻልኦት ብዛዕባ እንሕዘሉ መገዲ ዚገልጽ መምርሒታት ኪስዕቦ ኣለዎ። ንኣብነት፡ የሱስ፡ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” በለ። ሓደ ሰብ እንተ ኣጕህዩካኸ፧ የሱስ፡ “ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ” በለ። ብዘይካዚ፡ ንሰዓብቱ፡ “ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ” በሎም።—ማቴዎስ 5:25፣ 6:15፣ 7:12

የሱስ ንምርዑዋት፡ “ነቶም ቀዳሞት፤ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፤ ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ” ኢሉ መኸሮም። ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን፡ ትምህርትታት የሱስ ንልቡን ኣእምሮኡን ኪጸልዎ ይፈቅድ እዩ።—ማቴዎስ 5:27, 28

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኻልኦት ምእንቲ ኺሕግዙ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ምሾት መስዋእቲ ይገብሩ እዮም። የሱስ ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣድካሚ ናይ ስብከት ጕዕዞ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፡ ምግቢ ንምብላዕ ዜኽእሎም ግዜ እውን ኪረኽቡ ኣይከኣሉን ነይሮም። ስለዚ ኸኣ የሱስ፡ ንኼዕርፉ ኢሉ ብጃልባ ገይሩ ናብ ጽምዊ ቦታ ወሰዶም። ኰይኑ ግን፡ ሰባት ናበይ ከም ዚኸይድ ስለ ዝሰምዑ፡ ቀዲሞምዎ ኣብቲ ቦታ በጽሑ። ድሕሪኡ፡ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚነግረና፡ “ብዙሕ ህዝቢ ረአየ። ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም፡ ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ።” (ማርቆስ 6:30-34) ጸገማት እናኣጋጠመና እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ነገራት ብምግባር፡ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና።

ንኻልኦት ብስራት እተካፍሎም ስለምንታይ ኢኻ፧

የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንኻልኦት ብስራት ኬካፍሉ መሃሮም። ንሃዋርያት፡ “ኬድኩም ድማ፤ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ፡ ኢልኩም ስበኹ” በሎም። (ማቴዎስ 10:7) ሰዓብቲ የሱስ ንኻልኦት ዜካፍልዎ መልእኽቲ፡ ዓብዪ ዋጋ እዩ ዘለዎ። የሱስ፡ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካ . . . ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉ ጸለየ።—ዮሃንስ 17:3

የሱስ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰዓብቱ ብዛዕባ ዚካፈሉሉ ዕዮ ተነብዩ ነበረ። “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ድማ በለ። (ማቴዎስ 24:14) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ተማሂርካን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ትኣምነሉን እንተ ዄንካ፡ ነቲ እትፈልጦ ንኻልኦት ከም እተካፍሎም ዜጠራጥር ኣይኰነን። መብዛሕትኦም ሰዓብቲ የሱስ፡ ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚነግርዎም ንኣዝማዶም እዮም።—ዮሃንስ 1:40, 41

ክትጥመቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

የሱስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡንብኡ፡ “ዎ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ አሎኹ” ኢሉ ጸልዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (እብራውያን 10:7) ንስኻ እውን ፍቓድ ኣምላኽ ክትገብር እንተ ደሊኻ፡ ክትጥመቕ ኣሎካ። የሱስ፡ ‘ንዅሎም ኣህዛብ እናኣጥመቕኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም’ ኢሉ ኣዘዘ።—ማቴዎስ 28:19

ምጥማቕ፡ እንታይ ሓላፍነታትን ጥቕምታትን እዩ ዘለዎ፧ እተጠምቁ ሰዓብቲ የሱስ፡ ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍሶም እዮም ዜገልግልዎ። የሱስ ንሕጊ ኣምላኽ ጠቒሱ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” በለ። (ማቴዎስ 22:37) ብዘይካዚ፡ ‘ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ይቕበጽ’ በለ። (ማቴዎስ 16:24) ጥምቀት፡ ሓደ ሰብ ንርእሱ ኽሒዱ ብኣምላኽ ኪውነን ከም ዝወሰነ እዩ ዜመልክት። ምስ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ፍሉይ ርክብ ዘለዎም ሰባት፡ ኣምላኽ ጽሩይ ሕልና ኺህቦም ኪሓቱ ይኽእሉ እዮም።—1 ጴጥሮስ 3:21

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 18 ርአ።