ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንዳድ ሬሳ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንዳድ ሬሳ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንዳድ ሬሳ ዋላ ሓንቲ ንጹር መምርሒ ኣይህብን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምቕባር ወይ ምንዳድ ሬሳ እተዋህበ ትእዛዝ ኣይርከብን እዩ።።

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም እተቐብሩ ይትርኽ እዩ። ንኣብነት፡ ንሰበይቱ ሳራ መቓብር ንምርካብ ብዙሕ ጽዒሩ እዩ።—ዘፍጥረት 23:2-20፣ 49:29-32

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ እሙናት ሰባት ሬሳ ኸም ዘንደዱ እውን ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ሳኦልን ሰለስተ ደቁን ኣብ ውግእ ምስ ሞቱ፡ ሬሳኦም ኣብ ክሊ ጸላኢ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ልዕሊ ሬሳኦም ድማ ዜዋርድ ተግባር ተፈጺሙ ነይሩ እዩ። ነዚ ዅነታት እዚ ዝሰምዑ እሙናት እስራኤላውያን ተዋጋእቲ፡ ሬሳታት ሳኦልን ደቁን ወሲዶም ኣንደድዎ፡ ንዝተረፈ ኣዕጽምቶም እውን ቀበርዎ። (1 ሳሙኤል 31:8-13) እዚ ቕቡል ምዃኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ።—2 ሳሙኤል 2:4-6

ብዛዕባ ምንዳድ ሬሳ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ ምንዳድ ሬሳ ነቲ ዚነድድ ሰብ ውርደት እዩ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምዉታት ናብ ሓመድ ከም ዚምለሱ ይገልጽ እዩ፣ ሬሳ ምስ መሽመሸ እውን ከምኡ እዩ ዚኸውን። (ዘፍጥረት 3:19) ሬሳ ምስ ዚነድድ፡ ናብ ሓምዅሽቲ ወይ ሓመድ ዚልወጠሉ መስርሕ ይፋጠን እዩ።

 ግጉይ ርድኢት፦ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሞገስ ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት ጥራይ እዮም ሬሳኦም ዚነድድ።

 ሓቂ፦ ሬሳ ገሊኦም ዘይእሙናት ሰባት፡ ንኣብነት ሬሳ ዓካንን ስድራ ቤቱን ብሓዊ ነዲዱ እዩ። (እያሱ 7:25) እዚ ግና ልሙድ ተግባር ዘይኰነስ፡ ፍሉይ ተግባር እዩ ነይሩ። (ዘዳግም 21:22, 23) ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ ሬሳታት ገሊኦም እሙናት ሰባት፡ ንኣብነት ሬሳ ዮናታን ወዲ ንጉስ ሳኦል ነዲዱ እዩ።

 ግጉይ ርድኢት፦ ሬሳ ምስ ዚነድድ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰብ ኣየተንስኦን እዩ።

 ሓቂ፦ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት፡ ሬሳ ይንደድ፡ ወይ ኣብ ባሕሪ ይጥሓል፡ ወይ ብኣራዊት ይበላዕ፡ ንኣምላኽ ኣይጨንቆን እዩ። (ራእይ 20:13) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ነቲ ሰብ፡ ሓድሽ ሰብነት ዳግም ኪፈጥረሉ ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:35, 38