ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት

ብኸመይ ፍቕርኻ ኸም እተርኢ

ብኸመይ ፍቕርኻ ኸም እተርኢ

 ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ገሊኦም ሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበረ ፍቕሪ እናነከየ ይኸይድ እዩ። ኣብ ሓዳርካ ኸምዚ የጋጥመካ እንተ ኣልዩ፡ ኬተሓሳስበካዶ ኣለዎ፧

 ክትፈልጦ ዘሎካ

 ፍቕሪ ንድልዱል ሓዳር ግድን ኣድላዪት እያ። ከምቲ ሰብነትና ድልዱልን ጥዑይን ኪኸውን ምግብን ማይን ዜድልዮ፡ ሓዳር እውን ብቐጻሊ ይዕንገልን ይድልድልን እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽናሖም እውን እንተ ዀነ፡ ካብ መጻምድቶም ወትሩ ፍቕርን ሓልዮትን ይደልዩ እዮም።

 ናይ ሓቂ ፍቕሪ ጥቕሚ ርእሳ እትደሊ ኣይኰነትን። ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘላቶ ሰብ ንብጸይቱ ኼሐጕሳ ይደሊ እዩ። ስለዚ፡ ቃሕ ኪብሎ ኸሎ ጥራይ ፍቕሩ ኣብ ክንዲ ዚገልጽ፡ መጻምድቱ ፍቕሪ ኸም ዜድልያ ተገንዚቡ፡ ፍቕሩ ኺገልጽ ይጽዕር እዩ።

 ብሓፈሻኡ፡ ኣንስቲ ኻብ ሰብኡት ንላዕሊ መግለጺታት ፍቕሪ ይደልያ እየን። ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣጸቢቑ የፍቅራ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ፍቕሩ ኣብ መጀመርታን መወዳእታን መዓልቲ ጥራይ ወይ ቀቅድሚ ጾታዊ ርክቦም ጥራይ እንተ ገሊጹ፡ ሰበይቱ ብሓቂ ይሓልየላ እንተ ዀይኑ ኽትጠራጠር ትኽእል እያ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ምሉእ መዓልቲ ብዙሕ ሳዕ ፍቕሩ እንተ ገለጸላ ይሓይሽ።

 ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

 ፍቕርኻ ብቓላት ግለጽ። “አፍቅረኪ እየ” ወይ “ብዙሕ እየ ዝፈትወካ” ዝኣመሰለ ቓላት፡ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ጽቡቕ ስምዒት ይፈጥር እዩ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣፍሲ ኻብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ።”—ማቴዎስ 12:34

 ምኽሪ፦ ንመግለጺ ፍቕርኻ ኣብ ዘረባ ጥራይ ኣይትደርቶ። ኣብ ከም ካርድ፡ ኢ-መይል፡ ወይ ተክስት እውን ጽሓፎ።

 ፍቕርኻ ብተግባር ግለጽ። ምሕቋፍ፡ ምስዓም፡ ወይ ኢድ ንኢድ ምትሕሓዝ፡ እቲ ብኣፍካ ዝገለጽካዮ ስምዒት ካብ ልብኻ ኸም ዝፈልፈለ የርኢ እዩ። ናይ ሓቂ ሓልዮት፡ ብምትንካይ፡ ብናይ ፍቕሪ ቘላሕታ፡ ወይ ብህያብ እውን ይግለጽ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣስቤዛ ብምስካም፡ ማዕጾ ብምኽፋት፡ ኣቕሑ ብምሕጻብ፡ ክዳውንቲ ብምሕጻብ፡ ወይ ምግቢ ብምስራሕ፡ ንሰበይትኻ ፍቕርኻ ኽትገልጸላ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ምግባር ካብ ግብራዊ ሓገዝ ንላዕሊ ትርጉም ኣለዎ፣ ብተግባር ዚርአ መግለጺ ፍቕሪ ጌርካ ብብዙሓት ይርአ እዩ!

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን [ጥራይ] ኣይንፋቐር።”—1 ዮሃንስ 3:18

 ምኽሪ፦ ንመጻምድትኻ ኸምቲ ቕድሚ ሓዳርኩም ክትተዓራረኹ ኸለኹም እትገብሮ ዝነበርካ ጌርካ ሓልዮትካ ኣርኢ።

 ክልቴኹም ብሓንሳእ እተሕልፍዎ ግዜ መድቡ። ሰብ ሓዳር ክልቲኦም በይኖም ዜሕልፍዎ ግዜ እንተ ኣልይዎም፡ ሓዳሮም ይድልድል፡ ብሓንሳእ ግዜ ምሕላፍ ከም ዜሐጕሶም ድማ መረጋገጺ ኺርእዩ ይኽእሉ። ቈልዑ እንተ ኣልዮም ወይ ብዙሕ ዜዘራርብ መዓልታዊ ዋኒን እንተ ኣልዩ፡ ግዜ ምርካብ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት ክልቴኹም በይንኹም ብእግርኹም ክትዛወሩ፡ ወይ ኣብ ካልእ ንጥፈታት ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ [ኣሎኩም።]”—ፊልጲ 1:10

 ምኽሪ፦ ገሊኦም ብስራሕ ትሑዛት ዝዀኑ ሰብ ሓዳር፡ ክልቲኦም በይኖም ዜሕልፉሉ ሓደ ምሸት ወይ ሓደ መዓልቲ ይምድቡ እዮም።

 ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋለጡ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍቕሪ ዚደልየሉ መገዲ ኻብ ካልእ ተፈልየ እዩ። ፍቕሪ ብኸመይ ኪግለጸልኩም ከም እትደልዩ፡ ተወሳኺ መግለጺ ፍቕሪ እውን ዜድሊ እንተ ዀይኑ፡ ተዛራረቡሉ። ድሕሪኡ፡ ኣብኡ ተመስሪትኩም፡ ንሓድሕድኩም ፍቕርኹም ንምግልላጽ ጽዓሩ። ፍቕሪ ንድልዱል ሓዳር ግድን ኣድላዪት ምዃና ኣይትረስዕ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ፍቕሪ . . . ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን።”—1 ቈረንቶስ 13:4, 5

 ምኽሪ፦ መጻምድትኻ ፍቕሪ ኽትገልጸልካ ጥራይ ኣብ ክንዲ እትጽበ፡ ‘መጻምድተይ ንዓይ ብዝያዳ ኸም እትፈትወኒ ንምግባር፡ እንታይ ክገብር እኽእል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።