ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ፡ ስደተኛታት ይሕገዙ ኣለዉ

ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ፡ ስደተኛታት ይሕገዙ ኣለዉ

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ካብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ደቡብ እስያን ዝመጹ ማእለያ ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ውሒዞም እዮም። መንግስታውያን ትካላትን ወለንተኛታትን ድማ፡ ምግብን መጽለልን ሕክምናዊ ሓገዝን ብምሃብ ኪሕግዝዎም ይጽዕሩ ኣለዉ።

ስደተኛታት ግና ንዋታዊ ሓገዝ ጥራይ ኣይኰነን ዜድልዮም። ብዙሓት ካባታቶም ሕማቕ ተመክሮ ስለ ዘሕለፉ፡ ምጽንናዕን ተስፋን እውን የድልዮም እዩ። ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቶም ስደተኛታት ጽን ኢሎም ብምስማዕን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜጸናንዕ ሓሳባት ብምክፋልን ነዚ ዜድልዮም ነገራት እዚ ኼማልኡሎም ይጽዕሩ ኣለዉ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጸናንዒ

ካብ ነሓሰ 2015 ንነጀው፡ ኣብ ኦስትርያን ጀርመንን ካብ ዚርከባ 300 ጉባኤታት እተዋጽኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስደተኛታት ንምጽንናዕ ፍሉይ ጻዕሪ ገይሮም እዮም። ስደተኛታት ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ዚህቦ መልሲ ኺመያየጡ ኸም ዚደልዩ ድማ ኣስተብሂሎም እዮም፦

ካብ ነሓሰ ኽሳዕ ጥቅምቲ 2015 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ማእከላይ ኤውሮጳ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ቶን ዚምዘን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኪለኣኸሎም ሓቲቶምን ነቶም ስደተኛታት ብዘይ ክፍሊት ሂቦምዎምን እዮም።

ቋንቋ ንዚፈጥሮ ዕንቅፋት ምስጋሩ

ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ቋንቋ ኣዲኦም ጥራይ ስለ ዚዛረቡ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብኣማእታት ቋንቋታት እተዳለወ ዓንቀጻትን ቪድዮታትን ዚርከቦ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ይጥቀሙ እዮም። ኣብ ኤርፈርት፡ ጀርመን ብወለንታ ዜገልግሉ ማትያስን ፔትራን፡ “ሓድሓደ ግዜ ብምልክታት ወይ ብስእልታት ኢና እንረዳዳእ” በሉ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ እቶም ስደተኛታት ኬካፍሉ ዚሕግዞም JW Language ዚብሃል ቋንቋ ኽትምሃር ዚሕግዝ ኣፕሊኬሽን ይጥቀሙሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ጥቕስታት ንምንባብን ቪድዮታት ንምርኣይን ነቲ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ዚርከብ JW Library app ዚብሃል ኣፕሊኬሽን ይጥቀሙ እዮም።

ዜደንቕ ምላሽ

ኣብ ሽቫይንፈርት፡ ጀርመን ዚነብሩ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ብዙሓት ሰባት እዮም ከቢቦምና። እቶም ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰዓትን ፈረቓን፡ ኣስታት 360 ጽሑፋት ወሲዶም። ገሊኣቶም ከኣ ርእሶም ብምድናን ምስጋናኦም ገሊጾምልና” ብምባል የዘንትዉ። ኣብ ደትስ፡ ጀርመን ብወለንታ ዜገልግል ቮልፍጋንግ ድማ፡ “እቶም ስደተኛታት ዚግደሰሎም ሰብ ብምርካቦም ይሕጐሱ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብሓሙሽተ ወይ ብሽዱሽተ ቛንቋ እዮም ጽሑፋት ዚሓትቱ” በለ።

ብዙሓት ነቲ ጽሑፋት ብኡብኡ እዮም ኬንብብዎ ዚጅምሩ፣ ገሊኦም ከኣ ተመሊሶም ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር የመስግንዎም እዮም። ኣብ በርሊን፡ ጀርመን እትነብር ኢሎንካ፡ “ክልተ መንእሰያት ሒደት ጽሑፋት ወሲዶም፣ ፍርቂ ሰዓት ጸኒሖም ድማ ከም ህያብ እተወሰነ ሕብስቲ ሒዞም ተመሊሶም። ሞሳኦም ዚገልጹሉ ኻልእ ነገር ዘይነበሮም ብምዃኑ እውን ይቕረታ ሓቲቶም” ብምባል ተዘንቱ።

‘ነመስግነኩም! ብዙሕ ነመስግነኩም!’

ማሕበራዊ ሓገዝ ዚህቡ ሰራሕተኛታትን ሰበ ስልጣንን ጐረባብትን፡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወለንታኦም ዚፍጽምዎ ዕዮ ኣማስዮምሉ እዮም። ን300 ኣቢሎም ዚዀኑ ስደተኛታት ዚኣሊ ሓደ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ፡ “ነመስግነኩም! ብዛዕባ ጓኖት ኣዚኹም ስለ እትሓልዩ ብዙሕ ነመስግነኩም” በለ። ኣብ ሰፈር ስደተኛታት ዚዓዪ ሓደ ኻልእ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ኸኣ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ኣብዚ እዋን እዚ ህይወት ስደተኛታት ብዘይካ እቲ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ዚበልዕዎ ምግቢ ኻልእ ዘጠቓለለት ስለ ዘይኰነት፡” ብቛንቋኦም ዜንብብዎ ትርጉም ዘለዎ ጽሑፍ ምሃቦም ኣዝዩ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ነገሮም።

ኣብ ኦስትርያ ዚነብሩ መርየንን ብዓል ቤታ ስቴፋንን፡ ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ንዝነበሩ ኽልተ ፖሊስ፡ ዕላማ እቲ ዚዓይይዎ ዝነበሩ ወለንታዊ ዕዮ ገለጹሎም። እቶም ፖሊስ ኣመስገንዎም፡ ክልተ መጻሕፍቲ ኺውሃቦም ድማ ሓተቱ። መርየን፡ “እቶም ፖሊስ ስለቲ እንዓይዮ ዝነበርና ዕዮ ደጋጊሞም ኣመስጊኖምና እዮም” ትብል።

ንሓደ ሰፈር ስደተኛታት ኣዘውቲራ ኣቕሑ እትልግስ ኣብ ኦስትርያ እትነብር ሰበይቲ፡ ኵነታት ኣየር ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘየገድስ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ድሉዋት ምዃኖም ኣስተብሃለት። ሓደ መዓልቲ ኸኣ፡ “ስደተኛታት ብርግጽ ንዋታዊ ሓገዝ የድልዮም እዩ። ልዕሊ ዅሉ ዜድልዮም ግና ተስፋ እዩ። ንስኻትኩም ድማ እዚ ኢኹም እትህብዎም ዘለኹም” በለቶም።