ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ምስ ኣሕዋተይ ተሳንየ ኽነብር ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧

ምስ ኣሕዋተይ ተሳንየ ኽነብር ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧

 ዜፍቅሩኻን ዜሕርቑኻን

 ንኣሕዋትካ ተፍቅሮም ኢኻ፣ ንሳቶም እውን የፍቅሩኻ እዮም፣ ሓድሓደ ግዜ ግና ምስኦም ፈጺምካ ኽትሳነ ዘይትኽእል እዩ ዚመስል። ጓል 18 ዓመት ዝዀነት ሄለና ኸምዚ ትብል፦ “ንእሽቶ ሓወይ ኣዝዩ እዩ ዜሕርቐኒ። ብኸመይን መዓስን ከም ዜበሳጭወኒ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።”

 ገሊኡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዚፍጠር ግጭት፡ ብዛዕባኡ ብምምይያጥን ሕድገታት ብምግባርን ጥራይ ኪፍታሕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፦

  •   ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ዚድቅሱ ኽልተ ኣሕዋት፡ ብሑትነት ብዛዕባ ምስኣን ኪከራኸሩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ፍታሕ እንታይ እዩ፧ ሕድገታት ምግባር ተምሃር፣ ንሓውካ ኸኣ ዜድሊ ብሑትነት ሃቦ። ነቲ ኣብ ሉቃስ 6:31 ዚርከብ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተግብሮ።

  •   ክልተ ኣሓት፡ ፍቓድ ከይሓተታ ኽዳን ሓድሕደን ይኽደና ይዀና። እቲ ፍታሕ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እቲ ጸገም ተመያየጣ፣ ሚዛናዊ ደረት ድማ ግበራ። ነቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:24 ዚርከብ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተግብራኦ።

 ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ግና፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዚፍጠር ጸገማት ኣዝዩ ኸቢድን ሕማቕ ሳዕቤናት ዘለዎን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ክልተ ኣብነት እሞ ርአ፦

  •   ሚርያምን ኣሮንን ንሓዎም ሙሴ ቐኒኦምሉ ነይሮም፣ እዚ ኸኣ ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ነይርዎ። ነቲ ኣብ ዘሁልቍ 12:1-15 ዚርከብ ጸብጻብ ኣንብቦ። ድሕሪኡ ንርእስኻ፡ ‘ብኣሕዋተይ ካብ ምቕናእ ክሕሎ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’ ኢልካ ሕተታ።

  •   ቃየል ኣዝዩ ኻብ ምቝጣዑ እተላዕለ ንሓዉ ኣቤል ቀቲልዎ እዩ። ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 4:1-12 ዚርከብ ጸብጻብ ኣንብቦ። ድሕሪኡ ንርእስኻ፡ ‘ምስ ሓወይ ወይ ሓብተይ ኣብ ዘሎኒ ርክብ፡ ቍጥዓይ ክቈጻጸር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’ ኢልካ ሕተታ።

 ክትሳነ ዜድልየካ ኽልተ ምኽንያት

 ምስ ኣሕዋትካ ተሳኒኻ ምንባር ክሳዕ ክንደይ ከቢድ እዩ ብዘየገድስ፡ ከምኡ ንምግባር ክትጽዕር ዜድልየካ እንተ ወሓደ ኽልተ ምኽንያት ኣሎ።

  1.   ብሱል ምዃንካ ዜርኢ እዩ። ኣሌክስ ዝስሙ መንእሰይ ከምዚ ይብል፦ “ምስተን ክልተ ንኣሽቱ ኣሓተይ ቀልጢፈ እየ ዝሓርቕ ነይረ። ሕጂ ግና ምሳታተን ዝያዳ ህዱእን ዕጉስን እየ። ልቦና ዘጥረኹ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንቝጥዓ ደንጓዪ ብዙሕ ምስትውዓል ኣለዎ፣ ዓቕሊ ዘይብሉ ግና ዕሽነት የርኢ።”—ምሳሌ 14:29

  2.   ንመጻኢ ጽቡቕ ስልጠና እዩ። ንዘይፍጽምና ኣሕዋትካ ኽትጻወሮ እንተ ዘይክኢልካ፡ ምስ መጻምድትኻ፡ መሳርሕትኻ፡ ኣስራሒኻ፡ ወይ ምስ ካልእ ሰብ ተሳኒኻ ኽትነብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

     ክውንነት ህይወት፦ ኣብ መጻኢ ምስ ሰባት ዕዉት ርክብ ኪህልወካ እንተ ዀይኑ ዚውስኖ፡ እቲ ናይ ምርድዳእን ሕድገታት ናይ ምግባርን ክእለትካ እዩ፣ ነዚ ኽእለት እዚ ኸተማዕብለሉ እትኽእል ዝበለጸ ቦታ ድማ ኣብ ስድራ ቤትካ እዩ።

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።”—ሮሜ 12:18

 ምስ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ዘሎካ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ሓገዝ የድልየካ ድዩ፧ ነቲ “መዛኑኻ እንታይ ይብሉ” ዚብል ኣንብቦ፣ ነዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ “ምስ ኣሕዋትካ ተሳኒኻ ምንባር” እትብል ወረቐት ዕዮ እውን ርኣያ።