ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓዘነይ ክኢለ ክነብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧

ሓዘነይ ክኢለ ክነብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧

ማይክ ሞት ኣቦኡ ዘኪሩ ክዛረብ ከሎ “ስምዒታተይ ዓቢጠ ንኽሕዞ ብዙሕ ፈቲነ ኢየ” ይብል። ንማይክ ሓዘንካ ዓቢጥካ ምሓዝ ስብእነት ኢዩ ነይሩ። ድሓር ግን ግጉይ ምንባሩ ተረድአ። ስለዚ ኣባሓጎ ዓርኩ ምስ ሞተ ማይክ እንታይ ከም ዝገብር ፈሊጡ ነበረ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ቅድሚ ክልተ ዓመት ነይሩ እንተ ዝኸውን: ኣብ መንኩቡ እናጠብጠብኩ ‘ኣጆኻ: ሰብኣይ ኩን’ ምበልክዎ ነይረ። ሕጂ ግን ኢዱ ሕዝ ኣቢለ ‘ስምዒትካ ከተውጽኦ ኣሎካ። ሓዘንካ ኽትክእል ክሕግዘካ ኢዩ። ክኸይድ እንተድኣ ደሊኻኒ ክኸይድ ኢየ። ምሳኻ ክጸንሕ እንተድኣ ደሊኻኒ ድማ ክጸንሕ ኢየ። ዝስምዓካ ነገር ንምግላጽ ግን ኣይትፍራህ’ በልኩዎ።”

ሜሪኣን እውን በዓል ቤታ ምስ ሞተ ስምዒታታ ዓቢጣ ክትሕዞ ፈቲና ኢያ። ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ብዛዕባ ንኻልኦት ኣብነት ምዃን ኣዝየ እሻቐል ብምንባረይ: እቲ ልሙድ ስምዒታት ክገልጽ ኣየፍቀድኩን። ኣብ መወዳእታ ግን: ንኻልኦት ዓንዲ ጽንዓት ክኸውን ምፍታን ከም ዘይሓገዘኒ ተረዳእኩ። ኵነታተይ ክምርምርን ንነፍሰይ ድማ ‘ክትበኽዪ እንተድኣ ደሊኺ ብኸዪ። ኣዚኺ ጽንዕቲ ክትኰኒ ኣይትፈትኒ። ስምዒትኪ ኣንፍስዮ’ ክብላ ጀመርኩ።”

በዚ ምኽንያት እዚ ክልቲኦም ማይክን ሜሪኣንን: ናይ ሓዘን ስምዒትካ ክወጽእ ኣፍቅደሉ! ኢሎም ይላበዉ። ሓቆም ድማ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ምሕዛን ስምዒትካ እተውጽኣሉ ኣድላዪ ዝዀነ መገዲ ኢዩ። ስምዒትካ ምውጻእ ነቲ ተጻዒኑካ ዝነበረ ነገር ከፍኵሶ ይኽእል ኢዩ። ባህርያዊ ዝዀነ መግለጺ ስምዒታት: ምርዳእን ርጡብ ሓበሬታን እንተድኣ ኣሰንይዎ: ናይ ስምዒታትካ ሚዛን ከም እትሕሉ ክገብረካ ኢዩ።

ርግጽ ኢዩ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሓደ ዓይነት መገዲ ኣይኰነን ሓዘኑ ዝገልጽ። ንኸም እቲ እተፍቅሮ ሰብ ሃንደበት ድዩ ሞይቱ ወይስ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ግዜ ሕማም ዝኣመሰለ ረቛሒታት ንስምዒታዊ መግለጺ ናይቶም ብህይወት ዘለዉ ሰባት ክጸልዎ ይኽእል ይኸውን። ሓደ እተረጋገጸ ነገር ግን ኣሎ:- ስምዒታትካ ምዕባጥ ብኣካላውን ስምዒታውን መገዲ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ ሓዘን ስምዒትካ ከም ዝወጽእ ምግባር ንጥዕና ጽቡቕ ኢዩ። ብኸመይ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ገለ ተግባራዊ ምኽሪ ሒዙ ኣሎ።

