ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ሰይጣን ተቓሊስካ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ

ምስ ሰይጣን ተቓሊስካ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ

“ብእምነት ጸኒዕኩም [ንሰይጣን] ተቓወምዎ።” —1 ጴጥ. 5:9

1. (ሀ) እቲ ምስ ሰይጣን እንገብሮ ቓልሲ፡ ብፍላይ ሎሚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብቲ ምስ ሰይጣን እንገብሮ ቓልሲ ኽንዕወት ከም እንኽእል ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧

ሰይጣን ምስ ቅቡኣትን ምስ “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ይዋጋእ እዩ ዘሎ። (ዮሃ. 10:16) ዕላማ ድያብሎስ ድማ፡ ኣብቲ ተሪፍዎ ዘሎ ሓጺር እዋን ንብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ምውሓጥ እዩ። (ራእይ 12:9, 12 ኣንብብ።) እሞኸ ኣብቲ ምስ ሰይጣን እንገብሮ ቓልሲ ኽንዕወት ንኽእል ዲና፧ እወ! መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንድያብሎስ . . . ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ” ይብል።—ያእ. 4:7

2, 3. (ሀ) ሰባት ብዛዕባ ህልውና ሰይጣን ዘይምእማኖም፡ ድያብሎስ ሸቶኡ ንኺወቅዕ ዚሕግዞ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሰይጣን ብሓቂ ኸም ዘሎ እትፈልጥ ብኸመይ ኢኻ፧

2 ብዙሓት ሰባት፡ ሰይጣን ከም ዘሎ ምእማን ዕሽነት ኰይኑ ይስምዖም እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ከም ኣብ መጻሕፍትን ዜፍርህ ፊልምታትን ጸወታታት ቪድዮን ዚርኣዩ ልቢ ወለዳዊ ገጸ ባህርያት ገይሮም እዮም ዚርእይዎም። ኣስተውዓሊ ሰብ ኣብ እኩያት መናፍስቲ ዘይኣምን ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ሰባት ንሰይጣንን ነቶም ብዓይኒ ዘይርኣዩ ጭፍራኡን ከም ልቢ ወለድ ገይሮም ምርኣዮም፡ ንሰይጣን ዜተሓሳስቦዶ ይመስለካ፧ ዕጅብ እኳ ኣይብሎ! ከም ሓቂ እኳ ደኣ፡ ሰባት ብዛዕባ ህልውናኡ ዚጠራጠሩ እንተ ዀይኖም፡ ብቐሊሉ ኼዑሮም ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 4:4) ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ንሰባት ንምትላል ዚጥቀመሉ ብዙሕ መገድታት፡ መንፈሳውያን ፍጡራት ከም ዘየለዉ ዚገልጽ ሓሳብ ከም ዜስፋሕፍሕ ምግባር እዩ።

3 ንሕና ግና ኣገልገልቲ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ካብቶም ዚታለሉ ኣይኰንናን። ድያብሎስ ብሓቂ ኸም ዘሎ ንፈልጥ ኢና፣ ከመይሲ፡ ንሄዋን ብተመን ኣቢሉ እተዛረባ ንሱ እዩ። (ዘፍ. 3:1-5) ምስ እዮብ ኣብ ዚተሓሓዝ ጕዳይ እውን፡ ንየሆዋ ጸሪፍዎ እዩ። (እዮ. 1:9-12) ንየሱስ ኪፍትኖ ዝጸዓረ ድማ ንሱ እዩ። (ማቴ. 4:1-10) ብዘይካዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ምስ ተወልደት፡ ምስ ተረፍ ቅቡኣት “ኪዋጋእ” ዝጀመረ፡ ሰይጣን እዩ። (ራእ. 12:17) ሰይጣን ንእምነት እቶም ተረፍ ቅቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን ኬጥፍኣ ሒዅ ይብል ስለ ዘሎ፡ እቲ ውግእ ይቕጽል እዩ ዘሎ። ኣብቲ ውግእ ምእንቲ ኽንዕወት፡ ብእምነት ጸኒዕና ንሰይጣን ክንቃወሞ ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከምኡ እንገብረሉ ሰለስተ መገዲ ኽትሕብረና እያ።

