ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 123

ኣዝዩ ጕህዩ ኸሎ ጸለየ

ኣዝዩ ጕህዩ ኸሎ ጸለየ

ማቴዎስ 26:30, 36-46 ማርቆስ 14:26, 32-42 ሉቃስ 22:39-46 ዮሃንስ 18:1

  • የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ

  • ረሃጹ ኸም ነጥቢ ደም ይነጥብ ነበረ

የሱስ ምስቶም እሙናት ሃዋርያቱ ዀይኑ ዝጸለዮ ጸሎት ወድአ። “መዝሙር ውዳሰ ምስ ዘመሩ ድማ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ወጹ።” (ማርቆስ 14:26) ናብ ምብራቕ ገጾም፡ ናብታ የሱስ ዜዘውትራ ዝነበረ ጌተሴማኔ እትብሃል ስፍራ ኣታኽልቲ ኸዱ።

ኣብታ ኣእዋም ኣውልዕ ዘለዋ ባህ እተብል ቦታ ምስ በጽሑ፡ የሱስ ንሸሞንተ ኻብቶም ሃዋርያት ኣብኡ ሓደጎም። ምናልባት ኣብ መእተዊ እቲ ስፍራ ኣታኽልቲ እዩ ሓዲግዎም ኪኸውን ዘለዎ፣ ከመይሲ፡ ሓዲግዎም ኪኸይድ ከሎ፡ “ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ” እዩ ኢልዎም። ንሰለስተ ኻብ ሃዋርያቱ፡ ማለት ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ተማሊኡ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣተወ። ኣዝዩ ተጨኒቑ ኸኣ ነቶም ሰለስተ፡ “ክሳዕ ሞት ኣዝየ ጕህየ ኣለኹ። ኣብዚ ኹኑ፡ ምሳይ እውን ንቕሑ” በሎም።—ማቴዎስ 26:36-38

የሱስ ካባታቶም ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ድማ፡ ‘ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ጸለየ።’ ኣብቲ ኸቢድ እዋን እቲ ብዛዕባ እንታይ እዩ ናብ ኣምላኽ ጸልዩ፧ “ኣቦ፡ ንዓኻ ዅሉ ይከኣለካ እዩ፣ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣልግሳ። ግናኸ፡ ንስኻ እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ዝደልዮ ኣይኹን” ኢሉ ጸለየ። (ማርቆስ 14:35, 36) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ካብቲ በጃ ኪኸውን እተዋህቦ ግደ ድዩ ዜድሓርሕር ነይሩ፧ ኣይፋሉን!

ሮማውያን ብኣመና ብርቱዕ ስቓይ ከም ዚቐትሉ፡ የሱስ ካብ ሰማይ ኰይኑ ይዕዘቦም ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ስቓይ ኪስምዖ ዚኽእል ሰብ ብምንባሩ ድማ፡ እቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ነገር ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ከም ንዑቕ ገበነኛ ዀይኑ ሙማቱ ንስም ኣቦኡ ጸርፊ ኸየምጽእ እዩ ኣጨኒቕዎ ነይሩ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ዀይኑ ኣብ ጕንዲ ኺስቀል ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

የሱስ ነዊሕ ድሕሪ ምጽላዩ፡ ናብቶም ሰለስተ ሃዋርያቱ ተመልሰ እሞ ደቂሶም ረኸቦም። ንጴጥሮስ ድማ፡ “ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ንቕሑን ብቐጻሊ ጸልዩን” በሎ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ሃዋርያቱ እውን ኣብ ትሕቲ ውጥረት ምዃኖም ኣስተውዓለ፣ እዋኑ ድማ ለይቲ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ “መንፈስሲ ህንጡይ እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በለ።—ማቴዎስ 26:40, 41

ድሕሪኡ፡ የሱስ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ኣምላኽ ነታ “ጽዋእ” እቲኣ ኼልግሰሉ ጸለየ። ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ እቶም ሰለስተ ሃዋርያቱ ኣብ ፈተና ኸይኣትዉ ኺጽልዩ እናተገብኦም፡ መሊሶም ደቂሶም ረኸቦም። የሱስ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ “እንታይ ኢሎም ከም ዚምልሱሉ . . . ኣይፈለጡን።” (ማርቆስ 14:40) ሳልሳይ ሳዕ ድማ ከደ፡ ኪጽሊ እውን ብብርኩ ተምበርከኸ።

የሱስ ከም ገበነኛ ሙማቱ ንስም ኣቦኡ ጸርፊ ኸየምጽእ ብዙሕ ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። የሆዋ ግና ንጸሎት ወዱ ይሰምዖ ነይሩ እዩ፣ ምእንቲ ኼበርትዖ ድማ መልኣኹ ልኢኹሉ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ናብ ኣቦኡ ኻብ ምምህላል ኣየቋረጸን፣ እኳ ደኣስ “ብዝያዳ ኣጽኒዑ ይጽሊ ነበረ።” ከቢድ ስምዒታዊ ውጥረት እዩ ኣጋጢምዎ ነይሩ። ከቢድ ሓላፍነት እውን እዩ ተሰኪሙ ነይሩ። ንሱን ኵሎም ዚኣምኑ ሰባትን ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካቦም ወይ ዘይምርካቦም ገና ኣየፍለጠን ነይሩ። ስለዚ፡ “ረሃጹ . . . ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ።”—ሉቃስ 22:44

የሱስ ሳልሳይ ሳዕ ናብ ሃዋርያቱ ምስ ተመልሰ፡ ከም ብሓድሽ ደቂሶም ረኸቦም። ስለዚ፡ “ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜስ፡ ትድቅሱን ተዕርፉን ኣለኹም! እንሆ፡ እታ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፍካ ዚውሃበላ ሰዓት ቀሪባ ኣላ። ተንስኡ ንኺድ። እንሆ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህበኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም።—ማቴዎስ 26:45, 46