ሓዘንካ ከም ዝወጽእ ምግባሩ—ብኸመይ፧

ምዝራብ ሓዘንካ እተውጽኣሉ ጠቓሚ መገዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ካብቶም ናይ ጥንቲ ርእሲ ኣቦታት ዝዀነ እዮብ: ድሕሪ ሞት ናይ ብምሉኦም እቶም ዓሰርተ ደቁን ካልእ ንብሕቱ ዘጋጠሞ ዘሕዝን ፍጻመታትን ከምዚ በለ:- “ነፍሰይ ንህይወተይ መነወታ: ንጥርዓነይ ስቕ ኣየብሎን: [ብእብራይስጢ: “ከንፍሶ”] ብምረት ነፍሰይ ደኣ ኽዛረብ እየ።” (እዮብ 1:2, 18, 19፣ 10:1) እዮብ ንጥርዓኑ ዓቢጡ ክሕዞ ኣይከኣለን። ከንፍሶ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ፣ እወ “ኽዛረብ” ነበሮ። ብተመሳሳሊ: እቲ እንግሊዛዊ ናይ ድራማ ደራሲ: ሸክስፒር: ኣብታ ማክበት እትበሃል (እንግሊዝኛ) መጽሓፍ “ሓዘንካ ብቓላት ግለጾ፣ ብዘረባ ዘይግለጽ ሓዘን ነቲ ሰብ ብውሽጡ ይዅምትሮ ኢዩ” በለ።

ስለዚ ነቲ ብትዕግስትን ድንጋጽን ዝሰምዓካ “[“ናይ ሓቂ:” NW] ፈታዊ” ብዛዕባ ስምዒታትካ ምዝራብ ብመጠኑ ዕረፍቲ ከምጽኣልካ ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 17:17) ተመክሮታትን ስምዒታትን ብቓላት ክግለጹ ኸለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ንኽትርድኦምን ክትክእሎምን ዝቐለለ ኢዩ ዝኸውን። እቲ ዝሰምዕ ዘሎ ሰብ ሓዘን ኣጋጢምዎስ ነቲ ሓዘኑ ብዓወት እተዋጽኣሉ ምስ ዝኸውን ድማ: ካብኡ ንሓዘንካ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ገለ ተግባራዊ ርእዮታት ክትረክብ ትኽእል ትኸውን። ሓንቲ ውሉዳ ዝሞታ ኣደ: ንኻልእ ተመሳሳሊ ኵነታት ዘጋጠማ ሰበይቲ ምዝራብ ስለምንታይ ከም ዝጠቐማ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ሓንቲ ሰብ ተመሳሳሊ ኵነታት ከም ዘሕለፈት: ኣተሓሰስባኣን ስምዒታን ሓልያ ድማ ናብቲ ንቡር ኵነታታ ብምምላስ ገና ብህይወት ትቕጽል ከም ዘላ ምፍላጠይ ኣዝዩ ኣጸናኒዑኒ ኢዩ።”

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት፡ ሓዘንካ ንምግላጽ ስምዒትካ ምጽሓፍ ሓጋዚ ምዃኑ ይሕብር

ብዛዕባ ስምዒታትካ ምዝራብ ዝኸብደካ እንተድኣ ኰይኑኸ፧ ዳዊት ድሕሪ ሞት ሳኦልን ዮናታንን: ሓዘኑ ዝገለጸሉ ስምዒት ዝትንክፍ መልቀስ ደሪሱ ኢዩ። እዚ ናይ ሓዘን ድርሰት ኣብ መወዳእታ ብጽሑፍ እተሰነደ ክፍሊ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መጽሓፍ ካልኣይ ሳሙኤል ኰነ። (2 ሳሙኤል 1:17-27፣ 2 ዜና መዋእል 35:25) ብተመሳሳሊ: ገለ ሰባት ስምዒቶም ብጽሑፍ ምግላጽ ዝቐለለ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። በዓል ቤታ ዝሞታ ሓንቲ ሰበይቲ ስምዒታታ ከም ዝጸሓፈቶ እሞ ድሕርዚ ገለ መዓልትታት ጸኒሓ ነቲ ዝጸሓፈቶ ከም ዘንበበቶ ትዛረብ። እዚ ድማ ስምዒት ሓዘና ንኸተውጽኦ ጠቓሚ መገዲ ኰይኑ ረኸበቶ።