ካብ ትዕቢት ርሓቕ

4. ሰይጣን ዕቡይ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

4 ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ፈጺሙ ኼንጸባርቖ ዘይክእል ባህርይ፡ ትሕትና እዩ። ከመይሲ፡ እዚ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ፡ ንልዑላውነት የሆዋ ስለ ዝደፈረን ማዕረ ኣምላኽ ኪኸውን ስለ ዝሃቀነን፡ ቀንዲ ኣብነት ትዕቢት እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ኻብቲ ንሰይጣን ክንቃወሞ እንኽእለሉ መገዲ፡ ካብ ትዕቢት ምርሓቕን ትሕትና ምምዕባልን እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:5 ኣንብብ።) ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ብገዛእ ርእስና ወይ ከኣ ብኻልእ ሰብ ክንኰርዕ ኵሉ ግዜ ጌጋ እዩ ማለት ድዩ፧

5, 6. (ሀ) ብገዛእ ርእስና ወይ ከኣ ብኻልእ ሰብ ክንኰርዕ ኵሉ ግዜ ጌጋ እዩ ማለት ድዩ፧ ግለጽ። (ለ) እንታይ ዓይነት ኵርዓት እዩ ሓደገኛ ዝዀነ፧ ነዚ ዜብርህከ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ኣሎ፧

5 ብገዛእ ርእስና ወይ ከኣ ብኻልእ ሰብ ምዅራዕና፡ ንርእሰ ምትእምማንናን ነቲ ንገዛእ ርእስና ዘሎና ኣኽብሮትን እዩ ዚውስኾ። ብዘይካዚ፡ ንስኻ ዀንካ ንዓኻ ዚቐርቡኻ ሰባት ጽቡቕ ነገር ብምግባሮም ወይ ከኣ ጽቡቕ ነገር ብምርካቦም ክትኰርዕ ከለኻ፡ ዕግበት ከም ዚስምዓካ እዩ ዚገብር። እዚ ኸኣ ዋላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ፡ “ንሕና ባዕልና በቲ ኣብ ኵሉ መስጐጕትኹምን ጸበባኹምን ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን እምነትን ኣብ መንጎ ጉባኤታት ኣምላኽ ብኣኻትኩም ንምካሕ ኣለና” በሎም። (2 ተሰ. 1:4) ስለዚ፡ በቲ ኻልኦት ሰባት ዝዓየይዎ ነገራት ጽቡቕ ኪስምዓናን ብሚዛናዊ መገዲ ብገዛእ ርእስና ኽንኰርዕን ንኽእል ኢና። ብስድራ ቤትና፡ ብባህልና፡ ወይ ከኣ በቲ ዝዓበናሉ ኸባቢ እውን ኣይንሓፍርን ኢና።—ግብ. 21:39

6 ብኣንጻሩ ግና፡ ነቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎና ርክብን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነትን ኪጐድኦ ዚኽእል ኵርዓት ወይ ትዕቢት ኣሎ። እዚ ትዕቢት እዚ፡ ነቲ ዚውሃበና ምኽሪ ብትሕትና ኣብ ክንዲ እንቕበሎ፡ ከም እንጸልኦን ከም እንነጽጎን እዩ ዚገብረና። (መዝ. 141:5) እዚ ኸኣ፡ “መን ከማይ ምባል” ወይ ከኣ “ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ዘይብሎም ክነሶም፡ ካብ ካልኦት ከም ዚበልጹ ዀይኑ ዚስምዖም ሰባት ዜርእይዎ ናይ ትዕቢት ኣረኣእያ” የመልክት። የሆዋ ንትዕቢተኛታት ይጸልኦም እዩ። (ህዝ. 33:28፣ ኣሞ. 6:8) ሰይጣን ግና፡ ሰባት ብትዕቢት ኪንፍሑ ኸለዉ፡ ነቲ ናቱ ትዕቢት ዜንጸባርቕ ስለ ዝዀነ ባህ እዩ ዚብሎ። ሰይጣን በቶም ግዳያት ትዕቢት ዝዀኑ ኸም እኒ ኒምሮድን ፈርኦንን ኣቤሴሎምን ዝኣመሰሉ ሰባት ኣመና ተሓጒሱ እዩ። (ዘፍ. 10:8, 9፣ ዘጸ. 5:1, 2፣ 2 ሳሙ. 15:4-6) ትዕቢት ንቃየል እውን መውደቒቱ ዀይና እያ። ኣምላኽ ባዕሉ እኳ እንተ መኸሮ፡ ንሱ ግና ብሰንኪ ትዕቢት ነቲ መአረምታ ኣይተቐበሎን። ንማዕዳ የሆዋ ብድርቅና ዕሽሽ ስለ ዝበሎ ድማ፡ ኣብ መከራ ወደቐ።—ዘፍ. 4:6-8

