ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ሓደ ጫፍ እዚ ጽላት ኲኒፎርም፡ “ታታኑ” ዚብል ስም ተጻሒፉ ይርከብ

ካልእ ንእሽቶ መርትዖ

ካልእ ንእሽቶ መርትዖ

ንጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚድግፍ ስነ ጥንታዊ መርትዖ ኣሎዶ፧ ብ2014 ብብሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው ኣብ እትብሃል መጽሔት ኣብ ዝወጸት ዓንቀጽ፡ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ኻብ እተጠቕሱ ሰባት፡ ብስነ ጥንቲ እተረጋገጹ ኽንደይ እዮም፧” ዚብል ሕቶ ተላዒሉ ነይሩ። “ብውሕዱ 50!” ዚብል መልሲ ድማ ተዋሂቡ። ኣብታ ዓንቀጽ ኣብ ዝወጸ ዝርዝር ዘይተጠቕሰ ሰብኣይ ግና ታትናይ እዩ ነይሩ። እዚ ሰብኣይ እዚ እንታዋይ እዩ፧ ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ንእሽቶ ግደ እስከ ንመርምር።

ሓደ እዋን፡ የሩሳሌም ክፋል እቲ ሰፊሕ ግዝኣት ፋርስ እያ ነይራ። እታ ኸተማ ኣብቲ ብሸነኽ ምዕራብ ኤፍራጥስ ዚርከብ፡ ፋርሳውያን “ስግር እቲ ፈለግ” ኢሎም ዚጽውዕዎ ኸባቢ እያ እትርከብ ነይራ። ፋርሳውያን ንባቢሎንያ ምስ ሰዓርዋ፡ ንምሩኻት ኣይሁድ ሓራ ኣውጺኦም፡ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበረት ቤተ መቕደስ የሆዋ ዳግም ኪሃንጽዋ ስልጣን ሃብዎም። (እዝራ 1:1-4) እንተዀነ ግና፡ ጸላእቲ ኣይሁድ ነቲ ዕዮ ህንጸት ብምቅዋም፡ ኣይሁድ ካብ ፋርስ ምእንቲ ኺዓልዉ ኢሎም ይሃንጹ ኸም ዘለዉ ኸሰስዎም። (እዝራ 4:4-16) ብግዜ ንግስና ዳርዮስ ቀዳማይ (522-486 ቅ.ክ.)፡ ታትናይ ዚብሃል ፋርሳዊ ብዓል ስልጣን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኺምርምር ተላእከ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሹም ስግር እቲ ፈለግ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ።—እዝራ 5:3-7

ሓደ ኽፋል መዛግብቲ ቤተ ሰብ ኪኸውን ዚኽእል፡ ታትናይ ዚብል እተጻሕፎ እተፈላለየ ጽላታት ኲኒፎርም ተረኺቡ እዩ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ንዚርከብ ሓደ ኣባል እዞም ቤተ ሰብ ጠቒስዎ ዘሎ ጽላት፡ ኣብ መበል 20 ዓመት ንግስና ዳርዮስ ቀዳማይ (502 ቅ.ክ.) እተጻሕፈ እዩ። እዚ ኸኣ “ታታኑ፡ ሹም ስግር እቲ ፈለግ፡” ማለት እቲ ኣብ መጽሓፍ እዝራ ተጠቒሱ ዘሎ ታትናይ እዩ።

እዚ ሰብኣይ እዚ፡ እንታይ ስልጣን እዩ ነይርዎ፧ ብ535 ቅ.ክ.፡ ቂሮስ እቲ ዓብዪ ንግዝኣቱ ብኣውራጃታት ከፋፈሎ፣ ሓደ ኻብዚ ኣውራጃታት ድማ “ባቢሎንን ስግር እቲ ፈለግን” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ድሕሪ ግዜ፡ እዚ ኣውራጃ ኣብ ክልተ ምስ ተኸፍለ፡ እቲ ሓደ ኽፋሉ “ስግር እቲ ፈለግ” ተባሂሉ ተጸውዐ። ማእከል ምምሕዳር እዚ ኣውራጃ እዚ ደማስቆ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ኰይኑ፡ ንኮሌ-ሶርያን ንፊንቄን ንሰማርያን ንይሁዳን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ታትናይ ካብ ከባቢ 520 ክሳዕ 502 ቅ.ክ. ነዚ ዞባ እዚ የመሓድር ነይሩ።

ታትናይ ብዛዕባ ዕልወት ኣይሁድ ንእተላዕለ ኽሲ ኺምርምር ናብ የሩሳሌም ድሕሪ ምኻዱ፡ ንዳርዮስ ብዛዕባ እቲ ኣይሁድ ንቤተ መቕደስ የሆዋ ዳግም ምእንቲ ኺሃንጹ ኻብ ቂሮስ ፍቓድ ተዋሂብዎም ከም ዝነበረ ዘቕረብዎ ጥርዓን ዚገልጽ ጸብጻብ ሰደደሉ። ቤተ መዛግብቲ ንጉስ ምስ ተመርመረ ኸኣ ጥርዓኖም ሓቂ ምዃኑ ተረጋገጸ። (እዝራ 5:6, 7, 11-13፣ 6:1-3) ስለዚ፡ ታትናይ ነቲ ዕዮ ኸይዓናቕፎ ትእዛዝ ተዋህቦ፣ ንሱ ኸኣ ከምቲ እተባህሎ ገበረ።—እዝራ 6:6, 7, 13

ሓቂ እዩ፡ “ታትናይ ሹም ስግር እቲ ፈለግ” ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር ኣይፈጸመን። ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝጠቐሶን ልክዕ ዝዀነ መዓርግ ከም ዝሃቦን ግና ኣስተብህል። እዚ ሓቂ እዚ፡ ስነ ጥንቲ ንታሪኻዊ ልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ኸም ዚድግፎ ኻልእ ንእሽቶ መርትዖ ይህበና እዩ።