ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ የድሕን—ብኸመይ፧

የሱስ የድሕን—ብኸመይ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 የሱስ ህይወቱ መስዋእታዊ በጃ ገይሩ ኣሕሊፉ ምስ ሃበ፡ ንእሙናት ሰባት ኣድሒንዎም እዩ። (ማቴዎስ 20:28) ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ፡ “መድሓን ዓለም” ኢሉ ይጽውዖ እዩ። (1 ዮሃንስ 4:14) ብዘይካዚ፡ “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ድሕነት ብኻልእ የልቦን” ይብል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:12

 የሱስ ‘ኣብ ክንዲ ዅሉ’ እቲ ብእኡ ዚኣምን ሰብ ‘ሞት ጥዒሙ እዩ።’ (እብራውያን 2:9፣ ዮሃንስ 3:16) “ኣምላኽ ግና ንዕኡ ኻብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እዩ፣” የሱስ እውን መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ናብ ሰማይ ተመሊሱ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:15) ኣብኡ ድማ “ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚቐርቡ፡ ኵሉ ሳዕ ምእንታኦም ኪልምን ብህይወት ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ኬድሕኖም ይኽእል እዩ።”—እብራውያን 7:25

ስለምንታይ ኢና የሱስ ምእንታና ኺልምን እንደሊ፧

 ኵላትና ሓጥኣን ኢና። (ሮሜ 3:23) ሓጢኣት ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ከም መጋረዲ ዀይኑ ኣሎ፣ ሳዕቤን ሓጢኣት ድማ ሞት እዩ። (ሮሜ 6:23) የሱስ ግና ነቶም በቲ ንሱ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ዚኣምኑ፡ “ጠበቓ” ይዀኖም እዩ። (1 ዮሃንስ 2:1፡ እግረ ጽሑፍ) ምእንታኦም ይልምን፡ ማለት ኣምላኽ ጸሎቶም ኪሰምዕን ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ ሞቱ ሓጢኣቶም ይቕረ ኺብልን ይልምን እዩ። (ማቴዎስ 1:21፣ ሮሜ 8:34) ኣምላኽ ከኣ፡ እቲ የሱስ ዜቕርቦ ልማኖ ምስ ፍቓዱ ዚሰማማዕ ብምዃኑ፡ ምላሽ ይህቦ እዩ። ኣምላኽ ንየሱስ፡ “ዓለም ብእኡ ኽትድሕን ኢሉ እዩ” ናብ ምድሪ ልኢኽዎ።—ዮሃንስ 3:17

ንምድሓን ብየሱስ ክንኣምን ጥራይ ድዩ ዜድልየና፧

 ኣይፋልን። ንምድሓን ብየሱስ ክንኣምን ዜድልየና እኳ እንተ ዀነ፡ ተወሳኺ ነገር ግና የድሊ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:30, 31) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ሰብነት ብዘይ መንፈስ ምዉት ዝዀነ፡ ከምኡ እውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ” ይብል እዩ። (ያእቆብ 2:26) እምበኣር፡ ንምድሓን ነዚ ዚስዕብ ክንገብር ኣሎና፦

  •   ብዛዕባ የሱስን ብዛዕባ ኣቦኡ የሆዋን ክንፈልጥ።—ዮሃንስ 17:3

  •   ብኣታቶም ክንኣምን።—ዮሃንስ 12:44፣ 14:1

  •   እምነትና ንትእዛዛቶም ብምሕላው ከነርኢ። (ሉቃስ 6:46፣ 1 ዮሃንስ 2:17) የሱስ፡ “ጐይታይ” ዚብሎ ዅሉ ዚድሕን ከም ዘይኰነ፡ የግዳስ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ [ኣቦኡ] ዚገብር” ከም ዚድሕን ገሊጹ እዩ።—ማቴዎስ 7:21

  •   ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ብእምነት ምምልላስ። የሱስ፡ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ” ብምባል ነዚ ንጹር ገይርዎ እዩ።—ማቴዎስ 24:13