7, 8. (ሀ) ዓሌትነት እንታይ እዩ፧ ሓደ መዳይ ትዕቢት ኪኸውን ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ትዕቢት ንሰላም ሓንቲ ጉባኤ ኺዘርጎ ዚኽእል ብኸመይ ምዃኑ ግለጽ።

7 ሎሚ ሰባት ብእተፈላለየ ጐዳኢ መገድታት ይዕበዩ እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ትዕቢት ምስ ዓሌትነት፡ ኢድን ጓንትን እየን። ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ፡ ንዓሌታውነት፡ “ኣብ ዓሌት እተመስረተ ኣድልዎ ወይ ስቕ ኢልካ ምጽላእ፡” ንዓሌትነት ከኣ “በቲ ኣብ ዓሌት ዘሎ ፍልልይ ምኽንያት፡ ሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ዓሌት ዝጸብለለ እዩ ዚብል እምነት” ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ። ምስ ዓሌትነት ዚተሓሓዝ ትዕቢት፡ ናዕብን ውግእን ጃምላዊ ቕትለትን ኣስዒቡ እዩ።

8 ሓቂ እዩ፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህሉ ኣይግባእን እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ሳዕ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ብሰንኪ ትዕቢት ዜጋጥም ግጭት፡ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምኡ ኣጋጢምዎም እዩ፣ ያእቆብ ንዓታቶም ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ “እቲ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ፧” ዚብል ምስትውዓል ዝመልኦ ሕቶ ሓተቶም። (ያእ. 4:1) እወ፡ ውሽጣዊ ጽልእን ካብ ካልኦት ብዝያዳ ጸብለል ክትብል ምፍታንን፡ ንዘረባናን ንተግባርናን ኪጸልዎ፡ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ሰባት እዚ ዘይብሃል ስቓይ ኬውርድ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 12:18) ብንጹር እምበኣር፡ ትዕቢት ንሰላም ሓንቲ ጉባኤ ኺዘርጎ ይኽእል እዩ።

9. መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዓሌትነትን ምስ ካልእ ዓይነት ትዕቢትን ንኽንቃለስ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 14 ዘላ ስእሊ ርአ።)

9 ካብ ካልኦት በሊጽና ኽንርአ ንደሊ እንተ ዄንና፡ “ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን” ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና። (ምሳ. 16:5) ብዛዕባ እቶም ካልእ ዝዓሌቶም፡ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጹ፡ ወይ ከኣ ካባና እተፈልየ ባህሊ ዘለዎም ሰባት ዘሎና ኣረኣእያ ኽንምርምሮ ኣሎና። ብዓሌትና ወይ ብሃገርና ንዕበ እንተ ዄንና፡ ኣምላኽ ‘ካብ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ ኺነብሩ፡ ኵሉ ህዝቢ ኸም ዝገበረ’ ረሲዕና ኣለና ማለት እዩ። (ግብ. 17:26) ከም ሓቂ ድማ፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ካብ ሓደ ኣቦ፡ ማለት ካብ ኣዳም ዝመጹ ስለ ዝዀኑ፡ ሓደ ዓሌት እዮም ኪብሃል ይክኣል እዩ። ስለዚ፡ ‘ገሊኡ ዓሌት ዝበለጸ፡ ገሊኡ ኸኣ ዝተሓተ እዩ’ ዚብል ኣተሓሳስባ፡ ትርጉም የብሉን። ኰይኑ ግና፡ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ፡ ሰይጣን ንክርስትያናዊ ፍቕርናን ሓድነትናን ምእንቲ ኺዘርጎ፡ መገዲ ዜጣጥሕ እዩ። (ዮሃ. 13:35) ምስ ሰይጣን ተቓሊስና ምእንቲ ኽንዕወት፡ ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ትዕቢት ክንቃወሞ ኣሎና።—ምሳ. 16:18

ካብ ፍቕረ ንዋይን ምፍታው ዓለምን ርሓቕ

10, 11. (ሀ) ንዓለም ምፍታው ቀሊል ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ዴማስ ንዓለም ዝፈተዋ ብኸመይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧

10 ሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ስለ ዝዀነ፡ እዛ ዓለም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ እያ ዘላ። (ዮሃ. 12:31፣ 1 ዮሃ. 5:19) ስለዚ፡ መብዛሕትኡ እዛ ዓለም እዚኣ እተወዓውዖ ነገራት፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ይጋጮ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ኵሉ እቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ ነገራት እኩይ እዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ሰይጣን ነዛ ዓለም እዚኣ ተጠቒሙ፡ ንባህግታትና ኺምዝምዞ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሓጢኣት ከም እንወድቕ ወይ ከኣ ንዓለም ብምፍታው ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ዕሽሽ ከም እንብሎ ኺገብረና ኸም ዚጽዕር ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ዮሃንስ 2:15, 16 ኣንብብ።

11 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት፡ ንዓለም ምፍታዎም ጸልይዎም ኪኸውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ዴማስ ነዚ ስርዓት ዓለም እዚ ስለ ዝፈተወ፡ ሓዲጉኒ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞ. 4:10) ዴማስ ንኣየናይ መዳይ እዛ ዓለም እዚኣ ፈትዩ ንጳውሎስ ከም ዝሓደጎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ኣይገልጽን እዩ። ምናልባት ካብ መንፈሳዊ ሸቶታት ንላዕሊ፡ ስጋዊ ነገራት ስለ ዝፈተወ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ዴማስ ኣዝዩ ዜደንቕ መንፈሳዊ መሰል እዩ ስኢኑ፣ እንታይ ኪረክብ ኢሉ እዩኸ ኸምኡ ገይሩ፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ፣ ዓለም ንዴማስ ካብቲ የሆዋ መዓይይቲ ጳውሎስ ብምዃኑ ኺህቦ ዚኽእል በረኸት ዚበልጽ ነገራት ክትህቦ ምኸኣለትዶ፧—ምሳ. 10:22

12. ግዳይ ‘ምትላል ሃብቲ’ ኽንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ንዓና እውን ከምኡ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ንገዛእ ርእስናን ንስድራ ቤትናን ብስጋዊ መዳይ ክንናቢ ንደሊ ኢና። (1 ጢሞ. 5:8) የሆዋ እውን ብምሾት ክንነብር እዩ ዚደልየና፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ንኣዳምን ንሄዋንን ንኺነብሩሉ ዝሃቦም ዜደንቕ ከባቢ ብንጹር ተራእዩ እዩ። (ዘፍ. 2:9) ሰይጣን ግና ‘ብምትላል ሃብቲ’ ኣቢሉ ንባህግታትና ኺምዝምዞ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 13:22) ብዙሓት ሰባት፡ ገንዘብ ሕጉሳት ዚገብሮም ወይ ከኣ ሃብቲ ብሓቂ ዕዉታት ዚገብሮም ኰይኑ ይስምዖም። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ግና፡ ዓይኒ ዘውጽአ ምትላል እዩ፣ ነቲ ዘሎና ኽቡር ጥሪት፡ ማለት ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ከም እንስእን ድማ እዩ ዚገብረና። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ማቴ. 6:24) ንገንዘብ ጥራይ ንግዛእ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ምግልጋል ኣቋሪጽና ኣለና ማለት እዩ፣ ሰይጣን ድማ ከምኡ ኽንገብር እዩ ዚደልየና። ገንዘብ ኰነ ገንዘብ ኪዕድጎ ዚኽእል ነገራት ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ኪዕብልሎ ኽንፈቕደሉ የብልናን። ንሰይጣን ክንቃለሶ እንተ ደሊና፡ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ።—1 ጢሞቴዎስ 6:6-10 ኣንብብ።

ካብ ምንዝርና ርሓቕ

13. እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብዛዕባ ሓዳርን ጾታዊ ርክብን እንታይ ጠዋይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዋ፧

