ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃለ መጠይቕ | ብረንት ሸንክ

ሓደ ተመራማሪ ኢኮሎጂ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ሓደ ተመራማሪ ኢኮሎጂ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ብረንት ሸንክ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ጡረታ ዝወጸ ብዓል ሞያ ኣከባቢ እዩ። ኣብ መንጎ ኣትክልትን እንስሳታትን ኣከባብን ብዛዕባ ዘሎ ሓድሕዳዊ ጽግዕተኛነት ከኣ መጽናዕቲ ይገብር ነይሩ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኣብ ፈጣሪ ዚኣምን፧ ንቕሑ! ብዛዕባ እቲ ንሱ ዜጽንዖ ስነ ፍልጠትን እምነቱን ሓቲታቶ ኣላ።

ኣተዓባብያኻ ኸመይ እዩ፧

ኣቦይ መካኒካዊ መሃንድስ እዩ ነይሩ። ብዙሕ ግዜ፡ ብዛዕባ ሕሳብን ስነ ፍልጠትን ብውዕዉዕ ስምዒት ይዛረበኒ ነይሩ። ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ገዛና ኣብ ኒው ፓሪስ፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ወሽመጥ ማያትን ራህያታትን ዝነበሩ ኣትክልትን እንስሳታትን ይምስጠኒ ነይሩ። ስለዚ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ፐርዱ ምስ ኣተኹ፡ ኢኮሎጂ ኸጽንዕ ወሰንኩ።

ብዛዕባ ሃይማኖት ተገዳስነት ነይሩካዶ፧

እወ ነይሩኒ። ኣቦይ ንሃይማኖት ሉተራን ከጽንዕ የተባብዓኒ ነይሩ። ሓደ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጀመርታ እተጻሕፈሉ ቛንቋታት ዝዀነ ኪኒ ዚብሃል ተራ ግሪኽኛ ኣጽኒዐ እየ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብዙሕ ኣኽብሮት ኣማዕቢለ እየ።

ብዛዕባ ኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧

ቤተ ክርስትያንና ተቐቢላቶ ነይራ እያ። መሳርሕተይ ይኣምኑሉ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ሕቶ ኣይፈጠረለይን ነይሩ። ግናኸ፡ ኣብ ኣምላኽ እውን እኣምን ነይረ እየ። ክልቲኡ እምነት ይሰማማዕ እዩ ዚብል ዘይንጹር ሓሳብ ነይሩኒ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት እኳ እንተ ነበረኒ፡ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ግና ኣይመስለንን ነይሩ።

ነቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ርእይቶ ዝቐየሮ እንታይ እዩ፧

ስቲቭን ሳንዲን ዚብሃሉ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓይን ንደቢ ሰበይተይን መጹና። መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ ፍልጠት መምሃሪ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብስነ ፍልጠታዊ መዳይ ልክዕ ምዃኑ ኣርኣዩና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ” ይብል። (ኢሳይያስ 40:22) “ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ” እውን ይብል። (እዮብ 26:7) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ሳተላይት ብእተሳእለ ፎቶግራፍ ገይረ ኢኮሎጂ አጽንዕ ነበርኩ፣ ስለዚ፡ እዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ መሰጠኒ። እዚ ኸኣ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ነታ ኣብ ገለ ዘይብሉ እተንጠልጠለት ከባብ ምድሪ ቕድሚ ምስኣሉ፡ ነዊሕ ይገብር እዩ ተጻሒፉ። ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ምስ ስቲቭን ሳንዲን ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ እተፈጸመ ትንቢታትን ግብራዊ ዚኸውን ምኽርን ዜዕግብ መግለጺታትን ፈለጥኩ። በብቝሩብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኣመንኩ።

ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዝነበረካ ሓሳብ መዓስ ቀይርካዮ፧

ሓደ እዋን፡ ስቲቭ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ” ዚብል ንጹር ሓሳብ ኣርኣየኒ። (ዘፍጥረት 2:7) እቲ ቐዳማይ ሰብ እተሰነደ ታሪኽ ህይወት ኣለዎ። እዚ ኸኣ፡ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ስነ ፍልጠታዊ ሓቅታት ይሰማማዕ ድዩ፧’ ዚብል ሕቶ ኣበገሰለይ። ስቲቭ ድማ ነቲ ጕዳይ ምርምር ክገብረሉ ኣተባብዓኒ፣ ኣነ እውን ከምኡ ገበርኩ።

