ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ዕዮ ረድኤት ኣብ 2021—ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣይተሓድጉን

ዕዮ ረድኤት ኣብ 2021—ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣይተሓድጉን

1 ጥሪ 2022

 ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2021፡ a ለበዳ ኮቪድ 19 ገና ኣየብቀዐን ነይሩ። “ኣብ እዋን ዓለምለኻዊ ለበዳ እተገብረ ረድኤት” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ንረድኤት ብሚልዮናት ዚቝጸር ዶላር b ከም ዘውጻእናን ልዕሊ 950 ኮሚተ ረድኤት ከም ዝቘማን ገሊጻ እያ።

 እቲ ለበዳ ይላባዕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ዓለም ዚነብሩ ኣሕዋትና ኣሓትናን ብባህርያውን ሰብ ብዝሰርሖ ሓደጋታትን ተጐዲኦም እዮም። ኮሚተ ኣተሓባበርቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ንኸምዚ ዝኣመሰለ ልዕሊ 200 ሓደጋ ዚኸውን 8 ሚልዮን ዶላር ኪወጽእ ኣጽዲቑ እዩ፣ እዚ ድማ ብዘይካ እቲ ንኮቪድ 19 እተገብረ ረድኤት እዩ፡ ወፈያታትካ ንግዳያት ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ኽልተ ሓደጋ ንምሕጋዝ ብኸመይ ከም ዝወዓለ ርአ።

ምንታጕ ከረን ኒዪርጎንጎ

 ብ22 ግንቦት 2021፡ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዚርከብ ከረን ኒዪርጎንጎ እሳተ ጎመራ ነቲጉ። እቲ ኻብኡ ዝወጸ ላቫ ኸኣ፡ ኣባይትን ኣብያተ ትምህርትን መዕቈሪ ማይን ኣዕንዩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቲ ሓደጋ እዚ ጥራይ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ድሕሪ እቲ እሳተ ጎመራ ንእተወሰነ መዓልትታት መርዛም ዶሮና ንኸተማ ጎማ ሸፊንዋ ነይሩ፣ ካልእ ብዙሕ እሳተ ጎመራ እውን ኣጋጢሙ ነይሩ። ልዕሊ ፍርቂ ነበርቲ እታ ኸተማ ኻብኣ ኺወጹ ተኣዚዞም እዮም። ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሃዲሞም፡ ገሊኦም ድማ ዶብ ተሳጊሮም ናብ ሩዋንዳ ኸይዶም እዮም።

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኮሚተ ረድኤት፡ ውዑይ ምግቢ የቕርብ

 ብሰንኪ እቲ ሓደጋ፡ ዳርጋ 5,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመዛቢሎም እዮም። ገሊኦም ቤቶም ዓንዩ፡ ገሊኦም ድማ ካብታ ኸተማ ምስ ሃደሙ ንብረቶም ተሰሪቑ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ሩዋንዳን ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዘለዋ ኮሚተታት ረድኤት፡ ረድኤት ኣተሓባቢረን እየን። ብዛዕባ ሓደ ኮሚተ ረድኤት፡ ቤት ጽሕፈት ኮንጎ (ኪንሻሳ) ነዚ ዚስዕብ ጸብጻብ ሂቡ፦ “ኣብታ ኸተማ ዕግርግር እኳ እንተ ነበረ፡ ሰባት ካብቲ ኸባቢ ኺወጹ ትእዛዝ ቅድሚ ምውጻኡ እውን ከይተረፈ፡ እቲ ኮሚተ፡ ምግብን ማይን ንመደቀሲ ዚኸውን ነገራትን ክዳውንትን ዓዲሉ እዩ።” ኣብ ሓንቲ ልዕሊ 2,000 ኣሕዋት ዝነበሩላ ኸተማ፡ እቲ ኮሚተ ረድኤት፡ ድንኳን ተኺሉን ማስክታት ዓዲጉን ኣሕዋት ኮቪድ 19ን ሸሮኽን ብኸመይ ኪከላኸሉ ኸም ዚኽእሉን ምሂሩ እዩ።

እኽሊ ዝሓዘ ኸረጺት ንእተመዛበሉ ኣሕዋት ቅድሚ ምስዳዱ ይምዘን

 እቲ ሓደጋ ኻብ ዘጋጥም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ፡ ኣሕዋትና ልዕሊ ሱሳ ኵንታል ሩዝ፡ ሱሳ ኵንታል ሓርጭ ዕፉን፡ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ሊትሮ ዘይቲ፡ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ሊትሮ ማይ ዓዲሎም እዮም። እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ድማ ገንዘብ ንምቝጣብ፡ ክቡር ዝዋጋኡ ምግቢ ኻብ ወጻኢ ኣብ ክንዲ ዜምጽእ፡ ካብ ውሽጢ ዓዲ ምግቢ ብብዝሒ ዓዲጉ እዩ።

 በቲ ሓደጋ ሓድሽ ገዝኣ ዝዓነዋ ሓንቲ ሓብቲ፡ “ኣዚና ተስፋ ቘሪጽናን ጕሂናን ኢና ኔርና” ትብል። ንሳን ስድራ ቤታን መንፈሳዊ ሓገዝ ድሕሪ ምርካቦም ከምዚ በለት፦ “ሳላ ሓገዝ የሆዋ ዜድልየና ረኺብና ኢና። የሆዋ ጾርና ጸይሩልናን ክንጻወር ሓጊዙናን እዩ።”

ቍጠባዊ ውድቀት ቨነዝወላ

 ቨነዝወላ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ከቢድ ቍጠባዊ ቕልውላው እያ ዘላ። ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኣሕዋትና፡ ከቢድ መነባብሮ፡ ሕጽረት ምግቢ፡ እናገደደ ዚኸይድ ዓመጻ ተጻዊሮም እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። እንተዀነ ግና፡ ውድብ የሆዋ ኣይሓደገቶምን።

ሩዝ ዝሓዘ ኸረጺታት ናብ እተፈላለየ ኽፋል ቨነዝወላ ኺለኣኽ ይጸዓን

 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት፡ ንእተፈላለያ ስድራ ቤታት ምግብን ሳሙናን ንምዕዳግን ንምጕዕዓዝን ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዶላር ወጺኡ እዩ። ብዛዕባ እዚ ጨንፈር ቨነዝወላ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ይጽብጽብ፦ “ኣብ ወወርሒ ናብ ኣርባዕተ መኣዝን እታ ሃገር፡ 1300 ኵንታል ምግቢ ምጕዕዓዝን ንእተሸገሩ ኣሕዋት ምብጽጻሕን ቀሊል ኣይኰነን።” መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣሕዋት ንነዊሕ እዋን ከይተበላሸወ ዚጸንሕ ምግቢ እዮም ዚዕድጉ። እቲ ጨንፈር ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “መብዛሕትኡ ምግቢ፡ ብብዝሕን ዋጋ ኣብ ዚሓስረሉ እዋንን ዓዲግና ብዝሓሰረ ዋጋ ነጐዓዕዞ” በለ።

ሕጽረት ነዳድን ሕጽረት ማካይንን ስለ ዘሎ፡ መንእሰያት ኣሕዋት ናብ ጉባኤኦም ምግቢ ንምብጻሕ ብብሽክለታ 18 ኪሎ ሜተር ይጓዓዙ

 ኣብ ቨነዝወላ ኣባል ኮሚተ ዕዮ ረድኤት ኰይኑ ዚዓዪ ለነል ንስራሑ ይፈትዎ እዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ዕዮ ረድኤት ፍሉይ እዩ። እዚ ፍሉይ መሰል እዚ ብዓልቲ ቤተይ ብኮቪድ 19 ምስ ሞተት ብዙሕ ኣጸናኒዑኒ እዩ። ከመይሲ፡ ብስራሕ ትሑዝ እየ፡ ሓገዝ ንዜድልዮም ኣሕዋት ከም ዚጠቅም ኰይኑ ይስምዓኒ እዩ። እቲ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዘይሓድጎም ዝኣተዎ ቓል ከም ዚፍጽም ከኣ ርእየ እየ።”

 ሓደ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ኮሚተ ረድኤት ዚዓዪ ዝነበረ፡ ሕጂ ኸኣ ረድኤት እተቐበለ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ሕጂ ብተራይ እሕገዝ ኣለኹ። ስጋዊ ረድኤት ጥራይ ኣይኰናን ግና ተቐቢልና፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣሕዋት ንዓይን ንብዓልቲ ቤተይን ክንሃድእ ሓጊዞምና፡ ተኸናኺኖምና፡ ኣጸናኒዖምና፡ ኣተባቢዖምና እዮም።”

 ገሊኡ ሓደጋታት ብዙሕ መጠንቀቕታ ኣይህብን እዩ፣ ገሊኡ ድማ ዋላ ሓንቲ መጠንቀቕታ ኣይህብን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሳላ እቲ ንዓለምለኸ እትገብሮ ወፈያታት፡ ውድብ የሆዋ ረድኤት ወትሩ ብቕልጡፍ የቕርብን የብጽሕን እዩ። ገሊኡ ወፈያታት ብ​donate.dan124.com ኣቢልካ ዚግበር እዩ። ስለቲ ልግስኻ ነመስግነካ።

a ዓመት ኣገልግሎት 2021፡ 1 መስከረም 2020 ጀሚሩ፡ 31 ነሓሰ 2021 ኣብቂዑ።

b እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ዶላር፡ ንዶላር ኣመሪካ የመልክት።