ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓዳር

ምስጢር ዓወት

ብሓዳርካ ንኽትሕጐስ፡ መምርሒ ኣምላኽ ድለ

ክልተ ቐለልቲ ሕቶታት ብምሕታት፡ ንሓዳርካ ኸተመሓይሾ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓዳር፡ ሓጐስ ኪሰፍን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜሐጕስ ሓዳር ንኽንሃንጽ ዚህበና ምኽሪ ይዓዪ እዩ። ከመይሲ፡ ምንጩ፡ እቲ መስራቲ መውስቦ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ።

ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣበርክቶ ዚገብር ጥበብ

ሰብኡት፡ ኣንስቲ፡ ወለዲ ኸምኡ እውን ቈልዑ ሕጉስ ናብራ ስድራ ቤት ምእንቲ ኺህልዎም እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ንስድራ ቤታት ዜዐውት—ስኒት

ኣብ ሓዳርኩም ከም መዳብልቲ ጌርኩም ዲኹም እትረኣኣዩ፧

ትዕግስቲ ብኸመይ ተጥሪ፧

ክልተ ዘይፍጹማት ሰባት ሓዳር ምስ ዚገብሩ፡ እተፈላለየ ጸገማት ይልዓል እዩ። ሓዳር ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን፡ ትዕግስቲ ኣዝያ ኣድላዪት እያ።

ኣኽብሮት ብኸመይ ከም እተርኢ

ኣብ ሓዳር፡ ኣኽብሮት ኣብ ቃሕ ዝበለካ እዋን እተርእዮ ነገር ኣይኰነን፣ መሰረታዊ ነገር እዩ። ንመጻምድትኻ ኸም እተኽብሮ ኸተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ሕጉስ ሓዳር፦ ፍቕርኻ ኣርኢ

ስራሕ፡ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዜጋጥም ሃታሃታ፡ ካልእ ኣትኵሮ ኺሰርቕ ዚኽእል ነገራት ንሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶም ኪረሓሓቑ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ንመጻምድትና ዘሎና ፍቕሪ ዳግማይ ኪዅላዕ ይኽእልዶ፧

ከመይ ጌርካ ሞሳኻ ኸም እትገልጽ

ሰብኣይን ሰበይትን ንጽቡቕ ባህርያት ሓድሕዶም ዜስተብህሉሉን ዚንኣኣዱን እንተ ዀይኖም፡ ርክቦም ይመሓየሽ እዩ። እሞኸ ኣመስጋኒ ንምዃን እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ብኸመይ ፍቕርኻ ኸም እተርኢ

ሰብ ሓዳር ብሓቂ ኸም ዚተሓላለዩ ኸመይ ገይሮም ኬርእዩ ይኽእሉ፧ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣርባዕተ ሓሳባት እስከ ርአ።

ንቓል ኪዳንካ ብኸመይ ከም እተደልድሎ

ቃል ኪዳን፡ ምስ ሓዳር ኣሲሩ ዚሕዘካ መቝሕ ድዩ፡ ወይስ ንሓዳርካ ነቕ ከም ዘይብል ዚገብሮ መልህቕ፧

ንሓድሕድኩም እሙናት ኩኑ

ኣብ ሓዳር እሙን ንምዃን፡ ካብ ዝሙት ምርሓቕ ጥራይ እኹል ድዩ፧

ካልኣይ መውስቦ ኸም ዚሰምር ምግባር

ካልኣይ መውስቦ፡ ኣብቲ ቐዳማይ መውስቦ ዘይነበረ ብድሆታት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። መጻምድቲ ብኸመይ ኪዕወቱ ይኽእሉ፧

ኣቱም ሰብኡት፡ ኣብ ቤትኩም ቅሳነት ኣስፍኑ

ሓንቲ ስድራ ቤት፡ ምስ ገንዘብ ብዚተሓሓዝ ዋላ ሓንቲ ጸገም ዘይብላ እኳ እንተ ዀነት፡ ካብኡ ንላዕሊ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነ ጕዳይ ግና ቅሳነት ዘይብላ ኽትከውን ትኽእል እያ።

መገዲ ሓጐስ—ፍቕሪ

ሓደ ሰብ ዜፍቅርን ዚፍቀርን እንተ ዀይኑ፡ ሕጉስ ይኸውን።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ይብል፧

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብ ሓዳር ዜጋጥሞም ጸገማት ኬወግዱ ወይ ኬሰንፉ ይሕግዞም እዩ።

መውስቦ ማሕበራዊ ርክብ ጥራይ ድዩ፧

ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ኣምላኽ ኣብ ሓዳሮም ንኺፍጽምዎ ዚሃቦም ግደ ምስ ዚዓዩሉ፡ ብኸመይ ዕዉታትን ሕጉሳትን ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ርአ።

ሓጐስ ዚርከብ ካብ መውስቦ ጥራይ ድዩ፧

ንጽል ክርስትያናት ሕጉሳት ኪዀኑ ይኽእሉዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መውስቦ ግቡእ ኣርኣእያ ይህብ፡ ንንጽል ዚኸውን ጽቡቕ ኣብነት ዝሓዘ እውን እዩ።

ጸገማትን መፍትሒኡን

ቅጭ ንዜምጽኣልካ ጠባይ መጻምድትኻ፡ ከመይ ጌርካ ብጽቡቕ ዓይኒ ትርእዮ፧

ቅጭ ዜምጽኣልካ ጠባይ ኣብ ሓዳርኩም ንፋስ ኣብ ክንዲ ዜእትወልኩም፡ ነቲ ጠባይ ብኻልእ ዓይኒ ርኣዮ።

ንስራሕካ ብኸመይ ኣብ ቦታኡ ኽትገድፎ ትኽእል፧

ኣብ መንጎ ስራሕካን ሓዳርካን ሚዛንካ ኽትሕሉ ዚሕግዝ ሓሙሽተ ምኽሪ

ንግዳያት ዘቤታዊ ዓመጻ ዚኸውን ሓገዝ

ናትኪ ጌጋ ኸም ዘይኰነ ፍለጢ፣ በይንኺ ድማ ኣይኰንክን።

መወዳእታ ዘቤታዊ ዓመጻ

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኣዝዮም ዓመጽቲ ሰባት ባህርዮም ንኪቕይሩ ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

ምስ እንዳ ኣሕሙ ተሳኒኻ ምንባር

ምስ እንዳ ኣሕሙ ዜጋጥም ጸገም፡ ኣብ ሓዳርካ ጸገም ንኸየምጽእ ኪሕግዘካ ዚኽእል ሰለስተ ምኽሪ።

ምስ ኣዝማድካ ብኸመይ ብሰላም ከም እትነብር

ንሓዳርካ ብዘይጐድእ መገዲ ንወለድኻ ኸተኽብሮም ትኽእል ኢኻ።

ኣረኣእያኹም ምስ ዚፈላለ

ሰብ ሓዳር ንግጭቶም ኪፈትሑን ሰላሞም ኪሕልዉን ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

መጻምድትኺ ስእለ ጽዩፍ ምስ ዚርኢ

ሰብ ሓዳር ንወልፊ ስእለ ጽዩፍ ምእንቲ ኼሰንፉ፡ ኣብ ሓዳሮም ዝነበረ ምትእምማን እውን ምእንቲ ኺመልሱ ብኸመይ ብሓባር ኪዓይዩ ይኽእሉ፧

ስእለ ጽዩፍ፡ ሓዳር ኪብትን ይኽእል እዩ

እዚ ሓሳባት እዚ፡ ንልማድ ስእለ ጽዩፍ ክትሓድጎን ርክብካ ኽትጽግንን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ንፍልልያት እትሕዘሉ መገዲ

ንስኻን መጻምድትኻን ዘይትቃደዉ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧

ቂም ካብ ምሓዝ ብኸመይ ከም እትርሕቕ

መጻምድትኻ ንዝፈጸሞ በደል ይቕረ ንምባል፡ ነቲ ጕዳይ ኣትሒትካ ኽትርእዮ ወይ ከኣ ከም ዘይተፈጸመ ጌርካ ኽትቈጽሮ ኣሎካ ማለት ድዩ፧

ንስድራ ቤታት ዜዐውት—ይቕረታ

ኣብ ጕድለታት መጻምድትኻ ኸይተተኵር ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

ውሉዳት ካብ ቤት ምስ ዚወጹ

ሰብ ሓዳር፡ ደቆም ዓብዮም ካብ ቤት ምስ ወጹ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ጸገም የጋጥሞም እዩ። ኣብቲ ብዘይ ውሉዳቶም ዝተረፈ ገዛ፡ ጓኖት ኰይኖም ምእንቲ ኸይስምዖም እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ቅንኢ ኣብ ሓዳርካ ምእንቲ ኸይኣቱ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ጥርጣረን ዘይምትእምማንን እንተ ኣልዩ፡ ንሓዳር ንፋስ እዩ ዚኣትዎ። ስለዚ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብ ሕማቕ ቅንኢ ኽትርሕቕ እትኽእል፧

ምሕዝነት ደረቱ ኺሓልፍ ከሎ

‘ምሕዝነታዊ ዕርክነት ጥራይ እዩ ዘሎና’ ኢልካ ዲኻ እትሓስብ፧ ከምኡ ኢልካ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ እንታይ ከም ዚብል መርምር።

ምፍልላይን ፍትሕን

ብሓዳርካ ኽትጕሂ ኸለኻ

መጻምድትኻ፡ መጻምድቲ ዘይኰነስ፡ መጻርድቲ ኸም ዝዀነ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ ኣብ ሓዳርካ ኺሕግዘካ ዚኽእል ሓሙሽተ ነጥብታት ኣሎ።

መጻምድቲ ምስ ዚጠልም፡ ብህይወት ምንባርዶ ይሓይሽ፧

ብዙሓት ንጹሃት መጻምድቲ ብጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጸናኒዖም እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝሙት እንታይ ይብል፧

ሓዳር ብሰንኪ ዝሙት ኪፈርስ ይኽእል ድዩ፧

ድሕሪ ፍትሕ ንቕድሚት ምስጓም

ዳርጋ ኵሎም እተፋትሑ ሰባት፡ ድሕሪ ፍትሕ ዘሎ ናብራ ህይወት፡ ካብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ እዩ ዚስምዖም። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ግብራዊ ምኽሪ፡ ነዚ ብዓወት ንኽትሰግሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ፍትሕ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓዳሮም ጸገም ንዘለዎም ሰብ ሓዳር ይሕግዝዎም ድዮም፧ ሽማግለታት ጉባኤ ንፍትሕ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኬጽድቕዎ የድልዮም ድዩ፧