13 ካልእ ሰይጣን ዚጥቀመሉ መጻወድያ፡ ምንዝርና እዩ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ቃል ኪዳንካ እሙን ምዃን፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንሓዳር፡ ናጽነትካ ኸም ዜስእነካን ግዜኡ ዝሓለፎ ኸም ዝዀነን ገይሮም ይርእይዎ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ህብብቲ ተዋሳኢት፡ “ንጽል መውስቦ ንኽልቲኡ ጾታታት ዚኸውን ኣይኰነን። እሙን ዝዀነ ወይ ኪኸውን ዚደሊ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፈልጥን እየ” በለት። ሓደ ተዋሳኢ ድማ፡ “ኣብ ምሉእ ህይወትና ምስ ሓንቲ ኽንጽመድ ተፈጥሮና እንተ ዀይኑ የጠራጥረኒ እዩ” በለ። ከምዚኦም ዝበሉ ህቡባት ሰባት ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ሓዳር ኬናሽውዎ ኸለዉ፡ ሰይጣን ኣዝዩ እዩ ባህ ዚብሎ። ከመይሲ፡ ብዛዕባ እቲ ንሓዳር ዚምልከት መሰናድዎ ዕጅብ ኣይብሎን እዩ፣ ሓዳር ይስመር ኣይስመር ድማ ኣይግድሶን እዩ። ስለዚ፡ ምስ ሰይጣን ተቓሊስና ኽንዕወት እንተ ዄንና፡ ነቲ ንሓዳር ዚምልከት ስርዓት ኣምላኽ ክንድግፎ ኣሎና።

14, 15. ካብ ምንዝርና ኽንርሕቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 እተመርዓና ንኹን ዘይተመርዓና ብዘየገድስ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምንዝርና ንኽንርሕቕ ክንጽዕር ኣሎና። ከምኡ ምግባር ቀሊል ድዩ፧ ኣይፋሉን። ንኣብነት፡ መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ መማህርትኻ ብዛዕባ ዝፈጸምዎ ጾታዊ ርክብ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ብሞባይል እተለኣኣኽዎ ብዕሉግ ነገራት ብጃህራ ኺዛረቡ ኸለዉ ትሰምዕ ትኸውን፣ ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ከምኡ ዓይነት መልእኽቲ ምልእኣኽ፡ ስእለ ጽዩፍ ቈልዑ ምስ ምዝርጋሕ ማዕረ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዚምንዝር . . . ኣብ ገዛእ ሰብነቱ እዩ ዚሓጥእ” ይብል። (1 ቈረ. 6:18) ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማት፡ ብዙሕ መከራን ሞትን እዩ ዜስዕብ ዘሎ። መብዛሕትኦም እቶም ቅድሚ ሓዳር ድንግልናኦም ዘፍረሱ መንእሰያት ድማ፡ በቲ ዝገበርዎ ኸም ዚጥዓሱ እዮም ዚገልጹ። ምንዝርና ዜምጽኦ መዘዝ፡ ካብቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንመዘናግዒ ተባሂሉ ዚቐርብ እተፈልየ እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብቲ መዘናግዒ፡ ሕግታት ኣምላኽ ምጥሓስ ዋላ ሓንቲ ሳዕቤን ከም ዘይብሉ እዩ ዚርአ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኸኣ እዩ ንሰባት ‘ብሓጢኣት ከም ዚታለሉ’ ዚገብሮም።—እብ. 3:13

15 ምንዝርና ንኽትፍጽም ፈተና የጋጥመካ እንተ ኣልዩ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነቲ ዘሎካ ድኽመታት ኣለልዮ። (ሮሜ 7:22, 23) ብርታዐ ምእንቲ ኺህበካ፡ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። (ፊል. 4:6, 7, 13) ናብ ምንዝርና ኺመርሓካ ኻብ ዚኽእል ኵነታት ርሓቕ። (ምሳ. 22:3) እቲ ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ ድማ፡ ነግ ፈረግ ከይበልካ ንጸጎ።—ዘፍ. 39:12

16. የሱስ ንፈተናታት ሰይጣን እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧ ካብቲ ኣብነቱኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

