ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ብሓዳር ጸሚድዎም እዩ። ንሓዳር ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍሉይ ማእሰር ገይሩ እዩ ኣቚምዎ። እዚ ኸኣ፡ ንዕኦምን ኣብ መጻኢ ንዚውለዱ ደቆምን እተረጋግአ ህይወት ኪህልዎም መሰረት ዚኸውን እዩ።—ዘፍጥረት 1:27, 28፣ 2:18

 ኣምላኽ ንሰብ ሓዳር ኪሕጐሱ እዩ ዚደልዮም። (ምሳሌ 5:18) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓዳር ዕዉት ኪኸውን ዚሕግዝ መለክዒታትን ስርዓታትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ንሓዳር ብዚምልከት መለክዒታት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

 ኣምላኽ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ንመውስቦ ናይ ሓደ ሰብኣይን ናይ ሓንቲ ሰበይትን ጥምረት ገይሩ እዩ ኣቚምዎ። (ዘፍጥረት 2:24) ድርብ መውስቦ ዀነ ግብረ ሶዶም ወይ እውን ሰብኣይን ሰበይትን ቃል ኪዳን ከይኣሰሩ ተኣኻኺቦም ኪነብሩ ኣየፍቅድን እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9፣ 1 ተሰሎንቄ 4:3) የሱስ ንሰዓብቱ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ዘውጽኦ መለክዒታት መውስቦ ኺእዘዝዎ ምሂርዎም እዩ።—ማርቆስ 10:6-8

 ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ፡ መውስቦ ነባሪ ጥምረት እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ኪምርዓዉ ኸለዉ፡ ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑን ብህይወቶም ክሳዕ ዘለዉ ኸኣ ብሓደ ኺነብሩን ቃል ይኣትዉ። ኣምላኽ ነቲ ዝኣተውዎ ቓል ኪሕልዉ እዩ ትጽቢት ዚገብረሎም።—ማርቆስ 10:9

 ብዛዕባ ምፍልላይን ፍትሕንከ ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብል፧

 ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ንሓድሕዶም ኪፈላለዩሉ ዚኽእሉ ዅነታት ኪፍጠር ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቶም መጻምድቲ፡ ምስ ቤተ ሰብ እተተሓሓዘ ኣገዳሲ ጕዳያት ስለ ዘጋጠሞ ኺገይሽ የድልዮ ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ሓዳር ብዜጋጥም ጸገማት ምኽንያት ጌርካ ምፍልላይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይድግፎን እዩ። ኣብ ክንዳኡ፡ መጻምድቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ንዕርቂ ኺጽዕሩ ይላቦ።—1 ቈረንቶስ 7:10

 ንፍትሕ መሰረት ኪኸውን ዚኽእል እንኮ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ዝሙት ጥራይ እዩ። (ማቴዎስ 19:9) ስለዚ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብዘይካ ብዝሙት፡ ኪፈላለዩ ወይ ኪፋትሑ እንተ ወሲኖም፡ ዋላ ሓደ ኻብኦም ወረዘ ኺገብርን እንደገና ኺምርዖን መጽሓፍ ቅዱስ ኣይፈቅድን እዩ።—ማቴዎስ 5:32፣ 1 ቈረንቶስ 7:11

 መርዓ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ ብሕጋዊ መገዲ ኺምዝገብ የድልዮ ድዩ፧

 ኣምላኽ ንክርስትያናት ነቲ መንግስትታት ብዛዕባ መውስቦ ዘውጽኣኦ ሕግታት ኪእዘዙ ይጽበዮም እዩ። (ቲቶስ 3:1) ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ መጻምድቲ፡ መርዓኦም ብሕጋዊ ኺምዝግብዎ ይግባእ። ከምዚ ምግባሮም ከኣ፡ ንሰበ ስልጣንን ነቲ ኣምላኽ መውስቦ ነባሪ ኪኸውን ዘውጽኦ መለክዒታትን ኣኽብሮት ከም ዘለዎም የርእዩ። a

 መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ተራን ሓላፍነትን እዩ ዚህቦም፧

  •   ሓባራዊ ሓላፍነታት። ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕርን ምክብባርን ኪህልዎም ኣለዎ። (ኤፌሶን 5:33) ምስ ጾታዊ ድሌቶም እተተሓሓዘ ነፍሲ ወከፎም ብፍቕራዊ መገዲ ኺተሓላለዩ፡ ዘይተኣማንነት ዚብሃል እውን ፈጺሞም ኬርሕቑ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 7:3፣ እብራውያን 13:4) ውሉዳት እንተ ኣልዮምዎም፡ ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዑ ናይ ምዕባይ ሓባራዊ ሓላፍነት ኣለዎም።—ምሳሌ 6:20

     መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕን ዕዮ ገዛን ብኸመይ ኪማቐልዎ ኸም ዘለዎም ብዝርዝር ኣይገልጽን እዩ። ስለዚ፡ ብሓባር ኰይኖም ንስድራ ቤቶም ብዚጥዕም መገዲ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም።

  •   ሰብኣይ ዘለዎ ተራ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እዩ” ይብል። (ኤፌሶን 5:23) ርእሲ ኺበሃል ከሎ፡ ንስድራ ቤቱ ኺመርሕ፡ ንብዓልቲ ቤቱን ንደቁን ዚጠቅም ውሳነ ድማ ኪገብር ሓላፍነት ኣለዎ ማለት እዩ።

     ንስድራ ቤቱ ብኣካላውን ስምዒታውን መንፈሳውን መዳይ ዜድልዮም ነገራት ኬማልእ ኪጽዕር ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ምስ ብዓልቲ ቤቱ ሓቢሩ ብምዕያይ፡ ንባህርያታን ክእለታን ዘለዎ ኣኽብሮት የርኢ። ውሳነታት ኪገብር ከሎ ድማ፡ ንርእይቶኣን ስምዒታን ተጠንቂቑ ኣብ ግምት የእቱ እዩ። (ምሳሌ 31:11, 28) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብኣይ ንሓላፍነቱ፡ ብፍቕራዊ መገዲ ኺዓይየሉ ኸም ዘለዎ ይነግረና እዩ።—ቈሎሴ 3:19

  •   ሰበይቲ ዘለዋ ተራ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰበይቲ . . . ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ” ብምባል ይገልጽ እዩ። (ኤፌሶን 5:33) ኣምላኽ ነቲ ንሰብኣይ እተዋህበ ሓላፍነት፡ ሰበይቲ ኸተኽብረሉ ኸላ ይሕጐስ እዩ።

     ሰበይቲ ዘለዋ ተራ፡ ንሰብኣያ ጽቡቕ ውሳነታት ኣብ ምግባር ክትሕግዞን ንርእስነቱ ኽትድግፎን እዩ። (ዘፍጥረት 2:18) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳራ ንዘለዋ ተራ ብትግሃት እትዓምም ሰበይቲ ይንእዳ እዩ።—ምሳሌ 31:10

 ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣምላኽ ንሰብ ሓዳር ውሉዳት ኪወልዱ ትጽቢት ይገብረሎም ድዩ፧

 ኣይፋልን። ብግዜ ጥንቲ፡ ኣምላኽ ንገለ ኻብ ኣምለኽቱ ውሉዳት ኪወልዱ ኣዚዝዎም እዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 9:1) እዚ መምርሒ እዚ ግና፡ ንክርስትያናት ኣይምልከቶምን እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ ውሉዳት ኪወልዱ ፈጺሙ ኣዚዝዎም ኣይፈልጥን እዩ። እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ እውን እንተዀኑ፡ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ውሉዳት ኪወልዱ ኣለዎም ኢሎም ኣይፈልጡን እዮም። ሰብ ሓዳር፡ ውሉዳት ኪወልዱ ወይ ከይወልዱ ዚውስኑ ባዕላቶም እዮም።

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳረይ ብኸመይ ይሕግዘኒ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብ ሓዳር፡ ሓዳሮም ብጽቡቕ ኪጅምሩ ዚሕግዞም ስርዓታት ዝሓዘ እዩ። ብተወሳኺ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብ ሓዳር ዜጋጥሞም ጸገማት ኬወግዱ ወይ ኬሰንፉ ይሕግዞም እዩ።

 ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሰብ ሓዳር በዚ ዚስዕብ መዳያት ይሕግዞም እዩ፦

a መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህላዊ ወይ ቀቢላዊ መርዓ ብዚምልከት ዘለዎ ርእይቶ፡ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 21፡ ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ።