ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 93

ወዲ ሰብ ኪግለጽ እዩ

ወዲ ሰብ ኪግለጽ እዩ

ሉቃስ 17:20-37

  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ኣላ

  • ወዲ ሰብ ምስ ተገልጸ፡ ከመይ ኪኸውን እዩ፧

የሱስ ገና ኣብ ሰማርያ ወይ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ፈሪሳውያን ብዛዕባ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ሓተትዎ። ንሳ ብድሙቕ ትርኢትን ብጽምብልን እትመጽእ እዩ ዚመስሎም ነይሩ። የሱስ ግና፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ብግህዶ ኣይኰነትን እትመጽእ፣ ‘እንሃ ኣብዚ’ ወይ ‘ኣብቲ’ እውን ኣይብልዋን እዮም። እንሃ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ኣላ” በሎም።—ሉቃስ 17:20, 21

ገሊኦም ሰባት፡ የሱስ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዘላ እዩ ተዛሪቡ ይብሉ እዮም። እንተዀነ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ እቶም ነተን ቃላት እቲአን እተዛረቦም ፈሪሳውያን ከም ዘይነበረት ፍሉጥ እዩ። ኣብ ማእከሎም ግና ነይራ እያ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ንጉስ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን እተሓርየ የሱስ ኣብ መንጎኦም እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 21:5

ድሕርዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ብዛዕባ ምምጻእ እታ መንግስቲ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ሃቦም፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ እቶም ፈሪሳውያን ከይዶም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ፈለማ፡ ብዛዕባ እቲ ስልጣን መንግስቱ ሒዙ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን፡ “ሓንቲ ኻብ መዓልትታት ወዲ ሰብ ክትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ግናኸ ኣይክትርእዩን ኢኹም” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ሉቃስ 17:22) የሱስ በዚ ቓላት እዚ ገይሩ፡ ወዲ ሰብ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚነግሰሉ እዋን ኣብ መጻኢ ምዃኑ እዩ ሓቢርዎም። እቲ ግዜ እቲ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ ንዕኡ ብሃንቀውታ ኺጽበይዎ፡ ክሳዕ እቲ ወዲ ሰብ ዚመጸላ ኣምላኽ ዝወሰና ምድብቲ ግዜ እትኣክል ግና ኪጽበዩ ነበሮም።

የሱስ ቀጺሉ ኸምዚ በለ፦ “‘እንሆ ኣብቲ’ ወይ ‘እንሆ ኣብዚ’ ድማ ኪብሉኹም እዮም። ኣይትኺዱ፡ ኣይትስዓብዎም እውን። በርቂ በሪቑ ኻብ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳብ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ ከም ዜብርህ፡ ወዲ ሰብ እውን ብመዓልቱ ኸምኡ ኪኸውን እዩ።” (ሉቃስ 17:23, 24) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንናይ ሓሶት መሲሓት ካብ ምስዓብ ብኸመይ ኪሕለዉ ይኽእሉ፧ የሱስ ከምቲ በርቂ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ዚርአ፡ ምምጻእ እቲ ናይ ሓቂ መሲሕ እውን ከምኡ ኪኸውን ምዃኑ ነገሮም። መንግስታዊ ስልጣኑ ሒዙ ምህላዉ ዚሕብር መርትዖ፡ ንዅሎም ኣስተውዓልቲ ተዓዘብቲ ብንጹር ዚርአ ኸም ዚኸውን ሓበሮም።

ድሕርዚ፡ የሱስ ኣብቲ ኣብ መጻኢ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ኣረኣእያ ሰባት ከመይ ከም ዚኸውን ንምግላጽ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ምስ ናይ ጥንቲ ፍጻመታት ኣነጻጸሮ፦ “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ ኸኣ፡ ብዘመን ወዲ ሰብ እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ . . . ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ፦ ይበልዑን ይሰትዩን ይዕድጉን ይሸጡን ይተኽሉን ይሃንጹን ነበሩ። በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ግና፡ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ዘነመ፡ ንዅላቶም ከኣ ኣጥፍኦም። በታ ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ።”—ሉቃስ 17:26-30

የሱስ፡ እቶም ብዘመን ኖህን ብዘመን ሎጥን ዝነበሩ ሰባት፡ ከም ምብላዕን ምስታይን ምዕዳግን ምሻጥን ምትካልን ምህናጽን ዝኣመሰለ ንቡር ንጥፈታት ብምግባሮም ጠፊኦም ኣይኰነን ዚብል ነይሩ። ኖህን ሎጥን ስድራ ቤታቶምን እውን፡ እንተ ወሓደ ገለ ኻብዚ ንጥፈታት እዚ ገይሮም እዮም። እቶም ካልኦት ሰባት ነዚ ንጥፈታት እዚ ኺገብሩ ኸለዉ ግና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣየቕልቡሉን እዮም ነይሮም፣ ነቲ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ግዜ እውን ዕሽሽ ይብልዎ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኬቕልቡሉ፡ ብንጥፈት ድማ ኣብኡ ኺሳተፉ እዩ ዚምዕዶም ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ጥፍኣት ምስ ኣምጽአ፡ ከመይ ገይሮም ብህይወት ከም ዚተርፉ እዩ ዚነግሮም ነይሩ።

ደቀ መዛሙርቱ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት ኬስግሉ፡ ወይ “ንድሕሪት” ኪምለሱ ኣይግባእን። ስለዚ፡ የሱስ ኣስዒቡ፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ፡ ኣቕሑ ግና ኣብ ቤት ዘለዎ፡ ኪወስዶ ኢሉ ኣይውረድ፣ ኣብ ግራት ዘሎ ድማ፡ ንድሕሪት ኣይመለስ። ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ” በለ። (ሉቃስ 17:31, 32) ሰበይቲ ሎጥ ሓወልቲ ጨው ኰይና እያ።

ወዲ ሰብ ንጉስ ኰይኑ ብዛዕባ ዚነግሰሉ እዋን ኪገልጽ ከሎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “በታ ለይቲ እቲኣ፡ ክልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ኪዀኑ እዮም፣ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ” በሎም። (ሉቃስ 17:34) ገሊኦም ኪድሕኑ እዮም፣ ገሊኦም ግና ኪሕደጉ፡ ማለት ህይወቶም ኪስእኑ እዮም።

ሽዑ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ጐይታይ፡ ኣበይ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ድማ፡ “ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ንስርታት ኪእከቡ እዮም” በሎም። (ሉቃስ 17:37) እወ፡ ገሊኦም ከም ንስርታት ኣርሒቖም ዚርእዩ ኪዀኑ ምዃኖም እዩ ሓቢሩ። እቶም ከምዚ ዝበሉ ደቀ መዛሙርቲ ድማ፡ ናብቲ ናይ ሓቂ ክርስቶስ ዝዀነ ወዲ ሰብ ኪእከቡ ምዃኖም እዩ ገሊጹ። የሱስ ኣብቲ ኣብ መጻኢ ኸም ዚኸውን እተዛረበሉ ግዜ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንዚኣምኑ ሰባት ዚኸውን ህይወት ዜድሕን ሓቂ ኸም ዚህቦም እዩ ተዛሪቡ።