ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኺህሉ ደዀን ይኸውን፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይፋል

  • ምናልባት

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“የሆዋ ንትሑታት ከም ዚጣበቐሎም፡ ንድኻታት ድማ ፍትሒ ኸም ዚህቦም እፈልጥ እየ።” (መዝሙር 140:12) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኸተምጽእ እያ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ ዘይፍትሓውነት ይርእዮ እዩ፣ ኬዐርዮ ድማ እዩ።—መክብብ 5:8

  • ፍትሒ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ሰላምን ደሓንን ኬምጽእ እዩ።—ኢሳይያስ 32:16-18

ኣምላኽ ንገሊኦም ሰባት ካብ ካልኦት ኣብሊጹ ይርእዮም ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት . . . ኣምላኽ ንእተወሰኑ ሰባት ከም ዝባረኸ ወይ ከም ዝረገመ ኺኣምኑ ኸለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ብማዕረ ኸም ዚርእዮም ይኣምኑ። እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ . . . የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ብኣረኣእያ ኣምላኽ፡ ኵሎም ሰባት ማዕረ እዮም።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ዚኸውን “ብስራት” ሒዙ ኣሎ።—ራእይ 14:6