ብምዝራብ ይኹን ብምጽሓፍ: ስምዒትካ ምግላጽ ሓዘንካ ከተውጽእ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ዘይምርድዳእ ንምእላይ እውን ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ውሉዳ ዝሞታ ኣደ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ኣነን በዓል ቤተይን ቈልዓ ምስ ሞቶም እተፋትሑ ሰብ ሓዳር ምህላዎም ሰሚዕና ነበርና: ኣባና ከምዚ ክፍጸም ድማ ኣይደለናን። ስለዚ ሕርቃን ኣብ ዝስምዓና ግዜ: ንሓድሕድና ክንወቓቐስ ኣብ እንደልየሉ ዝዀነ ይኹን እዋን: ነቲ ነገር ተመያይጥና መዕለቢ ንገብረሉ። ከምኡ ብምግባርና ብሓቂ ከም እተቐራረብና ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ።” በዚ ምኽንያት እዚ: ስምዒትካ ምግላጽ እቲ ሞት ንኽልቴኻ ዝብጽሓካ እኳ እንተዀነ: ካልኦት ሓዘኖም ዝገልጽሉ መገድን መጠኑን እተፈልየ ክኸውን ከም ዝኽእል ንኽትርዳእ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።

ናይ ሓዘን ስምዒትካ ከቃልለልካ ዝኽእል ካልእ መገዲ ድማ ምብካይ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንብኽያት ጊዜ አለዎ” ይብል። (መክብብ 3:1, 4) ሞት ናይ ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ከምዚ ዝበለ ናይ ብኽያት እዋን ከም ዘምጽእ እተረጋገጸ ኢዩ። ናይ ሓዘን ንብዓት ምፍሳስ ኣድላዪ ክፍሊ ናይቲ ካብ ሓዘንካ እትጸናንዓሉ መገዲ ኢዩ።

ሓንቲ ንጽል መንእሰይ ሰበይቲ ኣዲኣ ምስ ሞተት ናይ ቀረባ መሓዛኣ ሓዘና ክኢላ ክትነብር ብኸመይ ከም ዝሓገዘታ ትገልጽ። “መሓዛይ ካባይ ኣይተፈልየትን። ምሳይ ኰይና በኸየት። ምሳይ ድማ ትዛረብ ነበረት። ስምዒተይ ንምግላጽ ድሕር ኣይበልኩን: እዚ ድማ ጠቒሙኒ ኢዩ። ምብካይ ኣየሕፈረንን” ብምባል ትዝክር። (ሮሜ 12:15 ርአ።) ንስኻውን እንተዀነ ብምንባዕካ ሕፈረት ክስምዓካ የብሉን። ከምቲ ዝረኣናዮ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ናይቶምዝዀነ ይኹን ሕፍረት ከይተሰምዖም ብግህዶ ናይ ሓዘን ንብዓት ዘፍሰሱ ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን—ንየሱስ ክርስቶስ ሓዊስካ—ዝሓዘ ኢዩ።—ዘፍጥረት 50:3፣ 2 ሳሙኤል 1:11, 12፣ ዮሃንስ 11:33, 35

ዝዀነ ይኹን ባህሊ ዘለዎም ሰባት ክሓዝኑ ኸለዉ ዘጸናንዖም ይደልዩ ኢዮም

ንግዚኡ ስምዒትካ ዝቀያየር ኰይኑ ትረኽቦ ትኸውን። ሃንደበት ንብዓት ይመጸካ ይኸውን። ሓንቲ በዓል ቤታ ዝሞታ ሰበይቲ ናብ ዓቢ ድኳን ኬድካ ምሽማት (መብዛሕትኡ ግዜ ምስ በዓል ቤታ ኰይና እትገብሮ ዝነበረት ነገር): ብፍላይ ድማ ካብ ልምዲ እተላዕለ: ነቲ በዓል ቤታ ዝፈትዎ ዝነበረ መግብታት ከተልዕል ከላ ንብዓት ይመጻ ነበረ። ንገዛእ ርእስኻ ተዓገሳ። ነቲ ንብዓት ክትዓግቶ ከም ዘሎካ ድማ ኣይሰማዕካ። ባህርያውን ናይ ሓዘን ኣድላዪ ክፍልን ምዃኑ ዘክር።

