ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን እንታዎት እዮም ነይሮም፧

እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን እንታዎት እዮም ነይሮም፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን፡ የሱስ ኣብ ሓደ ኻብ ትምህርትታቱ ኣብ ዘዘንተዎ ዛንታ ዚርከቡ ኽልተ ገጸ ባህርያት እዮም። (ሉቃስ 16:19-31) ኣብቲ ዛንታ፡ እዞም ሰብኡት እዚኦም፡ ንኽልተ ጕጅለ ሰባት፡ (1) ነቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ዕቡያት መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድን (2) ነቶም ድኻታት ግናኸ ንመልእኽቲ የሱስ እተቐበልዎ ቕኑዓት ሰባትን እዮም ዜመልክቱ።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 የሱስ ብዛዕባ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን እንታይ እዩ ኢሉ፧

 ኣብ ሉቃስ ምዕራፍ 16፡ የሱስ ብዛዕባ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ህይወቶም ዘጋጠሞም ዓብዪ ለውጢ ገሊጹ ኣሎ።

 ጽማቝ እቲ የሱስ ዘዘንተዎ ዛንታ ኸምዚ ዚስዕብ እዩ፦ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ምሾት ዚመልኦ ናብራ ይነብር ነበረ። ኣልኣዛር ዝስሙ ለማኒ ድማ ካብ መኣዲ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ርፍራፍ ምግቢ እንተ ረኸበ ኢሉ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ተቐሚጡ ነበረ። ሽዑ ኣልኣዛር ሞተ፡ መላእኽቲ ድማ ናብ ጐድኒ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ድማ ሞተ፡ ተቐብረ እውን። እዞም ክልተ ሰብኡት ምስ ሞቱ፡ ብህይወት ከም ዝቐጸሉ ዀይኖም እዮም ተገሊጾም ዘለዉ። እቲ ዝሞተ ሃብታም ሰብኣይ ብሃልሃልታ ሓዊ እናተሳቐየ ንኣብርሃም፡ ጫፍ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳኑ ምእንቲ ኼዝሕለሉ ንኣልኣዛር ኪሰድደሉ ለመኖ። ኣብርሃም ንሕቶ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ብምንጻግ፡ ክልቲኦም ሰብኡት ኵነታቶም ፈጺሙ ኸም እተለወጠን ኣብ መንጎኦም ድማ ኪስገር ዘይከኣል ዓብዪ ጋግ ከም ዘሎን ነገሮ።

 እዚ ዛንታ እዚ፡ ብሓቂ እተፈጸመ ድዩ፧

 ኣይፋሉን። እዚ ዛንታ እዚ፡ የሱስ ንምምሃር ኢሉ እተጠቕመሉ ምሳልያዊ ዛንታ እዩ። ምሳልያዊ ምዃኑ ድማ ምሁራት ይሰማምዑሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ናይ 1912 ሕታም ሉተርስ ባይብል ዘሎ ንኡስ ኣርእስቲ፡ እዚ ዛንታ እዚ፡ ምሳልያዊ ኸም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ። ከምኡ እውን ካቶሊክ ጀሩሳሌም ባይብል ኣብ እግረ-ጽሑፉ፡ “ብመልክዕ ዛንታ ዝቐረበ ንዋላ ሓደ ታሪኻዊ ሰብ ዘየመልክት ምሳልያዊ ዛንታ እዩ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ።

 የሱስ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት ዚህሉ ህይወት ድዩ ዚምህር ነይሩ፧ ገለ ሰባት ምስ ሞቱ ኣብ ሲኦል ብሓዊ ኸም ዚቃጸሉን ኣብርሃምን ኣልኣዛርን ከኣ ኣብ ሰማይ ከም ዝነበሩ ድዩ ዝምህር ነይሩ፧ ከምኡ ከም ዘይኰነ ዜረጋግጽ ሓያሎ መርትዖታት ኣሎ እዩ።

 ንኣብነት፦

  •   እቲ ሃብታም ሰብኣይ ቃል ብቓሉ ብሓዊ ይነድድ እንተ ነይሩ፡ እቲ ብጫፍ ኣጻብዕ ኣልኣዛር ዚውሃቦ ማይ በቲ ሓዊ ኣይምሃፈፈንዶ፧

