ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብኣምላኽ ጕሂኻ ዲኻ፧

ብኣምላኽ ጕሂኻ ዲኻ፧

“እንታይ እየ ገይረ፧ ኣምላኽ ከምዚ ኼጋጥመኒ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧” እዘን ሕቶታት እዚአን፡ ንሓደ ኣብ ብራዚል ዚነብር ሲድኒ ዝስሙ ወዲ 24 ዓመት ከሎ ዘጨነቓኦ ሕቶታት እየን። ድሕሪ እቲ ናብ መሐንበሲ ጋብላ ኣብ ዜጥሕል መንሸራተቲ ማይ ዘጋጠሞ ሓደጋ፡ ብብሽክለታ ስንኩላን ጥራይ ከም ዚንቀሳቐስ ኰነ።

እቲ ሓደጋ፡ ሕማም፡ ሞት እተፍቅሮ ሰብ፡ ባህርያዊ ሓደጋ ወይ ውግእ ዜስዕቦ ስቓይ፡ ንሰባት ብኣምላኽ ከም ዚጕህዩ ይገብሮም እዩ። እዚ ግና ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። እቲ ሓደ ኻብቶም ጥንታውያን ኣበው ዝነበረ እዮብ፡ ተደጋጋሚ መዓት ምስ ወረዶ፡ “ናባኻ እምህለል አሎኹ፡ ኣይትመልሰለይን፡ ደው ኢለ እኔኹ፡ ተኲርካ ትጥምተኒ አሎኻ። ናብ ጨካን ተለዊጥካኒ፡ በታ ብርትዕቲ ኢድካ ትቃወመኒ አሎኻ” ብምባል ብጌጋ ንኣምላኽ ወቐሶ።—እዮብ 30:20, 21

እዮብ፡ ጠንቂ መከራኡ መን ከም ዝዀነን ስለምንታይ መከራ ኸም ዝወረዶን ኣምላኽ ከምኡ ንኼጋጥሞ ስለምንታይ ከም ዝፈቐደን ኣይፈለጠን። እቲ ዜሐጕስ ግና መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻሜታት ዜጋጥም ስለምንታይ ምዃኑን ብኸመይ ምላሽ ክንህበሉ ኸም ዘሎናን የብርሃልና እዩ።

ሰባት ኪሳቐዩስ ሓሳብ ኣምላኽ ድዩ ነይሩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ፡ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ፡ ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፡ ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ይብለና። (ዘዳግም 32:4) ከምኡ እንተ ዀይኑ ደኣ፡ እዚ “ጻድቕን ቅኑዕን” ዝዀነ ኣምላኽ፡ ንሰባት ኪቐጽዖም ወይ ኬንጽሆም ኢሉ ኸም ዜሳቕዮም ገይርካ ምሕሳብሲ ርትዓዊ ድዩ፧

ብኣንጻሩ ግና መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽሲ ብእከይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉ እውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ‘ኣምላኽ ይፍትነኒ ኣሎ’ ኣይበል” ይብለና። (ያእቆብ 1:13) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንሰባት ኪፈጥሮም ከሎ ዅሉ ነገር ፍጹም ከም ዝነበረ እዩ ዚገልጸልና። ነቶም ቀዳሞት ሰባት፡ ማለት ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ውቅብቲ መንበሪትን ንህይወት ዜድሊ ዅሉ ነገራትን ዜዕግብ ዕዮን ሂብዎም ነበረ። ኣምላኽ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” በሎም። ብርግጽ እምበኣር፡ ኣዳምን ሄዋንን ብኣምላኽ ዚጕህዩሉ ምኽንያት ኣይነበሮምን።—ዘፍጥረት 1:28

እንተዀነ ግና ሎሚ፡ ኵነታት መነባብሮ ደቂ ሰብ ካብ ፍጽምና ርሒቑ እዩ ዘሎ። ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ ዅነታት ደቂ ሰብ ዜጕሂ እዩ። እቲ “ኵሉ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ብሓባር የስቈርቍርን ይሳቐን ከም ዘሎ ንፈልጥ ኣለና” ዚብል መግለጺ እምበኣር ሓቂ እዩ። (ሮሜ 8:22) እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧

ስቓይ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ስለምንታይ ስቓይ ከም ዘሎ ንኽንርዳእ፡ ኣቐዲምና ብኸመይ ከም ዝጀመረ ኽንፈልጥ ኣሎና። ኣዳምን ሄዋንን በቲ ጸኒሑ ሰይጣን እተባህለ ዓለወኛ ዝዀነ መልኣኽ ተደፋፊኦም፡ ካብታ ነቲ የሆዋ ዘውጸኦ ንቕኑዕን ጌጋን ዚምልከት መለክዒ እትውክል “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ከይበልዑ ዚኽልክል ትእዛዝ ብምጥሓስ፡ ንስርዓታት የሆዋ ነጸግዎ። ድያብሎስ ንሄዋን፡ ንኣምላኽ እንተ ዘይተኣዚዞም ከም ዘይሞቱ ብምንጋር፡ ኣምላኽ ሓሳዊ ምዃኑ ኸሰሰ። ኣብ ርእሲ እዚ ሰይጣን፡ ኣምላኽ ንተገዛእቱ ጽቡቕን ሕማቕን ናይ ምውሳን መሰል ከም ዝሓብኣሎም ገይሩ ኸሰሶ። (ዘፍጥረት 2:17፣ 3:1-6) ሰይጣን ብተዘዋዋሪ መገዲ፡ ደቂ ሰብ ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ወጻኢ ብዝሓሸ መገዲ ኺነብሩ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። እዚ ድማ፡ ‘ኣምላኽ ንኺገዝእ ብቑዕ ድዩ፧’ ዚብል ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳይ ኣልዓለ።

ድያብሎስ ካልእ ጕዳይ እውን ኣልዒሉ እዩ። ሰባት፡ ንኣምላኽ ብስስዐ ተደሪኾም ከም ዜገልግልዎ ኸሰሰ። ብዛዕባ እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ፡ ድያብሎስ ንኣምላኽ፡ “ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዅሉንዶ ሐጺርካዮ አየሎኻን፧ . . . ግናኸ፡ ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዅሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን” በሎ። (እዮብ 1:10, 11) ዋላ እኳ ሰይጣን ብዛዕባ እዮብ ይዛረብ እንተ ነበረ፡ ኵሎም ሰባት ንኣምላኽ ብስስዐ ተደሪኾም ከም ዜገልግልዎ እዩ ዚእምት ነይሩ።

ኣምላኽ ነቲ እተላዕለ ጕዳያት ዚፈትሖ ብኸመይ እዩ፧

እዚ እተላዕለ ኣገዳሲ ጕዳያት ሓንሳእን ንሓዋሩን ኪፍትሓሉ ዚኽእል ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧ እቲ ጥበበኛ ዝዀነ ኣምላኽ፡ ንዓና ዘየጕሂ ዝበለጸ መፍትሒ ኣለዎ። (ሮሜ 11:33) ሰባት ንእተወሰነ እዋን ባዕሎም ንገዛእ ርእሶም ኪገዝኡ ኺፈቕደሎም እሞ፡ ናይ መን ኣገዛዝኣ ኸም ዚበልጽ ብውጽኢቱ ኺረጋገጽ ወሰነ።

እቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ ሕማቕ ኵነታት፡ ኣገዛዝኣ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፈሸለ ዜርኢ ንጹር መርትዖ እዩ። መንግስትታት ዓለም፡ ሰላምን ደሓንን ሓጐስን ኣብ ምምጻእ ፈሺለን ጥራይ ዘይኰናስ፡ ንምድሪ የዕንውኣ እየን ዘለዋ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ” ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ሓቂ ዜረጋግጽ እዩ። (ኤርምያስ 10:23) ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ንደቂ ሰብ ነባሪ ዝዀነ ሰላምን ሓጐስን ብልጽግናን ከምጽኣሎም ዚኽእል፣ ከመይሲ፡ ዕላማ ኣምላኽ ከምኡ እዩ።—ኢሳይያስ 45:18

ኣምላኽ፡ ነቲ ንሰባት ዘለዎ ዕላማ ዚፍጽሞ ደኣ ብኸመይ እዩ፧ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ ኸም ዝመሃሮም ዘክር። (ማቴዎስ 6:10) እወ፡ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ፡ ኣምላኽ ብመንግስቱ ኣቢሉ ንዅሉ እቲ ኸም እንሳቐ ዚገብረና ነገራት ኬወግዶ እዩ። (ዳንኤል 2:44) ድኽነትን ሕማምን ሞትን፡ ነበረያ ነበረ ኪኸውን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ድኻታት ኣመልኪቱ፡ ኣምላኽ ‘ነቲ ዚጠርዕ ድኻ ኼናግፎ እዩ’ ይብል። (መዝሙር 72:12-14) ብዛዕባ እቶም ዝሓመሙ ድማ፡ “‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ” ብምባል ይመባጻዕ። (ኢሳይያስ 33:24ትርጉም 1990።) ብዛዕባ እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ምዉታት እውን ከይተረፈ፡ የሱስ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት” ከም እትመጽእን ከም ዚወጹን ገለጸ። (ዮሃንስ 5:28, 29) እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ባህ ዜብል መብጽዓ ዀን እዩ!

ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ እምነት ምሕዳር፡ ብኣምላኽ ንኸይንጕሂ ኺሕግዘና ይኽእል

ንጓሂኻ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

እቲ ኣብ መጀመርታ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ ሲድኒ፡ ድሕሪ እቲ ዜጋጠሞ ሓደጋ 17 ዓመት ጸኒሑ፡ “በቲ ዘጋጠመኒ ሓደጋ ንየሆዋ ኣምላኽ ፈጺመ ኣይወቐስክዎን፣ ሓቂ ንምዝራብ ግና ኣብ መጀመርታ ብእኡ ጕህየ ነይረ እየ። ኣዝየ ዝድቈሰሉ መዓልትታት ኣሎ፣ ብዛዕባ ስንክልናይ ክሓስብ ከለኹ ኸኣ እበኪ እየ። ይኹን እምበር፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ሓደጋ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸኒ መቕጻዕቲ ኸም ዘይኰነ ተረዳእኩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ‘ንዅልና ጊዜን ኣጋጣምን ይመጸና’ እዩ። ናብ የሆዋ ምጽላይን እተወሰነ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን፡ ብመንፈሳዊ መገዲ ንኺድልድልን ንኽሕጐስን ሓጊዙኒ እዩ” በለ።—መክብብ 9:11፣ መዝሙር 145:18፣ 2 ቈረንቶስ 4:8, 9, 16

ኣምላኽ ስቓይ ኪህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያትን ሳዕቤናቱ ድሕሪ ቐረባ እዋን ብኸመይ ከም ዜልግስን ምዝካርና፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪህልወና ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ጓሂ ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣምላኽ፡ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” መረጋገጺ ተዋሂቡና እዩ። ኣብኡን ኣብ ወዱን እምነት ዚገብር ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ኣይኪጕህን እዩ።—እብራውያን 11:6፣ ሮሜ 10:11