ነቲ ናይ ገበን ስምዒት ምጽዋሩ

ኣቐድም ኣቢሉ ከም እተገልጸ: ገሊኦም ሰባት ዘፍቅርዎ ሰብ ብሞት ምስ ተፈልዮም ናይ ገበን ስምዒት ይስምዖም ኢዩ። እቲ ዮሴፍ ወዱ “ሕሱም ኣራዊት” ከም ዝቐተሎ ገይሩ ንኽኣምን እተታለለ እሙን ሰብኣይ: ያእቆብ: መሪር ሓዘን እተሰምዖ በዚ ምኽንያት እዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ደሓን ምህላዎም ክርኢ ኢሉ ንዮሴፍ ናብ ኣሕዋቱ ዝለኣኾ ያእቆብ ባዕሉ ኢዩ። ስለዚ ያእቆብ ‘ንዮሴፍ ስለምንታይ ንበይኑ ሰደድኩዎ፧ ናብቲ ኣራዊት ዝመልእዎ ከባቢ ስለምንታይ ለኣኽኩዎ፧’ ዝብል ናይ ገበን ስምዒታት ከም ዘጨነቖ ፍሉጥ ኢዩ።—ዘፍጥረት 37:33-35

ምናልባት ብወገንካ እተራእየ ሸለልትነት ንሞት ናይቲ እተፍቅሮ ሰብ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ይስምዓካ ይኸውን። ንኸምዚ ዝበለ ናይ ገበን ስምዒት—ናይ ሓቂ ይኹን ብግምት—ናይ ሓዘን ስምዒት ዝግለጸሉ ባህርያዊ መገዲ ከም ዝዀነ ምግንዛብ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሕጂ እውን እንተዀነ: ከምዚ ዝበለ ናይ ገበን ስምዒታት ንበይንኻ ጥራይ ክትሕዞ ከም ዘሎካ ክትሓስብ የብልካን። ክሳዕ ክንደይ ገበነኛ ምዃንካ ከም ዝስምዓካ ምዝራብ ሓዘንካ ንኽወጸልካ ብዙሕ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።

እንተዀነ ግን: ንሓደ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ነፍቅሮ ምዃንና ብዘየገድስ: ንህይወቱ ወይ ህይወታ ክንቈጻጸሮ ከም ዘይንኽእል: ነቶም እነፍቅሮም ሰባት “ጊዜን ኣጋጣምን” ንኸየጓንፎም ክንከላኸል ከም ዘይንኽእል ክንርዳእ ኣሎና። (መክብብ 9:11) ብዘይ እዚውን: ድራኸታትካ ሕማቕ ከም ዘይነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ እተፍቅሮ ሰብ ቀልጢፍካ ናብ ሓኪም ብዘይ ምውሳድካ ክሓምም ወይ ክመውት ደሊኻዮ ነይርካ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን! እሞኸ ድኣ ብሞት ናይቲ ሰብ ብሓቂ ገበነኛ ዲኻ፧ ኣይኰንካን።

ሓንቲ ኣደ ጓላ ብሓደጋ ማኪና ድሕሪ ሙማታ ነቲ ናይ ገበን ስምዒት ክትዋጽኣሉ ከም ዘለዋ ተረድአት። ከምዚ ብምባል ድማ ትገልጽ:- “ዝለኣኽኩዋ ኣነ ብምዃነይ ናይ ገበን ስምዒት ተሰምዓኒ። ከምኡ ክስምዓኒ ግን ትርጕም ዘይብሉ ምዃኑ ተረዳእኩ። መልእኽቲ ኸተብጽሕ ኢለ ምስ ኣቦኣ ምስዳደይ ዝዀነ ይኹን ጌጋ ኣይነበሮን። ሃንደበት ዘጋጠመ ሓደጋ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።”

‘ክዛረቦን ክገብሮን ዝደሊ ብዙሕ ነገራት ግን እኮ ነይሩ ኢዩ’ ትብል ትኸውን። እንታዋይ ካባና ኢዩ ግን ፍጹም ኣቦ: ፍጽምቲ ኣደ: ወይ ፍጹም ውላድ ኢየ ክብል ዝኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ: ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ: ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ: ብቑዕ ሰብኣይ እዩ” ብምባል የዘኻኽረና። (ያእቆብ 3:2፣ ሮሜ 5:12) ስለዚ ዘይፍጹም ምዃንካ እመነሉ። “ከምዚ ገይረ እንተ ዝኸውን” ኢልካ ወርትግ ምሕሳብ: ካብ ሓዘንካ ቀልጢፍካ ከም ዘይትጸናናዕ ክገብረካ እንተ ዘይኰይኑ: ዘምጽኦ ለውጢ የለን።

እቲ ናይ ገበን ስምዒትካ ግምታዊ ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ኢዩ ኢልካ ንኽትኣምን ዝገብር ብቑዕ ምኽንያታት እንተድኣ ኣሎካ: ነቲ ናይ ገበን ስምዒት ኣብ ምቅላል ካብ ኵሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ረቛሒ—ናይ ኣምላኽ ይቕሬታ—ሕሰበሉ። መጽሓፍ ቅዱስ “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧ ግናኸ . . . ይቕሬታ ምሳኻ አሎ” ብምባል የረጋግጸልና ኢዩ። (መዝሙር 130:3, 4) ናብቲ ዝሓለፈ ተመሊስካ ክትቅይሮ እትኽእል ነገር የለን። ነቲ ዝሓለፈ ጌጋኻ ኣምላኽ ይቕረ ክብለልካ ክትልምን ግን ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡኸ፧ ኣምላኽ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋኻ ይቕረ ክብል እንተድኣ ተመባጺዑ: ንስኻኸ ንርእስኻ ይቕረ ክትብለላዶ ኣይግባእን፧—ምሳሌ 28:13፣ 1 ዮሃንስ 1:9

ንሕርቃን ምጽዋሩ

ምናልባት ምስ ሓካይም: ኣለይቲ ሕሙማት: ኣዕሩኽ: ወይ ምስቲ ዝሞተ ሰብ እውን ከይተረፈ ትሓርቕዶ ኢኻ፧ እዚ እውን እንተዀነ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት ዝመጽእ ልሙድ ስምዒት ምዃኑ ተረዳእ። ምናልባት ሕርቃንካ ምስቲ ዝስምዓካ ጕድኣት ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ባህርያዊ ነገር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ጸሓፊት ከምዚ በለት:- “ሓሪቕካ ከም ዘሎኻ ጥራይ ምርዳእ—ክትዓየሉ ዘይኰነስ ይስምዓካ ከም ዘሎ ምፍላጥ—ካብቲ ኣዕናዊ ዝዀነ ሳዕቤኑ ናጻ ክገብረካ ይኽእል ኢዩ።”

ነቲ ሕርቃን ምንፋሱ ወይ ንኻልእ ሰብ ምምቓሉ እውን ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧ ነፍስኻ ምግታእ ዘይብሉ መገዲ ገይርካ ብምጭዳር ከም ዘይኰነ እተረጋገጸ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንነዊሕ ግዜ ዝቕጽል ሕርቃን ሓደገኛ ምዃኑ የጠንቅቕ ኢዩ። (ምሳሌ 14:29, 30) ይኹን እምበር ምስ ሓደ ዝርዳእ ዓርኪ ብዛዕብኡ ምዝራብ ከጸናንዓካ ይኽእል ኢዩ። ገሊኦም ሰባት ድማ ክሓርቁ ከለዉ ብርቱዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር ስምዒቶም ዘንፍስሉ ጠቓሚ መገዲ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም።—ኤፌሶን 4:25, 26 እውን ርአ።

ብዛዕባ ስምዒታትካ ዝመጸ ግልጽን ሓቀኛን ምዃን ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ: ምጥንቃቕ ግን ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ መንጎ ስምዒትካ ምግላጽን ናብ ካልኦት ምድርጕሑን ዓቢ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ። ሕርቃንካን ጭንቀትካን ብሰንኪ ካልኦት ከም ዝዀነ ገይርካ ክትወቕሰሉ ኣየድልን ኢዩ። ስለዚ ስምዒታትካ ክትገልጾ ከም ዘሎካ: ግናኸ ብናይ ጽልኢ መገዲ ክኸውን ከም ዘይብሉ ኣስተብህል። (ምሳሌ 18:21) ንሓዘን ክትዋጽኣሉ ዝጠቅም ሓደ ዝበለጸ ሓገዝ ኣሎ: ቀጺልና ድማ ክንዘራረበሉ ኢና።

ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ሓገዝ

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና:- “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።” (መዝሙር 34:18) እወ: ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ: ምስ ኣምላኽ ዝምድና ምግባር ብሞት ናይ ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ንዘጋጥመካ ሓዘን ክትዋጽኣሉ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧ ኵሉ እቲ ክሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ተግባራዊ ርእዮታት ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: እተመስረተ ወይ ምስኡ ዝሰማማዕ ኢዩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ንምጽዋር ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።

ብተወሳኺ: ናይ ጸሎት ጥቕሚ ኣንኢስካ ኣይትርኣዮ። መጽሓፍ ቅዱስ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ” ብምባል ኢዩ ዝመኽረና። (መዝሙር 55:22) ምስ ሓደ ዝድንግጽ ዓርኪ ስምዒትካ ምዝርራብ ክሕግዝ ዝኽእል ካብ ኰነ: ልብኻ ነቲ ‘ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’ ምኽፋት ግዳ ክንደይ ዝያዳ ዘይሕግዘካ!—2 ቈረንቶስ 1:3

ጸሎት ዝሓሸ ስምዒት ከም ዝህልወና ጥራይ ኣይኰነን ዝገብር። እቲ ‘ጸሎት ዝሰምዕ’ ኣምላኽ ነቶም ብቕንዕና ዝልምንዎ ኣገልገልቱ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝህቦም ተማባጺዑ ኢዩ። (መዝሙር 65:2፣ ሉቃስ 11:13) ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ: ወይ መስለጢ ሓይሊ ድማ: ካብ ሓንቲ መዓልቲ ናብታ እትስዕብ ምእንቲ ኽትቅጽል: “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ገይሩ ከዕጥቐካ ይኽእል ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ዘጋጥሞም ግድላት ምእንቲ ክጽመሙ ንኣገልገልቱ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ዘክር።

ሓንቲ ጓላ ብሞት እተፈልየታ ሰበይቲ ናይ ጸሎት ሓይሊ ንዓኣን ንበዓል ቤታን ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ትዝክር። “ምሸት ኣብ ገዛ እንተድኣ ኣሊና እሞ ነቲ ሓዘን ድማ ምኽኣሉ ምስ እንስእን: ብሓባር ዓው ኢልና ንጽሊ። ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኵሉ ነገር—እቲ ዝኸድናዮ ናይ መጀመርታ ናይ ጉባኤ ኣኼባ: እቲ እተኻፈልናዮ ናይ መጀመርታ ዓቢ ኣኼባ—ብዘይ ብእኣ ክንገብረሉ ዝነበረና እዋን ሓይሊ ምእንቲ ክንረክብ ንጽሊ ነበርና። ንግሆ ተበራቢርና ኵሉ እቲ ኵነታት ዘይጽወር መሲሉ እንተድኣ ተራእዩና ምእንቲ ክሕግዘና ናብ የሆዋ ንጽሊ ነበርና። ብገለ ምኽንያት: ናብቲ ገዛ በይነይ ክኣቱ ብሓቂ የሳቕየኒ ኢዩ ነይሩ። በዚ ድማ በይነይ ናብ ገዛ ዝመጻእኩላ ነፍሲ ወከፍ ግዜ: ህድእ ክብል ምእንቲ ክሕግዘኒ ናብ የሆዋ እጽሊ ነበርኩ” ብምባል ትገልጽ። እዛ እምንቲ ሰበይቲ እዚኣ እቲ እተቕርቦ ዝነበረት ጸሎት ለውጢ ከም ዘምጽእ ኣረጋጊጻን ብልክዕን ትኣምን ኢያ ነይራ። ንስኻ እውን ከም ምላሽ ናይቲ ከይተሓለልካ እተቕርቦ ጸሎት ‘እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ንልብኻን ሓሳብካን ክሕልዎ’ ምዃኑ ትርዳእ ትኸውን።—ፊልጲ 4:6, 7፣ ሮሜ 12:12

እቲ ኣምላኽ ዝህቦ ሓገዝ ኣብ ስምዒትካ ለውጢ የምጽእ ኢዩ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ: ኣምላኽ “ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከአለናስ: ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ሓቂ ኢዩ: መለኮታዊ ሓገዝ ነቲ ስቓይ ኣየርሕቖን ኢዩ: ንምጽዋሩ ዝቐለለ ክገብሮ ግን ይኽእል ኢዩ። እዚ ኸኣ ድሕሪ ደጊም ኣይትበክን ወይ ነቲ እተፍቅሮ ሰብ ክትርስዖ ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ግናኸ ካብ ሓዘንካ ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ምስ እትገብር ድማ: እቲ ዘሕለፍካዮ ተመክሮ ተመሳሳሊ ኵነታት ዘለዎም ካልኦት ሰባት ንኽዋጽእሉ ኣብ ምሕጋዞም ዝያዳ እትርዳእን ደንጋጽን ከም እትኸውን ክገብረካ ይኽእል ኢዩ—2 ቈረንቶስ 1:4