እሞ ብዛዕባ ፍልቀት እንታይ ፈሊጥካ፧

ብዙሕ ነገራት። ሓደ ጥራይ እኳ እንተ ጠቒሰ፡ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት ንመበቈል እተፈላለየ ጅር እዩ ኺገልጽ ዚፍትን። ህይወታውያን ከኣ ብኸም ልብን ሰናቡእን ኣዒንትን ዝኣመሰለ ብውጽኢታዊ ኣገባብ ዚዓዪ ኣካላት እዮም ቈይሞም። ኣብ ማይክሮስኮፓዊ ጽፍሒ እውን፡ ኣብ ውሽጢ ዋህዮታት ብመስተንክራዊ መገዲ እተነድፉ ‘ማሽናት’ ኢና እንርኢ። ናይ እዚኣቶም ንድፊ ኻበይ መጺኡ፧ ብሉጽ ስርዓተ ማሽን ዘለዎም ህይወታውያን ብዝሓሸ ደረጃ ብህይወት ስለ ዚቕጽሉ፡ እቲ ብሉጽ ስርዓተ ማሽን ብኣውቶማቲክ ባዕሉ ኸም ዚሕረ፡ ፍልቀታውያን ይዛረቡ እዮም። እዚ ሓሳብ እዚ ግና፡ ‘እቲ ስርዓተ ማሽንከ ኻበይ መጺኡ፧’ ንእትብል ሕቶ ኣይምልሳን እዩ። ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት ንዅሉ ሕቶታት ይምልስ ኢሎም ከም ዘይኣምኑ እውን ፈሊጠ እየ። ሓደ ፕሮፌሰር ስነ እንስሳ፡ ካብ ክልሰ ሓሳባት ፍልቀት ንሓዲኡ እኳ ኸም ዘይኣምነሉ ምስጢሩ ኣካፊሉኒ እዩ። ስራሑ ምእንቲ ኸይስእን ግና፡ ርእይቶኡ ብጋህዲ ኣይገለጸን።

ብዛዕባ ኢኮሎጂ ዘሎካ ፍልጠት ንእምነትካ የደልድሎዶ፧

እወ፡ የደልድሎ እዩ። ስራሐይ ብዛዕባ ሓድሕዳዊ ጽግዕተኛነት ህይወታውያን ዚግበር መጽናዕቲ የጠቓልል። ኣብ ምድሪ፡ ኵሎም ህያዋን ፍጥረታት ናይ ካልእ ጽግዕተኛ እዮም። ንኣብነት፡ ዕምባባታትን ኣናህብን ክንወስድ ንኽእል ኢና። ሕብርን ምዑዝ ሽታን ምጽምጸን ቅርጽን ዕምባባታት፡ ንኣናህብ ንምስሓብን ብጽገ ንምልካዮምን ተባሂሉ እዩ ተነዲፉ። ኣናህብ ከኣ ምጽምጸ ኪመጽዩን ጽገ ሓደ ዕምባባ ናብ ካልእ ተኽሊ ወሲዶም ኬጸግዩን ተባሂሎም እዮም ተነዲፎም። ብንጹር እምበኣር፡ ዕምባባታትን ኣናህብን ሓደ ነቲ ኻልእ ዜድልዮ ኸም ዜማልኡ ዀይኖም እዮም ተነዲፎም።

‘ኣብ ምድርና ዘሎ ብምሉኡ ስርዓት ህይወት ካብ ዕንወት ናብ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ዓቕሙ፡ ህይወት ብኣምላኽ ከም እተነድፈት የእምነኒ እዩ’

ኣብ ስርዒት ኢኮ፡ ሓድሕዳዊ ጽግዕተኛነት ብዝሰፍሐ ደረጃ ንርኢ ኢና። ሓደ ስርዒት ኢኮ፡ ኣሽሓት እተፈላለዩ እንስሳታትን ኣትክልትን ባክተርያን ዕስን ዚርከብዎ ኮም ወይ ጕጅለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኵሎም እንስሳታት ምግብን ኦክስጅንን ንምርካብ ኣብ ኣትክልቲ ይምርኰሱ እዮም፣ መብዛሕትኦም ዕምባባ ዘለዎም ኣትክልቲ ኸኣ ኣብ እንስሳታት ይምርኰሱ እዮም። ዋላ እኳ ስርዒታት ኢኮ ኣዝዩ እተሓላለኸ እንተ ዀነ፡ ኣብኡ ዘለዉ ህይወታውያን ድማ ተነቀፍቲ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንመዋእላት ብህይወት ኪቕጽሉ ይኽእሉ እዮም። ብብከላ ምስ ተጐድኡ እኳ ኸይተረፈ፡ ምንጪ እቲ ብከላ ምስ ተወገደ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሓደ እተሓላለኸ ስርዒት ኢኮ ኸም ብሓድሽ ይምዕብል። ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድርና ዘሎ ብምሉኡ ስርዓት ህይወት ካብ ዕንወት ናብ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ዓቕሙ ኽሓስብ ከለኹ፡ ህይወት ብኣምላኽ ከም እተነድፈት እኣምን እየ።

ስለምንታይ ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ፧

ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንኣከባቢ ዜዕንወሉ መገዲ፡ ኣመና የተሓሳስበኒ ነይሩ። ስርዒታት ኢኮ ኻብ ዕንወት ናይ ምምላስ ዓቕሚ ኸም ዘለዎ እኳ እንተ ፈለጥኩ፡ ፈጺሙ ዘይጸንት ግና ኣይኰነን። ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣምላኽ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኸም ዜጥፍኦም፡’ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈለጥኩ። (ራእይ 11:18) እዘን ቃላት እዚአን ንዓይ ኣገደስቲ እየን ነይረን። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ቀጸልኩ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜቕርቦ ተስፋ ርግጽ ምዃኑ በብቝሩብ ኣስተውዓልኩ።

እምነተይ ንኻልኦት ምክፋል የሐጕሰኒ እዩ፣ ምስ ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዐ እየ። ወዲ 55 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ሰባት ነቲ ፈጣሪ ህይወትን ነቲ ንሱ ነዛ እተደንቕ ምድርና ዘለዎ ዕላማን ኪርድኡ ንምሕጋዝ ዚኸውን ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኽረክብ፡ ኣቐዲመ ጡረታ ወጻእኩ።