ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ እዩ ኣመና ብዙሕ ሃይማኖታት ክርስትና ዘሎ፧

ስለምንታይ እዩ ኣመና ብዙሕ ሃይማኖታት ክርስትና ዘሎ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ሰባት ብትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ገይሮም “ክርስትያን ኢና” ዚብላ በበይነን ሃይማኖታት ኣቚሞም ኣለዉ። እንተዀነ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ናይ ሓቂ ክርስትና ጥራይ ከም ዘላ እዩ ዚገልጽ። ናብዚ መደምደምታ እዚ ንምብጻሕ ዜኽእል ሰለስተ ምኽንያታት እስከ ንርአ።

  1.   የሱስ “ሓቂ” ኸም ዝመሃረ ተዛሪቡ እዩ፣ ቀዳሞት ክርስትያናት ከኣ ንሃይማኖቶም “ሓቂ” ኢሎም እዮም ዚጽውዕዋ ነይሮም። (ዮሃንስ 8:32፣ 2 ጴጥሮስ 2:2፣ 2 ዮሃንስ 4፣ 3 ዮሃንስ 3) እዚ መግለጺታት እዚ፡ እቶም ምስ ትምህርትታት የሱስ ዚጋጮ ሰረተ እምነት ዜተባብዑ ሰባት ብናይ ሓቂ ክርስትና ኸም ዘይመላለሱ የርኢ።

  2.   መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስትያናት፡ “ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ” ኢሉ ይምህር እዩ። (1 ቈረንቶስ 1:10) ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሃይማኖታት ክርስትና ብመሰረታዊ ትምህርትታት እኳ ኣይሰማምዓን እየን፣ ንኣብነት፡ ንሓደ ሰብ ክርስትያን ዜብሎ እንታይ ምዃኑ ኣይሰማምዓሉን እየን። ኵለን እዘን ሃይማኖታት እዚአን ቅኑዓት ኪዀና ኣይክእላን እየን።—1 ጴጥሮስ 2:21

  3.   የሱስ፡ ‘ክርስትያን ኢና’ እናበሉ ትእዛዛቱ ዘይሕልዉ ኸም ዚህልዉ፡ ንዓታቶም እውን ከም ዘይቅበሎም ተነብዩ እዩ። (ማቴዎስ 7:21-23፣ ሉቃስ 6:46) ገሊኦም በቶም ንጥቕሚ ርእሶም ኢሎም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዜበላሽዉ መራሕቲ ሃይማኖት ከም ዚስሕቱ ተሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 7:15) ገሊኦም ግና ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ዘይኰነስ ነቲ ኺሰምዕዎ ዚደልዩ ዘበለ ዚነግሮም ናይ ኣምሰሉ ክርስትና ኸም ዚመርጹ ተገሊጹ ኣሎ።—2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4

 የሱስ ኣብታ ምስላ ስርናይን ክርዳድን፡ ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትና ዓብዩ ኽሕደት ከም ዚልዓል ተነብዩ እዩ። (ማቴዎስ 13:24-30, 36-43) ንነዊሕ ግዜ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ኪልለዩ ኣይከኣሉን እዮም ነይሮም። ከምቲ የሱስ እተነበዮ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት እቲ ኽሕደት ኣስፋሕፊሑ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) ትምህርትታት ክሕደት ንሓድሕዱ ዚፈላለ እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሉ እቲ ናይ ሓሶት ክርስትና ‘ኻብ ሓቂ ዝዘምበሉ እዩ።’—2 ጢሞቴዎስ 2:18

 ብተወሳኺ፡ የሱስ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ክርስትናን ናይ ሓሶት ክርስትናን ዘሎ ፍልልይ ከም ዚንጽር ተነብዩ ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብዚ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” እተባህለ እንነብረሉ ዘለና እዋን ተፈጺሙ እዩ።—ማቴዎስ 13:30, 39