16 የሱስ ንፈተና ብምቅዋም ዝመጸ፡ ሓያል ኣብነት ሰሪዑልና ኣሎ። ብተስፋታት ሰይጣን ኣይተታለለን፣ ብዛዕባ ጥቕምን ጕድኣትን እቲ ፈተናታት ንኺሓስብ ድማ ግዜ ኣየጥፍአን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብኡብኡ፡ “ጽሑፍ ኣሎ” ብምባል እዩ ዚምልስ ነይሩ። (ማቴዎስ 4:4-10 ኣንብብ።) የሱስ ንቓል ኣምላኽ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ፡ ፈተናታት ኬጋጥሞ ኸሎ ቕልጡፍ ስጕምቲ ኺወስድን ጥቕስታት ኪጠቅስን ይኽእል ነበረ። ንሕና እውን ምስ ሰይጣን ተቓሊስና ምእንቲ ኽንዕወት፡ ካብቲ ምንዝርና ንኽንፍጽም ዜጋጥመና ፈተና ኽንርሕቕ ኣሎና።—1 ቈረ. 6:9, 10

ተጻዋርነት ብምርኣይ ኣብቲ ቓልሲ ተዓወት

17, 18. (ሀ) ሰይጣን እንታይ ካልእ ኣጽዋር እዩ ዚጥቀም፧ እዚ ግና ኼገርመና ዘይግብኦ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንሰይጣን እንታይ እዩ ዚጽበዮ ዘሎ፧ እዚኸ ብተጻዋርነት ንኽትነብር ዜተባብዓካ ብኸመይ እዩ፧

17 ትዕቢትን ፍቕረ ንዋይን ምንዝርናን፡ ካብቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ኣጽዋር፡ እተን ሰለስተ ጥራይ እየን። ድያብሎስ ካብኡ ዚበዝሕ ኣጽዋር ኣለዎ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ክርስትያናት ካብ ኣባላት ስድራ ቤቶም ምጽራር የጋጥሞም እዩ፣ መማህርቶም የላግጹሎም እዮም፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ እውን ንዕዮ ስብከቶም ይእግድዎ እዮም። ከምዚ ዓይነት መከራ ግና ኣየገርመናን እዩ፣ ከመይሲ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ስለ ስመይ ከኣ፡ ብዅሉ ኽትጽልኡ ኢኹም፣ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና፡ ኪድሕን እዩ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ።—ማቴ. 10:22

ሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍእ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18 ምስ ሰይጣን ተቓሊስና ኽንዕወት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንነፍስኹም ብተጻዋርነትኩም ከተጥርይዋ ኢኹም” ኢልዎም ነበረ። (ሉቃ. 21:19) ሰባት ኣብ ልዕሌና ዜውርድዎ ነገራት፡ ነባሪ ጕድኣት ኣየስዕበልናን እዩ። ንሕና እንተ ዘይፈቒድናሉ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ኽቡር ዕርክነት ካባና ኺወስዶ ዚኽእል ኣካል ፈጺሙ የለን። (ሮሜ 8:38, 39) ዋላ እውን ኣገልገልቲ የሆዋ እንተ ሞቱ፡ ሰይጣን ስዒሩ ማለት ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ የሆዋ ኻብ ሞት ኬተንስኦም ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 5:28, 29) ብኣንጻሩ ግና፡ ሰይጣን ዘለዎ ተስፋ፡ ጽልሙት እዩ። እዚ ብእኡ ዚግዛእ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቐ ስርዓት ዓለም ምስ ጠፍአ፡ ን1,000 ዓመት ኣብ መዓሙቝ ኺእሰር እዩ። (ራእ. 20:1-3) ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ፡ ንቝሩብ ግዜ “ኻብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ” እዩ፣ ንመወዳእታ እዋን ድማ፡ ነቶም ፍጹማት ደቂ ሰብ ኬስሕቶም ኪፍትን እዩ። ድሕሪኡ፡ ድያብሎስ ኪጠፍእ እዩ። (ራእ. 20:7-10) ሰይጣን ብርግጽ ኪጠፍእ እዩ፣ ንስኻ ግና ተስፋ ኣሎካ። ብእምነት ጸኒዕካ ንሰይጣን ተቓወሞ። ምስ ሰይጣን ተቓሊስካ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ።