ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ኺሕግዘና ዚኽእል ብሉጽ ዝዀነ ጥበብ ሒዙ ኣሎ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ እንተ ኣንቢብካዮን እንተ ኣስተንቲንካሉን ነቲ ዘንበብካዮ ድማ ኣብ ተግባር እንተ ኣውዒልካዮን “መገድኻ ኪቐንዓካ እዩ።” (እያሱ 1:8፣ መዝሙር 1:1-3) ብተወሳኺ፡ ንኣምላኽን ንወዱ የሱስን ክትፈልጦም ኢኻ፡ ንዓታቶም ምፍላጥካ ድማ ናብ ድሕነት ኪመርሓካ እዩ።—ዮሃንስ 17:3

እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ ነየናይ መስርዕ ኢኻ ኽትስዕብ ዘሎካ፧ ብዙሕ ኣማራጺታት ኣሎካ። እዚ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ንመጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ኣብኡ ተዘርዚሩሉ ዘሎ መስርዕ ወይ ከኣ ብርእሰ ነገር ከተንብቦ ይሕግዘካ እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ምስ ጥንታዊት እስራኤል ብዛዕባ ዝነብሮ ርክብ ዚገልጽ ታሪኽ ዝሓዘ እተወሰነ ኽፋል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ኣመሰራርታን ዕቤትን ክርስትያናዊት ጉባኤን ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ድማ ኣብ ካልእ ኽፋል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መዓልቲ ነተን እተመደባ ምዕራፋት እንተ ኣንቢብካየን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡ ኣንቢብካ ኽትውድኦ ኢኻ።

መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኸተንብብ፡ ንሓደ ዓመት ዚኸውን መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተውጽእ፡ ወይ ንፈለማ እዋን ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር እንተ ደሊኻ፡ እዚ መደብ እዚ ኺሕግዘካ እዩ። እምበኣር፡ ነዚ ኺሕተም ዚኽእል መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣራጊፍካ ሎሚ ኸተንብብ ጀምር።