ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት ድዩ፧

ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ገንዘብ ክፉእ እዩ’ ወይ ‘ጠንቂ ዅሉ ሕማቕ ነገራት እዩ’ ኣይብልን እዩ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ “ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ” ዚብል ልሙድ ኣበሃህላ፡ ዘይተማልአን ዜጋግን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ፡ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ” እዩ ዚብል። a1 ጢሞቴዎስ 6:10ትርጉም 1956።

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ይብል፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንገንዘብ ብጥበብ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ጠቓምን ዕቝባን ከም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። (መክብብ 7:12) መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ንኻልኦት ዚልግሱ፡ እንተላይ ነቶም ገንዘባዊ ሓገዝ ዚህቡ ይንእዶም እዩ።—ምሳሌ 11:25

 ብኻልእ ሸነኽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትኵሮና ኣብ ገንዘብ ጥራይ ከይከውን የጠንቅቐና እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ኸምዚ ይብል፦ “ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ።” (እብራውያን 13:5) እምበኣር፡ ንገንዘብ ብግቡእ ንጠቐመሉ፣ ደድሕሪ ሃብቲ ኸኣ ኣይንስዓብ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ቐንዲ ዜድልየና ነገራት፡ ማለት ምግቢ፡ ክዳን፡ መጽለሊ እንተ ኣልዩና፡ በዚ ዕጉባት ንኹን።—1 ጢሞቴዎስ 6:8

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ገንዘብ ዜጠንቅቐና ስለምንታይ እዩ፧

 ስሱዓት ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይኪረኽቡን እዮም። (ኤፌሶን 5:5) ከመይሲ፡ ስስዐ፡ ኣምልኾ ጣኦት ወይ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እዩ። (ቈሎሴ 3:5) ስሱዓት ሰባት ዚምነይዎ ዘበለ ንምርካብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንቕኑዕ ስርዓታት ይጥሕሱ እዮም። ኣብ ምሳሌ 28:20 “ኪህብትም ዚህወኽ ግና፡ ንጹህ ኰይኑ ኣይቅጽልን” ይብል። ኪህብትሙ ዚደልዩ ሰባት፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ከም ጕሕለት፡ ዘረፋ፡ ምትላል፡ ጭውያ፡ ወይ ቅትለት ዝኣመሰለ ገበናት እውን ኪፍጽሙ ይኽእሉ እዮም።

 ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሕማቕ ባህርያት ከነጥሪ እኳ እንተ ዘይገበረና፡ ካልእ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ግና የስዕበልና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቶም ኪህብትሙ ዝቘረጹ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ . . . ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እውን እዮም ዚወድቁ” ይብል እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:9

 ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብ ዚህቦ ምኽሪ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

 ምእንቲ ገንዘብ ኢልና ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ስርዓታት ዕሽሽ እንተ ዘይኢልና፡ ንርእስና ግቡእ ኣኽብሮት ይህልወና፣ ስምረትን ደገፍን ኣምላኽ እውን ንረክብ። ኣምላኽ ነቶም ባህ ኬብልዎ ኻብ ልቦም ዚጽዕሩ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩሎም ኣሎ። (እብራውያን 13:5, 6) ብተወሳኺ ድማ፡ “እሙን ሰብ ብዙሕ በረኸት ይረክብ” ኢሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—ምሳሌ 28:20

a እዛ ጥቕሲ፡ “ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ኽፍኣት እዩ” ተባሂላ እውን ተተርጒማ ኣላ።