  •   ዋላ እኳ እቲ ማይ እንተ ዘይሃፍፍ ነይሩ፡ ሓንቲ ንጣብ ማይ ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ካብቲ ሃልሃል ዚብል ሓዊ ኼተዝሕሎ ትኽእልዶ ነይራ፧

  •   ክሳዕ እቲ የሱስ ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ ዝነገረሉ እዋን፡ ዋላ ሓደ ሰብ ናብ ሰማይ ከም ዘይዓረገ የሱስ ብግልጺ ተዛሪቡ ኻብ ነበረ፡ ከመይ ኣቢሉ ደኣሉ ኣብርሃም ኣብ ሰማይ ብህይወት ኪህሉ ዚኽእል፧—ዮሃንስ 3:13

 እዚ ዛንታ እዚ፡ ንሰረተ እምነት ገሃነም እሳት ዚድግፍ ድዩ፧

 ኣይፋሉን። ዋላ እኳ ናይ ሓቂ ዛንታ ኣይኹን ደኣ እምበር፡ ገለ ሰባት፡ ሕያዎት ሰባት ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱን እኩያት ሰባት ድማ ኣብ ገሃነም እሳት a ከም ዚሳቐዩን ዜመልክት ምሳሌ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይከራኸሩ እዮም።

 እዚ መደምደምታ እዚ ግና ቕቡል ድዩ፧ ኣይፋሉን።

 ትምህርቲ ገሃነም እሳት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ዚብሎ ኣይሰማማዕን እዩ። ንኣብነት፡ ሕያዎት ሰባት ምስ ሞቱ ብሓጐስ ኣብ ሰማይ ከም ዚነብሩ ወይ ከኣ እኩያት ሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ከም ዚሳቐዩ ኣይነግርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፣ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም” እዩ ዚብል።—መክብብ 9:5

 ዛንታ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ትርጉሙ እንታይ እዩ፧

 እቲ ዛንታ፡ ክልተ ጕጅለ ሰባት ኣብ ኵነታቶም ብዛዕባ ዘጋጠሞም ዓብዪ ለውጢ ዜርኢ እዩ።

 እቲ ሃብታም ሰብኣይ ነቶም “ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ” መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ከም ዜመልክት ንጹር እዩ። (ሉቃስ 16:14) የሱስ ኪዛረብ ከሎ ይሰምዕዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ መልእኽቱ ግና ነጺጎምዎ እዮም። እዞም መራሕቲ ሃይማኖት እዚኦም፡ ነቶም ተራ ሰባት ይንዕቕዎም ነይሮም እዮም።—ዮሃንስ 7:49

 ኣልኣዛር ነቶም ንትምህርቲ የሱስ እተቐበሉን ብመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ድማ እተናዕቁን ተራ ሰባት እዩ ዜመልክት ነይሩ።

 ኣብ እዞም ክልተ ጕጅለ ዘጋጠመ ዓብዪ ናይ ኵነታት ለውጢ

  •   እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንመልእኽቲ የሱስ ብዘይምቕባሎም፡ ኣምላኽ ንዕኦምን ንኣምልኾኦምን ስለ ዝነጸጎ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸም ምዉታት ኰይኖም እዮም። በቲ የሱስን ሰዓብቱን ዚሰብክዎ ዝነበሩ መልእኽቲ ድማ ተሳቕዮም እዮም።—ማቴዎስ 23:29, 30፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:29-33

  •   እቶም ንነዊሕ እዋን ብመራሕቲ ሃይማኖቶም ተናዒቖም ዝነበሩ ተራ ሰባት፡ ጸኒሖም ሞገስ ኣምላኽ ረኺቦም እዮም። ሓያሎ ሰባት ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ቕዱስ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ተቐቢሎምዎን ካብኡ ድማ ተጠቒሞምን እዮም። በዚ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ሞገስ ኣምላኽ ረኺቦም እዮም።—ዮሃንስ 17:3

a ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ሲኦል” እትብል ቃል፡ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ድሕሪ ሞቱ ዝኸዶ ቦታ ኸም ዝዀነ ገይሮም ገሊጾምዋ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ እታ ኣብ ሉቃስ 16፡23 እትርከብ (ሃደስ) እትብል በዅሪ ግሪኽኛ ቓል ንተራ መቓብር ደቂ ሰብ እያ እተመልክት።