ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

የሱስ ኣብ መጻኢ እንታይ ኪገብር እዩ፧

የሱስ ብ33 ድ.ክ. ሞተ፣ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ድማ ናብ ሰማይ ዓረገ። ብዙሕ ጸኒሑ፡ ንጉስ ናይ ምዃን ስልጣን ተዋህቦ። (ዳንኤል 7:13, 14) ኣብ መጻኢ ኸኣ፡ ከም ንጉስ መጠን ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ኣብዛ ዓለምና ሰላም ኬስፍንን ንድኽነት ኬጥፍኦን እዩ።—መዝሙር 72:7, 8, 13 ኣንብብ።

የሱስ ከም ንጉስ መጠን፡ ንምድሪ ኻብ እከይ ኬጽርያ እዩ

የሱስ ከም ገዛኢ ደቂ ሰብ መጠን ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት ኪገብር እዩ። ነቲ ኣቦኡ ዝሃቦ ሓይሊ ተጠቒሙ፡ ንደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኼብጽሖም እዩ። ንሳቶም ድማ ካብ እርጋንን ሞትን ናጻ ዀይኖም ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዮም።—ዮሃንስ 5:26-29፣ 1 ቈረንቶስ 15:25, 26 ኣንብብ።

ሎሚ የሱስ እንታይ ይገብር ኣሎ፧

ሎሚ የሱስ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ይመርሖ ኣሎ። እቶም ሰዓብቱ ንሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል የርእይዎም እዮም። የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ክሳዕ እተጥፍአን፡ ንዕዮ ደቀ መዛሙርቱ ብቐጻሊ ኸም ዚድግፎ ገሊጹ ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20 ኣንብብ።

የሱስ በታ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ፡ ንሰባት ናብ ዝሓሸ ህይወት ይመርሖም ኣሎ። እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ዓለም ጠፊኡ፡ እታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ክሳዕ እትመጽእ ከኣ ኪመርሖም እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:7, 13፣ ራእ. 7:17 ኣንብብ።