ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 5

የሱስ መዓስን ኣበይን ተወሊዱ፧

የሱስ መዓስን ኣበይን ተወሊዱ፧

ሉቃስ 2:1-20

  • የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ተወልደ

  • ጓሶት ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ በጽሕዎ

እቲ ሃጸይ ሮሜ ዝነበረ ቄሳር ኣውጉስጦስ፡ ኵሉ ሰብ ነናብ ዓዱ ኸይዱ ኺምዝገብ ትእዛዝ ኣውጽአ። ስለዚ፡ ዮሴፍ ምስ ማርያም ናብታ ብደቡብ የሩሳሌም እትርከብ እተወልደላ ኸተማ ቤት-ልሄም ተጓዕዘ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ኪምዝገቡ ዝመጹ ብዙሓት ሰባት ነበሩ። እቲ ዮሴፍን ማርያምን ኪረኽብዎ ዝኸኣሉ መሕደሪ፡ ኣእዱግን ካልኦት እንስሳታትን ዚሓድሩሉ ደምበ እዩ ነይሩ። ኣብኡ ድማ የሱስ ተወልደ። ማርያም ከኣ ብዓለባ ጠቕለለቶ እሞ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።

ቄሳር ኣውጉስጦስ ነዚ ሕጊ ምዝገባ እዚ ዘውጽአ፡ ብመሪሕነት ኣምላኽ ኪኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧ ምኽንያቱ፡ ሳላ እዚ ሕጊ እዚ የሱስ ኣብ ዓዲ ኣቦኡ ንጉስ ዳዊት ዝዀነት ቤት-ልሄም ተወሊዱ እዩ። እቲ ተስፋ እተገብረሉ ገዛኢ ኻብታ ኸተማ እቲኣ ኸም ዚውለድ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣቐዲሙ ተነብዩ ነይሩ እዩ።—ሚክያስ 5:2

ኣየ ኸመይ ዝበለት ኣገዳሲት ለይቲ ዀን እያ ነይራ! በታ ለይቲ እቲኣ፡ ኣብ መሮር ኣብ ዚሓድሩ ዝነበሩ ጓሶት ድሙቕ ብርሃን በርሀ። እቲ ብርሃን እቲ፡ ክብሪ የሆዋ እዩ ነይሩ! መልኣኽ የሆዋ ኸኣ፡ “ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ አበስረኩም ኣለኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ሎምስ መድሓኒ፡ ንሱ ድማ ክርስቶስ ጐይታ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ። እዚ ድማ ምልክት ይኹንኩም፦ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ብሃንደበት ድማ፡ ብዙሓት መላእኽቲ፡ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ጽቡቕ ፍቓዱ ዝረኸቡ ሰባት” በሉ።—ሉቃስ 2:10-14

እቶም መላእኽቲ ምስ ከዱ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፡ “ናብ ቤት-ልሄም ኬድና፡ ነዚ የሆዋ ዘፍለጠና ኽዉን ነገር ንርአ” ተባሃሃሉ። (ሉቃስ 2:15) ቀልጢፎም ከዱ እሞ ንየሱስ ኣብቲ እቲ መልኣኽ ዝበሎም ቦታ ረኸብዎ። እቶም ጓሶት፡ እቲ መልኣኽ ዝበሎም ነገራት ምስ ኣውረዩ፡ ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ተገረሙ። ማርያም ድማ ነዚ ዅሉ እተባህለ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት።

ሎሚ ብዙሓት ሰባት የሱስ ኣብ ታሕሳስ ከም እተወልደ ይኣምኑ እዮም። ኣብ ከባቢ ቤት-ልሄም ግና፡ ታሕሳስ ዝናም ዚዘንመሉን ቈራርን ወቕቲ እዩ። አረ ሓድሓደ ግዜስ ውርጪ እውን ይዘንም እዩ። ኣብቲ ወርሒ እቲ፡ ጓሶት ምስ መጓሰኦም ኣብ መሮር ኣይሓድሩን እዮም። እቲ ሃጸይ ሮሜ እውን ነቶም ድሮ ካብኡ ኺዓልዉ ዝደልዩ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ኣብቲ ብርቱዕ ቍሪ ዝነበረሉ እዋን ኪምዝገቡ ነናብ ዓዶም ኪኸዱ ትእዛዝ ኬውጽእ ዘይመስል እዩ። እምበኣር፡ የሱስ ኣብ ጥቅምቲ እዩ ተወሊዱ ኪኸውን ዘለዎ።